03 – 11 – 2022

ኣበራ ብርሃኑ – ኣዲስ ኣበባ

ንግዲ ባንኺ ኢትዮጵያ መሳርሒ መንግስቲ ብልፅግና ብምኳን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት (2020 ወርሒ ሕዳር ክሳዕ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ) ኲናት ትግራይ ኣብ ዝጀመረሉ፡ኣብ ትግራይ ንዝወጹ ሕሳባት-ባንኺ (Bank accounts) ኣጊድዎ ምንባሩ ተዘኽሮ ትማሊ እዩ።
ብድሕሪ እዚ ድማ ሕወሓት ንመቐለ ብድሕሪ ምሓዙ ኣብ ወርሒ ሰነ 2013 (ፈለማ መዓልታት ወርሒ ሓምለ 2021) ዳግማይ ኩሉ ኣብ ትግራይ ዝወፁ ሕሳባት-ባንኺ ኣጊድዎ ይርከብ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻልን ኣባላት ድሕነተን ፀጥታን ዝኰኑ ካብ ወርሒ ሓምለ ኣትሒዞም ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተገብረ ዳግመ ምፅራይን ምርመራን ክኽፈተሎም ተገይሩ እዩ።እቶም ገሊኦም ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ተሪፎም ዝነበሩ ኣባላት እዞም ዝተጠቅሱ ትካላትን ገለ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኰይኖም ካብ ትግራይ ዝወጹን ድማ ክሳዕ ወርሒ መስከረም ምጽራይን ምርመራን ተገይሩ ክልቀቐሎም(ክኽፈተሎም) ተገይሩ እዩ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ትግራይ  ሕወሓት ብዝተወሰነ መልክዑ ገንዘብ ኣብ ኣብ ትግራይ ዝቆጻጸሮ ቦታትት ክህብ ከሎ፡ነቶም ኣብ ትግራይ ጥራሕ ባንኺ ሕሳቦም ዝከፈቱ/ዘውጽኡ ጥራሕ ክህብ ተራእዩ እዩ።ወላ ተጋሩ ኮይኖም ኣብ ካልእ ዘውፅእዎ ግን ድማ ኣብ ትግራይ ዘሎዉ ክወሃቡ ኣይተገብረን።
ቕድሚ 2 ወርሒ ንሰራሕተኛታት መንግስቲ ከም መምህራን ሓኻይምን ዝተወሰነ መጠን ገንዘብ ክህብ ፈተነታት ገይሩ እዩ።ነቶም ብመልዕሎ (ጥሮታ) ዝናበሩ ድማ ሐሓደ ሽሕ (1000 ብር) ክህቦም ተራእዩ እዩ።
ኣብዚ ሎሚ ቕነ ብፍላይ ኣብዚ ሰሙን እዚ ድማ ንግዲ ባንክ ካብ ቤት ጽሕፈት ድሕነትን ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ዝወረዶ መምርሒ ምኳኑ ካብ እሙናት ምንጭታት ወሃብቲ ሓበሬታ ዝሃብዎ ሓበሬታ ዘመላክቶ ድማ ኣብ ዶብ ትግራይን ኤርትራን ዘሎ ንግዳዊ ንጥፈታትን ምዝውዋር ገንዘብን ንምዕጋትን ኣብ ትግራይ ኰነ ኣብ ደገ ኮይኖም ገንዘብ ዘዘዋውሩ ዘለዉ ንምትሓዝን ንምቁፅጻርን ዝዓለመ፡ከም ሓድሽ ተመዝገቡ ብምባል ሓበሬታ ክህብ ተራእዩ እዩ።
ብዙሕ ዜናታትን ጉስጓሳትን እኳ ተጀመሩ ግን ቕድሚ ምሕባሮም ኣጊዶሞ ምቕናዮም ሰራሕተኛታት እቲ ባንክን ገለ ተጠቐምትን ዝህብዎ ዘሎዉ ሓበሬታ የረድእ።
