ጀግና መን ወለዶ
ሓሞት ወይስ ኣዶ? ኻበይ ይውለድ ጀግንነት ኻብ ተሽከሞካዮ ፆር ኽብደት ብረት እንተዘይኾነስ ኢስብኣዊ ውርደት:: ኻብ ዝብላዕ ምስኣን ጥምየት ኻብ እርቃን ድኽነት ኻብ ዐልየት ጭቆና ባርነት ምሕሮ የለ ዕድገት ሕክምና ኣልቦ ሞት ድንገት:: ጀግና ኣቦ ኣይብሉን ኣዶ ሓሞት የብሉን ዘንድዶ እኻዳኣ ሓቦ ምስነደዶ:: ብረት ንኽእጠቅ ዝግደድ ኸሳድድ ንኽሳደድ ኽድይብ ንኽወርድ ኽፋሗኽ መሬት መሬት ፀላዒ እንትገጥሞ ፊት ንፊት መዳፍዕ እንትውርወር ንቅድሚት: ቡምባታት እንትባራዕ ሓዊ የማን ፀጋም እንትባላዕ:; መሬት ስማይ እንትደባለቅ ልቢ እንተንፈርፍር እንትጭነቅ ኸምጨጎራ ንቅድሚት እንትፋሗኽ ንድሕሪት ወይ ፈንትኽ:: ቆላሗ እንትብል ኽዝክር እንታይ ኣሎ ተገደፈ ብድሕሪት ዘይችግር ለካስ ኣለኹ እናበለ ጠጠው ኢሉ ሞት ሞትንሞቱ መረፀ ናይፀላኢ ጥይት:: ዘሊሉ ትጠጉግ ዓሣ ኸምዝረኣየ ዐንጉግ::…