03 – 26 – 2022

ኣብርሃም ብርሃነ

ብዛዕባ ወልቃይት ፀገደ ኣድሂቦም ንዝመራመሩን ንዝፅሕፉን ገለ እትዋት ተኰኖም፡ካብ ዝብል ተቐሲበ እንሆ ሕጂ እውን ገለ ዉን ቢሉኒ ዝዘከርክዎ እሕንጥጥ እንሀኩ።

ኣቐዲመ ግን ብዛዕባ ወልቃይት ኣድሂበ ንክፅሕፍ ትውትውቱኒ ዝነብርኩም፡ኣምላኽ ግዲ ኣይፈቐዶን ሎሚ ፅባሕ ክብል ጊዜ ከም ዝበላዕሉ ተሰዊጡኒ ኣሎ።እቕረታ ክሓትት እፈቱ።

ግን
“እንታይ እሞ እንታይ እሞ፣
 እዛ ዓለም እዚኣ እሞ!፧”

ከም ዝበሃል ኰይኑኒ ምህላው ከስምረሉ እግባእ።ብዛዕባ ወልቃይት ዘዘከርክዎ እምበር ቕድሚ ሎሚ ሓቲተዮም ብድምጺ ይኹን ብፅሑፍ ዝሓዝክዎ፡ኣብ ኢደይ ብዘይምህላዉ፡ነቲ ኣብ ሕዮይ ዝሰፈረ በርቢረ ናባኹም ከብሎ እፍትን ምህላወይ ድማ ኣቐዲመ ክሕብር እፈቱ።

ኣብ’ዚ ወርሒ እዚ ሳላ ዶ/ር ሃይሉ ሃፍቱን እንጅነር ግርማይ ተክለሃይማኖት ምሒርኻን ካልኦት፡እቶም ኣቦ ዘመናዊ ታሪኽ ሕትመት ምድረ-ሓበሻ ዝኰኑ ኣቶ መንገሻ ብሩ (ወልቃይቴ) ታሪኾም ኣብ ዝምእርረሉ እዋን ንሶም ትግራዋይ ምኳኖም ኣብዚ ዉሽጢ 20 ዓመት እሰምዕ ነይረ።እንተኰነ ጭቡጥ ሓበሬታ ንግደ ሓቂ ኣይረከብኹን ነይረ።

ሕጂ ግን ኣቦይ መንገሻ ብሩ (ወዲ ብሩ ወልቃይቴ) ትግራዋይ ምኳኖም ካብ ኣፍ ዶ/ር ዳኒኤል ተፈራን ካብ ማማ (ወ/ሮ) ሶፍያ ዘካርያስን ወዘተን ብምስምዐይ፡እሞ ድማ ደቂ ደቆም ብምኳኖም ካብ ፀግዒ ሓራ ዝኰነ ፅሑፍን ታሪኽን ንክፅሕፍ ዝነበረኒ ባህጊ ፈጣሪ፡ካብ ዕዳ ሕልና ኣድሒኑኒ ኣሎ እብል።

እቲ ምንታይ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዘሎዋ ማዕከናት ዜናን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተደኰናን፡ነቲ ኣነ ዝፀሓፍክዎ ታሪኾም፡ናብ ኣምሓርኛ ብምትርጓም ‘አቶ መንገሻ ብሩ የአማራ ወልቃይት ተወላጅ!’ ቢሎም ብምቅልሖም-ኣብ ሕቶ ኣትየ ምንባረይ እዝክር።ሕጂ ግን ብዘይ ምንም ጥርጥር ደቂ ኣቶ መንገሻ፡ንደቆም ዝፀወይዎም ፅዋን ገለ ምሁራትን ረኺበ ኣረጋጊጸ እንሀኩ።

ንእግረ መንገደይ ድማ ገለ ኤርትራውያን ፀሓፍትን ሰብ ሞያ ታሪኽን ኣቶ መንገሻ ብሩ-ኣቦ ጀነራል ኢያሡ መንገሻ ብምኳኖምን፡ጀነራል እያሱ እውን ኣብ ከረን ብምውላዶም ይኹን ካልእ ከም ኤርትራዊ ታሪዀም ስለ ዝፀሓፍ፡ካብዚ ተበጊሶም ኣቦይ መንገሻ ኤርትራዊ እዮም ዝብሉ ኣሎዉ እዮም።

