ብ ኣብርሃም ብርሃነ

“ወድ ሰብ ሓመድ እዩ፡ናብ ሓመዱ ድማ ይምለስ” ዝብል ብሂል ኣበው እማን ምኳኑ ኣብ ማንም ፍጡር ትርእዮን ትሰምዖን ጉዳይ’ዩ። እንሆ ድማ እተን በዓልቲ ሃበባ ዝኰና ማማ ፅዮን፡ጉዕዞ ህይወተን ብሰላምን ብኽብርን ዛዚመን ናብ ላዕላይ ሰማይ ግዒዘን ኣሎዋ። እዘን ከም ዳዕሮ ተኽሊ ሕላገት ዓዲ፣ከም መሞና መሕነጺት ምሩጽ ሕንጻ፣ከም ፅላል ቆጽሊ ጋባ መፅለሊት ብዙሓት ብምኳን ዝግለጻ ኣብነታዊት ኣደ እየን ነይረን።

ማማ ፅዮን፡ዕዮ ታሪኸ ግሩም እዩ።ንሰን፡ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ዝተዋፈራሉ ዓውደ-ሞያ ኣገናዕ ዘብል ዕማማት ዝዓመማ’የን።ብሰናይ ግብረ ፅድቒ ኸኣ ስመን ተሮቋሒ እዩ።  ማማ ፅዮን፡ብዕለት 21 ሕዳር 1915፡ካብ በዓል ሓማሴን ዝኰኑ ወላዲኣን ኣቶ ሚካኤል ዓንዶም፣ካብ በዓልቲ ተምቤን ዝኰና ወ/ሮ ግደይ ኪዳነማርያም፡ኣብ ካርቱም-ሱዳን ተወልዳ። ብዕለት 27 ሕዳር 2015 ድማ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈለያ።

ማማ ፅዮን ኣብ ጊዜ ንእስነተን ምስ ኣቶ ተክሌ ሮሮ ዝተብሃሉ ስርዓት ቤተ ክርስትያን  ተኰልኹልነ መውስቦ ብምምስራት ክልተ ዉልዳት ፍረ-ኣብራኸን ርኤን እየን። ሎሚ ዕልተ ሰንበት 2 ታሕሳስ 2015 ድማ ስርዓተ-ፋንዋ ኣብ’ታ ንመዋእለን ዘገልገላኣ፡ቤተ ኽርስትያን መካነ እየሱስ 5-ኪሎ ተኻየደለን።

ኣብ’ቲ ስርዓተ-ምፍናው፡ካብ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ጀሚርካ ብርክት ዝበሉ ሙሁራት፣ሰበ-ስልጣን ነበርን ኣማኸርቲ መንግስቲ፣ ፍሉጣት ሰባት ኰነ ደቂ ማሕበርን መቕርበንን-ኣብ ዝተረኽብሉ ንሓደ ሰዓት ዝኸውን መርሓ-ግብሪ ብኽብ ዝበለን ብዝለዓለ ኽብርን ተኻየደ። ኣብነት፡ ካብ’ቶም ኣብ ስርዓት ጸሎትን ምፍናውን ካብ ዝነበሩ፡ንገሊኦም ንገሊኦም ንምጥቓስ ዝኣኽል፥

ልኡል ራእሲ መንገሻ ስዩም፣ዶ/ር ፋሲል ናሆም፣ዶ/ር ቆንጣንጢኒስ በርሀ፣እንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት፣ማማ ዉህበት ተወልደመድህን፣ማማ ሰብለወንጌል ሓጎስ፣እንጅነር ተኸስተብርሃን ሃፍቱ፣ዶ/ር ኣበራን ወዘተ ክጥቐሱ ይከኣል። ዳርጋ እቲ ዝበዝሕ ኣብ ቤተ ክርስትያን መካነ እየሱስ ተረኺቡ ዝነበረን ኣብ መቓብር ዝጸንሐን ተሓዊስዎ ደማይ፡ንኽብሪ ማማ ፅዮን ክሳዕ መወዳእታ ተረኺቡ’ዩ። ዝተቐብራሉ ቦታ ኸኣ፡ኣብ መቓብር ቅዱስ ጳውሎስ ወ ጴጥሮስ (መቓብር ካቶሊካውያን ወ ፕሮቴስታን) እዩ። ማማ ፅዮን ኣብ ስራሕ ንእድቲ፣ኣብ ማሕበራዊ ህይወት መርኣያ ዝዀና፣ኣብ ቤተ ኽርስትያን ፀላይትን መኻሪትን እየን ነይረን።

