ክቡር ኣይተ ኣብርሃም ብርሃነ፣

ጥዕና ይሃበለይ!
ነዚ ክፅሕፍ ዘለዓዕለኒ ስለ ዝኽሪ ወይዘሮ ኣልማዝ ኣበራ ዝብል ዝተፅሓፊ ተመዛዚ ታሪኽ እዩ።
ኣቐዲመ ብ እቲ ጥዑም ላዝኦም ብ ዛዕባ ብዙሓት ሊቃውንቲ ተጋሩ ዘውስእዎም ታሪኻትን ኣቀራርባን ክንእዶም ይፎቱ።
ካብ ምንኣድ ዝተልዓለ ድማ ኣብ ኩሎም ፅሑፋቶም መንጠልጠልቲ ነገራት ይበዝሕዎም እሞ ነቲ ፅሑፍ እውን የምቅርዎ እንድዮም ኣብዛ ስለ ታሪኽ ወ.ሮ. ኣልማዝ ኣበራ ዝተልዓለ ታሪኽ ግን ካብ ዝተገልፀ ዘይተነገረና ስለዝበዝሐ በይነይ ዓፅዓፅ ክብል ጀሚረ። ከምዚ ነድሪ ዓይነት ድማ እዘን ዝስዕባ ሕቶታት ከልዕል ፈቲነ ኣለኹ።

  1. ወ.ሮ ኣልማዝ ኣበራ ምስ ራእሲ ኣሉላ ዘለወን ስጋዊ ዝምድና ብ ግልፂ እከለ እከለ ወለደ ተብሂሉ ኣይተፅሓፈን። ስለ ራእሲ ኣሉላ ካብ ወለደን ዝፀንሐን ኣፈ-ታሪኽ እንተሃልዩ እውን ክሕበር ነቢሮዎ ምኽንያቱ ታሪኽ ፅሓፍቲ ከም መጣቐሲ ምተጠቐምሉ።
  1. ስለ በዓልቲ እንዳ በኣሉ ግርማ ክለዓል ከሎ ናብ ቀልቢ ሰባት ዝመፅእ እቲ ኣብ ኦሮማይ ዘላ ሮማን እያ። ወሮ ኣልማዝ ማለት ናይ ኦሮማይ ሮማን ድየን ዘኒሀዋ?
  2. ኣብ ሞያ ጋዘጠይና መዓዝ ብ ከመይ ክሰርሓ ክኢለን?
  3. ኣብ ውድድር ፅባቐ ከ ኣበይ ዓዲ መዓዝ ግዘ እንታይ ወኪለን እየን ተሳቲፈን ነይረን። ወ.ሮ ስላስ ረዳ ዝተብሃላ ወይዘሪት ትግራይ ኣስመራ ወኪለን ብ ጃንሆይ ግዘ ናይቲ ግዘ ፅብቕቲ ተብሂለን ከምዝነበራን ክሳብ ቀረባ ግዘ ድማ ኣብ ኦሎምፕያ ግሪክ ስኩል ኣከባቢ ይነብራ ከምዝነበራን ኣብ 5-6 ዓመት ኣቢሉ ከምዝዓረፋ ይግለፅ ስለ እዘን ካሊእ ተወዳዳሪት ፅባቐ ቅርርብ ነይርዎን ዶ ከም ተጋሩ?
  1. ፍሬው ሃይሉ ጥላሁን ገሰሰ እንታይ ኢሎም እዮም ገጢሞምለን ነይሮም ዝብል እንተዝግለፅ ምበለፀ ነይሩ?
  2. ስለ መንግስቱን ግርማመ ንዋይን ዝነበረን ኣፍልጦ እንታይ ይመስል ብ ምንታይ ክራኸበኦም ክኢለን።
  3. ብዙነሽ በቀለ ምስ በኣሉ ግርማ ቅርርብ ከምዝነበሮምን ትንእሰኒ ኢካ ኢላ ከምዝሓደገቶን ኣብ ዝኮነ ዝርርብ ሰሚዐ ነይረ ሲ እቲ ሽልማት ክውህብኣ ዝደፋፈአን ነገር ሲ እንታይ ይኸውን። እዚን ካሊእ ዝርዝር ዝበለ ታሪኽን ሒዞም ክምለሱ ተስፋ ይገብር።

የኽብረለይ፥

ሰብ ዓይጋ

One thought on “ድምፀት ተደራሲ ኣብ ዝኽሪ ወይዘሮ ኣልማዝ ኣበራ”

Comments are closed.