Month: December 2022

ድሕር እንተበልካ

እንታይ ይመስለካ? ዘመናት አቁጺርና ኻቭ አቀም ንላዕሊ ፀቕጢ በዝሒና መውፂኢ ሲኢና  ንቁልቁል ጥሒልና: ዝሞተ ሞይቱ ዝቀረይና ዘይንስና መሲልና ስደት ዓዲ ጋና ትረግፁና ተጨማልቁና አሜን እናበልና በደልን ግፍዒ ተፃዊርና ትነብር ረጊእና: ኸምዘይተጎዳእና ኸምዘይተዋረድና አብ ኸብዲ ቃፂርና ደሰ ኸይብሎም ፀላእትና እረ እናጣዓመ  ኽምስ እናበልና ግዜ ዘምፀኦ ግዜ ኽወስዶ እናተፀበይና ጫፍ ገደል ምስበፃሕና ምርጫ አልቦ ብረት ምስዓጠቅና: እንትንዕወት ድሕሪ ኽንደይ ዓመት ደቂስብ ምኻና ምስኣመስከርና:  ብደምና ዝጠልቀዩ ፀላእቲ እንትንምሕር  ዝርዪ ምእማን አብይዎ እናበኸዩ…