ብወዲ ትግራይ ዓለም

01-25-22

ዝማዕበላ ዓድታት ብፍላይ አሜሪካን  ምዕራብያዊያን ምስ ዝኾነት ሀገር ኣብ ክልተ ነገር መሰረት ዝገበረ ርክብ ይገብራ። ኣብ Human rights (ሰብኣዊ መሰል)ን political cooptation (ዝምድና ፖለቲካ)። ብፍላይ ኣሜሪካውያን  ኣብ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንድርድር ዘየቅርብዎ ቀይሕ መስመሮም እዩ። ባይደን መፀ ትራምፕ መፀ ዘይቅየር ጠንካራ መትከሎም እዩ። ርክብ ፖለቲከኦም ምስ ዝኾነት ሀገር  ግን ክቅያየር ይኽእል እዩ። ኣሜሪካን ምዕራባውያንን ኣብ ትግራይ ዘለወን ኣጀንዳ ሓንት ሓንትን “ግህሰት ስብአዊ መሰላት”  መሰረት ዝገበረ እዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ጥሕሰት ስብአዊ መሰላት ኣኣርዩ ስል ዘተሓሳስበን እምበር ምስ ኣብ ትግራይ ዘሎ ሓይሊ ዋላ ሓንቲ ፖለቲካ መሰረት ዝገበረ ርክብ የብሎምን።

ኣብዚ ሕጂ ሰአት ትግራይ ብዓይኒ ብስልት ፖለቲካ  ኣብ ጫፍ እያ ትስራዕ። እዙይ መርትዖ ኣየድልዮን ኣብ ትግራይ ዝተፈፀመን ዝፍፀም ዘሎን እኹል እዩ። ኣብ ትግራይ ዘሎ ፖለቲካዊ ኣተሓሳስባ “ሓሳብና ተቀይርና ተሸኒፍና ኣለና ማለት እዩ ኣብ  ዝብል ናይ 60ታትን ፍልስፍና  መሰረት ዝገበረ እዩ።”​ ዋና ገምጋሙ ድማ ሓንትን ሓንት  ዓዲ ካብ ባዶ ምጣነ ሃፍቲ ናብ ሃፍታም ዘሻጋገረ ብሉጽ መስመር እዩ ይብሉኻ። ሓደ እዋን ስለ ዝጠቀመ ኩልሻዕ ይጠቅም እዩ ማለት ኣይኮነን። ኣውሮፖውያን ድኣ ንምንታይ “ብዘይ ናይና መስመር” ማዕቢለን። ለዝያውም ቀጻልነት ዘለዎ ልምዓት “Sustainable development ” ናትና ልምዓት ግዝያዊ እዩ ነይሩ። ብኣርባዕተ ወርሒ እኮ ድኻዕኻዕ ኢሉ። ሓደ ናይ ኣፕል ኣትኽልቲ ኣብ ሽዱሽተ ወርሒ ሓደ ግዜ ፅቡቅ ምህርቲ እናሃበ ነገር ግን ብቀሊሉ ንሕማም እናተቃለዐ ዝመዉት እንተኾይኑ ብሓረስታይ ንኽራባሕ ኣይትመክርን። ምኽንያቱ ቀጻልነት ዘለዎ እታወት ስለ ዘይህብ። ሓደ ክፍለጥ ዘለዎ ዓብይ ነገር ምስ ህዝቢ ትግራይ ዝተፈጠረ ናይ ፖለቲካ መስመረ የለን። ፖለቲካ ርድኢት ብፖለቲከኛታት ይውሰን ህዝቢ ድማ ዝመሰሎ ይመርፅ። ናይ ህዝቢ ዝብሃል ፖለቲካ የለን። ናይ ዓለም ፖለቲካ ከይቀረየ ዝዝወር ብውሑዳታ ፖለቲከኛታት እዩ። ትግራይ ንምንታይ ብፖለቲካ ማሕዛ ስኢና!? ኣብ ዓለም ንልዕሊ 45 ዓመት ኣብ ፖለቲካ ዝነበረ ዉድብ ንምንታይ ናይ ልቢ ማሕዛ ዘየፍረየ። ሀገር ንዕሊ 27 ዓመት ዝመረሐ ውድብ ንምንታይ 

