ሙሉጌታ በሪሁን

እወ ከም ተጋሩን ከም ማሕበረሰብን አመለኻኽታናን አታሓሳስባናን ነጽሪ ንለወጥ፣ለውጢ ካባይ፣ ካባኻ፣ ካባኺ ይጅምር አየነኦም እዮም ሙሁራት? መን እዩ ሙሁር, መን እያ ምህርቲ ? እቶም ግዚኦምን ግዜ ስድርኦምን፣ ብሕታዊ ሂወቶምን እንተይሰስዑ ሰዊኦም በእንተ ሞየኦም፡በእንተ ረብሓ ሕዝቦምን በእንተ ዕቤት ሃገሮም ደኺሙኒ እንተይበሉ ብምርምርን, ብምህዞን, ሓደሽቲ ነገራት ንምፍጣር ሓርኮትኮት እናበሉ ዝውዕሉ ዝሓድሩን፣ ንፍትሓውነትን ንቕኑዕ ዲሞክራሲን ዝቃለሱን ዘቓለሱን፣ ዝሰርሑን ዘሰርሑን ዝውዕሉ(selflesses)? ወይስ ብሹም ሙሁራት ብዝረኸብዎ ትምህርቲን ብዝረኸብዎ ሓላፍነትን አብ ዝረኸብዎ ወምበር ተኾይጦም, ብኸመይ ስልጣኖም ከምዘደላድሉ፣ ብኸመይ ሓለቐኦም ከምዘሕጉሱ ? ብኸመይ ሃፍቲን ጥሪትን ከምዝእክቡ ክሓስቡን ከስተንትኑን ተጸሚዶም ዝውዕሉ ሙሁራት ኢና ባሃልቲ ?


ንምዃኑ ሙሁርከ ብምንታይ ይልካዕ ? ብዝሓዞ ዲግሪ ብቢኤ, ብማስተርስ, ብፒ ኤችዲ, ብዶክትሬት, ወይስ ብዝህቦ ሞያዊን ማሕበራዊ ግልጋሎትን ፍታሕን ?
እዛ ጽሕፍተይ እዚአ፣ንቶም ብሹም ሞያዊ ሸፈጥን ዘይግበኦም ቦታን ክብርን ንኽረኽቡ ሃረምረም ንዝብሉ ተበለጽቲ ርግእ ኢሎም ካልአይ ንኽሓስቡ እትገብር እምበር፣ንቶም ብሞዮኦም ህዝቦምን ዓዶምን ንምግልጋልን፣ንምቅያርን ለይቲን ቐትርን ዝደኽሙ እሕዋተይን፣ አሓተይን አይትምልከትን። እኳዳአ አንቱም ብሞያኹም ሃገርኹምን ሕዝብኹምን እተገልግሉስ ክብረት ይሃበልና የቐንየልና፣ከም ጣፍ ሰስኑልና ብዝሑልና እናበልኩ ኽብረታዊ ደገፈይ እገልጽ።


ዝኸበርኹምን ዝኸበርክንን ከም ማሕበረሰብ ተጋሩ ዓሚቑን ገዚፍን ብባህሊን እምነትን ዝተዋሕጠ ጸገማት ዋላኳ እንተሃለወና ከምቲ ንጸላእትና ሓቢርናን ሰሚርናን ደዃዕዃዕ ዘበልናዮም፣እቲ ድሑር እምነትን ባህልንውን ክንሰብሮ ኢና ኢለ ይአምን ቀሊል ግን አይኸውንን። ምስ ጸላእን፣ምስ ውሽጥኻን እትገብሮ ቓልሲ ክልተ ዝተፋላለየ ቓልሲ ስለዝኾነ። ከም ሕብረተሰብ ብዙሕ ድሑር ባህላዊ ጽዕንቶ ከምዘለና ፍሉጥኳ እንተኾነ፣ቀስ እናበልና ንሕዝብና ዝጠቕምዎን ዘይጠቅምዎን ባህላዊ ጽዕንቶታት ንኽነምህሮ ሓላፍነት አለና ኢለ ስለ ዝአምን እዚ ሓሳብ እዙይ መሪጸዮ አለኹ። ምኽንያቱ ድማ ማሕበረሰብና ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ፣አሚኑሉ ድዩ ወይ ብጸቕጢ ብፍላይ አብ ትርጉምን መረዳእታ ሙሁርነትን አራአእያ “ሙሁር እንትባሃል” ዶክተር
ወይድማ ኢንጅነር እንተተባሂሉ ኩሉ ዝፈልጥ ትሕቲ ፈጣሪኡ ጌሩ ስለ ዝወስዶ፣ እሞ ድማ እቲ ሙሁር ዝባሃል ኽፍሊ ማሕበረሰብና ካብ ከርሱ ዝወጸ ውላዱን፣ባዕሉ ግብሪ ኸፊሉ ዘምሃሮን እምበር ዝተፈለዬ ከምዘይኮነ ንምሕባርውን እዩ።


ከም ማሕበረሰብ ብግርህናና፣ ዶክተር እገለ፣ ኢንጅነር እገለ፣ ፕሮፌሰር እገለ፣ አምባሳደር እገለ እናተባህሉ ዝውሃቡ ማዓርጋት ከም (ሕዝበ ሓበሻ) ትሕቲ እግዚአብሄር ዝስርዑ ፈላጣት፣ ዘይጋገዩ፣ እሞ ድማ ንሳቶም ዝብልዎ ኹሉ ከም ሓቒ ጌርና እንወስድ ሕብረተሰብ ኢናሞ፣ እዚ ንሕና እንህቦ ዘይግባእ አመኔታ አፍልጦን ንቶም እዚ ሞያዊ ሽም ዝተሓንገጡ ደቕና ኾኑ ወከልትና ብሓፈሻ አብ ምግልጋል ሕብረተሰብ ዝዓዩ ሓለፍቲን ስራሕተኛታትን ባዕልና (አህዛብ ሓበሻ) ናብ ዘይኮነን፣ዘየድልይን አንፈት ንኽአትዉ ኮነ ንኽሓስቡ ዓብይ እጃም ስለዘለና፣ከም ሕብረተሰብን ከም ውልቀሰባትን ጌጋታትና ንምእራምን፣ንምስትምሃርን እዩ።


እዙይ ድማ ዘየለ ዘይተገብረ እንተይኮነስ ዘሎን ጭቡጥ ሓቒን እዩ። እዞም ውልቀ ሰባት ድማ ብፍላይ እቶም ብረእሶም ዘይታአማመኑ ድኹማት ውልቀ ሰባት እዛ ዝረኸብዋ ማዓርግ ተጠቒሞም ትሕቲ ዝአምንዎ ፈጣሪኦም እግዚአብሄር፣ አላህ፣ ዋቄ ፈታ ብዝአምኑዎ እምነት ከም ዓባይ ናይ ኽብሪ ሕያብ ጌሮም ስለ ዝጥቀሙላ ከም ሕብረተሰብ እቲ ሓደ ሞያ ብዘይኻ እቲ ኻሊእ ሞያ ክነብር ከምዘይኽእል የግዳስ ኩሉ በብዓቕሙን፣ በቢኽእለቱን ተደጋጊፋን ተሓጋጊዙን ከምዝነብር እሞ ድማ እቲ ሓደ ዝፈልጦን ዝኽእሎን ሞያ እቲ ኻሊእ ስለ ዘይፈልጦ አብ አኽብሮታዊ ምትሕልላይ ተደሪኽና ሕብረተሰብና ብቕንዕና ንኽነግልግል ዝብል እምነተይ ንምትሕልላፍ እዩ።


እስኪ ብአብነት ቁሩብ ክገልጽሞ ሚዛናዊን ሕሊናዊን ፍርዲ ድማ ንመንበብተይ ክሓድጎ።
፨ ሓደ ተማሃራይ ትምህርቱ ወዲኡ ናብ ዝላዓለ ትምህርቲ ብምእታው ናይ ሕክምና፡ ሕጊ፡ ኢንጅነሪንግን፡ ኢኮኖሚክስን ትምህርቱ ጨሪሱ እቲ ዝላዓለ ዶክትሬት ሒዙ ብሞይኡ መገልገሊ ማሕበረሰቡ ይኸውን።
፨ኻሊእ ሕፃን ወዲ ሓረስታይ እግሪ እግሪ ወላዲኡ እናኸደ ማሕረስ እናተማህረ ዓብዩ፣አርዑትን ነዊትን አጣምራ፣አብዑር አጸማምዳ፣መሬት አለሳልሳን፣ዘርኢ አዘራርአን፣ዘሪኡ ፃህያይ አጸሃህያን እናተማህረ ዓብዩ ናይ ባዕሉ ጎጆ ምስ ወ ጸ ድማ ጎበዝ ሓረስታይን ቀላቢ ማሕበረሰብ ይኸውን።
፨ኻሊእ ድማ ሓደ ቐሺ ንሕዝቦም ብእምነቶም ማሕበረሰቦም እናገልገሉ፣ ዝወለድዎ ውላዶም ድማ አሰር አቡኡ ተኸቲሉ፣ ናይ ቤተክህነት ትምህርቱ ኩሉ ተማሂሩ ድቁንኡ ወዲኡ፣ቀሺሹ፣ ገበዝነቱን ንብርድንኡ ሓሊፉ ክሳብ ጵጵስና ማዓረግ ብምብፃሕ ማሕበረሰቡ መገልገሊ ይኸውን።
፨ተጋሩ ኻብ መበቆልና ብጀግንነት እንፍለጥ እንትንከውን ከም አብነት ጌርና እንኾርዓሎም ከምኒ ራእሲ ስሑል ሚካኤል፣ሃጸይ ዮውሃንስ ፬ይ፣ራእሲ አሉላ አባነጋ፣ጠ/ሚ መለስ ዜናዊ፣ጀነራል ሓየሎም አርአያ፣ጀነራል ሳዓረ መኮነን እቶም ሎሚ ንህልውና ሕዝቢ ትግራይ ተሰሊፎም ምስ ደመኛ ጸላእትና ዝራጋረጉ ዘለዉ ጀረራላትናን፣ ተጋደልቲ ትግራይን ዝመሳሰሉ ደቒ ትግራይ ብቲ ዝነበሮም ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ብቲ ውሽጣዊ ትብዓቶም ትግራይ ሹማ ሓፍ ኢሉ ክጽዋዕ ዝገበሩ ጀጋኑና እዮም ሎሚም ይገብሩ አለዉ። እቶም ናይ ዳሓር ጀጋኑና ምስ ግዚኡ ዘበናዊ ትምህርቲ ወሲኾምሉ እምበር በእንተ ትግራይን ሕዝባን ንኽዋግኡ እንትጅምሩ ግን ዝላዓለ ብርኪ ትምህርቲ አይነበሮምን እሞ ዳአ ሙሁር ብኸመይ ይግለጽ ?


ብፍላይ ድማ ከም ፋኑስ ክንማሃረሉን “ወይለይባ” ኢልና ካልአይ ንኽንሓስብ ምእንቲን ነብስሄር ኽቡር ጠ/ሚ መለስ ዜናዊን፣ዕሉል አፍሪቓዊ “ጋሪባልዲ” ዝባሃሉ ራእሲ አሉላ አባነጋ (ወዲዕቑቢ) ከም መርትኦ ንማሃረሉ።ልክዕ እዩ መለስ ጠ/ሚ ኮይኑ ዓዲ እናመርሐ ብትርፊ ግዚኡ ተማሂሩ ናይ ማስተርስ ዲግሪኡ ሒዙ ኢትዮዺያ ብብርኪ ዓለም ሓፍ ኢላ ኽትጽዋዕ ዝገበረ መራሒ እዩ። እዙይ ማለት ግን መለስ ጌጋታት አይነበርዎን ማለት አይኮነን። ከሕልፎ ዝደለኹ ነጥበይ ትምህርቲ ዝልኻዕ ብበዝሒ ዲግሪን ማዓርግን እንተይኮነስ እቲ ዘለካ፣ዘለኪ ፍልጠት ናብ ረብሓን ዕቤትን ቀይርካ፣ቀይርኺ በተምጽኦን፣ብተምጽእዮን ማሕበረሰባዊ ለውጢን እዩ።


ኽቡራት እሕዋተይን፣አሓተይን ብሞየኦም ዝኾርኡ፣ንሞየኦም ለይቲን ቐትርን ብተአማንነት ዝሰርሑን ሕብረተሰቦም ብቕንዕናን ብሞየኦምን ዘገልግሉ እዚ ወቐሳ፣መዐረምታ አይምልከቶምን። እዛ ጽሕፍተይ እዚአ ብፍላይ ንዞም መታለልቲን አብ ውሽጢ ሓላፍነቶምን፣ትምህርቶምን ተሸጔጦም ዝረኸብዎ ናይ ስርሖም ማዓርግ፣ስንፍንኦምን ዓርሰ እምነት ዘይብሎም ብርእሶም
ዘይተአማመኑ ውልቀ ሰባት ዘይግብኦም ክብርን፡ ናእዳን ንኽረኽቡ ላሕ ንዝብሉ (self-centerss) ጥራሕ እያ ትገልጽ።


ብተወሳኺ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ሞያዊ ማዓርግን፣ ማሕበረሰባዊ አተሓሳስባን፡ መንግስታዊ ይኹን ሕዝባዊ ሓላፍነትን ማዓዝን ብኸመይን ክጥቀመሉ ከምዘለዎ ንኽርዳእ ዝገብሮ ዘለኹ ጻዕሪ ምዃኑ ይፈለጥ።ሎሚ ሎሚ ከም ኢትዮዺያዊያን፣ከም ሕዝበ ሓበሻ ንነዊሕ እዋን እናተዘርበ ዝመጸ ፈኸራን ጃህራን፣ብዕሊ ተቓሊዑ አተሓሳስባናን፣ ኢና እናበልና እንጃሃሮን፣ ዝተፈላለዬ፡ንንሕድሕዱ
ዘይቃዶ፣ ዳአኳ ዝጋጮ ከምዝኾነ አብዘን ዝሓለፋ ፬ ዓመታት ንምርአይ ክኢልና ኢና።


