03 – 26 – 2022

ኣብራሃም ብርሃነ

ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ፀገደ ኣድሂቡ ብዙሕ ይዝረብ እዩ።እንተኰነ ብዙሕ መረዳእታ እናሃለወ ከምቲ ዝድለ ኣይቀርብ እዩ፤ገና ሕጂ እውን መሊኡ ኣይቀርብ ኣሎ።

ብዛዕባ ወልቃይት ጸገደ ኣድሂቦም ኣቶ በርሀ ኣቦ ወይዘሮ ኣዳነሽ (ጓል ኣደይ መድህን በራድ) ወላዲት ኣዲኡ ንኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቒን ካልኦትን፡ኣብ ጊዜ ኃይለሥላሴ ወልቃይት ናይ ትግራይ ምኳኑን ድሕሪ ካብ ኣስመራ ምውጽኦም፡ “ንወልቃይት ዓደይ ክኸይድ እየ” ኢሎም ናብ ወልቃይት ከም ዝኸዱ፡ናብ ሽረ እውን ምኻድ ይነብሩ ምንባሮም እቶም ቀረብቶም ነበር የውስኡ እዮም ። ብሕይወት ዘሎዉ መሰካኽር ተኰነ ኣሎዉ እዮም።

ንስውእ መሓሪ ተኽለ (ሙሴ ተኽለ) ዓሌተ-ቤተሰቡ ካብ ትግራይ ኣክሱም ከባቢ ናብ ወልቃይት ከይዶም መሬት ኣቅኒዖም ካብ ቀንዲ ደቀባት ወልቃይት ምኳኖም ኣብ ስራቤቶም ይዝንቶ እዩ።ሓደ እዋን ቕድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ፡ ኣቶ ሃብተኣብ ተክለ ተድላ ብስራት ምስክርነቶም ሂቦሙሉ ምንባሮም ይዝከር እዩ።

ሓያል ፀሓፋይ ኣዝማች ገብረሚካኢካኤል ግርሙ (ኣከለጉተዛይ)፣ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ (ዶ/ር) -(ኣከለጉዘታይ)፣ኣባ ያዕቆብ (ዶ/ር)-(ኣከለጉዘታይ) ኣብ ቅድሚ 60 ዓመት ዝጸሓፍዎ ጽሑፋት ወልቃይት መሬት ትግራይ ምኳኑ ኣውሲኦም ይገልጹ ምንባሮም፡ፅሑፋቶም ክእለሽን ክርከብን ዘሎዎ ኣድላይ ይመስል ኣሎ።

ብፍላይ ኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኣብ 1957 ዓ/ም ኣቆጻፅራ ሓበሻ በአሉ ግርማ ሓላፊ ጋዜጣ ኰይኑ “የዛሬይቱ ኢትዮጵያ” ብፍላይ ኰይኑ ምስ ተሸመ-እኒ ዶ/ር ኣብራሃም ደሞዝ ሓደ ስሞም ዝረሳዕክዎም ዓቢይ ምሁርን፡ኣብ መደብ “ሀገርን እወቅ” ዝብል መደብ ወልቃይት ጥንተ-መሬት ምንባሩ የወስኡ ነይሮም እዮም።ነዊሕ ታሪኽ መጠራ፣ኣክሱም፣ይሓ፣ወዘተ እናዞሩ ዝፅሕፍዎን ኣብ ሬድዮ ዝትርኽዎን ዝነበሩ፡ዓበይቲ ሰብ ዕድመ እዝክርዎ እዮም።

