ኣብርሃም ብርሃነ

ማማ ፅዮን ኣብ ታሪኽ ባህላዊ ኣለባብሳ ትውፊቱ ሓሊዩ ክቕፅልን  ብምዕሩግ ኣገባብ ተሰንዩ ክኸይድን ዕዙዝ ኣበርኽቶ፡ካብ ዝገበራ ደቂ ኣንስትዮ-ፊተውራሪት እየን።

ብተወሳኺ ኣብ ሰናይ ተግባራት ዝተዋፈረ ማሕበር ዋዕዊዕሉ ኣብ ዝነበረሉ መቃን ጊዜ፡ሓንቲ ካብተን ዉፍያት ምንባረን ታሪኽ ዝምስክሮ’ዩ።

እዘን ቕድሚ 100 ዓመት  ኣቢለን (ሓደ ዘመን) ዝተወልዳ፡ሓብቱ ነቲ ስመ-ግኑን በዓል ሃበባ ዝኰነ ጀነራል ኣማን ሚካኤል ዓንዶም እየን።

እዞም ክልተ ኣሕዋት ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኣኣብ ዝተዋፈርሉ ዓውደ-ሞያ ግኑን ስም ዘሎዎም እዮም።

ካብ በዓል ሓማሴን-ኤርትራዊ ኣቦን፥ ካብ ትግራዋይቲ ጓል ተምቤን ዝኰና ኣደ ዝተወልዱ ሰብ ሃበባ፡ስሞም ኣብ ማህደር ታሪኽ እናሻዕ ተኰሊዑ ከም ዝነበር ጥርጥር የብሉን።

ምሳይ ድማ ቆፀራ ገይርና ቃለ መጠይቕ ንምግባር ዓሊምና ነይርና።እንተኰነ ስልከን ንዝተወሰነ ኣዋርሕ ኣይሰርሕ ነበረ።ደሓን ጊዜ ኣሎና እናበልኩ፡እንሆ ሞት ግርምቲ መንጢላተን ኣላ።

መንግስተ ሰማይ የዋርሰን እብል።

እቲ ዝገርም ቕድሚ 60 ዓመት ኣብ መፅሔትን ጋዜጣታትን ዝጽሕፍኦ ዝነበራን ንስርሓውተን ኣመልክቱ ዝተሓትመን ኣብ ምምርማር እየ ቀንየ ነይረ።

ማማ ፅዮን ኣብ ጋዜጣታትን መጽሔታትን፡ይፅሕፋ ምንባረን ከቶ ኣይልጥን’የ ነይረ።እንተኰነ ካብ መሓዙተንን መቕርበንን ዝኰና ከም እኒ ማማ ሰብለወንጌል ሓጎስ፣ማማ መብራት ሃብተስላሴ፣ማማ ዉህበት ተወልደመድህንን ወዘተን ኣብ ጊዜ ደርጊ ተኣሲረን ዘሕለፍኦ ሓሳረ-መከራ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ንሕቶታተይ ተሓገዘኒ ካብ ዝብል ሓቲተ-ሓታቲተ ምስክርነታት ክረኽብ ክኢለ ነይረ።

እቲ ዝገርም ትማልን ብቕድሚ ትማልን ኣብ 1955 (ኣብ 1962/63 ዓ/ም/ፈ) ዝፅሕፍኦ ዝነበራ ፅሑፋት ብዘንበብኹ ኣመና እየ ተገሪመ።

እቲ ምንታይ-ሲ ተውለ ዓያይትን በዓልቲ ሻምላ-ፅንዓትን ምኳነን ከረጋግፅን ሎሚ መምህር ግርማይ ገብረፃድቕ ሃንደበት ስልኪ ደዊሎም፡ዜና ዕረፍተን ምሕባሮም እዩ።

ኣነ ድማ ነተን ኣዝየን ግድስን ሓላልን ዝኰና መሕዝአንን መቕርበን ዝኰና ጓል ጓሎም ንሃለቃ ተወልደመድህን ገብሩ ዝኰና ማማ ሰብለወንጌል ሓጎስ ደዊለ ከምዚ በልኹወን።

“እንታይ ደኣ ሕማቕ ተረኺቡ።ኣብ ቤተ ንባብ ኰይነ እናንበብኩ፡ዝተፈላለዩ ስልክታት ተደዊሎሙኒ፡ንሓንቲ ቀዳምነት ሂበ፡ንደወል መምህር ግርማይ ብዘልዓልክዋ-ዜና ሞት ማማ ፅዮን ኣርድኡኒ።

ወላ እኳ ብስልኺ ቃለ መጠይቕ ንምግባር ደው ኣቢለን  ተነበራ።ብዝፈትዉአን መቕርበን ዳግማይ ብምምፅአይ ሳምዐን ገሊጸናለይ ነይረን እየ።ግን ፍቓድ ኣምላኽ ኣይኰነን።ዝሕዝን ኣጋጣሚ ድማ እዩ።

ክቡራትን ክቡራንን፡ዕለተ ሰንበት ሓመድ ኣዳም ብዝለበሳ፡ገለ ክብለኩም ክፍትን’የ።ጠሊ ሄርሞን ይሕደጋ!!

By aiga