ንምሳሊኡ ከም ሃይማኖተኛታት ሹም እግዚአብሄር ደጋጊሞም እንትጽውኡ፣ብግብሪ ግን ፀረ አስተምህሮ እግዚአብሄር ዝገብሩ አህዛብ እዮም። እንትንጃሃር ኢትዮዺያ ዓድና ናይ ፫ሽሕ ዓመት ታሪክ ዘለዋ እናበልና ንጃሃር፣ ብግብሪ ግን መርፍእ ክንሰርሕ ዘይንኽእል፣ ሎሚውን ብጭዃሮን ብብዕራይን እንሓርስ፣ ዘመናዊ ትምህርቲ ካብ ንማሃር ልዕሊ ፻ዓመት ጌርና ኢንጅነራትና ግን
ዝማሃዝዎ ሞያዊ ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ፈጠራ ከምቲ በዝሖምን ከምቲ ብቓሎም ኢና ዝብልዎን ክኾኑ ዝጽዕርዎን ንማሕበረሰቦም ዘዕግብ ዘመናዊ ፍታሕ ዘየምጽኡ፣ሞየኦምን ፍልጠቶምን ኻብ ንመርከቢ ወርሓዊ እቶት ዘይሓልፍ ሞያዊ ብቕዓት ከምዝኾነ እንርእዮ ዘለና ሓቒ እዩ። ኾይኑ ግን ኢንጅነር እናመስገናን፣ ንኢንጅነር ክንሰግድ ንውዕል ፕሮፌሰራት እናንአድና ኾይኑ ግን እዞም ሰባት ከምቲ ኢና ዝብልዎ ዝርአይ ማሕበራዊ ዕቤት ዘየምጽኡ እሞ እቲ ሕብረተሰብ ድማ ንዝመጸ እናጣቀዐ ሓንጎፋይ ኢሉ እናዓጀበ መሰሉን ግዴትኡን ዘይፈልጥ፣ንምንታይ? ከመይ? ማዓዝ ?ኢሉ ዘይሓትት፣ ብዝቐደድሉ ዲጋ ዝፈሽ ማሕበረሰብ ኮይና ምቅፃል ጠጠው ንኽነብሎ እጃምና ኽንፃወት አለና ኢለ ይአምን።


ማሕበረሰብና ብሰነልቦንኡ ወሪዱ ወሪዱ ወዲሰብ ተዘቕዚቑ ዝስቀለላ ዓዲ፣ ወዲ ሰብ ብሂወቱ ብሓዊ ዝቃጽል፣ ንወዲ ሰብ ኽብሪ ዘይብሉ፣ ንመሬት ክብል ወዲ ሰብ ምስዝቐትል ስነልቦና ዝወነነ ማሕበረሰብ፣ መግለፂአ ዝኾነት ሃገር ንንፕሮፌሰርን፣ ንኒዶክተርን፣ ኢንጅነርን ክሰግድ ዝውዕል ማሕበረሰብ ኢና።


ዓለም ተመንዲጋ ኸይዳ ናብ ማርስን ወርሒን አብትኸደሉ እዋን፣እኒ ጃፓን፣ እኒ ሰሜን ኮርያ፣እኒ ሲንጋፖር አብ ትሕቲ ፻ዓመት አብ ዓለም ካብ ዘለዋ ምዕቡላት ሃገራት እንትስራዓ፣ንሕና አህዛብ ሓበሻ ግን፣ንግደፎሞ ናይ ባዕልና ምህዞስ ዓለም ዝማሃዘትልናኳ ብቕጥዒ ክንጥቀም ዘይንኽእል ሙሁራትና፣ፖለቲከኛታትና፣መራሕትና ዝብልዎን፣ ዘምህርዎን፣ ዝገብርዎን ዘይሳነ፣ዘይቃዶ ነንባዕሉ
ዝጋራጮ ስርዓተ ምሕደራ እንትፈጥሩልና፣ እቶም ሙሁራት ናይ ኢኮኖሚክስ፣ሙሁራት ናይ ፖለቲካ፣ሙሁራት ናይ ሕጊ፣ሙሁራት ናይ ሃይማኖት፣ሙሁራት ናይ ስነ ጥበብን ሚዲያን ፣ሙሁራት ናይ ስነልቦና ዋና ሓላፍነት ሞየኦም ንእቶትን ሃፍትን፣ንስልጣኖምን እምበር ንማሕበረሰባዊ ዕቤትን ንህንጸት ሃገርን ከውዕሉ አብ ዘይራአይሉ፣ ሞራላዊን ሕልናዊን ስብእንኦም አብ ዝረስዕሉ ብርኪ
በፂሕና እንሄና። መቸም ከመይ ከምዘይትብሉኒ ይአምን።ኮይኑ ግን ከመይ ንትብሉኒ እሕዋትን አሓትን ንምምላስ ዝአክል ጭቡጥ ኢትዮዺያ ትርከበሉ ኹነታት፣ጭቡጥ ሕዝቢ ትግራይ ዝርከቦ እዋን ምርአይ ይአክል እብል።


እዚ ሎሚ አብ ኢትዮዺያ ኾነ አብ ርእሲ ሕዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ብርሰት ኢኮኖሚን፣ህልቒት ሕዝብን ብቐሊሉ እዞም መራሕቲ ሕዝቢ ኢና ዝብሉ ዶካትር፣ ኢንጅነራት፣ ፕሮፌሰራት፣ ዻዻሳት ኢሂን ሚሂን ተባሃሂሎም ሃገር እንተይዓነወት፣ኢኮኖሚ እንተይበረሰ፣ሕዝቢ እንተይሞተ፣ህፃናት እንተይረገፉ፣አዴታት እንተይበኸያ፣ ሽማግለታት እንተይተረሸኑ፣መናእሰይ እንተይጸነቱ ብቐሊሉ ክኽምበት ዝኽእል ጎንፂ እዩ ነይሩ።ይኹንምበር እቲ ዝሓዝዎ ማዓርግን፣ እቲ ውሽጣዊ ሕልናዊ ብስለቶምን፣ ቅድሚት ዝሰርዕዎን ድሌቶምን ብግልፂ ዘርአየና “ዓዲ” ወይድማ ኢትዮዺያ ኾነት ትግራይ ዝተማህረ፣ ንሕዝቢ ዝሓሊ፣ አርሒቑ ዝሓስብ ከምዘይብላ፣ወያ ትምህርቲ ፣ ማዓርግ መዐከቢ ሃፍትን፣ መግለፂ ስልጣንን፣ ካብ ሙዃን ሓሊፉስ ናይ ሕልኽን፣ ክፍአትን፣ ተንኮልን ሸርሒን መርአያ፣ አነ እዬ ዝሓሽኩ ንምባል ዝጥቀሙሉ ሞያዊ ካባ ከምዝኾነ፣ ሕዝበ ሓበሻ ኢትዮዺያዊያን ኮነ ተጋሩ ክንቅበሎ ዘለና ሓቒ እዩ።


ምኽንያቱም ወዲ ሰብ ንዝኾነ ይኹን ጎንፂ፣ ዄናት፣ ግፍዕን በደልን መሰረት አለዎ፣ ኩሉ ጊዜ አነ እዬ ዝፈልጠልኻ፣ ንዓይ ጥራሕ ስማዕ፣ እምቢ እንተልኻ ግን ወይሎኻ ዝብል ርእሲን፣ አተሓሳስባን መወዳእትኡ ዄናት፣ ብርሰት፣ ህልቒትን ሞትን እዩ።እዙይ ድማ ብቶም ፈላጣት ኢና፣ ሙሁራት ኢና ዝብሉ ውሑዳት ተጠጅኡ፣ ተጸሚቑ ፣ንሕዝቢ ዝቐርብ መንገዲ ጥፍአት እዩ። ፍልጠት ኮነ ምምሃር፣ ሞያዊ ማዓርግ ብቲ ዝግቦኦ መንገዲ ተጠቒምካ፣ተጠቒምኪ ንሕብረተሰብ ብትህቦን፣ ብትህብዮን ፍረ ውጽኢት ዝግምገምን ዝልኻዕን እምበር ከምቲ አብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ብኽነትን፣ጎንጽን ዘይአሊ ፍልጠት ንግዲ ወይድማ መሐለዊ ስልጣን ካብ ምኳን አይሓልፍን እዩ።


ሓደ ሕሉፍ መርተኦ ኽገልጽ፣አፍቲ ናይ ፲፯ዓመት ብረታዊ ቓልሲ ሕዝቢ ትግራይ መብዛሕቲኡ መንእሰይ ከምተጋደለ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ብፍላይ በቲ ጊዜ ዘይተጋደለ፣ብዝተፈላለየ ምኽንያት ናብ ማእኸል ኢትዮዺያን፣ናብ ወፃእ ንስደትን ዘተሰደድና ብዙሓት ኢና፣ አነ ድማ ኻብኦም ሓደ እዬ።ድሕሪ ነዊሕ እዋን ንዓደይ ስድራይ ክርእይ ንትግራይ ምስከድኩ ግን ዝርአኽዎ ዘሕዝን ኩነታት
ክሳብሎሚ አይርስኦን፣ ኻፍቲ ዝነበረ ዝሓየለ መድልዎን፣ ምንጉጣጥን እተን ውሱናት ክገልጽ። ዋላዳአኳ ብውልቀ ሰባት ዝዝረብ ይምሰል እምበር መንግስታዊን፣ውድባዊን ድጋፍ ከምዝነበሮ ድማ ባዕለይ ምስክር እዬ።


እቲ ቐዳማይ አበይኒኦም ዝነበሩ እዮም እዚኦም ሎሚ በፂሖም ተጋሩ ኢና ዝብሉ። እቲ ኻልአይ መንዳንኦም ምስ ሞተሎም እዮም ሎሚ ገዛ ኽሰርሑ፣ትኻል ክኸፍቱ። አብይንዳንኡ ኔሩ እዩ ሎሚ ዝመጽእ እናተባህለ ትግራዋይ ዝተገፍዓሉን፣ዝተደፍአሉን ጊዜ እዝክር። አነ ዝገረመኒ ግን እቶም በእንተ ሕዝብና፣በእንተ ትግራይ ኢሎም ሂወቶም ዝገበሩ ስውአትና ንሓርነትን፣ማዕርነትን ሕዝቢ ትግራይ ድዮም ተሰዊኦም ወይስ ንቶም ሓዲጎሞም ዝኸዱ ስድርኦምን ቤተሰቦምን ስልጣንን መእከቢ ሃፍትን ?
እንድሕር ኮይኑኸ ንምንታይ ዳአ አሻሓት እሕዋትን ስድራ ስዉአትን ሳአን ጠባርን ሓብሓብን ብሕማም መከራን ሞይቶም ? ንአብነት ጀነራል ገዛኢ አበራ ቕድሚ ምስውኡ ወለዲ ዝፈልጦም ስዉአት ብፆቱ እናዞረ ምስ ዓወት ወዳጆ እንትሕግዝ ርኢና።
እንድሕር ኮይኑ ዳአ አነ ብወገነይ ዝጋጠመኒን ዝርአኽዎን ብመርትኦ ክገልጽ፣ ከምኒ መምህር አለምሰገድ አቺዬ፣ ሃይለ ታደስ፣ አልጋነሽ ታደስ ዝበሉ ስውአት አቦኦም አያ ታደሰን አዲኦም እማማ ዘርአን ፫ደቆም ዘሰዉኡ ሳአን ሓጋዚ፣ ጠባሪ ስኢኖም አብ ዓራት እንትሳቀዩ ኻብ ምርአይ ዝኸፍዐ ዶ አሎ እዩ ?
እሞስ ምግዳል እቲ መንእሰይን ብሓፈሻ ትግራዋይን ንረብሓ ሕዝቢ ዋላዳአ ይኹንምበር ሙሁራት ኢና ባሃልቲ ግን መደለቢ ስድርኦምን፣መሳርሒ ሓይሊ ስልጣኖምን ከምዝነበረ ጭቡጥ ታሪኽ እዩሞ ብሹም ፖለቲከኛ፣ ዶክተር፣ ኢንጅነር፣ ዻዻስ፣ፕሮፌሰር ተኸዊሎም ዝመጡና ቆራዲድ ነጽሪ። ወዲ ሰብ ብዘለዎ ስነምግባርን፣ ማሕበራዊ ተሳትፎን፣ንሕብረተሰብ ዝጠቅም ብዝህቦ
ግልጋሎትን፣ብዘርእዮ ምዕባለን ውጽኢትን እዩ ዝምዘን። ከም ሕብረተሰብ ድማ ኩላህና እዚ ለውጢ እዙይ ንኽነምጽእን ንኽንፈጥርን ለውጢ ከካብ ሕድሕድና ይጅምር። ሓደ ጎረምሳስ ንሓደ አቦ አነ መንምዃነይ ዶ ትፈልጡ ? ይብሎም መንነትካ ንኽፈልጥስ ማሓዙትኻ ንገረኒ ? በልዎ ይባሃል፣ ኩሉ ጊዜ ኸባቢና ወሳናይ እዩ፣አብ ሞንጎ በላሕቲ እንትትከውን፣ትበልሕ ትጽረብ ትማሃር።አብሞንጎ ድኹማት እንትትከውን ድማ ትደክም፣ትጎብጥ ትጉተት መጣቕዒ ኮይንኻ ትቐርይ።

ከም ትግራዋይ መን ኢኻ ኻበየነኦም ኢኻ ? ኢኺ ?

