ክቡራት ክቡራንን ኣንበብቲ-ቕድሚ ሎሚ ብዛዕባ ኣቶ መንገሻ ብሩ ኣድሂበ ብኸፊሉ ታሪኾም ኣልዒለ ሓናጢጠ ምንባረይ ዝዝከር ጉዳይ እዩ።እንሆ ንሎሚ ድማ ብመሰረት ካብ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦ ዘለዉ መቕርባተይን ኣዕሩኽተይን ዝመጸኒ ሓበሬታ መሰረት፣ገለ ክብል ክቕሰብ እየ።

   ኣቐዲመ ግን ንክቡር ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱ፣ንዶ/ር ዳኒኤል ተፈራ፣ንማማ ሶፍያ ዘካርያስ (ጓል 89)፣ንማማ ዉህበት ተወልደብርሃን (ጓል 93)፣ንማማ ርብቃ ቴድሮስ (ጓል 75)፣ንእንጅነር ግርማይ ተኽለሃይማኖት (ወድ 94) ወዘተን ልባዊ ምሥጋናይ ከውሕዘሎም እረድይ።

   እቲ ምንታይ ሳልኦም ብዙሕ ሓበሬታን ኣሳእልን ምስናይ ምስክራት ክፍረክብ እልቢ ዘይብሉ ተወፋይነትን ፍናናዊ ደገፍን ዝተሓወሾ ብምርካበይ-እንሆ ቆናጪበ ናብ ኣንበብቲ ከብል በቂዐ ኣሎኹ።ደጊመ ከመስግኖም እፈቱ።

   ኣብ ዝቕጽል ጊዜ ድማ ንመምበሪ ቤት ክቡር ኣቶ ሚካኤል ብሩ ነበር-“ሕንጻ ተፋቀሩ”-ኣብ ቀበና ከባቢ ዝርከብ፡ምስ ጎብነክዎ ስምዒታተይን ጦብላሕታይን ተሞርኺሰ ክሓናጥጥ ተስፋ እገብር።

   እሞ ደኣ ናብቲ ኣብ ገጻት ማሕበራዉ መራኽቦ ቕድሚ ገለ መዓልታት ናብ ኣንበብተይ ዝለጠፍክዎ ሓጺር ፅሑፍ ከብለኩም`የ።

#ኣቶ ሚካኤል ብሩ (ወድ ብሩ ወልቃይቴ) እዚኦም ይመስሉ።

#ገለ-ገለ ሰባት ብዛዕባ ብሩ ወልቃይቴን ዉልዳቶምን ሕቶታት ከም ዝሓተትኩምኒ ኣይስሕቶን ኢየ።እንተኰነ ምሉእ ሓበሬታ ኣብ ምምእራር ብምጽንሐይ እየ ዶንግየ።

#ሎሚ ሎሚ ግን ሳላ ዶ/ር ዳኒኤል ተፈራ፣ማማ ሶፍያ ዘካርያስ፣ማማ ዉህበት ተወልደብርሃን፣ማማ ርብቃ ቴድሮስን ወዘተን ደሓን ዝኰነ ሓበሬታ ኣኪበ ኣሎኹ እብል።

#እሞ ብዛዕባ ኣቶ ሚካኤል ብሩ፡ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ነይሮም ዶ፧ ኣብኡ ተማሂሮም ዶ ዝበልኩምኒ ወከፋት፡እወ፡እዩ ብጥቅልሉ መልሱ ንግዚኡ ዝህበኩም።እቲ ምንታይ ዝርዝር ሓበሬታ ንሎሚ ኣይጽሕፍን እየ።

     እንተኰነ ኣቶ ሚካኤል ኣብ ምንታይ ተማሂሮም፧ ኣበይ ኣበይ ሰሪሖም፧ ንዝበልኩምኒ ኰነ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ሓዎም ድዮም ከይዶም ወይስ ምስ ካልኦት ኢልኻ ዝሓተትካኒ ሓውና፡እወ፡ኣቶ ሚካኤል ቋንቋ ኢንግሊዝ፣ፈረንሳ፣ጀርመን፣ጥልያንን ወዘተ ጽቡቕ ገይሮም ዝመልኩ ብምንባሮም፡ቕድሚ 120 ዓመት ኣብ ወርሓት ክረምቲ ንልኡክ መንግስቲ ምኒሊክ ወኪሎም ከም ቶርጓሚ ኰይኖም፡ኣብ ጽንብል በዓል ንግስና ንጉስ ኤድዋርዶ ተረኺቦም ነይሮም እዮም።

