መዓርግ ታፈረ (ዶር.)

መእተዊ

ኣብ’ዚ ዘላናሉ ኣዝዩ ተዃሻሓይ ዝኾነ ናይ ፖለቲካ ባይታ (space) ኰይነ እዛ ፅሕፍቲ ንምፅሓፍ እንትሓስብ ፈለማ ብእንግሊዝ ቛንቋ ከቕርባ ሓሲበ ነይረ። ይኹን ዳኣ’ምበር እቲ ከማሓላልፎ ዝደለኹዎ መልእኽቲ ንተጋሩ ዝምልከት ምስምዃኑ ብትግርኛ እንተቕረብኩዎ ከምዝሓይሽ ኣሚነ። ኻልኦት ብዝርድእዎ ቛንቋ ምፅሓፍ ናይ ውሻጠና ጉዳይ ናብ ዕዳጋ ምስጣሕ እንተዘይኮይኑ ካልእ ብዙሕ ረብሓ ስለዘይርኣኹሉ። ከምኡ’ውን ብዙሕ ክፃሓፈሎም ዝግብእ ዛዕባታት እናሃለው ንምታይ ኣብ ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ ሃዋህውን ሓደጋታቱን ምፅሓፍ ኣድለየ ዝብሉ ኣሕዋትን እሃትን’ውን ኣይጠፍኡን። ነዙይ’ውን መልሲ ኣለኒ። ትግራይ ኣብ’ዚ እዋን’ዙይ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ብዝበለፀ ናይ ተጋሩ ሕብረትን ምክእኣልን እትጠልበሉ እዋን ነይሩ ኣይፈልጥን ባሃላይ እየ። ገጢሙና ዘሎ ተፃብኦ ኣይኮነን ዶ ተፋላሊና ሃቢርና’ውን ኣዝዩ ዝኸበደና እዋን’ዩ። ናይ ፀላእትና በዝሒ ጥራሕ እንተይኮነስ እቲ ዝሓዝዎ ፖለቲካዊ ትሕዝቶን ኣካያይዳን’ውን ዘሎን ዘየሎን ሓይልኻ ኣዋዲድካ ምምካት እንተዝይኮይኑ ካልእ መማረፂ ዘይብሉ ክኸውን ዘገድድ’ዩ። ስለ’ዚ እዛ ፅሕፍቲ እዚኣ በዚ መንፅር ክትሪኡለይ እፈቱ።