ገሊኦም ድማ ኣብ ባፅዕን ኣብ እምኲሉን መምህርን ኣብ ቤት ማሕተም ክሰርሑ ከለዉ፡ቋንቋ ኣምሓርኛ ኤዘውትሩ ብምንባሮምን ኣብኦም ኣቶ ብሩ ወልቃይቴ፡ወድ ስዊዝ ዝኰነ ሙዚንጀር ዋርነር፡ኣብ ከረን ኰነ ኣብ ባፅዕ እንከሎ፡ከም ኣምሓይ እሓስቦም ብምንባሩ ተወሲኽዎ፡”እቶም ኣምሓራይ!” ዝብል መጸውዒዖም ዳርጋ ብገሊኦም ብምንባሩ ፡ገለ ፅዕንቶ ገይሩ እዩ።

ስለዚ፡ከም ሓደ ፍሉጥን ፀላውን ሰብን ቤተሰብን እምነቶምን መንነቶምን ወልቃይት ትግራይ ምኳኑ ምላሽ እረክብ ኣሎ ማለት እዩ።

ራእሲ ገብሬ (ገብረ) ወዲ ደጃዝማች ወልደሩፋኤል  ከም ኣምሓራይ ኣምሲሎም ታሪኾም ዝፅሕፍሎም ዝነበሩን ዘለዉን፡እቲ ሓቁ ትውልዶም ካብ ተምቤን ኣበርገለን ምኳኑ ተመራመርቲ ታሪኽ ምስ መግለፂታቱ የውስኡ እዮም።

ኣብነት፡ንወይዘሮ ማሪቱ ሰሜን ኣእትዮም፡ደጃዝማች ሃይለማርያም ወለዱ።ደጃዝማች ሃይለማርያም ድማ ንራእሲ ዉቤን  ንብጡልን ፈረዩ።

ብጡል ድማ ንእቴጌ ጣይቱ (ፀሃይቱ) በዚ ድማ እተጌ ጣይቱ ትግራወይቲ እየን ማለት እዩ።ብክልቲኡ ወገን ሓረግ ትውልዶም ትግራይ ይምዘዝ እዩ ዝብሉ ምሁራት ታሪኽ እውን ኣሎዉ’ዮም።

ምስ እንዳ ጻድቁ ዮሐንስ እውን ይዛመዱ እዮም።እዚ ንሎሚ ኣብዚ ክሕፅሮ እየ።
ከምቲ ኣብ እንደርታ ኣብ 19 ክፍለዘመን “ንስክን ጠንቃም፡ጠንክኽን ጠንቃም እዩ!” ዝበሎ እዩ ነገሩ።

ራእሲ ደገልሃን ወዶም ኣዛዥ ወዳጄ እዩ።ኣብ ዘመነ ልብነ ድንግል (16 ክፍለዘመን) ምኳኑ ዝገልጹ ሰብ ሞያ ታሪኽ ኣሎዉ እዮም፤ኣማሓዳሪ ሽረን ወልቃይትን ምኳኑ እናሻዕ ንከይግለፅ ሽርሕን ተንኰለን ክግበረሉ ይረኣይን ይስተውዓልን እዩ።ነዚ ግቡእ ምላሽ ዘድልይ ይመስል ኣሎ።

ኣዛዥ ወዳጄ ንደጃዝማች ዮሓንስ ወለዱ።ደጃዝማች ዮሓንስ ድማ ንደጃዝማች ፋሲል ፈረዩ።ደጃዝማዝ ፋሲል ንቃለ ክርስቶስ ወለደ።

ቃለ ክርስቶስ ድማ ምስ ወ/ሮ ርግበ ጓል ሹም ጋበ (ዓዲ ቀይሕ-እንደርታ ዘይኰነ ኣከለጉዛይ ተዋሲቦም፡ ንሰለስተ ዉልዳት ፈረዩ።ንሳተን ኸኣ-ወርቅዉኃ፣ንግሥቲን ምንትዋብን (ዳግማዊት ምንትዋብ) ይበሃላ።

ወርቅዉሃ-ንሹም ተንቤን ምርጫ ወለዳ።
ንግሥቲ-ንገብሩ ኣእትየን ንወ/ሮ ምኹ ወለዳ (ኣብ ሰሓርቲ)
ምኹ ንኣይሙት ኣእትየን ንሙሴ ወለዳ።ወድ ሓፍቶም ንበዓል ጋዳ ገርግስ እዮም።

ሙሴ ኣይሙት መድሕን (ዓድዋ) -ንወ/ሮ ሒሩት ፈረዩ።ወ/ሮ ሂሩት ኸኣ ንማማ ፀሓይ-ካብኡ ማማ ፀሓይ ንማማ ተኽለ ተርምነስ ወለዳ።

