ድሕር እንተበልካ
እንታይ ይመስለካ? ዘመናት አቁጺርና ኻቭ አቀም ንላዕሊ ፀቕጢ በዝሒና መውፂኢ ሲኢና ንቁልቁል ጥሒልና: ዝሞተ ሞይቱ ዝቀረይና ዘይንስና መሲልና ስደት ዓዲ ጋና ትረግፁና ተጨማልቁና አሜን እናበልና በደልን ግፍዒ ተፃዊርና ትነብር ረጊእና: ኸምዘይተጎዳእና ኸምዘይተዋረድና አብ ኸብዲ ቃፂርና ደሰ ኸይብሎም ፀላእትና እረ እናጣዓመ ኽምስ እናበልና ግዜ ዘምፀኦ ግዜ ኽወስዶ እናተፀበይና ጫፍ ገደል ምስበፃሕና ምርጫ አልቦ ብረት ምስዓጠቅና: እንትንዕወት ድሕሪ ኽንደይ ዓመት ደቂስብ ምኻና ምስኣመስከርና: ብደምና ዝጠልቀዩ ፀላእቲ እንትንምሕር ዝርዪ ምእማን አብይዎ እናበኸዩ…