ድሕረ ባይታ ናይ ትግራይ ፖለቲካዊ

መበገሲ ናይ’ዛ ፅሕፍቲ ኣብ ቀረባ እዋን ውድብ ሕወሓትን ተናሓናሕቲ ውድባትን ዝተዳራበዩዎም ፣ ከም ከማይ ሃነፅቲ ዘይመሰሉኒ ውጥጣት እዮም። እዞም ኣብ ቀረባ እዋን ብናይ መራኸብቲ ሓፋሽ ዝተጋውሑ ኣፈላላያት ጥራሕ ዘይኮኑስ ሃነፅቲ’ውን ዘይኮኑ ኣታሓሳስባታት ንብዙሓት ዘቘጥዑን ዘደንገፁን ኩይኖም ንረኽቦም። ካብ እዚኣቶም ብወገን ተናሓናሕቲ ውድባት ዝቐረቡ ሓሳባት ይርከቡዎም። እቲ ዋና ኣዘራራቢ ዝኾነ ዛዕባ ናይ ስግግር መንግስቲ ክምስረት ኣለዎም’በር ሕወሓት ንትግራይ ክመርሕ ኣይብሉን ካብ ዝብል ርድኢት ዝብገስ እንትኾን እቲ ንኻልኦት ዘገረመን ብዙሕ ዘካተዕን ግና ናይ’ቲ ጉዳይ እዋናዊነት ኣብ ግምት ዘየእተወን ፣ ብሕልፊ ኻዓ ናብ ሕቡራት መንግስታት ዝፃሓፍዎ ደብዳበ (ሰታሪት) ኮይኑ ንረኽቦ። እዙይ እንትብል ናይ ሓሳብ ናፅነቶም ንምንታይ ተጠቐሙ ካብ ዝብል ሓደሓደ ሰባት ካብ ዝብልዎ ርድኢት ተበጊሰ ኣይኮንኩን። ናይ ሓሳብ ናፅነት ክኽበር ኣለዎ ኢለ ስለዝኣምን። የግዳስ እቲ ሓሳብ እተገለፀሉ መድረኽን ናይ’ታ ፅሕፍቲ ዕላማን እንታይ ከምዝኾነ ስለዘይተረድኣኒ ዳኣ’ምበር። እዚ ዳሓር ክምለሶ እየ። ብኻልእ ወገን ኻዓ ናይ መንግስቲ ተወከልቲ ዝበልዎን ዝገብርዎን ዘለዉ እንተርኢና ምናልባት’ውን ካብ ሓደ ሓምሳ ዓመት ዕድመ ዘቑፀረ ውድብ ዘይንፅበዮን ፣ እቲ ውድብ ተቐይረ ኣለኹ ኢሉ እንተማሓለን እንተጣሓለን ብግብሪ ግና ካብ’ቲ መፅባዓ ኣዝዩ ዝርሓቕ ምዃኑ ዘማላኽት እዩ። ዕድመ ናይ ብልሒ መለክዒ እዩ ኢለ እንተዘያመንኩ’ውን ናይ ባዕሉ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ግና ኣይክሕድን። ኣብዙይ ሓደ ብናይ ሰብ ሃፍቲ ልምዓት (human resource development) ሰብ ሙያ ዝባሃል ብሂል ኣሎ። ሓደ ሰብ ናይ 30 ዓመት ናይ ስራሕ ልምዲ ኣለኒ እንተይሉ “ናይ’ማን ናይ 30 ዓመት ልምዲ ድዩ ዘለካስ ወይ ኻዓ ናይ ሓደ ዓመት ልምዲ 30 ጊዜ ኢኻ ደጊምካይዮ?” ተበሂሉ እዩ ዝሕተት። ዕድመ ትርጉም ዝህልዎ ብዓቐን ዘኻዕበትናዮ ዕቕሚን ኩነታት ቀልጢፍካ ተሪድእኻ ፍታሕ ናይ ማሃብ ተኽእሎን እንትህሉ’ዩ። ስለዚ ናይ ትግራይ ኮኑ ናይ ኢትዮጵያ ኣብዛሓ ፖልቲከኛታት ካብ 1960ታት ጀሚሮም ዝተዋስኡ ይኹኑ’ምበር ንዕድሚኦም ዝምጥን ለውጢን ብልሒን ዘኻዕበቱ ንምዃኖም ዘቕርብዎ መርትዖ ምህላዉ ርግፀኛ ምዃን ኣይካኣልን።

ናይ’ዛ ፅሕፍቲ እዚኣ መበገሲ ርድኢት እቲ ሎሚ ኣብ ትግራይ ዝርኣይ ዘሎ ፖለቲካዊ ባይታ (space) ካብ ታሪኽ ዝቕዳሕን ናይ ሽዋ ፅልዋን እዩ ዝብል’ዩ። ናይ ሽዋ ናይ ፖለቲካ ፣ ባህሊ ፣ ሃይማኖት ወዘተ ርድኢትን ናይ ጎንፅን ኣፈላላይን ኣፈታታሓ ሜላ ተፃባእቲ ኣብ ምጥፋእ ዝተደረኸ እዩ። ካብ ዘበን ንጉስ ዘርኣያእቆብ ንዳሓር ዘሎ እዋን ፣ መንግስቲን ሃይማኖተኛታት ኣምሓራ ንግስናን ናይ ባህሊ ላዕለዋይነትን (hegemony) ንምርግጋፅ ብሕታዊ መንገዲ ገይሮም ዝሓዝዎ መርገፂ ዝኾነ ይኹን ተፃብዖ ብዘይንሕስያ ኣብ ምጥፋእ ዝተመስረት ኮይኑ ንረኽቦ። ‘ምሳና እንተዘይኮኑ ፀላኢና’ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሱሩ’ውን ክጠፍእ ኣለዎ’ ኢሎም ያምኑ። ኣብ’ቲ እዋን እቱይ ንግስና ብሓይሊ ዝራጋገፅ ምንባሩ ርዱእ እንትኾን ፣ ናይ ሃይማኖት ፣ ቛንቋ ፣ ባህሊ ወዘተ እውን ግና ናትና እተቐበለ እንተዘይኮኑ ካልእ ኩሉ ክነበር ክፍቀደሉ የብሉን ዝብል መርገፂ ሒዞም ክሳብ ንጉስ ሓይለሰላሰ ቀፂሎም’ዮም። ናይ ኣባ እስቲፋናስ (ደቂቀ እስቲፋኖስ) ታሪኽ እንተሪእናን ፣ ኣብ መበል 19ን 20ን ክፍለ ዘበን ዝተቐላቐለ ናይ ከንሻ (protestant) እምነት’ውን ናይ’ዚ ኣታሓሳስባ’ዚ ተጠቃዕቲ እዮም። ብባህሊ እንተመፂና’ውን ናይ ኣምሓራ ዝባሃል ባህሊ ክፈጥሩ ምፅዓሮም ጥራሕ እንተይኮነስ ካልእ ኩሉ ክጠፍእ ብዙሕ ተሰሪሑሉ እዩ። ንኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል እዛ ቀፂላ ዘላ ብዘበን ሓይለሰላስየ ታሕሳስ 19, 1926 ዓመተ ምሕረት ብኣቋፃፅራ ግእዝ (ኣግ) ኣብ ሓደ ጋዜጣ ዝወፀት ፅሕፍቲ ምርኣይ ይኣክል።

“ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ሓሳቡ ግልፂ’ዩ። በብሃገሩ ዘሎ ሕዝቢ ኩሉ ብኣምሓርኛ ቛንቋ ክዛረበሉ ይፈቱ። ቛንቁኡ
ሓደ ዓይነት እንተድኣ ኮይኑ እናተዋሰበ ፣ ናብርኡ’ውን እናታኣሳሰረ ንምፍልላይ ኣይካኣልን። ኣብ ኢትዮጵያ ዘለው
ናይ ወፃእ ሚስዮናት ኩሎም ናይ ወንጌልን ናይ ፀሎትን መፃሕፍቶም ዘሐተሙዎም ፣ ንኦሮሞ ብኦሮምኛ ፣ ንጉራጌ
ብጉራጊኛ ፣ ንወላይታ ብወላይትኛ እናገበሩ ምስትምሓር ጀሚሮም ኣለዉ። እዚ ዘይግቡእ ስራሕ’ዩ ፥ ንሓድነት
ዕንቅፋት ክኸውን’ዩ። ናይ ኢትዮጵያ መንግስቲ ዝፈትዎ ሕዝቢ ብኣምሓርኛ ተማሂሩ ብሓንቲ ቛብቋ ክዛረብ
እንተሎ’ዩ። በብቛንቁኡ ክፋላለ ኣይፈቅድን። ናይ እምነት ናፅነት ብምርካቦም ደስ ከምዝበለኩም ኩሉ፣ ናይ
ኢትዮጵያ መንግስቲ ናይ ኣምሓርኛ ቛንቋ ኣብ ኩሉ ክታኣታቶ እንተትገብሩ ይሕጎስ። ናይ ኢትዮጵያ ሓድነት ጥንካረ
ኣምሓርኛ ቛንቋ ኣብ ኩሉ እንትዝረብ’ዩ። ስልጣነ ክጋፋሕ ዝኽእል ብዙሓት ናይ ውሽጢ ቛንቋታት ተጨፍሊቐን
ብሓንቲ ኣዶ ቛንቋ ክንምራሕ እንተኺኢልና ጥራሕ’ዩ”

ኣብ’ቲ ናይ 1960ታት ዝተቓላቐለ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቓስ’ውን እዚ ሕማም’ዙይ ሒዙ እዩ ተወሊዱ። ካብ መስፍናዊ ሰርዓት ናብ ሬፓብሊክ (republic) ዝግበር ስግግር ዝመርሑ ናይ ዩኒቨርሲትን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲታት ተማሃሮ መብዛሕተኦም ደቂ መሳፍንቲ ምስምንባሮም ብተመሳሳሊ ሕማም ዝተጠቕዑ ኮይኖም ንረኽቦም። ኣብ’ቲ መፈለምታ’ቲ ቓልሲ ሓሳብ ብናፅነት ምግላፅ ብመጠኑ ይካኣል ዝነበረ ይኹን’ምበር ዳሓር ግና “እናሸንፋልን”ን “እናቸንፋለን”ን ብዝብል ጭርሖ እንተይተረፈ ተፋላልዮም ናብ ምቅታል በፂሖም’ዮም።

