ካብ ገፅ-መፅሓፍ ካሕሳይ ኣብርሃ:
“ንሕና መንበረ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ትግራይ ዝመስረትና፣ ‘ኣይተድልዩናን’ ኢሎም ስለዝደፍኡናን ክንበርስ ስለዝጨፍጨፉናን እምባር ብፅጋብናን ባህግናን ኣይኮነን። ኣይተድልዩን ኢሉ ከጥፍአካ ንዝወሰነልካ ኣካል ድማ ‘የድልየካ ዶ ይኾን’ ኢልካ ኣይኽየድን። መንበረ ሰላማ ካብ ንኡስ ክሳብ ዓብዪ ትግራዋይ መስዋእቲ ዝኸፈለሉ ስለዝኾነ ኣቃሊልካ ዝረአ ኣይኮነን። እቲ ምንታይ ብመስዋእቲ ዝተመስረተ መንበረ ሰላማ ኣቃሊልካ ምርኣይ ማለት፣ ነቲ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ምርኻስ እዩ ዝኾን።
“ስለዚ ባህጊ ህዝብናን እቲ ወድዓዊ ክነታትን ኣብ ግምት ብምእታው ክሳብ መወዳእታ መስዋእቲ ክንከፍል ወሲንና ዝመስረትናዮ ስለዝኾነ፣ ከምቲ ‘ዕርፊ ሒዝካ ንድሕሪት ኣይረአን’ ዝበሃል ጉዕዞና ንቕድሚት እምባር ንድሕሪት ኣይኮነን። ይትረፍ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ እናደገፈናስ እንተዘይድግፈና እውን ክሳብ ህይወት መስዋእትነት እናተቓለስና ክንተኽሎ ዝግባእ እዩ ነይሩ። ስለዚ መንበረ ሰላማ ብወነ (ስምዒት) ዘይኮነስ ብውነ ዝተትሓዘ መደብ እዩ። ስለዝኾነ ህዝቢ ከምቲ ልሙድ ኣብ ጎድኒ መንበረ ሰላማ ኮይኑ ደገፉ ክቕፅል ይግባእ”