ተመራማሪ ታሪኽን ጸሓፍትን ዝኰነ ፕሮፊሰር ኣልቤርቶ ሰባቺ፡ኣብ ሎንዶን ኣብ 1985 ዓ/ም/ፈ ኣብ ዘሕተማ “Ethiopia Under Mussolini” እትብል መጽሓፉ እውን ጸለምቲ፣ዎልቃይት፣ዋልድባ፣ፀገደ፣ሰሜን፡ወገራትን በለሳን፡ቕድሚ ወራር ጥልያን፡ ተዛረብቲ ቋንቋ ትግርኛ፡ካብ ተዛረብቲ አምሓርኛ እምብዛ ዝዓዘዘ ( ብብዙሕ ቊጽሪ) ምንባሩ ኣብ ገጽ 91-92 ኣስፊርዎ ኣሎ።

ቕድሚ 18 ዓመት ኣቢሉ ናብ ኣምሓርኛ ክትርጎም ከላ፡ኣዛቢዖም ከም ትርጎም ገበርዋ።ንዝምልከቶ ኣካል ቆላሕታ ክገብሩላ ስምዕታትት ቀሪቡ ምንባሩ (ኣቕሪብና ምንባርና)  እዝክር እየ እንተኰነ ሸለልታ ብምእዛዝ ጎስዮሞ ምሕላፎም ተዘኽሮ ትማሊ እዩ።

ክልተ ተመራመርትን ኣዳለውቲ መዝገበ ቃላት ትግርኛ ብትግርኛ ዝኰኑ ኤርትራውያን (መምህር ሃብተ ዘርአ ኣብ ዓድዋ ንግስተ ሳባ እናመሃሩ ከለዉ) ወልቃይት ጸገደ መሬት ትግራይ እዩ፤ስለዚ ቋንቋ ከጽንዕ እየ ቢሎም ቕድሚ 60 ዓመት ኣቢሎም ናብቲ ከባቢ ይመላለሱ ምንባሮም፡ቕድሚ 40 ዓመት ንዶ/ር ተወልደ ገብረዝጋብሔርን ንእንጅነር ተኸስተ ኣሕደሮምን (ክልቲኦም ፕረዚደንታት ኣስመራ ዩኒቨርስቲ ዝነብሩ እዮም) ከም ዝሓበሩን ኣብ ሓደ ፅሑፎም እውን ነዚ ዝርዕም ሓሳብ፡ከም ዘስፈሩን እቲ  ዝገለጽዎን ዝዝከር ጉዳይ እዩ።

ኣቶ ተክአ፡(ጸሓፍን ኣዳላዊ እታ ኣብ ታሪኽ ዝሰፍሐትን ዝዓሞቆትን መዝገበ ቃላት ዝኰነት) ድማ ኣብ ሩባ ተኸዘ ብዓውደ ምህንድስና ተዋፊሮም እናሰርሑ ከለዉ፡መጽናዕቲ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ብብዝሒ ተዛራቢ ትግርኛ ዝነበሮ ወልቃይትን ከባቢኡን መጽናዕቱ ምጅማሩ ኣብ መዓልታዊ ህይወቱ ዝምስክሮን ኣብ ሓንቲ ቃለ መጠይቁ ኣውሲእዎ ነይሩ እዩ።(ተሃልያ ኣብ መኽዘን youtube ምእልሽ ይከኣል እዩ።)

ዓቢይ መምህር ዘወንጌል ገብረኺዳን (ማየስትሮ)- (ካብ ዓረዛን እንደርታን ዝውለዱ) ርእሰ መምህር ቤት ትምህርቲ ሃጸይ ዮሃንስ ነበር።ድሕሪ ስዕረት ጥልያን ኣብ ጋዜጣታት ዝጽሕፍዎ ዝነበሩ ጽሑፋት-ኣብ ጉዳይ ወልቃይት ኣድሂቦም ዝጸሕፍዎ ጽሑፍ ነይሩ እዩ።(ምናልባት ዘመድ ኣቦይ ሓጎስ -ሓኪም ራእሲ ስዩም መንገሻ ዝነበሩ-ኣቦ ነታ ኣብ ኤርትራ ምስ ሚኒስተራት ተኣሲራ ዘላ ምርያም ሓጎስ ብመውስቦ ዝምድና ስለዘሎውም ሃሰው ክበሃል ይከኣል እዩ።)

ካልእ ባሻይ ኣውዓሎም ጥልያን ናብ ኢትዮጵያ ዳግማይ ክወርር ምምጽኡ ከም ዘይተርፍ ይፈልጡ ብምንባሮም፡ንደቆም ካብ ዝተላበዉዎም ቁውምነገራት ሓደ ነገር ተነይሩ-ናብ ወልቃይት ጸገደን ፀለምትን ወይ ድማ ናብ ኣሕሰኣ ክሕብኡ ከም ዝተላበዉዎም ጥልያን ከም ዘይምሕሮምን ዘየናሕስየሎምን፡ ቕድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ፡ታሪኽ ባሻይ ኣውዓሎም፡ኣብ ኣሕሰኣን እንትጮን ዓድዋን ኣናተመላለስኹን ኣብ መስርሕ ምምርማር ኣብ ዝነበርክሉ እዋን ክውግዑ እሰምዕ ምንባረይ እዝክር።

ካልእ ድማ ኣብ 1991 ወይ ድማ ኣብ 1983 ወያነን ሻዕብያን በትረ ሥልጣን ምስ ጨበጡ።ሓደ ሃፍታም ጎረቤትና ሰብኣይ (ስሙ ንድሕነቱ ክዕቅበሉ እየ)።ኣብ ኣጋ ደርጊ ኣብ ዝወድቀሉ መቃን እዋን “ወልቃይት የጎንደር በጌሚድር መሬት ነው!”- እብል ከም ዘይነበረ ማንም ጎረቤት ዝምስክሮ ኣዩ።ደሓር ድማ ደርጊ ምስ ወደቀ- “ወልቃይት ጸገደ ናይ ትግራይ ኣይኰነ-ናይ ጎንደር ኣምሓራ ኣይኰነን፣ንሕና ወልቃይት ኢና!”-ክብል ነቶም ወልቃይት ናይ ትግራይ እዩ ካብ ጥንቲ ጥቅምቲ ቢሎም ዝዕልሉ ዝነበሩ፡እናሰሓቀን እናክመስመሰን ክምልሽ ከሎ፡ግዲ ልቢ ቆልዓ ዘይርስዕ ኰይኑና፡ነዚ ነገር ብምስማዕና ደንጽዩና ምንባሩ ትዝ እብለኒ።

