እንታይ ይመስለካ?

ዘመናት አቁጺርና

ኻቭ አቀም ንላዕሊ ፀቕጢ በዝሒና

መውፂኢ ሲኢና 

ንቁልቁል ጥሒልና:

ዝሞተ ሞይቱ ዝቀረይና

ዘይንስና መሲልና

ስደት ዓዲ ጋና

ትረግፁና ተጨማልቁና

አሜን እናበልና

በደልን ግፍዒ ተፃዊርና

ትነብር ረጊእና:

ኸምዘይተጎዳእና

ኸምዘይተዋረድና

አብ ኸብዲ ቃፂርና

ደሰ ኸይብሎም ፀላእትና

እረ እናጣዓመ 

ኽምስ እናበልና

ግዜ ዘምፀኦ ግዜ ኽወስዶ

እናተፀበይና

ጫፍ ገደል ምስበፃሕና

ምርጫ አልቦ

ብረት ምስዓጠቅና:

እንትንዕወት

ድሕሪ ኽንደይ ዓመት

ደቂስብ ምኻና

ምስኣመስከርና: 

ብደምና ዝጠልቀዩ

ፀላእቲ እንትንምሕር  ዝርዪ

ምእማን አብይዎ እናበኸዩ

ስብዶ መላእኽት ነብዩ

እናበሉ

እንትምሕሉ

እንትጥሕሉ:

መሲሉና

ድሕሪ ኺናት ዝመረረ

ብደም ዝሰኸረ

ርእየተ ዓለሙ ተቀየረ::

ለካስ ኢሉ

ወትሪ ኢሉ

ይጽበይ ኽሳዕ ዝወግሓሉ

ኽጫድር ኸም አመሉ:

ይሄው ሰላም ምስነገሠ

ሰብ ምስደቀሠ

መጽኦም ኽሓዱኻ

ዲያብሎስ ጎራብትኻ:

እዙይ እናፈለጥካ

ሕዝስ ድሕር እንተበልካ

እንታይ ይመስለካ?

ብ ተመስገን ከበደ

By aiga