ዲያስፖራ ተጋሩ ሰሜን አሜሪካ ን እዋናት ከኽብርዎ ዝፀንሑ ዓመታዊ ፌስቲቫል ሎሚ ዓመት እውን “ፌስቲቫል መኸተ” ብዝብል ቴማ ክኽብር ምድላዋት ተዛዚሙ ከምዝርከብ ኣሰናዳኢት ኮሚቴ ሓቢራ። እቲ ፌስቲቫል ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ካብ ዕለት 11 – 17 ሓምለ 2022 ኣ/ፈ ዝካየድ ኮይኑ መደባት እቲ ፌስቲቫል ድማ ብምትሕብባር ማሕበር ተጋሩ ኣብ ሰሜን አሜሪካ፣ ማሕበር ልምዓት ትግራይ ጨንፈር ሰሜን አሜሪካ፣ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ጨንፈር ሰሜን አሜሪካ፣ ማሕበር መናእሰያት ተጋሩ ኣብ ሰሜን አሜሪካን ካልኦት ፈተውትን መዳርግቲ ኣካላትን ክእለይ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ኣብዚ ብ ዓይነቱን ጠለባቱን ከቢድ ቃልሲ ዝሓትት ፍሉይ እዋን ኮይንና ክባን ዕፅዋን ትግራይ ዝፍንፀሐሉ መዳያት፣ ኣብ ኢድ ወረርቲ ዘለው ክፋል መሬት ትግራይ ሓራ ዝወፅእሉ፣ ብ ዓብዪኡ ድማ ኣብ ከምዚ ዓይነት ቅሉዕ ኣፅናቲ ኲናት ተሳጢሑ ዘሎ ህዝብና እነድሕነሉ መንገዲ እናተዛተና ሓድነትና እነደንፍዐሉን፣ ከምኡ እውን ክብርታትናን መንነትናን እንዕቅበሉ ፌስቲቫል መኸተ ክኸውን ብ ሐዚና ነትስፍው።

ኣብ እቲ ፌስቲቫል ዝተኻተቱ መደባትን ዝሳለጥሉ ሰሌዳ ግዘን ንምምልካት ድማ እዚ ዝስዕብ ጠነግ ብ ምጥዋቕ ወይ እውን እታ ኣብ እቲ ‘ጋለሪ’ ተታሓሒዛ ዘላ ‘ባር ኮድ’ ‘ስካን’ ብ ምግባር ዝርዝር ምርካብ ይከኣል።

Bar Code

https://events.eventgroove.com/event/Mekhete-Festival-Tigray-2022-Dmv-64918

ሰናይ ቅነ ፌስቲቫል መኸተ 2022
ካብ ዓይጋ!

By aiga

One thought on “ፌስቲቫል መኸተ 2022 ዲያስፖራ ተጋሩ”

Comments are closed.