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ዝነበራ ፖለቲካዊ ውድባት ነንሕድሕደን ብብረት’የን ተጣፊአን። ኢህኣፓ ንመራሕቲ ደርጊ ክቐትል ዝወለዖ ናይ ፈዳያን ስራሕ ተመኢልሱ በሊዑዎ። ካልኦት ውድባት’ውን ዝነበረን ጎንፂ ብሓይሊ እየን ፈቲሐነኦ። ሕወሓት’ውን ኣብዚ ናይ ምቅትታል (dog eat dog) ከይዲ ሳዓራይ ኮይኑ ይውፃእ’ምበር ካብዚ ኣታሓሳስባ እዙይ ናፃ ከምዘይነበረ ኣብ እዋን ኢህወደግ ዝነበረ ናይ ፖለቲካ ሃዋሕው ምስክር’ዩ። “ኣማራፂ ዘይብሉ ናይ ፖለቲካ ኣንፈት ፣ እዙይ ዝቕየር ኣብ ናይ ኢህወደግ መቓብ’ዩ” ዝብሉን ብሂላት ፣ ከምኡ’ውን በብእዋኑ ኣብ ክንዲ ፀላኢ እናቐነስካን ፈታዊ እናብዛሕኻን ምኻድ “ኣበዲኦም ከይበፅሑ” ዝብል መንገዲ ምሓዝ ካብ’ቲ ዝነበር ናይ ሽዋ መንገዲ ከምዘይተወፀ ዘርኢ ምዃኑ ምኽሓድ ኣይካኣልን።

ስለ’ዚ ሎሚ እንሪኦ ዘለና ናይ ፖለቲካ ፅንፈኝነት ታሪኻዊን ባህላዊን መሰርት ዘለዎ እዩሞ ፣ እቲ ዘሎ ፀገምንሓንሳእን ንሓዋሩን ካብ ሱሩ ምሒና ክንድርብዮ እንተዀይና ኣብቲ መሰረታዊ ፍልፍል ናይ’ቲ ሽግር ክነተኩር ኣለና እብል። እቲ ፀገም ኣብ’ተን ናይ ፖለቲካ ውድባት ጥራሕ ዘሎ ከይኮነስ ኣብ’ቲ ማሕበረስብ’ውን ብገፊሑ ዝርኣይ ድሕረት’ዩ። እቲ ብጣዕሚ ዝገርም ኻዓ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝነብሩ ግና ካብ’ዚ ሕማም ዘይተናገፉ ምህላዎም እቲ ሕማም ሱር ስደደ ምዃኑ የረድእ። መካራኸሪ ነጥበይ’ውን ካብ’ዙይ ይብገስ። ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካ ባይታ (space) ክቕየር ዝኽእል ኣብ’ዘን ካብ ሓዳሓደ ፖለቲከኛታት በጨቕ እናበላ ዝወፃ ዘለዋ ዘረባታት ተደሪኽካ ክኸውን ኣይኽእልን። እዚአን ናይ’ቲ ፀገም መግለፂታት’ምበር እቲ ፀገም ካብአን ዝዓቢ እዩ። ማሕበረሰባዊ ለውጢ ምምፃእ ዘድልዮ ዓብዪ ዕማም።

ዘየድሊ ውጥጥ

ና’ብተን ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ማዓልቲታት ብኽልቲኡ ወገን ዝተላዕላ ተቛሻህቲ ሓሳባት ቅድሚ ምሕላፈይ እዚ ዓቢይ ዕማም ከመይ ጌርና ንዕመሞ? እንታይ እተገበርና ይሓይሽ? ብሱሩኸ ኣብ ቀረባ እዋን ክፍታሕ ዝኽእል ድዩ? ወዘተ ዝብላ ዛዕባባታ ቆላሕታ ዝጠልባ ስለዝኾና ናይ ኩልና ኣበርክቶ ዝሓታ እየን። ማሕበረስብና ካብ ናይ ኤሊት (elite) ፅግዕተኛነት ክናገፍ ፣ ናይ ፕሮፖጋንዳ መራገፊ ከይኸውንን ኣብ ኣመኽንዮ ዝተደረኸ መርገፂ ኽሕዝን ናይ መራኸቢ ሓፋሽ ብፅሒት ዕዙዝ ምዃኑን ፣ ኮታስ ኩለመዳያዊ ስራሕ ዘድልዮ ዕማማ ጌርና ወሲድና ኩልና በብዘለናዮ ኣስተምህሮ ምሃብ ከድልየና’ዩ እብል። ስለ’ዚ ኣብ ክንዲ እዘን ዝርኣያ ብጭቕታታ እናሓዝና ነንባዕልና ምፅባእ ነቲ ፀገም ካብ ሱሩ ንምምሓው ነናይባዕልና ብፅሒት ንዋፃእ።

ናብ’ተን ዳሓር ክምለሰን’የ ዝበልኩወን ዛዕባታታ ክምለስ። ብናይ ትግራይ ተናሓናሕቲ ውድባት ዝተባህላ ንሂስ ተሳጢሐን ዝቐነያ 1) ናይ ስግግር መንግስቲ ምጥላብን 2) ናብ ሕቡራት መንግስቲ ዝተፃህፈት ደብዳበን ንርአ። ትግራይ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ናይ ስግግር መንግስቲ የድልያ ዶ? ብናተይ ርኢቶ ዘለናዮ ኩነታት ነዙይ ምቹው ኣይኮነን እብል። እንተኾነ ግና ነዚ ጠለብ’ዙይ ከም ምኽኒት ዝቐረበ መርትዖ ጉግይ እዩ ኣይብልን። ትግራይ ሎሚ ዘላቶ ኩነት ፍሉይን ናይ ኩሉ ትግራዋይ ዓቕሚ ምጥቃም ዘድልየሉ እዋን ምዃኑ ኣሉ ዝባሃል ኣይኮነን። ናይ ትግራይ መፃኢ (long term destiny) ዝውሰነሉ ምስምዃኑ ሓደ ናይ ባዕሉ ናይ ፖለቲክ መትከል (ideology) ዘለዎ ናይ ፖለቲካ ውድብ ፣ ብሕልፊ ኻዓ ኣካል’ቲ ፀገም ዝኾነን ምናልባት’ውን ሓዱሽ ኣታሓሳስባ ከምፅእ’ዩ ኢልካ ዘይትፅበዮን ውዳበ በይኑ ወሳኒ ክኽወን ኣይኽእልን። እቶም ዝዝተየሎም ዛዕባታትን ዝውሰኑ ወሳነታትን ካብ ናይ’ቲ ሕወሓት ዝተመረፀሉ ናይ መንግቲነት ዘበን (tenure) ንላዕሊ ዝኾነ ናይ ነዊሕ እዋን ትልሚ ስለዝኾነ ብሓደ ውድብ ጥራሕ ስለዘይሕንፀፅ። እታ ሕወሓት ብምርጫ ዝተቐበለታ ሓላፍነት ነታ ዝተመረፀትላ እዋን ጥራሕ እያ እተገልግል። ትግራይ ሎሚ ዘላቶ ኩነታት ግና ካብ’ዙይ ዝተፈለየ ስለዝኾነ ኩሎም ናይ ሕዝቢ ትግራይ ውዳበታት ተሳተፍቲ ክኾኑ ግቡእ’ዩ። እንተኾነ ግና ነዙይ ዝኸውን ናይ ተሳትፎ ስርዓት ይወፅሉ’ምበር ናይ ስግግር መንግስቲ ብሉፅ መማረፂ ክኸውን ኣይኽእልን። ብኽልተ ዋና ምኽኒታት።

ሓደ ፣ ሕወሓት ብህዝቢ ዝተመረፀ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ፀገም ኣብ ምፍጣር’ውን ዓብይ ብፅሒት ዝነበሮን ፣ እቶም ኣራት ኪሎ ዘለዎ ኮራኹር ዝፈጠርን ምስምዃኑ ብዝፈልጦ መንገዲ ንምፍታሕ ናይ ባዕሉ ግደ ክህልዎ ይኽእል’ዩ ኢለ ኣምን። ካልኣይ ፣ እቲ ንትግራይ ዝውክል ውድብ ትግራይ ናብ ሰላም ንምምላስ ኣብዝግበር ዘተን ምይይጥን ዝካፈል’ዩ። ኣብ ከምዙይ ዝበለ ዘተ ንትግራይ ወኪሉ ዝቐርብ ውዳበ ናይ ተዋፅኦ እንተኾይኑ ናይ ባዕሉ ሓደጋ ኣለዎ። ናይ ተውፅኦ (coalition) እንተድኣ ኮይኑ እቲ ፀላኢ እናኸፋፈለ ሓሳቡ ከሳኽዕ ጥጡሕ ባይታ ዝፈጠር ክኸውን ስለዝኽእል። ብሓፂሩ ናይ ተዋፅኦ ሓይሊ ኣብ’ዚ ትግራይ ዘላቶ ኩነታታ ኮይኑ ጥንኩር መራሒ ክኸውን ኣይኽእልን። ናይ ተዋፅኦ መንግስቲ ውስንነት ንምግማት ናይ እስራኤል ፓርላማ ሓንቲ ሕጊ ንምሕላፍ ክንደየናይ ከምዝሽገር ምርኣይ እኹል ኣብነት እዩ። ስለዚ ትግራይ ኣብ’ዚ እዋን ዘድልያ ናይ ስግግር መንግስቲ እንተይኮነስ ፣ ናይ ፖለቲካ ውድባትን ኣለዋ ዝባሃላ ካልኦት ውዳበታትን ፣ ኮታስ ኩሉ ዓቕሚ ትግራይ ዝሓዘ ሓደ ጉባኤ የድሊ እብል። እዚ ጉባኤ ሕወሓት ሒዝዎም ዝቐርብ መትከላትን ረቑሓታትን ዘትዩ ዘቕርብ ፣ በብእዋኑ ተጠልብቲ ዝኾኑ ሓሳባት ዝዝተየሎ ባይታ ዝፈጥር ክኸውን ይግባእ እብል። እዞም ተዘትዩሎም ዝቐረቡ ሓሳባት ሕወሓት ናይ ምትግባር ግሬታ ይህልዎ። እቲ ልሙድ ምምሕዳራዊ ስራሕ ግና ናይ ሕወሓት ዋኒን ይኸውን።