    ካብ ጓል ጓሎም ወይዘሮ ኣይዳ ብሩ ዝኰነት ( ጓል ማማ የውብዳር) ልዕሊ 20 ኣሳእል ተዋሂቡኒ ብምህላዉ፡ንታሪኾም ኣጻፊፈ ይኹን ኣብ እምኩሉ ነይሮም ድዮም ኣይነበሩን፧ ኣብ የመን እንታይ ይሰርሑ ነይሮም፧ ወድ መን እዮም፧

#ኣዲኦም ፍርቒ ጎና ጀርመናዊት ብምኳና እንታይ ካብ ወላዲቶም ወሪሶም ወዘተ ጥቅልል ብዝበል ክሳዕ ዝምለሰኩም፡እዚኣ ኣይተስተውሓድዋ ኢኹም እብል።

#ከም ዘይረሳዕክዎን ደሓን ዝኰነ ሓበሬታ ንምርካብን ጊዜ ከም ዝወሰድኩ ግን ክስመረሉ ዘሎዎ ጉዳይ እዩ እብል።ወደሓንኹም!~”

   እዚኣ ትመስል ነይራ።እሞ ደኣ ኣቶ ሚካኤል ብሩ-ኣብ ቅድሚ ሃጸይ ሚኒሊክ ሞጎስ ዝረኸቡ ምንባሮም፣ኣቶ መንገሻ ኣብ ባፅዕን ከረንን ኰይኖም እናስተምሃሩን እናሰርሑን ከለዉ፣ዘመናዊ ቤት ማሕተም መታን ክእትዉ-ከም ሓደ ክኢላን ትግሁን ሰብ መጠን ናብ ኣዲስ ኣበባ መጺኦም-ልእክዎ ተዋሂብዎም ናብ ምድረ-ኤውሮጳ ከም ዝገሹ ዝፍለጥ`ዩ።

 ኣቶ ሚካኤል ድማ ኣብ ሕልፉኛ ቤተ-መንግሥቲ ልሉይን ርኡይን ወከፍ ምንምባሮም፡ኣሳእል ርኢኻ ትግምቶ`ዩ።

    ቕድሚ 96 ዓመት ኣቢሉ፡ ኣብ መነበሪ ቤት፡ ኣቶ ሚካኤል ብሩ ወልቃይቴ-ግብሪ እናብልዑ- ኣብ ወርሒ ሕዳር 1918 ዓ/ም/ሓ ዝተወስደ ቅላዕ ስእሊ እያ።እዛ ስእሊን ካልእ ኣሳእልን ርኢኻ፣እዛ ሕንጻ ሃበባ ዝዓሰላ ቤት ምኳኑ እተርእይ ስእሊ እያ እብል።
እዙይ ሰብ እዚ ዋርነር ሙዚንገር (Warner Muzinger)`ዩ ዝበሃል።ኣብ ዓውደ ታሪኽ ልሉይ ስምን ታሪኽን ኣሎዎ።ብፍላይ ኣብ ከባቢ ባጽዕን ከረንን ግኑን ስም ዝወነነ ወከፍ እዩ።እንተኰነ ብካልእ ሸነኹ ድማ ምስ እትርእዮ፡ስሚ ስድራቤት እንዳ ብሩ ወልቃይቴ እዩ ነይሩ።

   ስድራ ቤት እንዳ ብሩ ብሰሪ እዚ ርጉም ዋርነር ሙዚንገር ኣብ ገዳም ደብረ-ሲና ነፍሳ ከተድሕን ተዓቂባ እያ።ክሳዕ ሎሚ ነዚታት ዝትርክ ታሪኽ ኣይረኣኹን ወ ኣየንበብኩን ኣሎኹ።ንግደ ሓቂ! ነቶም ካብ መሸጣ ባርነት ኣትሪፉ ታሪኽ ክሰርሑ ዝገበሮም ኦሮሞቶት ከም እኒ ኣነሲሞስን መሰልቱን ብሰናይ ግብሩ ክምሥገንን ክድነቕን ይግባእ`ዩ።