ፖለቲካዊ ሱሙር ግንባር ማሕዛ ዘይብሉ። ብቅልፅም ጥራይ ጭርሖ ንዓወት ኣየሻግርን። ብብስለት ፖለቲካ ዘይተመረሐ ቅልፅም ኣይስዕርን። ካብ ናትካ ቅልፅም ዝበለፀ ሕብረት ዘለዎ ፖለቲካዊ ቅልፅም ክገጥመካ ይኽእል እዩ። ፖለቲካ ኣይናዛረብ ዝብል ዘረባ ዋጋ የብሉን። ዝተበላሸወ ፖለቲካ እንድሕር ዘይተመዓራረየ ነሸንፎ ሓይሊ ኣይክህሉን። መጀመርያ ክስተኻኸል ዘለዎ ዝተበላሸወ ፖለቲካ እዩ። ፖለቲካ ናይ ኩሉ መሰረት እዩ። “እምበር ተጋዳላይ” ጥራይ እናደረፍና  ክንዕወት ኣይንኽእልን። ብዙሕ መስዋእቲ ክሓተና እዩ። ተጋሩ ከም ህዝቢ እንተናኣሰ ን50 ዓመት ዝመፃናሉ መንገዲ ዝነበረና ድኽመት ክንግምግም ይግባእ። ኣብ ዘይግዜኡ ጉራን ፈኸራን ንቀንስ። ከማና ብተግባር ኣብ ኣፍሪካ በደል ዝበፀሖ ህዝቢ የለን። ንምንታይ ናብዚ ደልሃመት ኣቲና?! ሕጂ ካብ ዕፅዋ ብኸመይ ንውፃእ። ናይ መጀመርያ መፍትሒኡ ኸዚ እውን ፖለቲካና ነስተኻኽል እዩ መልሱ። ን50 ዓመታት ምሳኻ ዝዓበየ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ ምቅያር ከቢድ እንድዩ ግን ምእንታን ትግራይ ይቅርዶ ናይ ፖለቲካ ኣረኣእያ ምቅያር ህይወት እኮ ይኽፈል ኣሎ።​ ዓለም እንታይ ትደሊ ኢልና ንባዕልና ንሕተት። ብዘይምግናን ሕጂ ትግራይ ብተግባር ድኻ እያ። ንቀፃሊ ግን ከምይ ዝበለ ንፉዕ ህዝቢ ሒዛ ሃፍታም ትኸውን ሃገር እያ። ሕጂ ኣንሕና ናብ ዓለም ኢድና ንዝርግሐሉ ግዜ እዩ። ኢድካ ስለዝዘርጋሕኻ ኩሉ ኣሜን ኢሊ ኣይቅበለከን ወይ ኣይተኹበልካን። ኢድና ንኽንዝርግሕ እቶም ኢድና ንዝርግሐሎም ሰባት ካባና እንታይ ይደልዩ ኢልካ ምፅናዕ ኣገዳሲ እዩ። ትግራይ እዙይ ገይራ ዶ? መልሱ ኣይገበረት እዩ።  ብዘይምግናን ናይ ሕጂ ዘሎ ናይ ትግራይ ወለዶ ካብ ኩሎም ዘመናት ዝነበሩ ትዉልድታት እቲ ዝሓየለ እዩ። ትግራይ ኣብ ዘመና ከምዚ ዓይነት ብኣርባዕተ ኣንፈት ዝመፀ ጨካን ወራሪ ገጢምዋ ኣይፈልጥን።  እዚ ናይ ሕጂ ወለዶ ብኣርባእተ ኣቅጣጫ ዝመጸ ጸላኢ ከመይ ገይሩ  ከም ዝመከቶ ዓለም ተገሪማ እያ። እዙይ ሓያል ትውሊዲ እቲ ፖለቲካ እውን ብግዚኡ ብዝጠልቦ ኣንፈት ንኽመርሖ ዕድል ክዋሃቦ ይግባእ። ኣንሕና ዝበልናኩም ጥራይ ስምዑ ዝብል ናይ 60ታት መንፈሰ ከብቅዕ ይግባእ። ኣብ 1960 ዓ/ም ዝነበረ ህዝብን ኣተሓሳስባን ሕጂ ኣሎ ኢልካ ንምውሳድ ይኸብድ እዩ። ኩሉ ተቀይሩ እዩ። ቅኒቱ ከይቀረየ። ኣብ ትግራይ ግን ዋላ እቲ ግዜ ይቀያየር እምበር ኣተሓሳስባ ኣይተቀየረን። ብፍላይ ናይ ፕሮፖጋንዳ ስልትና ሙሉእ ብሙሉእ ክቅየር ይግባእ። ኣብ ኣፍሪካ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፍትሓዊ ዝብሃል ኣተሓሳስባ ቦታ የብሉን። ውሕድ ህዝቢ ሒዝካ ንበይንካ ፍትሓዊ ንምዃን እንትምኩር ህዝብኻ ኢኻ ትጎድእ። ክልተ ኣብነታት ከልዕል