ሚዛን መዝገበይ

ሰላም ጥዕና ይሃበለይ እንዳ ዓይጋ! ኣብ እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስርሐይ ኣመናግየ ደሃይ ዓዲ ከመዓዱ ኣብ ፌስቡክ ድሙንሙን ክብል ሓደ ዘሰክፍ ክንዲ ገደል ዝኸውን ጉዳይ ኣብ ሓንቲ መስመር ትኣክል ሙሉእ ሓሳብ ኣብ እንዳ ተለቨጅን ትግራይ ፌስቡክ ገፅ ተለጢፋ ርእየ።

“በዓል ቤተይ ብዕስለ ከም ዝተዓመፅኩ ምስ ነገርክዎ ከም ዝፈትሓኒ ነግሩኒ።” ትብል ሓንቲ ንእስቲ ሓፍትና።

እዚ መደንገፂ ግብረ-መልሲ ዝሃበ ወዲ ተባዕታይ ክህልወና ምኽኣሉ ኣሰንኳይ ዶ ብ ተነፃፃሪ ፊደል ዝቖፀረ ዝበሃል ትውልዲ ኣብ ዝነብረሉ ግዘ ቅድም ቀዳድም እኳ ኣብ ባህልና ግዕዙይ ሰብ ዝፅየፎ ጉዳይ ምዃኑ ዝጠራጠር ሰብ ኣለና ኢልካ ምሕሳብ ኣፀጋሚ እዩ። እቲ ምንታይ ሲ እቲ ኣማኢት ኣሽሓት ሰራዊት ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ሕነ ውፅዕቲ ሓፍቱ፣ መርዓቱ ኣዲኡ ኮታስ ተመዓራራዪ ስግኣት ህይወቱ፣ ጭቆናን ዓመፅን ጓል ኣንስተይቲ ኣስከንኪንዎ ሃው ኢሉ ዝፀደፈ ኣዲኡ ትቑፀሮ።

ግን ከ? ኩሉ ፅፉፍ ፅሩይ ከምዘይኮነ ከም ህዝቢ ከም ትግራዎት ብፍላይ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ናይ ዕፅዋን ከበባን ግዘ፣ ፃት ከይሃብና ክነስተኻኽሎ ዝግባእ ድሕሩ ኣተሓሳስባታትን ልማዳትን ኣለው። ካብዚኣቶም እቲ ቀንዲ ውራይ ክኸውን ዝግበኦ ድማ ጉዳይ ኣተሓሕዛ ግዳያት ፆታዊ ጥቕዓት ኣሓትና እዩ። ብ ፍላይ ኣብ በዓልቲ እንዳና፣ ሕፅይትና መርዓትና ክበፅሕ ከሎ ካብ ሓፍትናን ኣዴናን ፈሊና ንፁሃት ክንመስል እቲ ሓደጋ ብ ሓጥያታ ዝበፅሓ ክመስል ዘይተዳገገ ሓበሬታ ሒዝካ ስም ምፅላምን ሞራል ምስባር ተስፋ ክቖርፃ ምድፍፋእ፣ ምስትሕፋር ፀበበአን ክሓብኣ ምግዳድን ምፍርራሕን ዝኣመሰሉ ተርእዮታት ኣብ ዘይንዓቕ ማሕበረሰብና ዝረኣይ ድሑርን ጎዳእን ልምዲ ኣሎ። እዚ ኣቐሚጥናዮ ዘለና ደኣ ትጠቐስ እምበይ ቅድሚ ሐዚ እውን ኣብ ተዛማዲ ዜና ይኹን ቃለ-መሕትት ፆታዊ ጥቕዓት ዝበፅሐን ጠኒሰን ኣላዪ ዝሰኣና ኣብ መሐብሐቢ ፌስቱላ ካትሪን ሃምሊን መቐለ ዝርከባ ደቂ ኣንስትዮ ከምዘለዋን እዚ ከምዚ ዓይነት መነወሪ ተግባር ኣብ ሓደ ክልተ ዘጋጠመ ተርእዮ ከምዘይኮነ የገንዝብ።  

