ብ ልሙድ ጃንጃዊድ እናተብሃለ ዝፍለጥ ካብ ወርሒ ሚያዝያ 2023 ኣ/ፈ ጀሚሩ ምስ ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን ኣብ ኲናት ተረፂሙ ዝርከብ ዕጡቕ ሓይሊ ምልሻ ሱዳን ኣብ ኤክስ (ትዊተር) ብዝዘርግሖ መግለፂ ክሲ ኣቕሪቡ። እቲ ክሲ ን ሰራዊት ትግራይ ዝቐረበ ኮይኑ ብዘይ ጥቁብ መረዳእታ ዝቐረበ ከምዝኾነ ካብ እቲ ዝወፅአ መግለፂ ምርዳእ ይከኣል። ወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳን ካብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓገዝ ይረክብ ምህላውን ኣብ ልዕሊ እዚ ድማ ብ ጅሃዳውያን እሙናት ኣገልገልቲ ኣልበሽር ዝነበሩን ተሓጊዙ ይቃለስ ከምዘሎ ዘብረሀ እዚ ሓበሬታ ኣብ ምንታይን መኣዝን ሰራዊት ትግራይ ከምዝተሳተፉ ኣይሓበረን።

ሓደ ስሞም ክግለፅ ዘይደለዩ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ሰራዊት ትግራይ ን ዓይጋኒውስ ከምዝሓበርዎ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ፈታዊ ህዝቢ ሱዳን ኢዱ ከምዘይሰደደን ንቐፃሊ እውን ካብ እቲ ተጠናኺሩ ዝቕፅል ዘሎ ህዝቢ ን ህዝቢ ርክብ ወፃኢ ን ሰላም ህዝቢ ሱዳን ዘጓትት ምንም ዓይነት ኣሉታዊ ኣበርክቶ ከምዘይህልው ኣቐሚጦም። ብተወሳኺ ስለ ጥሉልነት እዚ ሓበሬታ ተፃርዩ ምስቀረበ ብ ግዝያዊ መንግስቲ ትግራይ ግቡእ ምላሽ ክውሃበሉ እዩ ዝበሉ እዞም ኣመራርሓ ሰራዊት ቐዳምነት ሂብና ክንሰርሐሎም ዝሓዝናዮም ጉዳያት ኣለውና። ምሉእ ኣቓልቦና ድማ ስለ እቶም ቅድሚት ዝሰራዕናዮም ጉዳይ ዝተፈናቐለ ህዝብናን ግዝኣታዊ ሓድነትናን እዩ ን ግዳማውያን ሓይልታት ጎረቤት ሃገራት እንውከፈሉ መስርሕ የለን ክብሉ መልሲ ሂቦም።

ናይ እቲ ዝቐረበ ክሲ መርትዖ ተገይሩ ዝተወሰደ ካብ ሳትላይታት ዝተወሰደ ምስልታት ዝብል ኮይኑ እቶም ዝተብሃሉ መረዳእታታት ከቕርብ ናብ ኦፊስ ዕጡቓት ምልሻታት ሱዳን ዝሰደድናዮ ናይ ኢመይል መልእኽቲ ልውውጥ መልሲ ኣይረኸበን። ። ን እቲ ኣብ ታሕቲ ዝተጠቀዐ ትዊት ሓቃውነት ንምርግጋፅ ዝኸድናዮ ስጉምቲ እውን ብ ቐጥታ ስልኪ ኣዘራሪብና ተወሳኺ ሓበሬታ ንምግናይ ዝገበርናዮ ፃዕሪ ኣይሰመረን።


By aiga

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *