ቀዳማይ ክፋል
ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም፧ ሰላም ክትብሉኒ ተስፋ እናገበርኹ፡ናብ ጉዳየይ ከብለኩም እፈቱ።
ብዛዕባ ዶ/ር ዮውሃንስ ኮልመዲን ሰሚዕኩም ወይ ኣንቢብኩም ትፈልጡ ኢኹም እብል።እቲ ምንታይ-ሲ፡ኣብ መዳይ ታሪኽን ቋንቋን ምድረ-ሓበሻ፡ ዝገብሮ ደርማስ ኣስተዋፅኦ ኰቶ ዘይርሳዕን ዘይሃሥስን ብምኳኑ እዩ። ትማሊ፡ኣጋጣሚ ኰይኑ ምስ ክቡር ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ ኣብ መዳይ ታሪኽን ቋንቋን ኣድሂብና ነ45 ዝኸውን ደቃይቕ ብዘዋጋዕና፣ኣቐድም ኣቢሉ ኣቶ ቴድሮስ ምሕረቱ (ጋዜጠኛን ጸሓፍን) መጽሓፍ ሒዙለይ መጺኡ ከምዘሎ ብዝሓበረኒ-ግድን ናብኡ ገጸይ ክኸይድ ነበረኒ።ግድን ድማ ናብ ሒዝዎ ዘሎ ሆቴል ብምኻድ እታ መጽሓፍ ካብ ኢድ ኣቶ ቴድሮስ ምሕረቱ ተቐበልክዎ። ምስ ኣቶ ቴድሮስ ኣብ ጉዳይ መጽሓፉን ተዛምዲ ነገራት፡ኣልዒልና ዝተወሰነ ወግዕታት ኣብ መጋርያ ዕላል ኣዋጊዕና ድማ ተፈላለና።ካብቲ ወግዕታትና ኸኣ ኣብ መርዓ ወ/ሮ ኣስቴርን ኣቶ ገብረመድህንን፡ዮሃንስ ኮልመዲን ሕያብ ሒዙ ከም ዝኸደ ብምስምዐይ ነታ መጽሓፍ ቀመም ክዀና ከም ዝክእል ኣፍኣምክሉ። ንሱውን ነቲ ሓስብ ከም ዝርዕሞ ብምግላጽ፡ኣብ ስነ ስርዓት ምረቓ መጽሓፉ፣ዝተረኽበ ሓበሬታ ምኳኑ ኣውሰኣለይ። ኣጋ ምሸት ድማ ምስ ክቡር ኣያና ፕሮፌሰር ቀሺ እዝራ ገብረመድሕን ንፍርቒ ሰዓት ዝኸውን ኣብ መዳይ ፍትሓዊ ኣጸሓሕፋ ታሪኽን ተዛማዲ ነገራትን፡ከነውግዕ ጊዜ ብምርካብና ግድን ስም ዶ/ር ዮሃንስ ኮመዲን ከነልዕን ኣጋጣሚ በሪ ከፈትና። እወ፣ኣብ መርዓ ወላዲኦም ኣቶ ገብረመድህንን ወ/ሮ ኣስቴስ ወልደማርያም ህያብ ሒዙ፣ካብ ርሑቕ ማዕዶ ዝመጸ ጋሻ ተነበረ-ዶ/ር ዮሃንስ ኮልመዲን ምንባሩ- ካብ ዕላል ኣቶ ቴድሮስ ሰሚዐ ብምንባረይ ሰሃሮ ብምግባረይ፣ኣብ መንጎ “ንዘረባ ዘረባ የምፅኦ፣ንሓምድ ዱግሪ የውጽኦ” ከም ዝበሃል ምኽንያት ኰይኑና ኣውሳእናዮ።ወጃዕ ድማ በልናሉ! ኣብ’ዙይ ልዕሊ ዕስራ ዓመት ኣቢሉ ግደን ኣበርክቶን ደቂ ኣንስትዮ ምድረ-ሓበሻ ከም ግቡእ ኣይተልዓለን፤ ኣይተጽሓፈን እናበልና ምስ ዝተፈላለዩ ሰባት ነውግዕ ኢና።ኣብ’ዙይ 5 ዓመታት ኸኣ ዝተወሰኑ መንቲ ፅሑፋት፡ ኣብ ጉዳይ ደቂ ኣንስትዮ ኣድሂበ ክሓናጥጥ ብውልቐይ ፈቲነ’የ ።ካብተን ስመን ኣብ ታሪኽ ክለዓላ ዝግብኣን ብዙሓት ሓላላት ኣዴታት ድማ መምህር ኣስቴር ወልደማርያም፡ ሓንቲ እየን ቢለ ብጽኑዕ እኣምንየ። ምኽኒያተይ ብዙሕ እዃ ተኰነ ብውሕዱ እዃ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ሳላአንን ሳላ ዘይጸዓድን ወነን ህያው ክኾኑ ግደአን ገዚፍ እምባ ከም እምባ ሰሎዳ እዩ እብል።እዙይ ካልእ ጊዜ ኣብ ቦትኡ ከልዕሎን ኣስፊሐ ክጽሕፎ ክፍትን እየ። እንተኰነ ኣብ ወግዕና ምስ ፕሮፌሰር እዝራ ገብረመድሕን ብዛዕና ወላዲት ኣዲኦም መምህር ኣስቴር ወልደማርያም ካብ ዝተፈላለዩ ሰባት ንዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ዝሰማዕክዎ ንገሊኡ ኣልሊለ ምስ ነገርክዎምዝኰነ ነዝራዊ ስምዒት ከም ዝተሰምዖም ካብ ኲነታቶም ኣብ መኣዲ ወግዕታትና ክርዳእ ክኢለ’የ። 2 ተጻሕፈ፡ዕለት 12-4-2-2022 ዓ/ም/ፈ ናብ ጉዳየይ ምስ ዝምለስ ድማ ፕሮፌስር እዝራ እተን ዶ/ር ዮሃንስ ኮልመዲን ኣብ መርዓ ወለዶም ሒዙወን ዝመጸ ህያብ ኣቕሑ ገዛ፡ “…ክሳዕ ሕጂ ኣብ ካሊፎርንያ-ኣመሪካ፤ ኣብ ቤት እንዳ ወ/ሮ ነኣሚ ገብረመድህን ኣሎዋ እየን።~”-ቢሎም ምስ ነገሩኒ፤እዞም ገዛ ዂሉ ነፍሶም ታሪኽ እዮም ቢለ ክሓስብ ድማ ተቐሲበ’የ። እሞ ደኣ “ካብ ጉይይ ምዓል ክሳድ መሓዝ!”-ከም ዝብልዎ ኣበው፤ክሳድ ክሕዝ እየ እሞ ኣታሕዙኒ ኢኻትኩም ክብል እረድይ። ዶ/ር ዮሃንስ ኮመዲን ኣብ ባህልን ታሪኽን ኰነ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ዓቢይ እጃም ዝገበረ ተመራማሪ ወከፍዩ።

ኣብ መጽሓፍ ኣቶ ቴድሮስ ምሕረቱ፡ዶ/ር ዮሃንስ ኮልመዲን 27 ቋንቋታት ከም ዝክእል ዝነበረ ተጻሒፉ ኣሎ። ቕድሚ 23 ዓመት ሓደ ኮለነል ኣመሪካዊ መጽሓፍቲ ከም ህያብ መልክዕ ክህበኒ እንከሎ ምስ ዘንበብክዎን፡ ኣብቱይ ጊዜ እቱይ ኣብ ዕላላት ዝሰማዕክዎን ድማ ተመሳሲሉኒ እሞ ግርም ኢሉ። ካብኡ ሓሊፉ ድማ ኣስደሚሙኒዩ።እቲ ምንታይ፡ሓደ ዉልቀሰብ ዝኣክል 27 ቋንቋታት ክክእል ሕልሚ ይመስል ይኸውንዩ ግን ክውን ዝኰነ ተመኽሮ ህይወት እዙይ ጻዕራም ሰብ-ደርማስ ሕላገቱዩ።እሞ ክቡራት ኣንበብቲ- ንእግረ መንገደይ እዛ መጽሓፍ ገዚእኩም ክተብዋ ብኣክብሮት እላበወኩም ኣሎኹ።
ከም ኣነ ትማሊ፡ኣቶ ቴድሮስ፡ነዛ መጽሓፍ ብዝሃበኒ ደስ ኢላትኒ ለይቲ ምድሪ ከይተረፈ ተንሲኣ ኣንቢበያ እየ። ኣናብባይ ብዳህሳሳዊ ዓይነት ኣናብባ ተመሲጠ ጣምጣም ቢለያየ። ኣብታ መጽሓፍ ብዛዕባ ምድሪ ሓማሴን ብኣውርኡ ኣብ ገሊኡ ድማ ንትግራይ ዝጠቅስን ዘካተት እያ።ኣብቲ እዋን ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣብ ምድረ ሓማሴን ብምንባሮም ድማ ኣብ ገሊኡ ይጥቀሱ እዮም። ክሳዕ ሕጂ ሕቶ ኰይናትኒ ዘላ ነጥቢ ግን ኣብ ትግራይ ኣብ 1910 ዓ/ም/ፈ ዶ/ር ዮሃንስ ኮልመዲን ናብ ትግራይ ዝነበሮ መደብ ጉዕዞ መጽናዕቲ፣ኣብ ትግራይ ብዝነበረ ዕግርግር ክመጽእ ኣይከኣለን ዝብል ምስ ኣንበብኹ’የ። እዙይ ተጠቒሱ ዘሎ፡ ዓመተ ምህረት ክቡር ደጃዝማች ገብረሕይወት ወድ ሓዞ ዝተወልድሉ ዓመት ይመስለኒ። እሞ እንታይ’ዶ ነይሩዩ ብዝብል ጦብላሕታ፡ብዙሕ ክሓስብ ጀመርኹ!