ናብ’ታ ናብ ሕቡራት መንግስታት ዝተላእኸት ደብዳበ እንትንሓልፍ ፣ ኣነ ብወገነይ ንምታይ ዕላማ ክምተፃሕፈትን ፣ እቶም ውድባት እቲ ቤት ፅሕፈት ሕቡራት መንግስታት እንታይ ክገብረሎም ከምዝደልዩን ብውነ ዝሓሰቡሉ ኣይመስለንን። ብመሰርቱ ሑቡራት መንግስታት ናይ መንግስቲታት ውዳበ እዩ። ንመንግስቲ ትግራይ ዘዛርበሉ ምኽኒት ኣብ’ዚ ጎንፂ እዙይ ከም ሓውሲ መንስቲ (de facto state) ስለዝኾነ’ምበር ብሕጎም እንተዝኾን ክሓልፍዎ ዘይግባእ መስመር እዩ። ቅድም ቀዳድም ናይ’ቲ ደብዳበ ትሕዞት’ውን ግልፂ ኣይኮነን። እንትቕፅል ድማ ውድብ ህቡራት መንግስታት ኣብ ናይ ትግራይ ጉዳይ ኣትዩ ክዳኒ ኣይኽእልን። እዛ ደብዳበ እዚኣ እተዕውቶ ሸቶ እንተሊኡ እቶም ፀላእቲ ቅጥቀሙላ ምኽኣሎም ጥራሕ’ዩ። እተን ውድባት እዙይ ክገብራ እተገደዳሉ ምክኒት የለን ኣይብልን። ሕወሓት ንበይኑ በሪ ዓፅዩ ኣብ ናይ ትግራይ 30, 50 100 ዓመት መፃኢ ይውስን እንተሊኡ ሻቕሎት ክፈጥረሎም ግቡእ እዩ። ይኩን ዳኣ’ምበር ካልእ መድረኽ መምራፅ ዶ ኣይማሓሸን እብል። ናብ ኻልኦት ናይ ትግራይ ትካላት ንኣብነት GSTSን ክምኡ ዝመስሉ ካልኦትን ተገፍዑልና ምባል ዶ ኣይማሓሸን ባሃላይ እየ። እዙይ ናብ’ቶም ብወገን ሕወሓት ክባሃሉ ዝቐነዩ ጉዳያት የሕልፈኒ።

ብዙሓት ተጋሩ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብ ዝበልወን ክልተ ነገራት ተደሪኾም ርኢቶኦም ክገልፁ ቐንዮም’ዮም። “ሕንቁቓት”ን እዚኣቶም (ወከልቲ ተናሓናሕቲ ውድባት) እዚ ተልእኾ “ካብ ኣብይ ድዮም ተቐቢሎሞ?” ዝብላ ዘረባታት መንቀሊአን ካብቲ ቅድም ኢልና ዘልዓልናዮ ናይ’ታ ሓገር ናይ ፖለቲካ ባይታ ዝቕዳሕ ይመስለኒ። ካብ ናይተን በጨቕ ኢለን ዝወፃ ቃላት ትርጉም ንላዕሊ መበገሲአንን (perception) ዕላማ ናይ’ቲ መልእኽትን (motive) ዝበለፀ የገድሳኒ። እዘን ብሂላት እዚአን ምልክታት እየን – ኣብ ልቢ ናይዝመልአ እምነትን ናይቲ ዝውክሎ ወድብ መንፈስን። እንተንኣሰ ናይ ኣቦኣዊ (paternalistic) ኣኽቢድና እንተርኢናዮ ድማ ኢዴሞክራስያዊ ካብ ዝኾነ መርገፂ ዝብገስ ይመስል። ሓሳብካ ምግላፅ ከም ሕንቃቐ ፣ ካብ ናህና ሓሳብ ዘተፈለየ እንተኾይኑ ፍልፍሉ ካብ ፀላኢ ጥራሕ’ዩ ክኸውን ዝብል እምነት ቅድም ኢለ ካብዝገለፅኩዎ ታሪኻዊ ፀገም ዝፍልፍል ይመስለኒ። ካብ ናትና ሓሳብ ወፃኢ ዘለዎም ፀላእትና እዮም ጥራሕ እንተይኮነስ ዘይካኣል ኮይኑ’ምበር እንተዝጠፍኡልና ንመርፅ ካብ ዝብል ናይ ሽዋ ተፃባኣይ እምነት። እዘን ዘረባታት እዚአን መን ክሰምዕን እየን ተድልየን ኢልካ ክትሓስብ’ውን ትግደድ። ሹም ኣካፊእኻ እዞም ውድባት ብህዝቢ ክንፀጉ? እቶም ተናሓናሕቲ ውድባት ድማ ካብ’ዙይ ተበጊሶም ዝህብዎ መልሲ ናብ ዘይዛሪ ተፃባኣይነት የምርሕ’ሞ እዙይ ኻዓ ኣብ ትግራይ
ክህሉ እንደልዮ ሓድነት ኣብ ሓደጋ ከውድቖ ይኽእል።