በቲ ኣሉታዊ ተግባራቱ ኸኣ ክውቀስን ክንቀፍን ኣሎዎ በሃሊ እየ።ክሳዕ ቀረባ ኣዋርሕ ከም ኣድናቂኡ መጠን ዝተወሰነ ፅሑፋት ንኡ ዝንእድን ዘመስግንን ጽሒፈ እየ።እንሆ ሎሚ ድማ ክወቕሶ ዝገበረኒ ከምቲ “ጥብጢ የጫብጥ ማእሲ የገላብጥ!” ዝብልዎ ጭብጢ ታሪኽ ኣቶ መንገሻ ብሩ ብዘንበብኹ ለካ ሰባት የሳቕይ ነይሩ እዩ ክብል ተደረኹ።

   እወኒ፣ኣቶ መንገሻ ብሩ ወዲ 102 ዓመት ኰይኖም እዮም ቕድሚ 58 ዓመት ብሞት ሥጋ ካብዛ ዓለም ተፈልዮም፣ግን ንፉዕን ሃብሮምን ብምንባሮም-ቕድሚ ምሟቶም ንወዲ ወዶም ዝኰነ ኣቶ በቀለ ‘እዙይ ፅሓፍ ኢኻ!` እናበሉ ዘጽሓፍዎ ጉዕዞ ታሪኽ ህይወቶም ነዙይ ዘውሳእክልኩም ኣብሪሁ ኣስፊርዎ ኣሎ።

   ስለዚ፡ወርነር ሙዚንገር፣ኣብ ገለ ደቂ ሓበሻ ብፍላይ ድማ ንሃጸይ ዮሓንስ ወረ ኣብጺሕክምሎም ኢኹም ብዝብልን ካልእን፣ኣብ ምጉስቃልን ምስዳድን ኰነ ብጭጒራፍ ብሓለንጊ ኣግቢሩ ሰንሰን ክሻዕ ዝብሉ ክግረፉ የገብር ምንባሩ ዘዘንቱ ታሪኽ ምስ ኣንበብኻ ደማይ(ድማ) ዳግማይ ንታሪዂ ከተንብቦን ክትፍትሾን ዝቕስብ ህሞት የጋጥመካ’ዩ።

   እሞ ደኣ ክቡራት ኣንበብቲ፡ንሎሚ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ናባኩም ከብል እንከለኹ፣ኣብቲ ኣቶ ሚካኤል ብሩ ንመንግስቲ ሃጸይ ሚኒሊክ ወኪሎም ከም ቶርጓማይ ኰይኖም ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝገሽሉ ዝእንፍት ከፊላዊ ሓበሬታ ብምቕራብ ክፍለየኩም እፈቱ።

 
ኣብ`ዛ ስእሊ ካብ ዘሎዉ ሰባት፡ካብ ጸጋም ናብ የማን ዘሎዉ-ነዞም ዝስዕቡ ይመስሉ።
1.መምህር ገብረዝጋብሔር ኣባት ነፍሲ ራእሲ መኰነን
2.ፊተውራሪ ኣባ ታቦር-ከልካሊ ሕልፉኚ ወይ ክፍሊ ጸጥታ ራእሲ መኰነን
3.ኣቶ ሚካኤል ብሩ  ወልቃይቴ ቶርጓሚ
4.ራእሲ መኰነን
5.
6.ከንቲባ ገብሩ ደስታ-ከንቲባ ጎንደር ዚነበሩ

እዚኦም ድማ መበል ሻውዓይ ንጉስ ኢንግላድ ዚነበሩ ንጉስ ኢድዋርዶ ሻውዓይ እዮም።ኣብ ናይዚኦም ዕለተ ንግስና፣ኣብ 1902 ወርሓት ክረምቲ-ነሓሰ፥ ንምርካብን ሒዞሞ ዝመጹ ህያባትን ከወክፉ፣ሓደ ሃብሮም ተርጓሚ የድልዮም ብምንባሩ፣ንኣይተ ሚካኤል ብሩ ሒዞሞም ዝኸዱ።

   ከም`ት ሓዎም ኣቶ መንገሻ ብሩ ወልቃይቴ ናብ ምድረ-ሓበሻ ኣብያተ መሕተም ክእትዉ ከለዉ፣ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዝገሽሉ እዋን ናብ ሃገረ ጥልየን፣ፈረንሳ፣ጀርመንን ዓዲ ኢንግሊዝን ዝኸዱዎ።

  ኣቶ ሚካኤል እውን ነቶም ልኡኻት ምድረ ኣቢስንያ ዝኰኑ ኣጋይሽ ሒዦም ናብዘን ሃገራት ኣቢሎም ምንባሮም ታሪኾም ዝምስክሮ እዩ።

By aiga