ዋላ እኳ እዚ ሕጋዊ መስርዕ ተገይርሉ መምሃሪ ዝኸውን ቅፅዓታት ዝተቐመጠሉ ሕጊ ክህሉ ግድን እንተኾነ ልዕሊ ሕጊ ወረቐት፣ ሕጊ እንዳ’ባ፣ ልዕሊ ሕጊ እንዳ’ባ ሕጊ ልቦና ገዚኡና ዝበሃልን ዝግበርን ክንፈልጥ ኣገባብ ብዘለዎ መንገዲ ክንመሃርን ዝፈልጡ ድማ ከምህሩን ክግስፁን ይግባእ።

ኣብዚ ዕዮ ገዛ ግደ ኣብያተ እምነታት ዓዚዙ ይርከብ። ካብ መፅሓፍ ቅዱስን፣ መፅሓፍ ቅዱስ ቁርኣንን ኣጣቒስካ እቲ ህዝቢ ኣብ ዝተኣከበሉ ኣውደ-ምህረታትን መሳጊዳትን ግቡእ ትምህርቲ ምሃብን፣ ተስፋ እተን ንማንም ዘይተንፈስኦ ቃንዛ ተፃዊረን ልበን ቆሲለን ዝርከባ ኣደዋታትናን ኣሓትናን ብ መንፈስ ክድበሳ ኣስተዋፅኦ ከበርክታ ኣብያተ እምነታትና ስርሐን ኢለን ክሕዝኦ ኣድላይንቱ ድማ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ግድን ኮይኑ ንረኽቦ።  


ክሳብ ሰብ ሞያ ስነ-ኣእምሮ ኣግፊሖም ዝድህስስዎ እዚ መጉሃዪ ፍፃመ ዘጋጠመን ደቂ ኣንስትዮ ኣሓትና ከመይ ገይርና ንእብደን? ኣውራ ኣውራ ኣብዚ ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዝነበረ ካብ ዓለም ኣብ ግህሰት መሰል ደቂ ኣንስትዮ ተወዳዳሪ ዘይተረከበሉ ዓውዲ ውግእ ንፅንተት ህዝቢ ትግራይ ዳርጋ ኣብ ሕድሕድ ገዛ ግዳይ እዚ ክፉእ ማህሰይቲ ዘይኮነ ኣባል ማሕበረሰብ ኣሎ ምባል ኣይከኣልን። ስለዚ ንከምዚ ዓይነት በሰላ ዘለወን እንታይ ኢና ክንብለን ዘለና? እንታይ ከ ክንትግብር ይግበኣና? ብዝብል ካብ ዝተፈላለዩ መፅናዕትታት ዝቐራረምክዎም ማዕዳታትን ምኽርታትን ቆንጢረ ከቕርበልኩም።

ካብ ኩሉ ንላዕሊ ኣዝዩ ኣገዳሲ ካብ ስኑዕን ኣደብ ዘይብሉን ዘረባታት ምቑጣብን ምዕሩይ ርድኢት ክህሉ ምሕጋዝን ቀዳሚ ይኸውን። እዚ ንክህሉ ድማ እዞም ዝስዕቡ ቅድመ ኩነታት ክማልኡ ኣለዎም። ዳርጋ ብዙሓት ግዳያት ደቂ ኣንስትዮ ምስቲ ምዃነን ብ ኣንስታይ ፆታ ምቕራበይ ክቕፅል እየ።