ሐየት ሰራዊት ትግራይ ጉና ምስተቆፃፀረ ብሚድያ ዝስራሕ ዝነበረ ፕሮፓጋንዳ መልክዑ ከይቀየረ ቀደም ድምፂ ወያነ ኣብ በረኻታት ትግራይ ኮይና ትዛረቦ ከም ዝነበረት ከም ዘለዎ ገልቢጦም “ጅግና ተቃላሳይ ዝኾነ ህዝቢ ጋይንት ምንም ነገሩ ከይቀየረ መስመርና ተቀቢሉ ምሳና ይቃለስ ኣሎ” ዝብል ዜና ይጋዋሕ ነይሩ። ሓቁ ግን ፍፁም ተቃራኒ እዩ። ካልኣይ “ትምክሕተኛ ኢሊት ኣምሓራ” ዝብል ቃል ላዙኡ ከይቀየረ ይቅፅል ኣሎ። በተግባር ንዝሓርደካን ህዝብኻ ንዘጋፍዓን ሓይሊ ከምታ ናይ ቀደም ሕጂ እውን ትምክሕተኛ ሓይሊ ዝብል ዓላማ ዘይብሉ ቃል ኢና ንጥቀም ዘለና። ጨፍጫፊ፣ ሓራዲ፣ ወራሪ ወዘተ ሓይሊ ክብሃል ዝግባኦ። ንተግባሩ ዝምጥን ቃል የድሊ እዩ። ፀላእትና ኸ ንዓና እንታይ ይብሉና? እንታይ ዘይብሉና ነገር ኣሎ። “ወራሪው የትግራይ ሓይል።” ብመን ኣቢሎም? ብኹለን ሚድያታት እዛ ሀገር። እዋይ ዝረሳዕኽዎ ኻልእ ነገር ለካ ኢና ፋናን ዋልታን  እውን ሃኒፅና ዘረከብናዮም እየን ። እዋይ ከብድኻ ይበልዕ። ከምኦም ክንወርድ የብልናን ዝብል ልምዓታዊ ሙሁር እኮ ኣይጠፍእን። መን እዩ ንስኻ መውረድን መደየብን ዝገበረካ እዩ ናተይ መልሲ። ወይስ ከምቲ ለግፂ ኣበሃህላ ንሶም እናወረዱ ኣንሕና እናደይብና ክንራኸብ ኢና። ትግራዋይ ተዋራዱን ተወዲኡኑስያ እናደየብና። ካድረ እንታይ ግዱ ይቅር እዙይ ካልእ ይብል። ምስዙይ ተተሓሒዙ ሕነና ክንፈዲ ኢና እንታይ ማለት እዩ?  ሸቀጣ ሸቀጥ ካብ ዝኾነ መኽዘን ሰብሲብካ ምውሳድ ድዩ? ወይስ ፋብሪካኹም ብፋኖ ከይዝረፍ እሞ ሽማይ ብዓለም ማሕበረሰብ ከይጠፍህን አዲስአበባ ተመሊስና ፈታዊና ዝኾነ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከይፀልኣኒ ይሕልዎ ኣለኹ። ህዝባዊ መስመር😀😀 ካብ ስሕተቱ ዘይምሃር መስመር። ፋብሪካኻ ብግልፂ ኣዕኒዉ ብዓይንኻ ዝርኣኻዮ ፀላኢ ዶ ከምዚ ይጥበር። ንኻልኣይ ግዜ እቲ ኢኮኖሚ ኣረኪቡ ንመቀለ ዳኣ። ብህይወት እንዳሃለኻ ብላንባ ኣቃፂሉ ንዝቀትለካ ዶ ከምዚ ምተገበኦ። ፋኖ ደጋፊ ቃልስና እዩ ክብሃል ንእሽተይ ኢያ ቀርያታ። ፋብሪካኻ ሀደሽደሽ ዘበለ ሀደሽደሽ ተብለሉ። መስረተ ልምዓትካ እናመረፀ ዘዕነወ ንስኻ እውን እንዳመረፅካ ተዕንወሉ። ኣብ ጦርነት ፍትሓዊነት ዝብሃል የለን። ስለዝኾን ሓሳብካ ትቅይር ወይ ተዝምን እቲ ናይ መጀርያ ሒዝካዮ ዝነበርካ ዘይረብሕ ወይ ዘይጠቅም ስለዝኾነ ኣይኮነን። ንዑኦ ብዝበለፀ ጠቃሚ ዝገብር ብቴክኖሎጂ ዝደለበ ኣተሓሳስባ ስለ ዘሎ እዩ። ንኣብነት ቀደም Classical mechanics ነይሩ እዙይ ትምህርቲ ንመጀመርያ ዓለም ዝለወጠ እዩ። ካብኡ ብዙሕ drawback (ድኽመታት) ስለ ዝነበረ እቶም ድኽመታት ብመርትዖ ዝተመስረተ ንእኡ ዝእርም Quantum mechanics ዝብሃል ኣታሓሳስ ተፈጠረ። ዘመናዊት ዓለም ዝቀየረ ትምህርቲ ማለት ይካኣል። ቴክናሎጂ ከይቀረየ ጄነረሽን ዝብል ስም እናተዋሃቦ በቢዓመቱ እዩ ዝቅየር። ቅኒትና ምፍታሽ ኣድላይ እዩ። ዋላ ኩለን ሚድያታት ትግራይ TMH ሓዊሱ ንትኣዘብ ሜላ ፕሮፖጋንድኦም ካብ ድምፂ ወያነ ኣይፍለይን። እንጥቀሞም ቃላት ተመሳሰሰልትን ህዝቢ ትግራይ ዝመናዮምን እዮም። ኣጋይሽ ኢሎም ዘቅርብዎም እውን ተመሳሰልትን እንታይ ከውግዑ ከም ዝኽእሉ ቀዲሞም ዝግመቱን እዮም። ምኽንያቱ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ሚድያ ዘይጠፍኡ ሓሳቦም ግን ሓደ ዓይነት እዩ። እስኪ ሓደ ኣብነት ወሲድኩም ፈተነ ስርሑ። ሓደ ነባር ኣመራርሓ ናብ ሚድያ ቀሪቡ ዝሕቶቶ ሕቶ ኣድሚፅኩም ቀዲምኩም ዓርስኹም መልሲ ሃቡ። ካብኡ ምስ ናቱ መልሲ ኣነፃፅርዎ። ኣቱም ሰባት ግደፉ ውሽጥና ንፈትሽ። ውሽጥና ንፈትሽ ክብል ከለኹ እውን ብቲ ሒዙና ዝጠፈአ ዝተለመደ ናይ ግምግማ ስልቲ ኣይኮነን። ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ አዲስአበባ ዝነበረ ሜላ ግምገማ ተጋሩ ምንም ለውጢ ንዘይምፅእሉ ዓርሲ ንባዓርሶም ዘባልዕ ዝነበረ ረብሓ ዘይብሉ ሜላ ግምገማ እዩ። ኣጃክስ ይብሃለለይ ነበረ። ኣጃክስ ከይተፈጠረት ትቅረይ። ኣነ ንሓደ ነገር ዝልክዖ በ Sustainability (ቀፃልነቱ) እዩ። ኣብ ስልጣን ኣብ ዝፃናሕናሉ እዋን እንኽተሎ ዝነበረና ሜላ ፖለቲካ ከመይ ገይርና ን5 ዓመት ኣብ ስልጣን ንፀንሕ ዝብል  እዩ ነይሩ። እታ 5 ዓመት ምስተወደአት ድማ ቀፃሊ …። ኣብ ዓለም ከማና ብሰንኪ ሕመቅ መረሕቲ ዝተጎደአ ህዝቢ የለን። ጠንካራ ኢኮኖሚ ዘለዎ ስርዓት ሃኒፁ ንባዕሉ መጥፍኢ ዘወዐለ ህዝቢ የለን። ብሓንቲ ናይ ዕፅው ግምገማ ኣብ ዴሞክራሲ ዘይብላ ዓዲን ዴሞክራሲ ዘይፈልጥ ድርጅትን ” እዛ ዓዲ ዶ ባዕልና ክንብትና ኣይፋሉን ስልጣን ድኣ ነረክብ” ብዝብል ኣብዮታዊ ግምግማ ንትግራይ ጸሊም ሪቫን ሒዝካ ምምጻእ እየ እምበር ። ምንም ዝርርብ ዘይብሉ ኩሉ ኢኮኖሚን ወታደራዊን ኣረኪብካ ናብ ፀባብ ከተማ ምስብሳብ ይገርም። ኩሉ ነገር ምስኣረከብካዮ “አብይ ስርዓት ፌዳሪሊዝም ከፍርሶ ይሓስብ ኣሎ” “ኣሃዳዊ” “ሰይጣን ኮይኑ” “ሂትለር ኮይኑ” ዝብል ፕሮፓጋንዳ ዋላ ብCNN ተተስርሕ ሰማዒ የለን። መጀመርያ ክምለስ ዘይኽእል ዓብይ ስሕተት ተሰሪሑ። ብዛዕባ እዙይ ዛዕባ ከውግዕ ከለኹ ጨጎራይ ስለ ዝቃፀል ጠጠው ኣቢሎዮ ኣለኹ።  ዋዕሮ ዶ ጀግና ዶ ከይትብሉኒ ሓደራኹም። ንሙኻኑባ ብቡዃርያ ኣጣሊ ዘብለዐ ጓሳ ኣብ ዓድና እንታይ ይቅፃዕ። ንቲ ብኻርያ ወይ ዝብኢ ጥራይ ኣይኮንካን ትረግም ወይ ከምፀላኢ ትርኢ እነኮላይ ነቲ ሓለዊ እውን ብስርዓት ስለዘይሓለወ፣ ከይብልዓ ቀዲሙ ስለዘይተጠንቀቀ፣ ደንበአን ከይከደነ ወይ ብደንቢ ስለዘይሰረሐ ወዘተ ኢልካ ናይ ባዕሉ ቅፅዓት ኣለዎ። ዝበፀሖ ይፈልጦ።

