ብምኽንያት መርድእን ቅንያት ብሄራዊ ሓዘንን ጀጋኑ ስውኣት ትግራይ ባንዴራ ትግራይ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ትሕት ኢላ ክትስቀል ኢያ- ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን ትግራይ

ንህላወ ዝተኸፈለ መስዋእቲ ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ እዚ መዓልቲ መርድእን ብሄራዊ ሓዘንን 6 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም መዛዘሚ ከምዝግበረሉ ድማ እቲ ቤት ፅሕፈት ዕላዊ ገይሩ።

ብምኽንያት መርድእን ቅንያት ብሄራዊ ሓዘንን ካብ ክልል ክሳብ ጣብያ ኮሚቴታት ተጣይሸን ነቲ መርሃ ግብሪ ንምስላጥ ምድላዋት ከምዝተወገነን 2 ጥቅምቲ 2016 ዓ/ም መንግስቲ ዕላው መግለፂ ከምዝህብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ኣረዲኦም፡

ካብ ዕለት 3 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2016 ዓ.ም ንዝኽርን ክብርን ስውኣት ትግራይ ባንዴራ ትግራይ ትሕት ኢላ ከም እትስቀል ዝገለፁ ኣይተ ረዳኢ ኣብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዘሎ ኩሉ ትግራዋይ ምእንተ ህዝቦም ንዝተሰወኡ ሰውኣትና ክብሪ ብዝህብ ኣገባብ ከሕልፎ ፀዊዖም።

“ንህላወ ዝተኸፈለ ክቡር መስዋእቲ”ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝዝከር እዚ ብሄራዊ ሓዘን ሕድሪ ስውኣትና ንምኽባር ቃል እንኣትወሉን ስድራ ስውኣት እንሕግዘሉን ክኸውን ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ድምፂ ህዝቢ ትግራይ ዝኾኑ ዲያስፖራ ተጋሩ እውን ንዝሓለፉ ዓመታት ልዑል ቃልሲ ብምክያድ ታሪኽ ሰሪሖም ኢዮም ዝበሉ ኣይተ ረዳኢ ሓለፎም ሐዚ እውን ሕድሪ ስውኣት ንምኽባርን ትግራይ መሊስካ ንምሕዋይን ኣብ ጎኒ ህዝቦም ክኾኑ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብእያሱ በርሀ ን ትግራይ ቴቪ

By aiga