  1. እታ ግዳይ ኣብ እትዛረበሉ ግዘ ብ ህድኣት ምድማፅ። ካብቲ እተውግዐሉ ተጓንፎ ብዙሕ ዘሰክፍ፣ ዘባህርር ዘሰንብድ ኣጋጣሚታት ክህልዉ ከምዝኽእሉ ንባዕልኻ ኣእሚንካ ምንም ዓይነት ናይ ገፅ ምቅይያር ኣዕይንትኻ ውርሕርሕ ናይ ምባልን ካልኦት ምልክታት ሰኸፈት ከይተርእይ ምጥንቃቕ። እዚ ኣብ እትገብረሉ ግዘ እታ ግዳይ ኣባኻ እምነት ክተሕድርን ነፃን ግልፅን ኮይና ክተቕርብን ይሕግዛ። እዚ ድማ መፍትሒ ኣብ ምንዳይ ኣመና ኣገዳሲ እዩ።
  2. እምነት ኣሕድር! ኩሉ እቲ ካብ ግዳይ እትሰምዖን እትርእዮን ብዘይምንም ምጥርጣር ክትቕበል ግድን ይኸውን። እዚ ሓደጋ ዝሰዓበ ድማ ብ ጥፍኣት እታ ተሃሳዪት ከምዘይኮነን ጥፍኣተኛ እቲ በዳሊ ናብዚ ዝዳረገ ወንጀለኛ ምኳኑ ኣዳጊግካ ምቕራብ።
  3. ቀዳማይ ረድኤት ዝርከበሉ ዕድል ምምችቻው። ብዝተረኸበ ዕድል ናይ ስነ ኣእምራዊ ደገፍ ክርከበሉ ዝኽእሉ ቦታን ዕድልን ምንዳይ፣ ከምኡ እውን ወሊድ መቆፃፀሪ ናይ ካልኦት ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት መምከኒ ክታበታትን ክኒናትን ኢልካ እውን ኣካላዊ ቆስልታት ክሓውይሉ ዝክእል ሕክምና ክትረክብ ወይ ክረኽባ ዕድል ምምችቻው።
  4. እታ ግዳይ ወይ ግዳያት ጥቕዓት ዝኾና ሕርቃነን ክገልፃ ዕድል ምውሃብ። ክበኽያ ክናደዳ ከለዋ ማእገር ከምትኸውነለን ምርግጋፅ ዘይምድሃልን ስምዒተን ከይገልፃ ዘይምንኩልላፍን።
  5. ብፍላይ እቲ ሓደጋ ዘብፅሐ ኣብ ጥቓ እቲ ንሳ እትነብረሉ እንተሃልዩ ከምዚ ክገብሮ እየ፣ ሕነ ክፈዲ እየ እናበልካ ዘይምጅሃር። ምኽንያቱ ንሱ ምባልካ ባዕሉ ኣባኻ ክበፅሕ ዝኽእል ማእሰርቲ፣ ብ ኣንፃሩ እውን ኣካል ምጉዳል ኣመና ከተሓሳስባ ስለዝኽእልን ናብ ካሊእ ተወሳኺ ስነ ልቦናዊ ቕልውላው ክሽምማ ስለዝኽእል።
  6. ምሽጥር ምዕቃብ። ፍኹሰት እቲ ዛዕባ እታ በዓልቲ ታሪኽ ማለት ተሃሳዪት እዚ ምጉስቋል ጥራሕ ስለዝውሰን ርዝነት እቲ ጉዳይ ኣዕብይኻ ብምምልካት። ስቕ ኢልካ ብ ወለንታኻ ስለዘጋጠመን ዘካፈለትካን ንካሊእ ሰብ ካብ ናታ ፍቓድ ወፃኢ ማለት እንተይሓተተትካ ብ ኮን ዶ ኾን ን ሳልሳይ ወገን ዘይምክፋል። ዋላ እውን ናይ ቀረባ እትብሎ ጎረቤት ይኹን ዘመድ ካብ ግዳይ ወፃኢ ስለዚ ጉዳይ ክተውግዕ ዘይምፍታን።
  7. ሕልፊ ተስፋ ከይህሉ ምዕቃን። ዘይትገብሮ ነገር ኣጉል ባህጊ ክተሕድር ካብ ምፍታን ምጥንቃቕ። ዘይሳኻዕ መዓልቲ መሕለፊ ለይቲ መሕደሪ ኢልካ ዘይትትግብሮ ሕልማዊ ተስፋታት ኣስኒቕካ ካብ ስቓይ ተጎዳኢ ተናውሕ መሪር ሓቂ ሒዝካ ፈተና ምስጋር ከምዝሐይሽ ምምዓድ።
  8. በደለኛ ሕጋዊ ቅፅዓት ክረክብ ኣበርቲዕካ ምስራሕን እዚ ድማ ተበደልቲ ክፈልጥኦ ምግባርን። ካብ ውልቃዊ ሕነ ምፍዳይ ኣብ ሕግን ስርዓትን እምነት ክሓድረን ምግባር ኣዝዩ ዝበለፀ ተግባር እዩ።

ኣብ ኣመሪካ ወርሒ ማዝያ ወርሒ ምፍላጥ ፆታዊ ጥቕዓት ክብሉ ይስይምዋ። ኣነ ድማ ኣብ ወርሒ ማዝያ እዚ ክብል ዕድል ስለዝረከብኩ እናመስገንኩ ን ግዚኡ እዚ ኢለ ካልኦት ሰባት ስፍሕ ዝበለ ትንታነ ክህብሉን ወቐሳታት ከቕርቡን እውከስ።

ወደሓንኩም!

By aiga