ሓደ ዘይርደኣኒ ነገር “ተከዲዕና” ዝብል ዘረባ እዩ። መን እዩ ከዲዕና? ኣምሓራ ድዩ ወይስ ሻዕብያ? ብናተይ እምንት ማንም ዝከደዐና ሓይሊ የለን። ኩሎም ሓይልታት ንብዙሕ ዓመታት ብትልሚ ዝሰርሕሉ ዝነበሩ ጉዳይ እዮም ኣዐዊቶም። ኩሉ ዝኾነ ብናትና ድኽመት እዩ። ንሻዕብያ ምስ ደርጊ ሓቢሩ ወቂዕና ዝብል ዘረባ፣ ሻዕብያ ማዓዝ ድዩ ምስ ደርጊ ዝሓበረ፣ ናብ ገዛኡ ፀዊዑ ወታደራዊ ስልጠና ምሃብ ካብ ዝጅምር እኮ ድፍን 30 ዓመት ኮይንዎ። ካልእ ይትረፈ ጫካታት ጎንደር እኮ ዋና መዋፈርን መስልጠኒ  ሻዕብያ እየን ነይረን። እተን ኣብ ስሜናዊ ምዕራብ ዘለዋ መዕቆቢ ስደተኛታት ዝብሃላ እኮ ብሻዕብያ ተመስሪትን ዋና ፍልፍል ስለያ ሻዕብያ ኮይነን የገልግላ ነይረን። ኣመራርሓ ትግራይ ድማ ካልእ ዘይራኸብ ደርፊ ይደርፉ ነይሮም። ኣብ ግምገማ ብሽም ስውኣት እንዳማሓሉ ትግራይ ኣብ ኢድ ፀላኢ ክትወድቅ ገይሮም እዮም። ሓደ ካብቶም ማሕላ “ ኑዙይ ዲና ተሰዊእና ስጋ ስውኣት ብፆት ከይረግመና ታሪኽና ከየባላሸና ኩሉ ነገር ኣረኪብና ንመቀለና ንኽድ ዝብል እዩ ነይሩ’። ደርግ ኩልሻዕ ክህሊ እዩ ካብ ድሕር ሕጂ ግን ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ገባሪ ሓዳጊ ኣይኾንን ይብሃለለይ ነበረ እሞ ድማ ብግልፂ ስልጣንካ ንደርግ ኣረኪብካ መፂኻ። ሓይሊ ኣምሓራ ብዝተወደበ መልክዑ ህዝቢ ትግራይን ትግራይን ንምብራስን ንምብርካኽን ብሕቡኡን ብግልፅን ይሰርሕ እዩ ነይሩ። ከዲዑኒ ዝብሃል ንናትካ ሰብ እንበር ንታሪካዊ ፀላኢኻን ንዓኻ ከጥፍእ ንዝቃለስ ሓይሊ ከዲዐኒ ኣይባሃልን።