ክንዮ’ዚ ድማ መዝሙር ብምዝማር ኣመና ዝልለያን መዝሙር ዳዊት ልዕሊ ዝኰነ ዝፈትዋን እየን።እናሻዕ ብዘይተጎላባነትን ብዘይምብታኽን ዝዝምራን ኣደ  ምንባረን፡ካብ ኣገልገልት ቤተ-ክርትስያንን ፈለጥተን ምስክረት ትረኽበሉ ኢኻ። ልዕሊ ኹሉ ፈታዊትን ደላይትን ሰላም ብምንባረን’ውን፡ ኣብ መስርሕ ዕርቕን ሽምግልናን ከይተሓለላ ዝዓየያ ኣየን። እዙይ ኣብ ሱታፌ መስርሕ ሰላምን ሽምግልናን ምስታፈንን ግደ ምግባረንን ጥራሕ ከይኣኽል፡ ነቶም ቐተልቲ ሓወን (ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም) ዝኰኑ ምህረት ብምግባር ይፍለጣ’የን።

እቲ ዝገርም ድማ ሓዳግን ምሕረት ምግባርን ጥራሕ ዘይኰነ-ሲ፡ነቶም ኣብ ምቕታል ሓወን ብቐጥታን ብተዘዋዋርን ዝተሳተፉ ወከፋት ተኰነ፡ካብ ማእስርቲ ንክፍትሑ፡ንመንግስቲ ዝልምናን ዝሓታን ዝነብራ ኣደ እየን። ኣብዚ ክዝንጋዕ ኰቶ ዘይብሉ፡ክልተ ኣንንስቲ ሰበ ስልጣን ደርጊ ዝኰና ናብ ቤተን መጽኤን ሓደ ጉዳይ ክፍጽማለን ተማሕፀነአን።ንሱ ድማ “ኣሰብኡትና ክፍትሑልና ንመንግስቲ ለምናልና ኢኽን” ብዝበልአን፡ንሰን ድማ ንኣይተት ቃለንን ሕልአን ቢለን፡ኣፍ-ደገ ቤተ-መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰነ ኣብ ኣፍ-ደገ ትካላት መንግስትን፡መታን እቶም እሱራት ክፍትሑ ደስ ኢልወን ከይተጽዓዳ ዝተመላለሳን ዝለመናን እየን። እዚ ዓቢይ ግብርን ዓቢይ ትምህርትን ምኳኑ ማንም ሕልና ዘሎዎ ሰብ ኣይስሕቶን እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ክቡራት ኣንበብቲ፡ብዛዕባ ማማ ፅዮን ዓንዶም ክትጽሕፍ ወይ ክትዛረብ ጀሚርካ ንእለቱ ኣይትውድኦን ኢኻ።እቲ ምንታይ ታሪኽ፡ሓደ መዋእል ስለ ዝኰነ እዩ።ታሪኽ ሓደ ዘመን ኸኣ ነዊሕን ሰፊሕን ምኳኑ ርዱእ’ዩ። ካብኡ ናብኡ ድማ እቲ ንኣስታት 60 ዓመታት ዝሰርሓሉ ዓውደ-ሞያ፡ንባህልን ትውፊትን ህዝበን ዘደርዕን ዝዕኩኽን ብምኳኑ ረዚዕን ዕማም እዩ ነይሩ። ማማ ፅዮን ብቤተ-ክርስትያንን ብቤተ-መንግስትን ዝተኸበራን ክብሪ ዝረኸባን ኣደ እየን ነይረ።” ሓደ ኣገልጋሊ መካነ-እየሱስ ኣብ መድረኽ ዝተዛረብዎ’ዩ።