ካልእ ድማ እቶም ሓያል ጸሓፍን ጋዜጠኛን ዝነበሩ ኣቶ ገብረሚካኤል ግርሙ (ዘበራቂት-ኣከለጉዛይ)-ኣብ`ዙይ እዋን እዚ ኣብ ዓድዋን ኣክሱምን ምንባሮም ቕድሚ ርብዒ ዘመን ኣቢሉ ዘንበብኽዎም፡ሓደ-ሓደ ጽሑፋት ቕጅል በለኒ። ግራዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ኣብ ዓድዋ ምስ ደጃዝማች ገብረሥላሴ ባርያጋብርን ተራኺቦም ክምለሱ ከለዉ፣ኣብ ሓንቲ ጽላል ዳዕሮ ኮፍ ኢሎም ዝጸሓፍዋ ጽሕፍቲ እንክዝክር።ኣብቱይ እዋን እንታይ ኰን ነይሩ ይኸውን ኢለ መሊሸ ናብ ሓሳብ ተሸሚመ ኣሎኹ።እሞ ትፈልጡ ገለ ክትብሉና/ብላና ተስፋ እገብር። እዙይ መጽሓፍየይ ንተመራመርቲ ገለ ብልጭታ ተፈጠሮሎምን ነቶም ሰብ ሞያ ታሪኽ ድማ ገለ ተሓገዙና ካብ ዝብል ምኳኑ ከስምረሉ እፈቱ።
እሞ ደኣ እዙይ ብጨለፍታ ምስ ኣልዓልኹ፣ናብ ፍረ-ነገርይ ክምለስ እየ።ብዕለት 1 ለካቲት 2022 ዓ/ም/ፈ፡ ጋዜጠኛ ቴድሮስ ምሕረቱ ኣብ ገጻት ማሕበራዊ መራኽብኡ-ሓንቲ ሕቶ ናብ ተኸታተልቱ ኣቢሉ ነበረ።እታ ሕቶ ነዛ ትስዕብ ትመስል ነበረት መግዛእቲ ኢጣልያ ብመግዛእቲ እንግሊዝ ምስ ተተክአ፡ ትምህርቲ ኣብ ኤርትራ ከስፋሕፍሕ ጀመረ።ነዚ ንምስላጥ ተባሂሉ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ይካየድ ነይሩ።ንኣብነት፡ ኣብ መንጎ ተዛረብቲ ትግርኛ ትምህርቲ ብቛንቋ ትግርኛ ክወሃብ ስለ ዝጀመረ፡’ቲ ቛንቋ ምእንቲ ስሩዕን ዉሁድን ክኸውን ዓበይቲ ዓድን ፈላጣትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ ትግርኛ ተኻይዱ ነይሩ። እዚ ዋዕላ’ዚ በየናይ ዓመተ ምህረት እዩ ተኻይዱ? ቅኑዕ መልሲ ኣቐዲሙ ዝመለሰ ሰብ፡ ብኢድ ደራሲ ዝተፈረመት መጽሓፈይ ብናጻ ክትስደደሉ እያ።”
እቶም ተኸታተልቱ ድማ ነዙይ ዝስዕብ መልሲ ክህብዎ ፈተነታት ገበሩ።መልሲ፡ካብ ዝሃቡ ንገለ ምስ እንርእይ ድማ-ነዚኦም ኣብ ታሕቲ ዘሎዉ ይመስሉ፣ብኸፊሉ`ዩ።

By aiga