ዓይጋ፡ ግደ  ደቂ ኣንስትዮ ሰራዊት ትግራይ ኣብ እዚ ፈታኒ እዋን?

:- ተራ ደቂ ኣንስትዮ ተጋደልቲ ኣብ ቃልስና ካብ ሕልፍ 17 ዓመት ክሳብ ሐዚ ክንርኢ እንተሞኪርና ብኸምዚ ብቀሊል ብናተይ ኣደበትን ዓቕምን ንምግላፅ ዝከኣል ኣይመስለንን ፡፡ ብሰፊሕ መፅናዕትን ምርምርን ብውሕሉል በሃላይ ወይ ድማ ገላፃይ ክኢላ እዩ ክግለፅ ዘለዎ ዝብል እምነት ኣለኒ፡፡

ኣብ ከይዲ ቃልስና ተራ ተጋደልቲ ደቂ ኣንስትዮ  ንምግላፅ እንተሞኪረ ግና :

1)ሞራላዊ ተራ :ኣብ ምልዕዓል ሞራል ሰራዊትን ህዝብን

2)ወታደራዊ ተራ፡ ደቂ ኣንስትዮ ትግራይ ብባህሪኤን ግዱዳት እሙናትን ቁጥዓትን እየን ፡፡ ወታደራዊ ሰነ ምግባር ዝተላበሳ እየን ግበር ኣይትግበር ዝብል ትእዛዝ ካብ ገዝአን እየን ሒዘንኦ ዝመፃ ፡፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ እቲ መረረ እቲ መከራ ካብ ብደንቢ ዝተገንዘባ እየን፡፡

3) ማሕበራዊ ተራ ፡ ኣብ እትጋዓዘሉ እዋን ኣጆና እናበላ ሓቦ የስንቓኻ ፤ ኣብ ተዓርፈሉ እዋን እንተስ እንጀራ ወይ ቅጫ ሰንኪተን ይዕንግላኻ ኣብ ውግእ ግዜ ንድሕሪት ዝበሃል ኣይሕሰብን፤

ኣብቲ ዕጡቕ ሰራዊት ዘሎ ተጋደላይ ቀዲሙ ኣብ ዘዐወቶም ዓወታት ብሕራነ ኣትዩ ተቓሊሱ ቆሲሉ ደኺሙ መሊሱ ሓሪኑ ንዓወት ካብዘብቀዖም ኣዝዮም ብሉፃት ወርፍርታት ወፍሪ ኣዴታት ሓደ ምንባሩ ኩላትና ንፈልጦ ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ኣዴታት ትግራይ ነቲ ቃልሲ ዘወፈየኦን ዘወፍይኦ ዘለዋን ቅያ ዘኾልዕ ሓድጊ ታሪኽ እዩ። ኣዴታት ክብል እንተለኹ እተን ምንኣሰይ ምንኣስ ምንኣሰይ ወይ እውን ሕሳስ ውልዶ ገዛ ኮይነን ዓምዲ ትግራይ ከቕንዓ ማዕረ ደቂ ተባዕትዮ ንዓደን ኩሉ ነገረን ዘወፈያ ደቂ ትግራይ ዝሓውስ እዩ።

ዓይጋ: ሓፈሻዊ ምስሊ ሰራዊትና ምስ ድልውነትን ናይ ክባን ዕፅዋን ናይ ምፍንፃሕ ተኽእሎ?

 : – ሰራዊትና ኣብ ብጣዕሚ ዘተኣማምን ተልእኾ ናይ ምፍፃም ወታደራዊን ስነልቦናውን ዓቕምታት ወኒኑ ይርከብ።ብበዝሒ ፤ ወታደራዊ ዓቕሚታትን ስነልቦናዊ ድልውነትን ኣብ ኣዝዩ ዘተኣማምን ቁመና ኣሎ እንብለሉ ምኽንያት እዉን ክበሃል ሰለዝተደልየ ወይ ድማ ህዝብና ክነሐጉስ ስለዝተደለየ ኣይኮነን።ብተግባር ኩሉ ዓቕምታትና ስለዝተፈተነን ውፅኢቱ እዉን ስለዝተርኣየን እዩ።

ስራዊትና ካብ ናይ ደባይ ውግእ ናብ ስሩዕ ውግእ ተሻጊሩ ኣብ ሕዳር 30/2013 ዓ.ም ዝነበረ ቁመና ሰራዊት ትግራይን ሐዚ ዘሎን ብዝኾነ መመዘኒ ዝነፃፀር ኣይኮነን።  እዚ ለዉጢ እዚ ከም ቀሊል ዝሪኦ ሰብ ይህሉ ይኸዉን። እቲ ሐዚ ካብ ደባይ ናብ ስሩዕ ተሳጊሩ ስሩዕ ውግእ እናካየደ ዝርከብ ሰራዊትና ብርግፀኝነት  ህዝቢ ትግራይ ቅድሚ ሐዚ ወኒንዎ ዝፈልጥ  ኣይኮነን ኢልካ ሓፈሻዊ ገምጋም ምቕማጥ ይከኣል እዩ። ኣብ ዝኾነ እዋን ከምዚ ዓይነት ዓቕሚ ዝውነነ ሰራዊት ናይ ትግራይ ተሃኒፁ ኣይፈልጥን። እዙይ ዘርእየካ ድማ ከምቶም ፀላእትና ዝብልዎ ወይ ድማ ከምቶም ኣብ ትሕቲ ኮበርታ ኮይኖም ዝሓልምዎ ፡ ወይ ድማ ከምቶም ሓደ ሓደ ከዳዓትን ጠላማትን ተወለድቲ ትግራይ ግን ድማ ደም ትግራዋይ ዘይብሎም ዝብልዎን ዘዉርይዎን ዘይኮነስ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሰራዊትና ልዕሊ ናይ ዝኾነት ልኣላዊት ሃገር ሓይሊ ምክልኻል ዝበሃል ልዑል ዝኾነ ውታደራዊ፤ፖለቲካውን ስነልቦናዉን ዓቕሚ ዝውነነ እዩ።  ዓቕሚ ሰራዊትና ፈታውን ፀላእን ክፈልጦ ዘለዎ እዙይ እዩ። ፀላእትና ከ ኣበይ ደረጃ ኣለዉ ፤ እንታይ ይገብሩ ኣለዉ ፡ብኸመይ ከጥፉኡና ይሙኩሩ ዘይኮነስ ብተግባር ይገብሩ ኣለዉ ዝብል እንትንርኢ፡ ፀላእትና ኣብ ህዝብና ዝኸፈትዎም ዓውደ ውግእ ፡

