02-25-2022

ዘነበ ካብ መቐለ
ዘለኩም ሪኢቶ ኣብ ኢሜል – [email protected] ፀሓፉለይ፡፡

ርክብ ወፃኢ መብዛሐቲኡ ጊዜ ብማእኸላይ መንግስቲ ዝምራሕ ዋላ እንተኾነ ኣብዚ ሓዚ ዘለናሉ ጊዜ ድማ ምስ
ምምዕባል ተዋሳእቲ ኣብቲ ዓለም ለኻዊ መድረኽ ካብ ማእኸላይ መንግስቲ ንታሕቲ ዝርከቡ ኣወዳድባታት ማለት
እውን ክልላት/ፌዴሬሽናት/ግዝኣታትን ወዘተ ከም ኣስያይማ እተን ሃገራት ዝዋሰእሉ ኩነታት ከምዘሎ በዚ ዘርፊ
ምርምር ዝገበሩ ምሁራን ይሕብሩ እዮም፡፡ እዚ ዓይነት ዓለም ለኻዊ ተዋስኦ ክልላት ወይ ድማ ግዝኣታት ኣብ
ዘይምእኹልን ምእኹል ምሕደራ ዘለወን ሃገራት እውን ዝትግበር እንተኾነ እተን ክልላት ወይ ድማ ግዝኣታት በቲ
ማእኸላይ መንግስቲ ንምጥማር ዘተኣሳስረን ሕጊ ማእኸል ገይረን ናይ ወፃኢ ርክብ ይገብራ እየን፡፡ እዚ ድማ
ብማእኽላይ መንግስቲ ጥራሕ ወኒኑ ዝሕዞ ስልጣን ከይኸውን ከከም ሃገራተን ዘለወን ውሽጣዊ ፖቲካዊ ምንቅስቓስ
ዝገብረኦ ርክብ ወፃኢ ይፈላለ እዩ፡፡ ሓደሓደ ክልላት፣ ፌዴሬሽናት ወይ ድማ ግዝኣትት እቲ ማእኸላይ መንግስቲ
ንፖለቲካው፣ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊ ድሌተን ኣብ ምፍፃም ዘርእዮ ድኽመት ወይ ድማ ኣንፃር ድሌተንን ረብሓአንን
ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ ጊዜ ድኽመቱ ከመዓራሪ ወይ ድማ ዘለወን ፖለቲካዊ ሽቶ ዕላዊ ገይረን ካብቲ ዝነበረን ፌዴሬሽን
ንክወፃ ምንቅስቓስ ይገብራ እየን፡፡ በዚ መሰረት ድማ እዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ኣብ ዝህልወሉ ጊዜ እተን ፌዴሬሽናት
ኣብ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት.፣ምንቅስቃስ ዳያስፖራ፣ ንግዲ፣ ቱሪዝምን ባህልን ፣ኢንቨስትመን፣ ናይ ልምዓት ፋይናንስ
ምትእልላሽ (ልቓሕን ሓገዝን) ከምኡ ውን ናይ ሞያን ክእለትን ድጋፋት ኣብ ምትእልላሽ ይሰርሓ ዋላ እንተኾና ኣብ
ሓደሓደ ፌዴሬሽናት ድማ ክሳብ ኣብ ወፃኢ ውክልና ቤት ፅ/ት (ሚሰዮን) ዝኸፍታሉ ኹነታት ኣብ ሕገ-መንግስተን
ኣቐሚጠን ይሰርሓሉ እየን፡፡
ትግራይ እትርከቦ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ድማ እቲ ውክልና ቤት ፅ/ት ኣብ ወፃኢ ምኽፋትን ፖለቲካዊ ምንቅስቓስ
ንማእኽላይ መንግስቲ ብውክልና ዝተውሃበ ዋላ ተኾነ ኣብ ህዝቢ ንህዝቢ ርክባት.፣ ተሳትፎ ዲያስፖራ፣ ንግዲ፣
ቱሪዝምን ባህልን ፣ኢንቨስትልመን፣ ናይ ሞያን ክእለትን ድጋፋት ኣብ ምትእልላሽ ከምኡ ‘ውን ናይ ልምዓት ፋይናንስ
ጠለብ (ልቓሕን ሓገዝን) ንማእኸላይ መንግሰቲ ሕቶ ብምቕራብ ምንቅስቓስ ዝኽልኽል ዘይብሉ ዋላ እንተኾነ ኩሉ
ምንቅስቓስ ክልላት ብማእኸላይ መንግሰቲ ቑፅፅር ዝግበረሉ እዩ፡፡ በዚ መሰረት ድማ ክልል ትግራይ ክንዲቲ ዝኸኣሎ
ናይ ወፃኢ ርክባት እናገበረ እንተነበረ ካብ ኣብይ አሕመድ ናብ ስልጣን ምምፃእ ንድሓር እቲ ማእኸላይ መንግስቲ
ህዝቢ ትግራይ ብቓልሱ ዝወነኖ መሰል ዓርሰ ውሳንኡ ንምምንዛዕን ምስ ናይ ወፃኢ ሃገራት ርክብ ከይህለዎ ብምግበር
ዕንቅፋት ብምፍጣርን ከም ህዝቢ ክፅንት ምስ ካልኦት ሃገራት ተሓባቢሩ ዋላ እንተሰረሐ ነዚ እናመከተ ብሓድሽ
ኣወዳድባ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊ፣ ማሕበራዊን ባህላዊን ርክባቱ ንምምራሕ ቤት ፅ/ት ዝምድናታት ኸፊቱ ይሰርሕ
ኣሎ፡፡

በዚ መሰረት ድማ ኣብ ቀፃሊ ማለት እውን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዘላና ፌዴሬሽናዊ ርክብ ፖለቲካዊ መዕለቢ ክሳብ
ዝረክብ ክትግበሩ ዝግብኦም ምንቅስቓሳት ንምድህሳስ ኣብዞም ዝስዕቡ ነጥብትት ቐፃሊ-ምዕራፍ-ኣብ-ዲፕሎማሲ-ትግራይ ዝምለከት ውልቃዊ ርእይቶይ ንምሃብ ዝኣክል

By aiga