ንግዲ ባንኽ ካብ ቀዳም ኣትሒዙ ዜናን ሓበሬታን ዘሪሑ፡ንምፅራይ መንነትን ምምርማርን ስለ ዝሓለነ ድማ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ዘይኰነ ሲ ኣጊዱ ኸሎ ከምስል እቲ ዘይሓቃዊ ሓበሬታ ምዝርግሑ ንብዙሓት ኣቆጢዑ ኣሎ።ኣብዚ ሰሙን ካብ ዘሎዉ ነዋሕቲ ሪጋታት ተገልገልቲ እቲ ሓደ ከም ኣስቤዛ ካብ ቀበሌታትን ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ናውቲ ኣቅሑት ገዛን ኣስቤዛን ብርትዓዊ ዋጋታት (ከም ድኳን ሕድሪ ኣብ ኤርትራን ብደግሪ ዝነበረ ዓይነትን) ጠለቡ ክወስድ ብፖላይስ ዝተሰነ ሓለዋ ምርኣይ ልሙድ ተርእዮ ኰይኑ ኣሎ።
ኣብ ባንኽታት ኸኣ ካብ ፅባሕ ቀዳም ዝርዝር ሓበሬታኩም ናብ ባንኪ ቀሪብኩም ተዘይተመዝጊብኩም፡ሕሳብ ባንክኹም ክእገድን ዝኰነ ይኹን ኣገልግሎት ባንኺ ኣይክትረኽቡን ኢኹም ዝብል ዜናን ሓበሬታን እኳ ተዘርግሑ፡ኣብ ባይታ ግን ንኹሉ እዋናዊ ሓበሬትኡ ዘይሃበ  (update users information) ኣጊዶሞ ብምህላዎም፡ተገልጋሊ ገንዘብ ከውፅእ ኣብ ዝኸደሉ ሰንቢዱ፡ነዊሕ ሪጋታት ብምግባር ዕለት ዝወሃበሉ ኣገልግሎት ምሕዳስ ሓበሬታ ተር ከም ዓተር ኢሉ ይረኣይ ኣሎ።መዓልታት ዝተውሃበ ኣዚዩ ሓጺር ብምኳኑ ገንዘቡ ከይእገድን ዝኰነ-ይዂን ኣገልግሎት ከይስእን ብምስጋእን ብምፍራሕን ኣብ ሪጋታት ተጸሚዱ ክውዕል ርኡይ ሕምብርተ-ትርኢት ኰይኑ ምህላው፡ኣብ ፈቐዶ  ጨናፍር ባንኽታት ንግዳዊ ባንኺ ምኻድ እኹል መረፄን እዩ ኰይኑ ዘሎ።
ካብ’ዚ ዝግበር ዘሎ ግናይ ኣሰራርሓ ኣብ ትግራይ ዘሎን ብሰንኺ ዘሎ ጸጥታዊ ሽግራን መፃብቦን ናብ ደገ ከይዶም (ብግልፅን ብሕቡእን ዝወፁ) ኣደዳ ሕሰምን ምእጋድን ዝገብር ምኳኑ ሰብ ሞያ ይሕብሩ እዮም።
ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ሃፋትምን ሰበ ስልጣንን ኰነ ሰብ ገንዘብን ሕሳባቶም ካልእ ዘንቀሳቕሰሎምን ከም ኤቲኤም (ATM) መሕለፊ-ቃል (password) ብምሃብ ዝጥቀሙ ዝነበሩ ተጋሩ ብፍላይ ሃሲያ ዘውርድ ምኳኑ እቶም ሰብ ሞያ ባንኺ ወሲኾም ይሕብሩ።
እቶም ብሰሪ እዚ ዘሎ ህልው ብልሽው ፖከቲካዊ ሃዋሁን ዉሕስነት ጸጥታ ብምስኣን ብኣሽሓት ዝግመቱ ተጋሩ ናብ ኤውሮጳ፣አመሪካ፣ቱርክን ዱባይ ኰነ ኬንያን ኡጋንዳን ከይዶም ዘሎዉ ድማ ግዳይ ዝገብር ምኳኑ እቲ ሓበሬታ ይእንፍት እዩ።
ብሓጺሩ እዚ ብንግዲ ባንኽ ዝግበር ዘሎ ተግባራት ንተጋሩ ማእከል ዝገበረ ምኳኑ ዝርድኦ ሒደት እዩ።እቲ ምንታይ ኹሉ ትግራዋይ ኣገልግሎት ባንኺ ተኣጊዱ እዩ ዝብል ሓበሬታ ብሰፊሑ ብምህላዉ እዩ።
