ዎልፍ ዋገን

ህዝቢ ትግራይ፥ ካብ መበቆሉ ጀሚሩ ዓርሰ ምሕደርኡ አረጋጊጹ ዝሓደረ ሉኣላዊ ህዝቢ ንሙኻኑ መሰኻኽር ዘድልዮ ኣይኮነን። ታሪኽ ከም ዝሕብሮ ህዝቢ ትግራይ፥ ካብ ተጽዕኖ ናይ ደገ ሓይልታት ነጻ ዝኾነ ናተይ ዝብሎ ታሪኽ፣ ስርዓት፣ ምሕደራ፣ ባህሊ፣ ፖለቲካን ስልጣነን ሒዙ ዝመፀን ዘሎን፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘመናት ከም ህዝቢ ከንበርክኽዎን ከጽንትዎን ኣብ ልዕሊ ህልውንኡን መንነታዊ ኽብሩን ዝተልዓሉ ናይ ቀረባን ናይ ርሑቕን ፀላእቱ እናመከትን መስዋእትነት እናኸፈለን ሓድነቱ ዘመስከረ ብርቱዕ ተቓላሳይ ህዝቢ ‘ዩ። ትግራዋይ ከም ውልቀ ሰብ ዝመስሎን ዝደለዮን ፖለቲካዊን ማሕበራውን ምልከታትን ኣተሓሳስባትን እንተሰጎመውን ከም ህዝቢ ግን ትግራዋይ ሓደ ህዝቢ ‘ዩ። ብምኻኑ ድማ፥ ትግራዋይ ከም ህዝቢ ኣብ ናይ ካልኦት ብሄር ብሄራትን ህዝብታትን ጣልቃ ናይ ምእታው ድሌት ከም ዘይብሉ ኹሉ ካልኦት ኣብ ጉዳዩ ጣንቃ ኣትዮም ንኽፍትፍቱ ዝፈቅድ ህዝቢ ኣይኮነን፤ ከምዚ ዝበለ ታሪኽ ‘ውን የብልናን። እቲ ሕቶ፥ ውሕስነት ህልውናና ዝኾነ ሓድነትና ከም ንሓልዎ? ዝብል ‘ዩ።

ሃለዋትን ደሕንነት ትግራዋይ፥ ከም ህዝቢ ሓደ ህዝቢ ኾይና ደው እንተልና ጥራሕ ‘ዩ። ትግራዋይ ከም ውልቀ ሰብ፥ ዝደለዮ ሃይማኖት፣ ባህ ዝበሎ ማሕበራዊ አንፈት፣ ዝመረፆ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ፥ ናይ ምኽታል፣ ናይ ምስጓምን ደስ ዝበሎ ደርፊ ወሊዑ ናይ ምልሃይ ዘይገሃስ መሰል ዘለዎ ወዲ ዓዲ ‘ዩ። ትግራዋይ ሓደ ህዝቢ ‘ዩ ክበሃል ከሎ፥ ሓንቲ ሃይማኖት፣ ሓንቲ ናይ ፖለቲካ ውዳበ/ፓርቲ፣ ሓንቲ ማሊያ ይከደን፣ ይከተል! ወይ ድማ ሓንቲ ደርፊ ከፊቱ ይለሀ ማለት ዘይኮነ ትግራዋይ ሓደ ህዝቢ ‘ዮ ክበሃል ከሎ፥ ውልቃዊ መሰላቱ ተሓልዮምሉ እንትበቅዕ ከም ህዝቢ ንሃለዋቱ፣ ንኽብሩን ንመንነቱ ዘይዋጋ ህዝቢ ማለት ‘ዩ። ሃይማኖትካ፣ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባኻን እምነትካን ንውድብ ስለ ዘይትመስልን ዘይትኽተልን፣ ውድብ ስለ ትቃወም፣ ንሕና ዝበልናዮ ስለ ዘይትገብር፣ ንዓና ስለ ዘይትሰግድ፣ ካብ ፍቓድናን መሓውራትናን ወጻኢ ስለ ትንቀሳቐስ፥ ንስኺ/ንስኻ ትግራዋይ ኣይኮንካን ዝብል
ዝመረተ ኣተሓሳስባ ብኣንጻሩ ጸረ-ትግራዋይነት ‘ዩ። ብመሰረቱ፥ ንስኻ ትግራዋይ ኢኻ፥ ንስኻ ከምዚ ኢኻ ናይ ምባል መሰልን ስልጣንን ዘለዎ ውልቀ ሰብ ኮነ ጉጅለ የለን። ውልቃዊ ረብሓታቱ ንምሕላው ዓሊሙ ዝተፈላለዩ ናይ ሓሶት ታፔላ እናለጠፈ ተጋሩ ዝኸፈፍልን ዝብትንን ትግራዋይ ውልቀሰብ ይኹን ውዳበ የለን ኢልካ ምሕሳብ ግን ህስነት ‘ዩ።

