ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

ዓላማ ናይዚ ፅሑፍ፥ ኩልና ከም ንፈልጦ ህልው ኩነታት ዓድና ሓድ ሓደ ጉዳያት ኣልዒልና ብቑልዕ ንኽንመያየጥ፣ ሃናፃይ ብዝኾነ መልኽዑ ንኽንወቓቐስ ዝፈቅድ ብዘይ ምዃኑ ቅድሚ ሕዚ ብዕሙቀት ዘየልዓልናዮም መመያየጢ ዛዕባታት ኮይኑ ግን ኩልና ኣብ ዘዘለናዮ ኾይና ብመንፈስ ዝተረዳዳእናሉ ዝመስል ኮይኑ ግን ሕዚ ‘ውን ተመሳሳሊ መንገዲ ብምኽታል ዝሓለፈ ስሕተት ንኸይድገም መዳለዊ ናይዚ ፅሑፍ ከም ሓደ ትግራዋይ ንምዝኽኻርን ሞያዊ ምኽሪ ንምልጋስን ዝዓለመ ሓፂር ፅሑፍ ‘ዩ።

መእተዊ፥ ኣመሪካውያን “shock and awe” ይብልዎ። እዚ ማለት፥ በዝሒ ዘለዎ ሰራዊትን ብርክት ዝበለ ወታደራዊ ንዋትን ብምስላፍ ብሓደ ጊዜ ሓያል መጥቃዕቲ ብምኽፋትን ብምክያድን ፀላኢ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምግባርን ምድምሳስን ማለት ‘ዩ። ኣሜሪካ ከምዚ ዝበለ ናይ ጦርነት ስትራቴጂ ተግባራዊ ዝገበረቶ 2003 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ዒራቕ ዝፈፀመቶ ወረራ ከም ዝነበረ ድማ ይፍለጥ። ቅድም ክብል ‘ውን ሶቬት ሕብረት (ናይ ሎሚ ራሽያ) ብ1979 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ኣፍጋኒስታን ዝፈፀመቶ ወረራ ዝተኸተለቶ ናይ ምኽባብ፣ ምንፃልን ምድምሳስን ስልቲ ከም ዝኾነ ይንገር። ዐቢይ ኣቢይ ዓሊ ኖቨምበር 4/2020 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ወራር፥ ወለዲ “ፈራሕስያ ዓሰርተ በትሩ ከም ዝብልዎ” ዓቕሙን ዓቕሚ ህዝቢ ትግራይን ኣፀቢቑ ስለ ዝፈልጥን ዝርዳኣን ትግራይ ቅድሚ ምውራሩ ምስ ጎረባብቲ ሀገራትን መንግስታትን ከም ዝመኸረን ከም ዝዘከረን ይፍለጥ። ብምዃኑ ድማ፥ ዐቢይ ኣቢይ ዓሊ ሐሰተኛ ዝኾነ ናይ ፈጠራ ድርሳን ብምግዋሕ ኖቨምበር 4/2020 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈፀሞ ወራር፥ ምስ ሱዳን መኺሩ፣ ብሰማይ ናይ ኢምሬትስ ሰብ ኣልቦ ድሮናታን ኣብረርተንን ዓዲሙ፣ ብሰሜን ስፍርን ቁፅርን ዘይብሉ ሰራዊት ኤርትራን ሶማሊያን፣ ብምብራቕ ዕጡቓት ዓፋርን ኢትዮጵያን፣ ብሸነኽ ምዕራብን ደቡብን ድማ ስሩዕ ሰራዊት ኢትዮጵያን ኢንተርሃምዌ ዕጡቕን ሚንሻን ኣምሓራይ፣ ከምኡ ድማ ካብ ኦሮሚያ፣ ሱማሌ፣ ጋንቤላ፣ ደቡብ ውዘተ ዝዘመቱ ናይ ክልላት ዕጡቓት ኣሰባሲቡ ትግራይ ሙሉእ ብሙሉእ ብምኽባብ፣ ናይ መረጃ ተፋሰስ ኾነ ናይ ሚድያ ስራሕቲ ንኸይህልው ብምግባር (ትግራይ ካብ ዓለም ብምንፃል)፣ ኩሉ ዓይነት ደንዳብን ጅምላዊ ጭፍጨፋን ብምክያድ ትግራይ ካብ ካርታ ትግራዋይ ደም ዘልዎ ዘበለ ኹሉ ህልውና ንኸይህልዎ እቲ ዝተረፈ ‘ውን ንዝቕፅል ሓደ ሚእቲ ዓመት ቅንዕ ኢሉ ንኸይኸድ ዓቕሙ ዝፈቐዶ ኹሉ ገይሩ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ብኣንፃሩ፥ ከም ህዝቢ ብዝገጠሞ ሃንደበታዊ ህልቂትን ጥፍኣትን ከየደናገፀ፤ ካብ ቃልሲ ወፃኢ ካሊእ መማረፂ ከም ዘብሉ ኣሚኑ ንህልውንኡን ድሕንነቱን ቆሪፁ ሰራዊት ፈጢሩ ሳለ ዝተቓለሰ ድማ እቲ ዝኸፍኣ ናይ ባርነት ህይወት ሓሊፉ እነሆ ነዚ ዕለት እዚ በፂሑ ይርከብ።  

