ክቡራትን ክቡራንን ኣንበብቲ መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ-ፎረም፡ንሎሚ ብዛዕባ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ተድላ ሓፂር ዝክሪ ጽሑፈይ ሒዘልኩም መፂአ ኣሎኹ።

እሞ ኣይተስተዋሕድዋ ኢኹም ክብል እፈቱ።

እወ፡ክብርቲ ኣዴና ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ተድላ ወርሒ ኣቢሉ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልየን እየን።ኣነ ድማ ኣብታ ዝሞታላ ዉዕይቲ ህሞተ-ጊዜ፡ኣብ ቤተን ብምንባረይ ይኹን ኣብ ስነ-ስርዓት ቀብረን ብምውዓለይ፡ኣጋጣሚ ኰይኑ ፅቡቕ ዕድል ኰይኑለይ እዩ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ፡ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥቃ የካ ሚካኤል ቕድሚ 86 ዓመት እየን ተወሊደን።ወላ እኳ ኣብ መበል 76 ዕድሚአን እየን ዓሪፈን ዝብል ኣብ ማዕከናት ዜና ተተጋውሐ፡እቲ ሓቂ ብመጽናዕቲ ዝተረጋገጸ ግን 86 እዩ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ተድላ (ደግያት ተድላ ወድ ሓፍቶም ንሓርበኛ ኣሉላ ኣባ ነጋ እዮም)፡ ንመመላእታ 40 ዓመት ‘በኣሉ ግርማ ሎሚ’ዶ ፅባሕ ናብ ቤቱ ይምለስ ይኸውን!፧’ ብልዑል ሃንቀውታን ትፅቢትን ክፅበያ፡ነፍሰ ስግአን ዝወድኣ፡ፅንዕቲ ኣደ እየን።

ብዛዕባ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ፡ “ከም ሓንቲ መቕርብካ መጠን ገለ እባ በለና ኢኻ!፧” ዝበልኩምኒ እንሆ ንሎሚ እዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ይውከፍ ኣሎኹ።እቲ ምንታይ “ዘለካ ተወከፍ ኣይትሰከፍ!” ዝብል ቢሂል ኣበዋት ስለ ዘሎና እዩ።

ሓደ መዓልቲ፡ጊዜ ኣብ ዝረኸብኽሉ ኣስፊሐ ናብ ኣንበብቲ ክሓናጥጥ ምኳነይ ተስፋ እገብር።ንሎሚ ግን ኣብ ነዊሕ ርኽባትናን ወግዕታትናን ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ባህ ኢልወን ኣብ ልበን ዓቂሮንኦ ዝነበረ ከይተረፈ፡ንኣስታት 3 ሰዓት ዘውግዓኒ ወግዕታት ብጨፈልፍታ ኣብ ማሕበራዊ መራኽቦ ናብ ኣንበብተይ ዘርጊሐዮ ዝነበርኩ፡ክጋብዘኩም እፈቱ።

ንኺድ በሉ! 

“ሎምዓንቲ ዕለተ 29 ሓምለ 2020፡ ኣብ ቤት እንዳ እቲ ህቡብን ዉርይን ዝኰነ  በኣሉ ግርማ ተረኺበ ጊዜይ፡ብምሕላፈይ ንኣምላኽ ብልቢ አመስግን።

ክብርቲ ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ተላ፡መስርሕ ጒዕዞ ህይወት ኰይኑወን፡ኣብ ለሰ ሓዘን ኢየን ቀንየን።ልበን፡ኣመና ተጎዲኡ ኢዩ ቀንዩ።

ነዚ ተዓዚቡ ይመስለኒ፡ትማሊ ሕሳስ-ልደ ወደን ክብረ በኣሉ፡

“ኣብራሃም…እንታይ ደኣ ጠፊእኻ፧ምፃእ እባ ናፊቕናኻ ኣሎና! ንማማ ድማ ተዕልላ” በለኒ።

ኣነ ድማ ንሓሳቡ ብምርዓም እሽታይ ብምግላፅ ንወግዕና ዛዚምናዮ ብምንባርና።

ብመሰረት ዝኣተኽዎ ቃል ድማ ኣምላኽ ኣጋባጊቡለይ፡ንኣስታት 3 ሰዓትን ፈረቓን ጉጅም በልና።ኣብ መጋርዓ ወግዕና ድማ ናይ ልብና ብዙሕ ኣዕለልና።

ወይዘሮ ኣልማዝ ኣበራ፡ኣብ ዓውደ ሞያ ጋዜጠኝነት ሰሪሐን እየን።ኣብ መድረኽ ዉድድር ቊንጅና ተወዳዲረን ይፈልጣ እየን።

ራእሲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ኣባሓጎአን ከም ዝብጽሕወን ኰነ  ጃንሆይን ቤተሰቦምን እንተላይ እቴገ መነንን ዘርኢ ኣሉላ እናበሉ የበራትዕወን ምንባሮም እሰምዕ ነይረ እየ።

 ነዚታትን ካልእን ኣብ ወግዕታትና ከረጋግጻለይ ዓሊመ ከውግዓኒ ብዝተላበኽወን፡ንሰን ድማ ንሓሳበይ ሪዒመን፡ኣብ ወግዕታትና ተመሲጠን ብዙሕ ኣዕሊለናኒ እየን።