ብኸም’ዚታት ድማ ኣብ ወልቃይት ጸገደ ግዳሰ ብምሕዳረይ፡ንሓደ ሓደ ፈላጣት ታሪኽ ( ስሞም ክገልጾ ኣይመረጽኲን) !ነገር ኮተቴ ክሓቶም እቅሰብ ምንባረይ ኣንዳዕዲዔ እዝክር እየ።
ብዛዕባ ጭሩ ቅርቕረን ታሪኻን ክምርምር ብርቱዕ ባህጊ ኣሕዲረ ናብ ወልቃይት ጸገደ ክኸይድ ኣብ 2017-2018 ዓ/ም/ፈ ተበጊሰ እግረይ ናብ ወልቃት ኣብ ዘብለሉ እውን፡ኣብ ወልቓይት ጸገደ ንልዕሊ 60 ዓመት ዝነበሩ ኣቦታት ኣብ ከተማ ዓድዋን ሽረን ብምርካበይ፡ሕቶታተይ ግቡእ መልሲ ብምርካበይን ኣብቲ ጊዜ እቲ ፖከቲካውን ፀጥታውን ወጥሪ ብምንባሩ እቱይ ጉዕዞ ክተርፈኒ ለበዋታት ብምርካበይን ኣወንዚፈዮ ምንባረይ እዝክር።
ኣብቲ ግዜ ዘይርስዖ ነገር ንእግረ መገደይ ከውስእ ባህ እብለኒ።ኣቶ መስፍን ዝበሃሉ ኣብ ወልቃይት ንልዕሊ 60 ዓመት ዝነበሩ ኣቦ፡ብዛዕባ ጭሩ ቅርቅረን ብዛዕባ ኲናት ዓተሮ (ብልምዲ ኲናት ማይ ዓሰም) ዝበሃል ኣብ መንጎ ሃጸይ ዮሃንስን ሃጸይ ተኽለጊዮርግስን ዝተኻየደሉ ቦታ ብልክዕን ኣብ ህይወተይ ሰሚዐዮ ዘይፈልጥ ታሪኻት ብምስመዓይ፡ንእለቱ ብእግረይ መገዲ 3 ሰዓት ተጓዒዘን ነቲ ታሪኻዊ ቦታታትን ምርኣይን ሰብ ዕድመ ፀጋን ብምሕታትን፡ብፍላይ ፈረስ ሃጸይ ተኽለጊዮርግስ ብመን ኣበይ ወዲቃን ኣዚዩ ስለ ዘገደሰኒ፡ምሒር ከም ዝተሓጎስኩ እዝክር።
ፕሮፊሰር ኣፈወርቅ ገብረየሱስ (ዘመድ ሃጸይ ተክለጊዮርግስ ምኳኖም ዝፈለጥክሉን) ኣንጻር ህዝቢ ትግራይን ቋንቋ ትግርኛን ክኰኑ ካብ ዝገደዶም እዛ ኲናትን ሳዕቤናን ምኳኑ ካብ ኣቶ መስፍን ዘይተምሃሩ ምሁር ብምስመዐይን ወልቃይት መሬት ትግራይ ምንባሩ ዘውግዑኒ ታሪኽ ኣብ ሕልናይ ኣሎ።ብህየት ተሃልዮም ፈጣሪ፡ዕድመን ጥዕናን ይሃቦም እብል።)
ኣብ’ቲ ሽዑ እዋን (ናብ 1983 ወይ ድማ 1991 ዓ/ም/ፈ ብዛዕባ እቲ ሃፍታም ሰብኣይ ሕጂ ኣብ ሑመራ ዘሎ ሚልየነር ክምለስ እየ) -ኣብቱይ ጊዜ እቱይ፡ኣብ ታሪኽን ፖለቲካን ኣብ ዘይዓቕመይን ዕድመይን ጥሒለ ከለኹ፡ካብ ዝሰማዕክዎ ድማ ራእሲ ደገልሃል (በብኦም ወድ ዓጋመ፣በዲኦም ወድ ቦጎስ-ከረን) ንወልቃት ኣብ መበል 16 ክፍለዘመን የመሓድሩ ምንባሮም እዝክር።

ሓደ ካብቶም ዘውግዑ ዝነበሩ  ብሕይወት ዘየለዉ፡ንገሊኦም ክጠቅሶም እየ፦ኣቶ ኣስፍሃ (ወዲ ኣክሱም)፣ኣቶ ዓንድርብርሃን ተወልደብርሃን (ዱባርዋ) ወዘተ ይርከብዎም እዮም።

ኣባ ጋስፓሪኒ ኣርሚንዶ (ኣባ ገብረማርያም) ንባዕሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ከባቢ ፒያሳ  ዝርከብ ካቴድራን ቤተ ክርስትያን ወልቃይት ጸገደ መሬት ትግራይ ምንባሩ፡ንእኒ ከብደ ሚካኤል፣ንኣቶ ተፈሪ ሻረውን ንዶ/ር ኪሮስ ሙሉን የውግዕዎም ምንባሮምን ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ብዙሕ ይዛረቡ ምንባሮም ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ መኰነን ይዝክሩ እዮም።