ይብላዕያ ኣሎ ተበልዎስ ጥሕሎ ምስ ሽንጣሩ!

ሸውዓተ ወርሑ ዝሓዘ ጉዳይ ራሽያን ዩክሬይንን ተዘይፍጠር ነይሩ ግልፂ ዝኾነ ወታደራዊን ፖለቲካውን ስዕረት ዝገጠማ ኢትዮጵያ ኮን ደኾን ይኾነለይ ብዝብል ፈተነ ዳግም ከምዚ ዓይነቱ 3ይ ዙር መጥቃዕቲ ኣይምኸፈተትን እቲ ሕዚ ዘሎ ጦርነት ‘ውን ተገደደ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ መብቀዓ ነይሩ ዝብል እምነት ‘ዩ ዘለኒ። ጉዳይ ራሽያን ዩክሬይንን፥ ከም በዓል ኣቢይ ኣህመድ ዓሊን ኢሳይያስ ኣፈወቂን ዝኣመሰሉ ካብ ኩሉ ሓዲግ ዝተረፉ ውልቀ መለኽቲ መራሕቲ ኣፍሪካ ሕማቕ መርኣያ ኮይኑ ‘ዩ። ብፍላይ ኣቢይ ኣህመድ ዓሊ ዝኣመሰለ ኣብ ቴሌቪዥን መስኮት ዝረኣዮን ዝሰምዖን ኩሉ ክገብሮ ከም ዝኽኣል ዝኣምን ቀሊል ፍጥረት መዘዞም ቀሊል ኣይኮነን። ኣቢይ ኣህመድ ዓሊ እቲ ሕዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ን3ይ ጊዜ ዝኸፈቶ መጥቃዕቲ ከምቲ ኣብ መእተዊና ዝረኣናዮ ራሽያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብፍላይ ድማ ናይ አዞቭ ሰሜናዊ ገምገም ባሕሪ ትርከብ ማሪፑል ተባሂላ ትፍለጥ ከተማ ዝተኸተሎ ኣውዳሚ ወታደራዊ ስራቴይጂ ናይ ልቢ ልቢ ስለ ዝሃቦ፤ ሕዚ ‘ውን ምስ ኤርትራ ግንባር ብምፍጣር ብኹሉ ግንባራት በዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ብምስላፍን ፃዕቂ ዘለዎ መጥቃዕቲ ብምፍፃምን ዳግም ከተማ መቐለ ክቆፃፀር ከም ዝኽእል ስለ ዝኣመነ ‘ዩ። ውፅኢቱ ‘ውን ተኾነ ከምቲ ዝሓሰቦ ዘይኾስ ኣብ ውሽጢ ሳልስቲ ፈፂሙ ዝይገመቶን ንምኣማኑ ዘፀግም ኾይኑ ስለ ዝረኸቦ እነሆ ዝረኸቦ ዕድል ኩሉ እናተጠቐመ የእውን ንምይይጥ ‘ውን ድልዊ ምኻኑ ይሕብር ኣሎ። ይብላዕያ ኣሎ ተበልዎስ ጥሕሎ ምስ ሽንጣሩ! ዝብልዎ ከምዚ ዝበለ ‘ዩ።