ብሓፈሻ ጌጋታት ኣብ ክልቲ ኦም ሓይሊታት ምህላዉ ርዱእ ዋላ’ኳ እንተኾነ ዝኸበደ ሓላፍነት ዘለዎ ግና ሕወሓት ምዃኑ ኣይቐርን። ናይ ሓሙሽተ ኣስተርተታት ዓመት ዕድመ ዝቖርጠመ ፣ እሞ ኻዓ ሕዝቢ ትግራይ ኣትዩዎ ንዘሎ ፀበባ ናይ ባዕሉ ኣስተውፅኦ ዝገበረ ወድብ ምስምዃኑ ካብ ጌግኡ ዝተማህረ ምዃኑ ንሕዝቡ ከመስክር ብዘለዎ ሓላፍነት ምኽኒት ቕኑዕ ተበግሶ ከርኢ ትፅቢት ይግበረሉ። እንተነኣሰ እዞም ሓደሽቲ ውድባት ሓቛፋይ ባይታ እንተዝረኽቡን ሓሳቦም ዝገልፁሉ መድረኽ እንተዝህሉን ሰማዒ ስኢና ኢሎም ንፈታዊን ንፀላእን ዝኸውን ሓሳብ እናሓዙ ናብ ኣድላይ ዘይኮነ መድረኽ ኣይመኸዱን ኢለ እኣምን። እዙይ ማለት ግና ሰማዓይ ስለዝሰኣንኩ ክድርጎሖ እየ ምባል ትኽክል’ዩ ማለተይ ኣይኮነን። ናይ መልእኽቶም ትሕዝቶን ዘቕርቡሉ መድረኽን እንታይነት ምፍላጥ ግድነት ኣለዎም። ኾታስ ብኽልቲኡ ወገን ዘለዉ ተጋሩ ልቢ ከዕብዩ ይግባእ። ኣብ ናይ ሕዝቢ ትግራይ መሰረታዊ ጥቕሚታት ምውጋይ ንማንም ኣይጠቅምን ፣ ተጠቃማይ እንተሊኡ ፀላእ ሕዝቢ ትግራይ ጥራሕ’ዮ። ሓሳብ ኣለና’ሞ ስምዑና ዝብሉ ወድባት ይኹኑ ውልቀሰባት እንትህልዉ ሕወሓት ብፀጋ ክቕበሎም ኣለዎ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኽቕበሎም ሓላፍነት ኣለዎ። ምንቲምታይ እንቴልና ኣብ’ዚ እዋን’ዙይ ኣብ ጥቕሚ ዘይውዕል ሓይሊን ፍልጠትን ክህሉ ስለዘይግባእ። ዘይታዓደልና ግዲ ኮይና’ምበር ሓሳብትኩም ሒዝኩም ንዑ ኢሉ ክዕድሞም ዝግበኦ ዝነበረ ሕወሓት እዩ ባሃላይ እየ።

