ብ ኣብርሃም ብርሃነ

ሰላም ክቡራት ኣዳለውቲ፡ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም፧ ኣብ መደበር ተለቪዥን THM ጋዜጠኛ ሚሚ ስብሃቱ ከም ጋሻ ኰይና ከም ትቐርብ ተሓቢሩ ኣሎ።እሞ ዝተቐርጸ እኳ ዝመስል ተኰነ ግን ካልኣይ ዕድል ምሕታት እንተገይርኩም ወይ ድማ ዝቕፅል ተኰይኑ  ሕቶታት ኣሎኒ።

ንሱ ድማ ሚሚ ስብሃቱ ካብ ትግራይ፣ኣምሓራ (ወሎ) ዓፍራን ከም ትውለድ ኣብ 1999 ከተውግዓና እዝክር እየ።ስለዚ ምስ’ዚ ዘሎ ኲነታት ህዝብታት ክቐራረቡን ምስ ድሌትን ባህግን ብዙሓት ካብ ኰነ ገለ ጥቕምን ንህዝባዊ ርኽባትን ዝጠቕም ይመስል ኰይኑ ስለ ዝተርኣየኒ እዩ።

ካልኣይ ሚሚ ምናልባሽ ተዘይተጋግየ ብዛዕባ ኣቡኣን፡ኣባሓጉኣን ክትዛረብ ሰሚዐያ ኣይፈልጥን እየ።ግን ድማ ነናቶም ታሪኽ ዘለዎም እዮም።

ብፍላይ ኣባሓጉኣ ካብቶም ደሓን ስም ዝነበሮም መምህራን ወንጌል እዮም ነይሮም።እንተኰነ ንተጋሩ ዘግልል መስርሕ ብምህላዉ፡ስሞም ክቐስ ኣይስማዓን እዩ።

ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘሎዉ ቤተ ክርስትያን መካነ የሱስ ክርባት ክገብሩን ታሪኽ ከፅሕፉን ከለዉ፡ብዙሕ ሳዕ ንተጋሩ ደቂ ማሕበሮም ወይ ይርስዕዎም (ኰነ ኢሎም ዝገብርዎ ይመስል) ወይ ድማ ከም ኤርትራውያን ገይሮም ይገልፅዎም እዮም።

ኣባሓግኣ ኣብ ይሓን እንትጮን ዝውለዱን ህቡብ መምህር ዝነበሩ ምኳኖም ታሪኽ ይሕብረና እዩ።ብፍላይ ምስ ህልው ኲነታት ወለጋ ድማ ንሶም ክለዓሉ ዘሎዎም ይመስለኒ።ምኽንያቱ ህዝቢ ወለጋ ክነቕሕን ብትምህርቲ ክስጉምን ተራ ካብ ዝገበሩ ንሶም ሓደ፡ብምኳኖም እዮም።

ብተወሳኺ’ውን ኣቡኣ ኣብ ጥቃ ብሔረ ጽገ ዝነበሮም መሬት/ገዛውቲ ብዝተወርሰ ንከባቢ ቦሌ ካብ እንዳ ጉሓፍ ናብ ተብሃጊ ስፍራ ካብ ዝቐየሩ ኣብነታውያን፡ሰባት ሓደ ምኳኖም ፈለጥቶም የዘንትዉ እዮም።

እታ ንሓወልቲ ኣኲሱም ትመስል ጽራብ እምኒ ዘላታ(ኣብ ፊት ኣትላስ ሆቴል) እትርከብ ቤቶም ኣብ ኲናት ትግራይ ዝጀመረሉን ደሓራን ብዕቱብ ክትትል ይግበረሉ ከም ዝነበረ፡ጎረባብቶም ይነግሩኻ እዮም።

ስለዚ እዘን ክልተ ነጥብታት ከም ኣድላይነቱ ተራእዩ ክትሕተት ተትክእል ፅቡቕ ነይሩ እብል።

ካልእ ዝከኣል ተኰይኑ ድማ ሚሚ ስብሃቱ ሞያ ጋዜጠኝነት ከተሰልጥን ወይ ከተምህር ከላ፡”ሓደ ጋዜጠኛ ብመትከል ንሓቂ፣ ንፍትሒ፣ንሚዛናውነትን ተሓታትነትን ወዘተ ክሰርሕ ኣሎዎ!” ዝብል ተምህር እያ።

ግን ኣብ ግጭት ወራር መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ባድመ ግን ንሳ ንመንግስታ ወጊና ትጽብጽብ ምንባራ ባዕላ ብኣንደበታ ኣውጊዓትና ነይራ እያ።እዚ ምስዚ ሎሚ ንርእዮ ዘሎና ሞያ ጋዜጠኝነት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ወሪዱ፡መጻወቲ መንግስቲ ኣቢይ ኰይንዎ ዘሎ ተራ ገይሩ ዶ ይኸውን ኢላ ትኣምን፧

እቲ ምንታይ ሎሚ ኹሉ ብሓይሊ ገንዘብን ብፅልኢትን ምስ መንግስቲ ኣቢይ ወጊኑ ዘይስለፍ ዳርጋ ጸሓፊ፥ጋዜጠኛን ኣባል ክዝባዊ ርኽባት የለን ክበሃል ይከኣል እዩ።እሞ እንታይ ክትብል ትክእል፧

ኣብ መወዳእታ፡ኣብ ሬድዮ ጣብያ ዛሚ እናሰርሐት ከላ ሚዛናውነታን ፍትሓውነታን ከመይ ትገክጾ፧ ካብ ሃገር ክትወፅእ እንከላ ሃዲማ ሸተት ኢላ ከም ዝወፀት ይዝረብ እዩ! ሓቅነቱ ማዕረ ኽንደይ እዩ፧ ደሞዝ ከ ከፊላቶም ዶ ትኸውን ንሰራሕተኛታታ፧ ምኽንያቱ “ነፍሰይ ኣውጽእኒ ኢላ እያ ሃዲማ!” ስለ ዝበሃል።

ወደሓንኩም

ኣመስግን።

By aiga