ትግራዋይነት እንታይ ‘ዩ?

ትግራዋይነት፥ ይዕበ ይንአስ ትግራዋይ ዘበለ ኹሉ ንመሰሉን ረብሓታቱን ሓደ ህዝቢ ዄንካ ደው ምባል ‘ዩ።

ትግራዋይነት፥ ህዝቢ ትግራይ እንታይ ክበልዕን ክሰትይን፣ በበይ ክኣትውን ክወፅእን፣ ከመይ ክኸይድን እንታይ
ክገብርን ከም ዘለዎን ከም ዝግብኦን ክነግርዎን ከምህርዎን ዝደልዩ ናይ ውሽጥን ናይ ግዳምን ሓይልታት እምብለይ
ጠንጠነለይ ማለት ‘ዩ።
ትግራዋይነት፥ ቁጽርና ከም መልክዕና እልፍ ኣእላፋት ኮይና ክነብቅዕ፥ ንሃለዋትናን ድሕንነትና፣ ንኽብርናን
ንመንነትናን ከም ሓደ ህዝቢ ደው ምባል ‘ዩ።
ትግራዋይነት፥ ዓንድን ፅላልን ኮይኑ ከም ህዝቢ ደው ዘበለና፣ ዋሕስ ህላውናን መንነትን ‘ዩ።
ትግራዋይነት፥ ትግራዋይ ነፍሱን ዓዱን ሓልዩ ንኽነብር ዘኽእሎ ኒኩለር ቦምብ ‘ዩ (አባህላይ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ከብራህርሆ ‘የ)። 
ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ንኹሉልና ግልጺ ክኸውን ዘለዎ ሓቂ እንተሃለወ፥ ምንጪ ናይ ትግራዋይ ናይ ቃልሲ መንፈስ ብዝምልከት ‘ዩ። ናይ ትግራዋይ ናይ ቃልሲ መንፈስ ሓደ ሓደ ሕንከት ዘይፈልጡ፣ ብጥቕምን ብስልጣናን ዝዓወሩ፣ ብናይ ትማሊ ሰዓት ዝቖፅሩ፣ ፈጺሞም ካብ ሕሉፍ ዘይመሃሩ ሰበት ክነግሩና ከም ዝፍትንዎ ዘይኮነ፥ 
• ፍልፍል ናይ ትግራዋይ ናይ ቃልሲ መንፈስ ዓላማ ዝማእኸሉ ብሄርተኛ ትግራዋይነት ‘ዩ። 
ዘይነበርናሉ ዘመን (1967 ዓ/ም) ገዲፊና ናይ ሎሚ ነውግዕ እንተይልና “ውድብ ናብ ስልጣን ትመለስ፣ በዓል እገለን እገሊትን ናብ ስልጣኖም ይመለሱ” ኢሉ ዝተቓለሰን ዝቃለስን ትግራዋይ የለን ክህልውን ‘ውን ኣይኽእልን።
ጥቕምን ስልጣንን በፃብዕቲ ዝቑፀሩ ውልቀ-ሰባት ንኽሕልው ህይወቱ ዝገበረ ትግራዋይ የለን። ካልኦት ንዝቕመጥዎ ስልጣን ኣካሉ ዘጉድል፣ ህይወቱ ዝግብር ሰብ እንተሃልዩ ብሓቂ ስሑት መዓልቲ ውዒሉ 'ሎ።

By aiga