እዛ ጽሕፍቲ ድማ ብምኽንያት ፆም ሮመዳን ክትኰነለይ እላቦ።

መሸም፡ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ኣብ ታሪኽ ዝግደስ ዝኰነ ይኹን ሰብ እፈልጦም’ዩ እብል።ንሶም ኣብ መበል 20 ክፍለዘመን ኣብ ፖለቲኻ፣ምምሕዳርን መስርሕ ምትርጓምን እጃሞም ቀሊል ብዘይምኳኑ እዩ። እሞ ደኣ ቕድሚ ሎሚ ገለ ኣስላም ብጾትናን መቕርብናን ብዛዕባ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ገለ ዘይትብለና-ቢሎም ተወኺሶሙኒ ብምንባሮም፡ንሎሚ ባዕሎም ኣብ ዘመነ ምምሕዳር እንግሊዝ ካብ ዝፅሕፉ ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ ፀሓፍቲ ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ እውን ሳሕቲ ኣድላዪ እዩ ዝበልዎ ጉዳይ ኣመልኪቶም እፅሕፉ ነይሮም እዮም።

እሞ ደኣ “ካብ ፍቕሪ ዓሻስ፣ፅልኢ ለባም ይሓይሽ!” ቢሎም ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ኣብ ዘመነ ምምሕዳር ወትሃደራዊ መንግሥቲ ኢንግሊዝ ኣብ ጋዜጣ ካብ ዝጸሓፍዋ ግርም ዝኰነት ምዕዶ ብምክፋል እዩ። ደጃዝማች ሓሰን ዓሊ፡ሽሕ እኳ ኣብ መራጉዝ ኣውራጃ ሰራየ ይወለዱ እምበር ዓሌተ ቤተሰቦም ኣብ ኣሕሰኣን ካልእን ክፋል ትግራይ ብምህላዎም፡ኣብ ዘመነ ኢንግሊዝ ኣብ ኤርትራ-ኣብ ዓዲ ቀይሕ፣ኣብ ትግራይ ኣብ ኣሕሰኣ ዝነበረ-ሃይማኖታዊ መሰረት ዝገበረ ግጭታት ኣብ ምፍታሕ ኣባታዊ እጃም ምግባሮም፡ዓበይቲ ወለዲ ከውግዑ ሰሚዐ እፈልጥ እየ። ኣብ ዘመነ ኢንግሊዝ ኣብ ከተማ ዓድዋ ኣብ መንጎ ክርስትያናትን ኣስላምን መጠነኛ ጎንፂ ብፈላሊኻ ግዛእ ዝሕመረቶም ገዛእቲ ኣጋጢሙ ነይሩ’ዩ። ኣብ ኣሕሰኣ ድማ ኣብ ዓዲ ኣስላም-ምስቶም ክርስትያናት ኣሕዋቶም ብመሬትን ተዛምድን ጉዳያት ረፅምታት ከም ተርእዮ ነይሮም እዮም።

ብዛዕባ ዓዲ ቀይሕ ግን ብዙሕ ፅሑፋት ስለ ዘሎ ንዝበለፀ ምውካስ ይከኣል እዩ እብል። እሞ እዞም ኣብ ዓመተ 1870 (1878 ዓ/ም/ፈ) ኣብ መራጉዝ ፃዕዳ ዝተወልዱ፡በዓል ሃበበናን ምሁር ኣቦ እጃሞም ብዙሕ እዩ።ንሎሚ ቆናጪበ ካብ ቆፎ ሕዮይ ዝተረኽበን ኣብ ዝኽረይ ዝመፀንን እየ ሓናጢጠ ዘሎኹ። ኣብ መወዳእታ ድማ ንኣመንቲ እስልምና ሮመዳንኩም ሰላምን ቕሳነትን ዘሎዎ ክዀነልኩም እናተመነኹ።ንኣመንቲ እምነት ክርስትና ድማ በዓል ትንሣኤ ይቀረረብ ብምህላዉ-ርሑስ በዓል ፋሲጋ ይግበረልኩም እናበልኹ።

ንደጃዝማች ሓሰን ዓሊ ብኸፊሉ ንሎሚ ኣላልየኩም ክኸውን ተስፋ እናገብርኹ።እቶም ቕድሚ 58 ዓመት ካብ’ዛ ዓለም ኣብ መበል 86 ዓመቶም ብሞት ሥጋ ዝተፈልዩ፡ከንቲባን ቶርጓምን ዝነበሩ ኣቦ ካልእ ጊዜ ቅሩብ ኣስፍሕ ኣቢለ ክጽሕፈሎም-ፈጣሪ ይሓግዘኒ እብል።

By aiga