ጊዜ ታክሲ ኾይኑ ደው ኢሉ ኣይፅበየናንሞ ዕድልና ንጠቐመሉ

እቲ ዝገርም፥ ትንፋስ ዘስእን፣ ሓያል ፀቕጢ ብምፍጣርን ብምፅዳፍን ዓቕምን ብቕዓትን ሰራዊት ትግራይ ንምክፍፋልን ንምምንማንን (ንምውቃዕ)፤ ከምኡ ‘ውን፥ እቲ ብሕማምን ብጥሜት ደኺሙን ተሓሲዩን ‘ዩ ዝበልዎ ህዝቢ ትግራይ ንምርዓድን ንምንብርካኽን ዓሊሞም ብኹሉ ኣንፈት ከፊተምዎ ዝርከብ 3ይ ዙር መጥቃዕቲ ጀመርቲ ንሳቶም ባዕላቶም መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮይኖም እንተብቅዑ ወያነ ጦርነት ከፊትልና፣ ብኹሉ ግንባር ጦርነት ዝኸፈተልና ምኽንያት ድማ ዝገብሮ ስለ ዝሰኣነ ‘ዩ! እናበሉ ሓውሲ ኣውያትን “ሓልዮትን” ምስማዕና ‘ዩ። ትግራይ 360 ዲግሪ ኣብ ከበባ ይእትዮም ብኹሉ ኣንፈት 3ይ ዙር መጥቃዕቲ ዝኸፈቱ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ባዕላቶም ኮይኖም እናሃለው ተመሊሶም ድማ “ብኹሉ ግንባራት ጦርነት ምኽፋት መቓብርካ ምፍሓር ‘ዩ” እናበሉ ሓሶት ክችርችሩ፣ ከባጭዉን ክመፃደቑን ምስማዕ፥ መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሓቂ ወታደራዊ ስርሒቶም ጥራሕ ዘይኮነ ዓይነ መርፍኡ ጠፊእዎ ዘሎ ህልው ፖለቲካዊ ቁመንኦም ብተመሳሳሊ ክሳብ ክንደየናን ቁልቁል ከም ዝወረደ፣ ከም ዝተዛበዓን ዝተዋቐዖምን ዘመላኽት ሓቂ ‘ዩ። ፀዓዱ ናይ ፖለቲካ ሊቃውንቲ ከምዚ ዝበለ ሲሳይ እንተጋጥም “Never let a good crisis go to waste” ዝብል ምኽሪ ብምሃብ ድማ ይፍለጡ። እዚ እንታይ ማለት ከም ዝኾነ ንስሕቶ ኢና ዝብል እምነት ስለ ዘይብለይ ናብቲ ዝቕፅል ሓሳበይ ክሓልፍ።     

ህዝቢ ትግራይ ብዝኸፈሎ ናይ ህይወት መስዋእትነት ልክዕ ተረባሒ ዝኾነ ህዝቢ ከም ዘይኮነ ዘከራኽረና ኣይኮነን። ሰኣን ብቑዕ መሪሕነት ቃልሱን መስዋእትነቱን እናተጨውየ ብዙሕ ዕድል ዘምለጦ ህዝቢ ‘ዩ። እንተ ሎሚ ግን ሓዲኣ ኣላ። ተጋሩ ከም ህዝቢ፥ ክንዓቢ፣ ከንልወጥ፣ ተረባሕቲ ክንከውን፣ ክሓልፈልና ተኾይኑ ሎሚ ሰዓታ በፂሓላ። ትርኪ ምርኪ መምኽነይታ እናፀፍፀፍና፥ ሕሉፍ ሓሊፍና ድማ ብሽምን ሽፋንን ሰላምን ስልጣነን ሎሚ ‘ውን እዚኣ ተምልጠና በሃልቲ ተዘይኮይና ድሕሪ ገዲም፥ ጉሒላታት አስመራ ኾኑ አዲስ አበባን ጎንደርን ናብ ትግራይ ገፆም ዝር ንከይብሉ ክንገብር፣ ረዚን ህዝቢ ክንፈጥር፣ ትግራዋይ ዘልአለም ተኸቢሩ ክነብር ተኾኑ፥ ንአዲስ አበባ (ክሳብ ዝኾነ ዝኾን) ከምታ ዝሓለቐትና ክንሓንቃ፥ አስመራ ‘ውን እተን ብስርቅን ብዓመፅን ፅዒና ዝወሰደተን ሀብትን ንብረትን ህዝቢ ትግራይ ብቑፅሪ ክነምልሰን ኣለና። እዚኣ ኣብ ምግባር ዘወላውልን ዘይዕነይንይን ፖለቲካዊ ኾነ ወታደራዊ መሪሕነት ትግራይ ድማ ክህልው ኣይግባእን። ንሳቶም ጀሚረምዋ ኣለዉ ንሕና ድማ ክንውድኣ ኣለና።