ዶ/ር ኪሮስ ሙሉ መኰነን ድማ ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ተክለ ተርምነስ ሕያው ኰኑ፡እንሆ 23 ምያዝያ 2014 ዓ/ም(ኣብ መይደይ 2022) መበል 90 ዓመቶም ከኽብሩ ኣብ መስርሕ ምሽብሻብ እርከቡ ኣሎዉ።

ንዶ/ር ኪሮስ ሙሉ ከልዕል ካብ ዝቐሰበኒ፡መሬት ወልቃይት መሬት ትግራይ ምኳኑ እናሻዕ ዝዛረቡን መርትዖታት ክእክቡን ክፍልፍሉን ፀዓርዓር ስለ ዝብሉን ንዓይ እውን ካብ ዝፀለዉኒ ወከፍ ብምኳኖም እዩ።

ዶ/ር ኪሮስ ብተወሳኺ፡በዓልቲ ቤቶም ወ/ሮ ነፍስሔር ኣብርሀት ገብረማርያም በዓልቲ ዓዲ መጎቲ (ሠራየ) እየን ነይረን።ኣቶ ኣስመሮም ኣርኣያ ገብረማርያም ወድ ሓወን ድማ መቕርቦም እዩ።ብህየቱ ኣሎ እውን እዩ።

ኣቶ ኣስመሮም ሓደ ካብቶም ኣቶ በርሀ (ስም ኣብኦም ረሲዐዮ ኣሎኹ) ንወ/ሮ ኣዳነሽ በርሀ (ጓል መድሕን በራድ) ምስ ተፈላለዩ።ኣብ ሽረን ወልቃይትን ይነብሩ ነበሩ።ኣብኡ እውን ሞቱ።እቲ ምንታይ ወዲ እቲ ከባቢ እዮም-ዝብል ቤተሰባዊ ወግዒ ከም ዘውግዖም የውስኡ እዮም።

ኣብ መወዳእታ፡ኣምባሳደር ጳውሎስ መንኣመኖ (ኣቦ ፈላሚት ኢትዮጵያዊት ነርስ ምሕረት ጰውሎስ) ንበዓልቲ ቤቶም መምህር በፍቃዳ ዘነበ፡ክምርዓውወን ከለዉ-ጓል ትግራይ ዓደይ ኢሎም ከም ዝተመርዓዉወን ፈለጥቶም የውግዑ እዮም።

መምህር በፍቃዳ ዘነበ ፋሽስታዊ መንግሥቲ ጥልያን ኣብ 1937 ዓ/ም/ፈ ካብ ኤርትራ ዝመጹ ተጋሩ ዘርኢ ዘሎዎም ምሁራትን ፕሮቴስታትን ክሓቶም ከሎ፡ንሰን ከም ጓል ወልቃይት መጠን ተሓቲተን መንቀሳቐሲ ከም ዝሃበን፡እቲ ወረቃቕቲ ካብ እንዳ ቤተሰብ ዝተረኽበ ኣንቢበዮ ነይረ እየ።

ንመምህር በፍቃዳ ኣብ ታሪኽ ዘመናዊ ትምህርቲ ኢትዮጵያ፡ካብተን ፈላሞ መምሃራን እየን።ግን ኣምሓረይቲ ኢሎም እዮም ዘልዕልወንን ዝዝክረምርወንን-ኣምባሳደር ጳውሎስ መንኣመኖ ድማ ምስ እኒ ደጃዝማች ገብረሥላሴ ባርያጋብን ትምህርቲ ዝቀሰሙን ኣብ  ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ “መሰልን ማዕርነትን ሃይማኖት ተዘይተረጋጊጹ ፡ህውከትን ናዕብን ግድን ክፍጠርን እዩ።” -ቢሎም ቕድሚ 110 ዓመት ኣቢሎም ዝፀሓፉን መጽሓፍ ርእሰ ሊቃውንቲ ገብረሕይወት ባይከዳኝ ብርሃን ሕትመት ክጓናፀፍ ዝገበሩን ወዲ ኣውራጃ ዓድዋ እዮም ነይሮም።

እዙይታት ንመተሓሓዝን ነቶም ዝመራመሩን ገለ ኣሰር ተረኸቡ ካብ ዝብል እየ ዝሓናጥጦ ዘለኹ።

ካልእ ዝዘከርኽዎ ድማ ኣብ ዝቅጽል ጊዜ ክሓናጥጥ ክፍት እየ።

ወደሓንኹም!

By aiga