ብዛዕባ  ህቡባት ስነ ጥበበኛታት እኒ ጥላሁን ገሠሰን ፍሬው ሃይሉን ዝገጠሙለን ግጥምታት ኰነ ዝደረፉለን ደርፍታት ፀውየናኒ እየን።

በኣሉ ግርማ ተኰነ ንዕዐን ኢሉ ካብ ዝገጠሞ ናዕታታት ኣውሲኣናለይ እየን።ምስ ወይዘሮ ኣልማዝ ብዙሕ ጊዜ ኣውጊዕና ኢና እሞ፡ከም ሎሚ ፍትሕትሕ ኢለን ርኤየን ከቶ ኣይፈልጥን’የ።

Mrs. Almaz Abera Tedla

ንዘጋጠመን ሓዘንን ከረስዐን ዓሊመ፡ካብ ወግዒ ናብ ወግዒ እናተሰጋገርኩ፡ታሪኽ ስለ ዝኰነ ድማ ምስክረነት ከዘናግዐን ምኽኣለይ ነቲ ጸጋ ዝሃበኒ ኣምላኽ፡ብልቢ አመስጊነዮ ኢየ።

ጆን ኦፍ ኬነዲ ኰነ ንግሥቲ ኤልሳቤጥ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝመፅሉ እዋን ዘጋጠመንን ዘጓነፈንን ተጓንፎታት’ውን ዘኪረን ጉጅም በላኒ።

ብዛዕባ ጸሓፊ ታሪኽ ዘውደ ረታን ክቡር ዶክተር ደጃዝማዝ ዘውደ ገብረሥላሴን ወዘተ ወዘተ ሓደ-ብሓደ ካብ መኽዘን ዝኽረን ብምውጻእ ብዙሕ ኣዕሊለናኒ።

“ብዛዕባ ታሪኸይ ኰነ ታሪኽ በኣሉ ግርማን ከይዛረብ ወሲነ ነይረ ኢየ! ግን ክትመጽእ ክትመፅእ ተዛርበኒ ኣለኻ ኢኻ።” በላኒ።

ንግደ ሓቂ ድማ ወ/ሮ ኣልማዝ፡ ከም ሎሚ ደስ ኢልወን ብዙሕ ታሪኽ ኣዕሊለናኒ ኣይፈልጣን ኢየን-ደፊረ ክብል እኽእል’የ።

ብዛዕባ በኣሉ ግርማ ደራሲ መጽሓፍ “ኦሮማይ” ን ካልኦት 5 መጽሓፍቱን፡ኣድሂበን ብዙሕ ተዘኽሮታት ስለ ዘሎወን ኣብ ስልሚ ኣትየን ኣውግዓኒ።

ኣብ መፈንጥራ ፍቕሪ ኣብ ዝተጸመደሉ ኰነ ኣብ ሓያል ፍቕረን ተቆሪኑ ዘግ-ቢሉ ብዝወደቐ፡ዝብሎን ዝገጥሞ ዝነበረ ክሳዕ ዝነብዓ ኣውሲኣናለይ ኢየን።

ብዛዕባ መንግስቱ ነዋይን ግርማሜ ነዋይን ኰነ ንቡዙነሽ በቀለ ወርቀን ኣውጺአን ዝሸለምኣ ኰታ እልቢ ዘይብሉ ተዘኽሮታት ብዘይንሕንፈት ጽውይ ዉዒለን እየን።

ቅድሚ ገለ ደቃይቕ፡ ካብ ቤተን ወጺኣ እግረ መንገደይ፡ኣብ ጎደና ኮይነ ዝሕንጥጦ ዘለኹ ኢዩ።

ክቡራትን ክቡራንን፡ጓለን ኣይኰነትን ሞይታ፡ዘመደን ከም ጓለን ዝርእያኣን እምብዛ ዝፈትውኣን እያ እምበር መስከረም በኣሉ ሲ፡ኣብ ምድረ ኣመሪካ ኣላ ኢያ።

ካልእ ወ/ሮ ኣልማዝ ብዛዕባ ደርጊ ምስ ወደቐ፡ምስ መለስ ዜናዊ (ቀዳማይ ሚኒስተር)፣ተኣምራት ላይነን በረኸት ስምኦንን ተርኺበን ነይረን እየን።

ምስ ሓለውቲ መለስ ዜናዊ ዝነበሩ “…መለስ ስራሕ በዚሕዎ ኣሎ!” ቢሎም ደው ምስ ኣበልወን ትጽቢት በዝሐን።እቲ ምንታይ-ሲ፡ንነዊሕ ሰዓታት ብምፅባየን፡መሪርወን ዝበልኦን ዝገብርኦን፡ንድሕሪት ተመሊሰን ብምዝካር፡ ኪርኪር እናበላ ኣውሲኣናለይ ኢየን።

ካብ ሰዓት 2:46 -ክሳዕ ሰዓት 6:30 ኣጋ ምሸት ዝነበረኒ ጻንሖት ብሓፂሩ ነዚ ይመስል።

ነዚ ዕድል ዘርሓወለይ ፈጣሪ ኹሉ ዓለም፡ ክብርን ሞጎሥን ይብጽሓዮ እብል።”

By aiga

One thought on “ዝኽሪ፡ወ/ሮ ኣልማዝ ኣበራ ተድላ”

Comments are closed.