ክቡራትን ክቡራንን ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም፧ ከመይ ኣለኽን፧ ብምባል ናብ ቁውም-ነገረይ ብቐጥታ ክኣቱ እፈቱ።ርሑስ በዓል ፋሲጋ ንኣመንቲ እምነት ክርስትና እናበልኹ።ነቶም ኣመንቲ እምነት እስልምና ድማ ርሑስ ፆመ ሮመዳን ክገብረሎም ብምምናይ`የ።

ከም`ቲ ኣብ ኣርእስቲ ኣንቢብክምዎ ዘሎኹም ንሎሚ ብኸፊሉ ንሌተናንት ጀነራል እያሱ መንገሻ ክዝክር ተቐሲበ ኣሎኹ።ቕድሚኡ ግን ወላ እኮ ምስ ሌ/ጀነራል ላህመታዊ ኣፍልጦ ተነበረኒ-ብዕምቆት ክፈልጦም ምስ ተበገስኩ ግን ወድ’ቶም ዓበይቲ ሥድራ ዝኰኑ እንዳ ኣቶ መንገሻ ብሩ (ብሩ ወልቃይቴ) ኰነ ወድ ሓዎም ንኣቶ ሚካኤል ብሩ ኰይኖም ብምጽንሖም መገደይ ከንውሖን ግዳሰይ ክዕምዎን ሃንቃ ገይረ እየ።

በሉ ቕድሚኡ፡ተጓንፎይ ገለ ከውስእ እፈቱ።ሌ/ጀ እያሱ መንገሻን ዓቢይ ምሁር ዝዀኑ ኣቶ ነዋይ ገብረኣብ ቢያርግልኝ ብታሪኾምን ብኣካል ክፋለጦም ዕድል ገይረ ነይረ።ሳላ ዶ/ር ሰሎሞን ዑንቓይን ጀነራል ሰዓረ መኰነንን ቕድሚ 17 ዓመት ንክጽሕፎ ዝነቀንክሉ መፅናዕታት (ግን ዝተሰናከለ)፥ደሓር ድማ ቕድሚ 12 ዓመት ዳግማይ ዘበራረብርኽዎ (ጀነራል ምስ ዓረፉ) ኣብ ገለ ሸነዂ ሓገዝተይ ብምንባሮም ብመገዶም ዝተረኽበ ዲል ክፋለጦም በሪ ተራሕይዉለይ ምንባርሩ እዝክር።

    ንሎሚ፡ንክልቲኦም ነፍሲሄራት መንግሥተ ሰማይ የዋርሶም እናበልኹ፥ናብ ጉዳየይ ክምለስ እየ።ኣብ ወርሒ መጋቢት ዓመተ 2022 ዓ/ም/ፈ፡ብዛዕባ ስድራ ኣቦይ መንገሻ ብሩ-ብመገዲ ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ፣ዶ/ር ዳኒኤል ተፈራን እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖትን ሰፊሕ ዕድል ምስ ረኸብኩ።ጦብላሕታይ ንእለቱ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽቦታት-ብከም`ዚ መልክዑ ኣስፊረ ምንባረይ ብምውሳእ`ዩ።

By aiga