መደምደምታ

ኣብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ፥ ኣፈላላይ ምትእንጋድ ዘይምኽኣል ብሓፈሻ ካብ ሕሉፍ ባህረ ናይ’ዛ ሓገር ዝቕዳሕ ፣ እሞ ኣብ ኩሉ ትግራዋይ ዘሎ ፀገምን ክወገድ እንተኾይኑ’ውን ናይ ኩሉ ትግራዋይ ፃዕሪን ተበግሶን ዘድልዮ ዋኒንና ክኸውን ይግባእ። ንኣማኢት ዓመታት ከም ናህና ሒዝናዮ ዝመፃና ዓቕሊ ካብ ዘይብሉ ፖለቲካዊን ማሕበራዊን መስተጋብር ናብ ምዕቡል ናይ ኣፈታታሓ ፍልልይ ዝግበር ስግግር ብቐሊሉ ዝመፅእ ኣይኮነን። እቶም ኣብ ዓውዲ ፖለቲካ ዝኣተው ውዳበታትን ውልቀሰባትን ኻዓ ፍሉይ ሓላፍነት ኣለዎም። ብሱሩ ኸ ሕዝቢ ትግራይ ካብ’ዚ ሎሚ ኣትይዎ ዘሎ መፃብብ ንላዕሊ እንታይ እንተበፅሖ ንማሃር? ክንደይ ቀያሕቲን ፀለምቲን መላምል ደቂ ሕዝቢ እንተገበርና ኢና ካብ’ዚ ሕማም እዙይ ስርየት እንረክብ? ስለ’ዚ ዝዓበኹምን ዝንኣስኩምን ኣሕዋትን ኣሓትን ልቢ ነዕቢ ፣ ካብ ጊዜያዊ ረብሓ ወፂእና ነዚ ኽቡር ሕዝቢ ነቕድም እብል። ብሕልፊ ኻዓ ሕዝቢ ትግራይ ኣትዮዎ ኣብ ዘሎ ዓፀቦ ንኽኣቱ ብፅሒት ዝነበሮም ናይ ፖለቲካ ተዋሳእቲ ሓዱሽ ለውጢ ንኽመፅእ ርኡይ ዝኾነ ስራሕ እንተሰሪሖም ንስሃ ከምዝኣተው ዝቑፀረሎም ይመስለኒ።

ካልኦትናው’ን ዓብይ ብፅሒት ኣለና። ካብ’ቲ ንሕና እንኣምነሉ ሓሳብ ወፃኢ ብዝሰማዕና ቁፅሪ ኣይንረበሽ። ሰባት ሓሳባቶም ስለዝገለፁ ተጋሩ ኣይንባኣስን። ከም ሓፂን ክንጥንክር ዝገበረናን ከም ሓደ ሰብ ሰሚርና ክንዋሳእ ዘኽእለናን ነገር ሓደ ሓሳብ ስለነሰጉም እንተይኮነስ ኣብ ናይ ትግራይ መሰርታዊ ጥቕምታት ስለዘይንዋገ ኢና። ካብ’ዙይ ወፃኢ ኣብ ዘለዉ ዛዕባታት ክንፋላለ ግድን’ዩ። ሓድነትን ሓደ ዓይነትን ንፍለ። ብሹም ሓድነት ሓደ ዓይነት እንተዘይኰንኩም እናበሉ ዝወግኡና ዘለዉ ሓይሊታት እናተቓውምና ንሕና ከመይ ጌርና ሓደ ዓይነትነት ንምነ? ካብ’ቲ ዘለናዩ ፀበባ ከንውፀ ዘኽእለና እንተኾይኑ ይሕደር ዝባሃል ዛዕባ ክህሉ የብሉን። ብልጫ ዘለዎም መፍትሒታት ዝደለይሉ እዋን እንተሊኡ ሎሚ እዮ። መማረፅታት ክረክቡ ምእንትን ዘተን ምኽርን ስለዘድሊ። ወለድና “ሰብ ይታኣከብ ፣ ዘረባ ክርከብ” ደይኮነን ዝበሉ። እዙይ ንኽከውን ሕወሓት ዓብይ ታራ ክፃወት ይግበኦ እብል። “መዛተዪ መድረኻት ኣለዉና” ካብ ዝብል ዘረባ ዝሓለፈ ተግባር ክረአን በቲ ኻልእ ወገን ኻዓ ካብ ናይ ትግራይ ጥቕሚ ዘየውሕስ ምስምስን ኣካይዳን ክንቁጠብን ትምኒተይ እዩ። ክኸውን’ውን ናይ ባዕለይ ብፂሒት ከበርክት እፅዕር። ንስኻትኩም ከ?
ሰላምን ቅሳነትን ነዚ ሓላል ሕዝቢና።

መዓርግ (ዶ/ር) – ካብ ቶሮንቶ – ካናዳ።

By aiga