ብርግፅ፥ ብደቡብ፣ በምዕራብ፣ ብሰሜን፣ ብምብራቕ ብዓፋር ተኸፊትና ዘሎ መጥቃዕታ ኣነ ከም ዝርድኣኒ ሰራዊት ትግራይ ምክልኻል ኣብ ዘለዎ እናተኸላኸለ ክጥቅዕ ኣብ ዘለዎን ዝግብኦን ስፍራን ሰዓትን ብተመሳሳሊ እናጥቀዓን ከም ዝርከብ ኮይኑ ‘ዩ ዝስመዓኒ። ብርግፅ እዚ ዓይነቱ ስልቲ ከምቲ ፀላእትና ዝሓሰብዎ ዘይኮነ ንዓና ብዝጥዕመና መንገዲ እቲ ዓወደ ኩናት ምቕራፅናን ምቕያርናን ንዝለዓለ ዓወት ከም ዘብቀዓና ኣየጠራጥርን። ኣፃዲፎም ዳግሞ ንኸፅንቱና ዝወፍሩ ጥምር ሰራዊት ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣፃዲፍና ክነቃብፆም ተኾይኑ ግን ብዝመፅዎ ፍጥነት ልክዕ ጎቲትና ክነፅድፎም ኣለና። ፀላኢ ስለ ዝተኾሰ ኩል ጊዜ ኣይትትኩሰሉን፣ ስለ ዝጎየየ ድማ እናሰዓብካ ኣይተመላጥጦን። የግዳስ፥ እታ ምትኳስ ኮነት ምምልጣጥ ተረባሒ ትገብረካ ተኾይና ጥራሕ ‘ዩ። ሰራዊት ትግራይ፥ ብሓቂ ከምቲ ዐቢይ አህመድን ዓሊን ኢሳይያስ አፈወርቂን ዝመኸርዎ ምኽሪ ተዝኸውን ነይሩ እዚ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ተሓፊሱ ዘሎ ተኣምራዊ ዝኾነ ዓወት ኣይምተሓፈሰን ነይሩ። እታ ዓንኳር መልዕክተይ፥ ፀላእትና ዝገበሩ ገይሮም ከብቅዑ፥ ብሽም ዕርቅን ሰላምን ሎሚ ምስ ነውሮም ተሓዲግናዮም፥ ዘመን ሓሊዮም ዝኸፍኣ ገበን ምፍፃሞም ስለ ዘይተርፍ ከም ዝሕሞም ጌርና ኣፀቢቕና ንቕፀዓዮም ባሃላይ እየ። ሻዕቢያ ‘ውን ተኾነ፥ ህዝቢ ትግራይ ብደሙን ብረሃፁን ዘጥረዮ ሀብቱን ንብረቱን ወሪሩ ንኸግፀሉ ስለ ዘይግባእ እቲ ብዶባት ኤርትራ ዘላ ምክልኻል ጥራሕ ትመስል ዘላ ኣብ ሓፂር መዓልታት ናብ መጥቃዕቲ ተሰጋጊራ ሒሳብና ክነወራርድን ህዝብና ክንድብሶን ይግባእ። ሻዕቢያ ኾነ ናይ ጎንደር ትምክሕተኛ ሓይሊ፥ ህዝቢ ትግራይ ወቒዖምን ኣበሳቢሶምን ብዘይ ፍትሕን ፍርድን ብነፃ ክኸዱ ከም ዘይኽእሉ ከነፍልጦምን እዛ ሕዚ ንሳልሳይ ጊዜ/ዙር ኣብ ርእሴና ከፊቶምዋ ዘለዉ ጦርነት መጥፍኢቶም ክንገራ ኣለና።

ሓቂ ‘ዩ፥ ዘልኣለም ቁስሊ እናሓኸኽና፣ ብረት እናወዛወዝናን እናተታኾስና ኣይንነብርን። ከምዚ ዝበለ ፀረ ልምዓትን ዕቤትን ዝኾነ ናይ ሁከትን ደምነትን ህይወት ንዓና ብቐንዱ ኣይረብሓናን። ናይዚ ንገብሮ ዘለና ቃልሲ ዓላማን ሽቶን ‘ውን ተኮነ ብመስዋእትነትና እንጎናፀፎ ነፃነትና ተጠቒምና ከንዐብን ሰብ ኣብ ዝበፅሖ ንኽንበፅሕን ‘ዩ። ኾይኑ ግን፥ ብሓቂ ከም ህዝቢ ክንዕረቕ፣ ሰላም ክነውርድ፣ ምሕረት ክንገብረሎም ተኾይና “ብኽድኑ ይብሰል” ተባሂሉ ዘይኮነ ክኸውንን ክግበርን ዘለዎ ትኽክለኛ ዝኾነ ነገር ብምግባር ‘ዩ ክንዕረቕን ሰላም ከነውርድን ዘለናን ዝግበኣናን እሞ ሕዚ ሒሳብና ነወራርድ። ኣብዚ ክፍለጥ ዘለዎ ቁም ነገር፥ እዚ ምግባር በቀል ወይ ድማ ፅልኢት ዘይኮነ፥ ፍትሕን ፍርድን ክንገብር፣ ሕጊ ክነኽብርን ኽኽበር ምግባርና ምዃኑ ንኹሉ ግልፂ ክኾነሉ ይግባእ። ገባሪ ሕማቕ በታ ዝሰፈራ መስፈሪት ተዘይተሰፊርዎ ንኻልኦት ‘ውን ሕማቕ መርኣያ ስለ ዝኸውን፥ ካልኦት ካብዚ ንኽመሃሩ ሕዚ ክንገብሮ ዘለናን ዝግበኣናን ካብ ምግባር ንድሕሪት ክንብል የብልናን።