እንተኰነ እቲ እገዳ ኣገልግሎት ባንኺ ክሳዕ ሕጂ ኣብ ትግራይ ንዘወፁ ሕሳባት ባንኺ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።ኣብ ካልእ ክፋል ኢትዮጵያ ኰይኑ ዝወፀ ሕሳብ ባንኺ ግን ክሰርሕ ጸኒሑ እዩ።ሃፋትምን ነጋዶን ኰነ ትካላትን ከኣ ካብ ሓደ ንላዕሊ ክሳዕ 10 ሕሳባት ባንኺ ዘሎዎም ኣሎዉ እዮም።
ስለዚ፡እዚኦምን ከምዚኦምን ዝኣመሰሉ ንምርካብን ነቶም ኣብ ዶባት ትግራይን ኣምሓራን ንግዳዊ ንጥፈታት ዝገብሩ ዘለዉ ትካላትን ሰብ ሃፍትን እውን ብምቁፅጻር ዝዓለመ እዩ ይብሉ።
ኣብ ትካል ድሕንነት ፋይናንስ ዝሰርሑ ገለ ሰራሕተኛታት ንድሕነት ፋይናንስ ሃገርን ህዝብን ተሓሲቡን ተሓልይኑን ዘይኰነሲ ንዝተወሰኑ ትካላት፣ህዝብን ሃፋትምን ሰበ ስልጣንን ዝዓለመ ምኳኑ የረድኡ።
ንህግደፍን መሻርክቱን ዝሕዝን ዝቁጻጸርን ዘይምኳኑ ብዙሕ መርኣያትት ክግለጹ ይክእሉ እዮም።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝግበር ኩሉ ምቁፅጻራት ገንዘብን ድሕንነትን መንግስቲ ኤርትራ ብመሓውራቱ ከም ዝቆጻጸሮ ዘሎ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ካብ ክልል ዓፋር ሃዲሞም ዝመጹ ገለ ኣባላት ክፍሊ ስለያ ምክልኻልን ሰራዊትን ሓቢሮም እዮም።
ካልእ ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ብመገዲ ዓፋር ዝግበር ዝነበረ ስግረ ዶብ ኣብቲ ዝሓለፈ 3 ኣዋርሕ ኣዚዩ ከቢዱን ኣሸጋርን ኰይኑ ኣሎ።ክሳዕ 3 ሽሕ ዶላር ከፊሎም ዝመጹ ግን ኣይሰኣኑን እዮም።ክመፁ ተወዓዒሎም ዘሎዉን ገንዘብ በዚሕዎም ኣብ ካልእ መገድታት ምድላይ ዘለዉ መንእሰያት ድማ ብዙሓት እዮም።
##ኣብ ትግራይ ብጥሜትን ሽግርን ሰብ ይመውት ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ብሰፊሑ ብምውራዩን ምግውሑን፡ዝጨነቆም ተጋሩ ምስ ስድራና ወላ ንሙት ብምባል ብመገዲ ዓፋርን ኣምሓራን ክኸዱ ተታሒዞም ኣሎዉ።
ንፅቡቋት ዝብልወን ኣዋልድን ገንዘብ ክኸፍላ ይክእላ እየን ዝበሃልን ድማ ገለ መሓውራት ብዘዋደድዎ መርበባት፡ዘይተኣደነ ገንዘብ ከፊለን ናብ ትግራይ ንክኸዳ ይሽባሸባ ኣሎዋ።
“ዝጨነቆ ጥንስቲ ይእቱ!”ከም ዝበሃል እንሆ ጭንቕን መከራን ምፃር ዝኣበየን ደቂ ኣንስትዮ ናብ ስድራ ብምኻድ ብሓባር ምሟት ይሓይሽ ብዝብል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዕዳጋ ሑሱማትን ነጋዶን ብነፍሰንን ብሕይወተንን ይጣልዓ ኣሎዋ! 
ማዕከናት ዜና ግቡእ ቆላሕታ ክህባሉ ካብ ዝብል እዩ ንሕንጥጦ ዘሎና!
ምስ ሰላምታ፡

By aiga

One thought on “ንግዲ ባንኪ ኢትዮጵያ መሳርሒ መንግስቲ ብልፅግና”

Comments are closed.