ካልእ ኣባ ጋስፓሪኒ ቕድሚ ወራር ጥልያን ኣብ ጎንደር ብምንባሮም ይኩን ንቋንቋ ግእዝ፣ኣምሓርኛን ትግርኛን ሓዊሱ ልዕሊ 12 ቆንቋታት ዝመልኩን ተመራማሪ ታሪኽን ምንባሮም ወልቃይት ኣፀቢቆም ዝፈልጥዎ ሰብ ነይሮም።

ኣነ እውን ነዚ ታሪኽ ደኣ ኣይሕተቶም እምበር ኣብቲ ንሶም ዝመስረትዎ ቤት ትምህርቲ ብምምሃረይን ብቆልዑትና ታሪኽ ክነግሩናን ዝብላዕን ዝስተይን እናሃቡ ክምህሩና እዝክር እየ።

ብዝኰነ ነዚ ክፅሕፍ ዝቀሰበኒ ብዙሕ ምክንያት ኣሎ።ቕድሚ 5 ዓመት ኣቢሉ ምሁር ዓውደ ታሪኽ ዝኰነብመምህር ኤፍረም ወልደጊዮርግስ (ወድ ግራዝማች ወልደግዮርግስ ዓድዋ)፣ኣቶ ሃብተኣብ ተክለ( ኣክሱም)፣ኢብራሂም ዮኑስን ሓዉን (ንጀንራል ሳምሮ ዮኑስ ኣሓቱ) ምስ ወልቃይት ዘሎዎም ምትሕሓዝን ኣፍልጦን ኣውጊዖሙኒ ነይሮም።

ግን ናተይ ድኽመትን ኣተኲሮይን ኣብ ካልእ ጉዳይን ዛዕባን ብምንባሩን ነቲ ዝነገሩን ኣብ ኢዶም ዝነበረ ሰነዳትን ክወስዶን ክጥቀመሉን ኣይከኣሉን እየ።

ሎሚ ቕነ ግና ሓደ ወልቃይት ናይ ኣምሓራ እዩ ኢሉ ተጠሊዑ ኣብ youtube ምስ ጋዜጠኛ ቤቲ ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ፡ሓደ ብርሃን ዓይኖም ዝሰኣኑ ኣቦ ሰሚዖም፥ “ሓደራ ስምዓዮ ኢኻ!” ብምባሎም ይኹን ከም እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት (ወድ 94) ብዛዕባ ወልቃይት ክሓስብን ገለ ክብልን ዝደፋፍኡኒ ተወሲኽዎ፡ነዚኣ ንእሽተይ ከይረሳዕክዎ ክሕንጥጥ ወሲነ እየ ክጽሕፍ ተቐሲበ ዘሎኹ።

ኣጋጣሚ ድማ ኣብዚ 3 ዓመት ብዙሓት ደቂ ወልቃይት ኢና ዝብሉ ብኣካል ረኺበ ብምፍላጠይን ፍልፍል ሓበሬታን ኣፍልጦን ንክዀኑኒ ዕድል ብምግባረይን ኰነ ዝንብዑን ፈጠራዊ ታሪኻትን ክደጋገም ከሎ-ሓቂ ክመስልን ክኸውንን ብምርኣየይ፡ንተመራመርቲ ታሪኽ ንእሽተይ ግብኣት ተኰነት ካብ ዝብልን ንሕልናይ ክዕርፍን ንግሆ ምድሪ ተንሲአ፡ክቡር ሓውና ዮሴፍ ገብረሕይወት (ፀሓፍን ተንታኒ ፖለቲካን) ምስ መደበር ተለቪዥን TMH ዝገብሮ ቃለ መጠይቕ ሰሚዐ።

ርእይቶይ ክህቦ ኢለ ናብ ስልኩ ተደወልኹ፡ደቂሱ ግዲ ከልዕለኒ ብዘይምክኣሉ፡እዚኣ ንእለቱ ክፅሕፍ ብምውሳነይ ዘንቀዶ ምኳኑ ክሕብር እፈቱ።

By aiga