ምኽሪ ሓውካ ብደውካ

ኣብዚ ሕዚ ሰዓት፥ ብቐደም ሰዓብ ቀዳማይን ካልኣይን ተልእኾ/ዕማም ሰራዊት ትግራይ ተዝኸውን ዝብሎ፥

  • መርገፂ ዘይብሉ ዐቢይ አህመድ ዓሊ ናብ ድርድር ንኽመፅእ ምግባር ዘይኮነ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ሕዚ ዝርከቦ ናይ ከበባን ዕፅዋን ህይወት ምግልጋል፤ እቲ ዕፅዋ ምስባርን ትግራይ ናይ ምግብን መድሓኒትን ኣቕርቦት ትረኽበሉ መንገዲ ምፍጣር ክኽውን ይገባእ። ዐቢይ አህመድ ዓሊ ሰብን ፈጣሪን ዝሃብዎ ዕድል ተጠቒሙ ሰላም ኣብ ክንዲ ዘውርድ ሰላም ተሓሲሙ ድጋሜ መጥቃዕቲ ካብ ከፈተ፥ ከምታ ንኽልተ ዓመታት መመላእታ ሓኒቖምና ዝርከቡ ሰራዊት ትግራይ ዝተሓዝ ቦታ ብምሓዝ እዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ሕሰምን ፀበባን ክወድቕ ዝኽእል ናይ ንባዕሉ ህዝቢ ንኽሓንቖ ምግባር ‘ዩ። እዚ ድሕሪ ምግባር፥ ዐቢይ አህመድ ዓሊ ምእንቲ ርዕሱ ብተርምታት መሪሕነት ትግራይ ናብ ድርድር ክመፅእን ሰላም ንኸውርድ ድማ ከም ዝግደድ ዘጠራጥር ኣይኸውንን።
  • ብምቕፃል፥ ጉዳይ ሻዕቢያ ብተመሳሳሊ ኣብ ዝሓፀረ ጊዜ ዕልባት ክግበረሉ ይግባእ ዝብል ሓሳብ ‘ውን ኣለኒ። ተዘይኮይኑ መሪሕነት ሻዕቢያን ሰራዊቱን ብህይወት ንኽነብር ምፍቃድ ማለት፥ ዓፋር ድማ ፅባሕ ዓቕሚ እንትረክብ መፂኡ ንኽበሳብሰናን ንኽወረናን ፃውዒት ምቕራብ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል እሞ እዚኣ ንኸትኸውንን ንኸይትፍጠርን ግን እተን መዓልቲ ሂብዋን ቀንጠብጠብ ዝበላ ኣፃብዕቲ ሻዕቢያ ክንቆርፀን ኣለና። መልሓስ ናይ ትምክሕቲ ሓይልታት ኣምሓራይ ክእርነባ ኣለዋን። ርስቲ ትግራዋይ ክትጥጥዕን ክትስስንን ተኾይና፥ ድሌቱ ክገብርን ካብ ተሓታትነት ከምልጥ ከም ዝኽእልን ዝኣምን፣ ናይ ድሕረትን ውድቀትን ዕንወትን ጥፍኣትን ሓለቓ ዝኾነ፣ ጃህራም አመሓዳሪ ኣስመራ ኢሳይያስ አፈወርቂ ምስ ስቤቱ ብሰላም ናብ መቓብር ክወርድ የብሉን። እቲ ህዝብና ዘበሳበሰን ዝገፍዓን ድሁል ሰራዊት ኤርትራ ‘ውን ከም ተመን ብኸብዱ ክነኽዶ ኣለና። መዓዝ? ሎሚ!  ብርግፅ፥ እዚ ንምግባር ሽቶናን ዓላማን ወሳኒ ምዃኑ ግን በዚ ኣጋጣሚ ክሕብር እደሊ።

ክብርን ሞገሰን ንስውኣትና!

E-mail: [email protected]

By aiga