ኩሎም ብሄራት ብዙሕ ዕድል ኣለዎም እንተደልዮም “ፌደራሊስት” ወይ “ኮንፌደራል” ሓይሊ ወይካዓ ምስ ማእኸላይ መንግስቲ። ዝለዋወጡ ፖለቲከኛታት እምበር ህዝቦም ምንም ዝጉድኦ ነገር የብሉን። ህዝቢ ትግራይ ግን ዘላቶ ዕድል ሓንትን ሓንትን ጥራይ እያ። ካልእ ተደራቢ ሓይሊ የብሉን። ስለዝኾነ ድማ ከም ህዝቢ ንኽነብር ፀላእቱ ክስዕር እዩ ዘለዎ። ጸልእትና ንኽንስዕር ድማ ፖለቲካና ነስተኻኽል። ወታደራዊ ጥበብና ንዓለም መምህር እዩ። እቲ ሕማቅ ፖለቲካ ግን ብኣሉታ ይፀልዎ እዩ።

ኣብ መወዳእታ

ኣብ ሓደ ከተማ ሓደ ዑቡድ ነይሩ ንኽልተ ሰባት ጠጠው ኣቢሉ ቀትሪ 6:00 ንሰማይ እናራኣየ እዚኣ ወርሒ ድያ ወይስ ፀሓይ ኢሉ ሓተቶም። እቲ ዑቡድ ኣብ ኢዱ ክንዲ ግዛዕ ዝኸውን በትሪ ስለዝሓዘ ፀሓይ እያ እንተይሎምዎ ኣይኮነትን ወረሒ እያ ኢሉ ከይወቅዖም ወይ ድማ ወርሒ እያ እንተይሎምዎ ድማ ኣይኮነትን ፀሓይ እያ እሉ ከይወቅዖም ፈሪሖም” ደቂ እዙይ ዓድይ ኣይኮንና” ኢሎም መሊሰሙሉ ከዱ ይብሃል። ንዘስተውዕሉ እዙይ ምሰላ እኹል እዩ።

ፖለቲካዊን ወተዳራዊን ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ክዝምን ይግባእ!!!

ትግራይ ትስዕር!!

ብወዲ ትግራይ ዓለም

ካብ ቻይና

By aiga