Category: ሓዱሽ መፅሓፍ

ብ ሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ ማህለቅያ ኣልቦ ኲናት ዘርኢ ምጥፋእ ን ልዕሊ ክልተ ዓመት ካብ ዝኾነ ይኹን መሰረታዊ ኣገልግሎት ዝረኽብሉ ዕድል ተዓጊቶም ዝፀንሑ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዝነብሩ ምዑታት ተጋሩ መፅሓፍ ፅሒፎም ስለ እቲ ዝተኻየደ ዘሰንብድ ኣስካሕካሒ ግፍዕታትት እናሰነዱ ይርከቡ። እቶም ዝኸኣሉ ብ ዓቕሞም ክሕትሙ እንከለው ዝተረፉ ሰብ-ዓቕሚ ግን ብ ሰንኪ ሕፅረት ገንዘብ ኣዋሕሊሎም ዘዳለውዎም መፃሕፍቲ ገፅ መንበብቲ ከይበፅሑ መዓልትታት ይቑፀሩ ኣለው።

ርእሰ-ጉዳይ እቶም ኣብዝሓ መፅሓፍቲ ከኣ ምስ እቲ ኲናት ዝበፅሐ ጉድኣት ንውልድ ወለዶ ሰንዲሞ ዘቐመጡን ን ፅባሕ ኣብ ዓለም ለኸ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ክንጥይቕ እንተለና መረዳእታ ዝኾኑና ዓበይቲ ሃፍትታትና መዋእል ገድሊ እታ እንፈትዋ ትግራይና እዮም። እዞም ፅሑፋት እዚኦም ሰነድ ኩሉ ትግራዋይ እምበይ ሓደን ክልተን ፀሓፍቲ ጥራሕ ዋኒነይ ኢሎም ዘሳልጥዎ ጉዳይ ኣይኮነን።

ኣብ ሰላሕታዊ ዕፅዋ ኮይኖም ጉዳይ ትግራይ ብ ብረታዊ ቓልሲ ጥራሕ እንተይኮነስ ብ ብርዒ እውን ኢና እንኳሽሐሉ ኢሎም ኣብ ደገ-ኣፍ-ቤት ገዛና ዘብፅሕዎም መፃሕፍቲ እንኩም እናበሉና ንሕና ከኣ ሕድይተይ ኣወፊና እተን ማይ ምራቕና እንውሕጠለን ብ ትግርኛ ዝተፅሓፋ መፅሓፍቲ ነሰስነን።

ኣብ ኢድና ዘለው ሰኣን መሕተምቲ ጠጠው ዝበሉ መፅሓፍቲ ሓጊዝና ናብ ዓይኒ መንበብቲ ንኽነብፅሕ እንገብሮ ፃዕሪ እትድግፉ ተጋሩን ፈተውቲ ትግርኛን በዚ ዝስዕብ ኢመይ ክትፅሕፉልና ንላቦ።
ኢመይል፥ [email protected]

ምስ ሰላምታ፣
ሰብ-ዓይጋ