ውሽጥና ንፈትሽ
ዝገርመኹም አነን ማሓዙተይን ሓንቲ ናይ ዙም(zoom) ንተአኻኸበላ ጉጅለ አላትና ኹላህና መማህርቲን፣ ብሓባር ዝዓበናን ኢና፣ኩላህና እቲ ናይ 70ብዓታት ተማሃሮ እንትንከውን ፮ዶኻትር፣ ኢንጅነር፣ ኢኮነሚስት፣ ኢምአይቲ፣ማሺኒስት፣ታክሲስታ፣ዴኬየር ዝመሳሰለ ሞያዊ ስራሕቲ እዩ ዘለና። ንኽንራኸብ፣ ክንስሕቕ፣ብዛዕባ ትግራይና ክነዕልል፣ክንሕግዝ፣ፖለቲካዊ አፋላላይና ብዘየግድሽ
ክንዛተ እታ ማዓልቲ ክሳብ እትበጽሓልና ንህንቀው እቲ ዝገርም ግን እዞም እሕዋትናን አሓትናን ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ብሞየኦም ዶክተር እገለ፣ኢንጅነር እገለ ተባሂሎም ክጽውዑ ፍጹም ዘይደልዩ እንትኾኑ፣ አነ ድማ ሓደሓደ ጊዜ ብኽብሪ ዶክተር እገለ እንድሕር ኢለ ወዲበሪሁን ሎሚዳአ እንታይዲኻ ሰቲኻ ? ኢሎም ይሕጭጩኒ፣ እቲ ምንታይ እቲ ዝተሸከምዎ ማዓርግ አብ እዋን
ስርሖም ጥራሕ ስለ ዝጥቀሙሉ።ክኸውን ዘለዎ ውን ከምኡ እዩ ብግልባጡ ድማ አብዛ ዝነብረላ ኸተማ ሓደ እዋን ዝኾነ ሰብ ኻብ ራሻ(Russia) ይመጽእሞ፣ሙሉጌታ ዝባሃል ሓበሻ አሎ ኢሎሞስ ይረኽበኒ፣እንትንፋለጥ ሹመይ እነግሮ ንሱውን ዶክተር እገለ እባሃል ይብለኒ፣ምስዚ ወዲ ንዕልል ብተደጋጋሚ ንራኸብ ብወገነይ ኩሉ ዘድልይ ዝኽእሎ ሓገዛት እገብረሉ።እናተፋለጥናን እናተቓራረብናን ምስ ከድና ወያ ወዲ አዘራርብኡ፣አተሓሳስብኡ፣ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ርድኢቱን ተጋብሩን ምስቲ ዶክተር እዬ ዝበሎ ዘይቃዶ በፈፍ በፈፍ፣ተጃሃርን ሙኩሕን ምዃኑ ብዕሊ እፈልጥ። ብጭቡጥ ዱክትርና ከምዚአ እንድሕር ኮይና እንቋዕ ማሃይም ኮንኩ ኢለ ነብሰይ ንኢደ። ለኻ ኻብ ዘይተማህረስ፣ዝተማህረ እዩ ሸፋጥን ሓሳዊን፣ብምባል እቲ ኽልተ ገጽ ውጽኢት ትምህርቲ ብዕምቐት ክርድኦ ኽዒለ። እዚ ወዲ እናውዓለ እናሓደረ እቲ ብሆይ ሆይ ዝነደቆ ዶክተርዬ፣ፈላጥዬ ከምኳና ቐስብቐስ አብ ርእሲኡ ፈሪስዎ፣አነ አብሓደ ናይ ሕዳስ ግድብ ኮሚቴ አባል ኮይኑ ክሰርሕ ምስ መጸ ብዕሊ አብ መድረኽ
ብመርትኦ መጨበጢ ዘይብሉ፣በለጸኛን ብሹም ሕብረተሰብ ተጠቒሙ ብሕታዊ ተቐባልነትን፣አፍልጦን ዝደልይ ሰብ ከምዝኾነ ብምግላጽ፣እዚ ዶክተር እዬ ዝብሎ ዘሎ ማዓርግ ግን ፣ዶክትርኑኡ ብምንታይ ከምዝኾነ? ካበይ ዩኒቨርስቲ ከምዝተመረቐ ? ማዓዝን አበይን ከምዝተማህረን? ንዱክትርንኡ ዘቕረቦ ጽንዓታዊ ጽሑፍ ወይድማ ዲግሪኡ እንተይርአኹ ዶክተር ኢለ አይጽውኦን ኢለ ተዛሪበ፣ ብሹሙ ጸዊዔ ሓሳበይ ገሊጸ። ልኽዕ እዩ፣ አይ ባህልናን፣ ከይብሉኒ ዝብል ባህላዊ ጽዕንቶ ከም ማሕበረሰብ የጥቀዐና እዩ። አነ አነ እዬ፣ ንስኻትኩም እሓተይን አሕዋተይን ድማ ንስኻትኩ ኢኹም።


አብ ኢትዮዺያ ዶክተር/ኢንጂነር ሳሙኤል ዝባሃል ወሮበላ አይኮነን ንውልቀ ሰባት፣ ንናይ ኢትዮዺያ ዩኒቨርስታትን ፣ ንናይ ኢትዮዺያ ናይ መንግስቲ ሰበ ስልጣንን ከምኒ ወይዘሮ ሙሉ ናይ ንግዲ ምክር ቤት ሎሚ አምባሳደር ዝበላ ሰበ ስልጣን ዘታለለ ሙሁር እዝክር። ስለዚ ሙሁርነትና ንረብሓ ሕዝብና ይኹን። ሕብረተሰብ ድማ ትርጉም ሙህሮ ብግብሪ ምዘን። አንቱም ዘይግባአኩ
ክብርን፣ስልጣንን ሓላፍነትን ሒዝኩም ብደም ሕዝቢ እትንግዱ ናይ ጊዜ ጉዳይ እምበ ክትሓስሩን ከትዋረዱን ኢኹም።

ውርደትኩም ውርደት ስድራኹም፣ባልቲ ገዛኹም ባዓል ገዛኺ ውርደት ደቅኹምን ስለዝኸውን ነብስኹ ግንሑ።አንቱም ብፍልጠትኩም ሕዝብኹም ክተምህሩን፣ ክትሕግዙን ሃገርኩም ክትሃንጹ ጊዜ ንኢስኩምን፣ሓጺርኩምን ምስ ጊዜ ትቃዳደሙ ዘለኹም እሕዋትናን አሓትናን በብሞያኹም ንትገብርዎ ፃዕርን ድኻምን የቐንየልና ኽብረት ይሃበልና። ትግራይና ብአኹም
ትኾርዕ ትሕበን፣ትግራይ ሰብ ከምዘለዋ ድማ ትታአማመን በርትዑ።
መዛዘሚ ሓሳበይ፣ ብፍላይ ንተጋሩ እያ እዚ ሎሚ አብ ልዕሊ ሕዝብና ዝወርድ ዘሎ ግፍዕን መከራን ዋላኳ ኹላህና ከከም ብጽሒትና ሓላፍነት እንወስደሉ እንተኾነ ብፍላይ ድማ ኽፍሊ ዝቖጸርና ሙሁራት ኢና እንብል ተጋሩ ኻብ ናይ ትማሊ ጌጋና ተማሂርና ሞያናን ዓቕምናን ዝፈቕዶ ሃገራዊ ሓላፍነትና ንኽንወፍይ፣ትግራይ ኻባና እትጠልቦ ሞያዊ ብቕዓትና ብዘይ ቕድመ ጥቕሚን፣ክፍሊትን ታሪካዊ ሓላፍነትና እነውፍየሉ ብርኪ ንርከብ። ሞያዊ ማዓርግና ኻብ መዐኸቢ እቶትን፣መርከቢ ስልጣንን
ንላዕሊ አብ ከይዲ ምህናጽ ትግራይ ክነውዕሎ እናተላቦኹ፣ብሹም ዶክተር እዬ ኢንጅነር እዬ፣ጋዜጠኛ እዬ፣ፖለቲከኛ እዬ፣ተንታኒ እዬ ባዓል ሃፍቲ እዬ ወ.ዘ.ተርፈ እናበልና መስዋእቲ ዕሸላት መናእሰያትን ዋዕሮታትን ካብ ምሕንሻሽ ንተአረም እብል።ንሓቒ ንዲሞክራሲ ንማሕበራዊ ፍትሕን ንቓለስ፣እዚ ሕዝቢ ይዕዘብ አሎ፣ሎሚ ከምትማሊ አይኮነን፣ ዓለም ብቴክኖለጂን ፍልጠትን ሓንቲ አብ ዝኾነትሉ እዋን ንስኻያ ጠበንጃ ስለ ዝሓዝኻ፣ ንስኻያ ሚዲያ ስለ ተቖፃጸርኻ፣ንስኻያ ሓውኻ ሓፍትኻ አብ ስጣንን አብ ሃፍትን ስለ ዝወፃእኻ ንሕዝቢ ትግራይ ከም ትማሊ ክትጎብጦ ኢኻ ማለት አይኮነን።


ትማሊ ንሎሚ ከምህረና እንድሕር ዘይክኢሉ መጨረሻና ብርሰትን፣ውድቀትን ስለ ዝኸውን ሎሚ እቲ ጊዜን መስዋእቲን ዝኽፈል ዘሎ ትግራይ ዓዲ ፍትሒ፣ትግራይ ዓዲ ማዕርነትን ሰላምን፣ደቓ ማዕረ ዝርአይሉ ዘጥፈዐ ድማ ብሕጊ ዝሕተተሉ ስርዓትን፣ ነፃ ሃገረ ትግራይን ንምምስራት እዩ። እቲ ትማሊ ውድብን መንግስቲን ዝተሓማዞቆሉን፣ዝተቖማጠዐሉን ምሕደራዊ ስርዓት፣ ብሕግን
ስርዓትን ዝምርሑ ትኻላት ማለት ሕጊ መውጻእቲ፣ ሕጊ ተርጎምቲን፣ ሕጊ ፈጸምቲን ከምኡውን ሚዲያ እቲ ፬ዓይ ሓይሊ መንግስቲ ዝባሃል ኻብ ማንም ዝኾነ ይኹን ሓይሊን ውድብን፣ መንግስታዊን ጽዕንቶ ነፃ ዝኾነ ሚዲያ እንሃንጸሉ ብርኺ በፂሕና እንሄና። እዙይ ጋህዲ ንኽኸውን ድማ ሙሁራት ትግራይ፣ ዳያስፖራ ትግራይ፣ፖለቲከኛታት ትግራይ ታሪካዊ ሓላፍነት አለና ኢለ
ይአምን። መናእሰይ ትግራይ ሎሚ እትኸፍልዎ ዘለኹም መስዋእትነት ካብ አቦታትኩምን፣አዴታትኩምን ዘተረከብኹማ ትግራይ ብዝሓሸት ትግራይ ቀይርኩም፣ ንደቅኹምን ንባዕልኹምን ኽትሃንጹን ኽትፈጥሩን እምበር፣ ከም አቦታትኩም ጎንጽን ዄናትን፣ ኢ-ፍትሓዊነትን፣ ወጽዓን፣ ገባጣይነትን ዝዓብለላን፣ዝነገሰላን ትግራይ ከምዘይትምነዩ ከምዘይትቕበሉን ነፂርኹም ተቓለሱ አጆኹም ብዓወት ድማ መሰስ ክትብሉ ኢኹም።
ትግራይ ትስዕር
ኽብርን ሞገስን ንናይ ትማልን፣ናይ ሎሚን ስውአትና
ኽብሪን ሞገስን ንሓይልታት ምክልኻል ትግራይ
ኽብሪን ሞገስን ንዳያስፖራታት ትግራይ
ኽብርን ሞገስን ንኹሉ ትግራዋይ ይኹነለይ

By aiga

One thought on ““ኣየነኦም እዮም ሙሁራት””

Comments are closed.