“ማማ ጽዮን፡ንዓይ ካልኣይቲ ኣደይ እየን ነይረን።ዝገርማን ጽንዕትን ኣደ እየን ነይረን።ኣብ ጉዳይ ሰላም ዝግደሳን ሰላም ክሰፍን እጃመን ከይተሓለላ ዝገብራ ዘይሕለላ ኣደ እየን ነይረን።” ፕሮፊሰር ኤፍሬም ኢሳቕ ኣብ ቓለ መጠይቕ ካብ ዝሃቡኒ ዝተቆንጨበ ሓሳብ እዩ። “ማማ ፅዮን ኣደ ብዙሓት፣ፅንዕቲ፣ኣብነታዊት ሰብን ንዝሰርሕን ዝጽዕርን ዝተባብዐን፡ኣፍልጦ መታን ክረኽብ ክሳዕ ኣፍ-ደገ ቤተ መንግስቲ ዘብኳሕዂሓ ሰብ እየን ነይረን።” ብርክት ዝበሉ ሰባት ሓጺር ሓሳቦም ንክህቡኒ ተወኪሶሙኒ ካብ ዝሃቡኒ ርእይቶታት ዝተወሰደ’ዩ።

ኣነ ድማ  ንማማ ፅዮን፡ኣብ ኣብዮት ኣደባባይ (መስቐል ኣደባባይ) ኣብ ዝነበረ “ፅዮን-ጥበብ” ዝተብሃለ ትካለን’የ፡ቕድሚ ሓያሎ ዓመታት ክላለየን ዕድል ዝገብርሉ። ብስልኪ ተኰነ እናደወልኩ ሓጺር ወግዕታት ንገብር ነበርና። ምስ ማማ ፅዮን ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ፡ስልከን ጠፊኡኒ ብምንባሩ፡ካብ ግድስትን ትኲርትን ዝኰነ ማማ ሰብለወንጌል ሓጐስ ቁፅሪ ስልከን ተቐቢለ፡ንሰፊሕ ቓለ-መጠይቕ ከነኻይ መደብ ሒዝና ነይርና ኢና።

እንተኰነ ኣብ ቐረባ ኣዋርሕ ስልከን ብዙሕ ሳዕ ትኣቢይ ወይ ትዕፆ ብምንባራ፡ደሓን ጊዜ ኣሎና እናበልኩ ብሎሚ ፅባሕ ኣዋርሕ ሓለፈ። እቲ ምኽንያት ንሰን ንቃለ መጠይቕ ዛሕልታት የርእያ ነበራ።ብፍላይ ኸኣ፡ኣብ ጉዳይ ትውልዲ ዓደን ሓረግ ወሎዶአን ኣድሂበን ምዝራብ ሸውሃት ኣይነበረንን’ዩ ክበሃል ይከኣል።እዚ ምናልባሽ ምስ ፀቕጢ ጓለን ዝተትሓሓዘ ክኸውን ከም ዝክእል ፈለጥተን የውስኡ እዮም።  ነዚታትን ሃንደበት ብሞት ርግምቲ ምምዝዓንን፡ንሃንቃይ ኣብ ግምት ኣእትየ፡ዝተሰማዓኒ ዱግዓ ዓሚዩቕ’ዩ። ግን ፍቓድ ኣምላኽ ስለ ዝዓቢይ ምንም ዝግበር ነገር የሎን።

ብዛዕብኣን ታሪኽ ብምጽሓፍ ከም ናይ ካልኦት ኣይከብድን እዩ እብል።እቲ ምንታይ-ሲ ፈለጢኣን ብዙሕ እዩ።ማህደራት ኣይሰኣኑን እዮም።ኣሳእል ኣብ ቤተን ዘሎ እኩል እዩ።መሓዙተንን መቕርበንን ድማ ግዱሳትን ሰብ ማህደርን ታሪኽን እየንን፤እዮምን ክበሃል ይከኣል እዩ።

ክቡራትን ክቡራንን፡ኣብ ድኻም ስለ ዝወዓልኹ፡ንሎሚ ምስናይ ይቕረታኡ፡ ኣብ’ዚ ይኣኽለኒ ክብል እረድይ። ካልእ ጊዜ ወይ ድማ ኣብ ዝቕፅል ጊዜ  ግን ማማ ጽዮን ምስ ሃጸይ ዮሃንስ ዘሎወን ዝምድና።ኣብ ምድረ ሓማሴን ዘሎወን ትውልድን፡ብዛዕባ ኣማውታን ኣማን ሚኪኤል ዓንዶም ኰነ ገለ-ገለ ናቱ ሓበሬታታን ኰነ ብዛዕባ ኣብ መስርሕ ዕርቐ ሰላምን ሽምግልናን ዝነበረን ሱታፌን ምስ ቤተ መንግስቲ ዝነበረን ርኽብን ኣኽብሮትን ኣድሂበ ክሓናጥጥ ተስፋ እገብር።

By aiga