1)ብናይኣፅዋር ውግእ ዝተኸፈተ ዓውደ ውግእ/ Armed Warefare፡ ካብ ጥቅምቲ 2013 ጅሚሮም ክሳብ ሐዚ ንህዝብናን ብኹሉ ዝተዓጠቕዎ ኣፅዋር ውግእ ካብ ንእሽተይ ካራ ክሳብ ናይ ኣየር ደብዳብ ንኣብ ኩለ ጫፍ ናይ ትግራይ ናይ ምቕታልን ምጥፋእን ዓውደ ውግእ/ ኣካይዱ የካይዱ እዉን ኣሎ ። ኣብ ኩሉ እውን

2) ብቴክኖሎጂ ዝተመረሐ ውግእ ፡ /Electronic Warfare ፡ እዙይ ካብ ጠቕላላ ኣብ ትግራይ ዝነበሩ ናይ ርክብ /Communication / መሰረተ ልምዓት ምቁራፅን ምዕናውን፤ማሕበራዊ ሚድያታት/ቴሌቨዥንን ሬድዮን/ምዕናውን ምዕፋንን፤  ክሳብ እቲ ኣብ ዓለምና ክሳብ ሐዚ ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ኲናት ውዒሎም ዘይፈልጡ ናይ ሰብ ኣልባ ነፈርቲ መጥቃዕትን ዘካተተ ኲናት እዩ ትኸፊትልና ዘሎ።

3) ሕብረተሰባዊ ውግእ ፡Social Warfare/ እዙይ ዓይነት ውግእ ድማ ኩሉ ሰብ ብቐሊሉ ዘየስተዉዕሎ ብጣዕሚ ሓደገኛ ዓይነት ውግእ ኮይኑ

  • ኣብ ህዝብና ዘይኮነ ወረ ብምንዛሕ ህዝብና ኣብ ወታደራዉን ፖለቲካዉን መራሕቱ ክጠራጠርን እምነትን ክስእንን ምግባር፡ ሕንፍሽፍሽ ክፍጠርን ሰራዊት ድማ ደጀን ክስእን ምግባር ሓድ እዩ ። እቲ ህዝቢ እውን ፋሕፋሕ ኢሉ  ዝተበተነን ዘይተወደበን ዝተፈጠረ ዓዉደ ውግእ እዩ ፡፡
  • ህዝብና ማሕበራዊ ፀገማት /ትምህርቲ ፤ሕክምናን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክስእን ብምግባር ክዱንቁር ፤ ብሕማም ክረግፍን ከንፀርፅርን ብምግባር  
  •  ናይ መዳፍዕ፤ኣየርን ድሮንን ደብዳባት ብምክያድ ከምኡ  እዉን ኣብ ልዕሊ ኣብ  ትሕቲ ቁፅፅሮም ዝነበሩን ዘለውን ቦታታት ኣብ ዝርከቡ ደቂ ትግራይ ብኣዝዩ ዘስካሕኽሕን ቅድሚ ሐዚ ኣብ ምድሪ ተርእዩ  ብዘይፈልጥ መልክዑ እናቐተሉን እናሳቐዩን ህዝብና ክርዕድን ክፈርሕን ምግባር
  •  

4)ቁጠባዊ ውግእ/ Economic Warfare /

ፀላእትና ኩሎም ናይ ትግራይ ናይ ቁጠባ ፍልፍላት እዮም ተባሂሎም ዝእመነሎም

  • ኣፍረይቲ ትካላት ብምዕናው፤ ብምውራርን ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምግባር ዘይዓነዉ ድማ ከመዘየፍርዩ ምግባር፡፡
  • ፋይናንሳዊ ትካላት ምዕፃውን ህዝብና ብዘይ ገንዘብ ክተርፍን ምግባርን
  • ካብ ትግራይ ወፃኢ ናብ ትግራይ ዝኣትው ካብ መሰረታዊ ሸቐጣት ክሳብ ጥረ ኣቑሑት ብኽባ ዕፅዋን ብምኽልካል
  • ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ዝፈርዩ ሃፍተ ገነት ድማ ምህዳምን ካብ ትግራይ ብምዉፃእ ትግራይ ጥርሓ ክትተርፍ ብምግባር
  • ብሓፈሻ ድማ ህዝብና ክጠምን ብቑጠባ ናይ ምድኻምን ጥርሑ ናይ ምትራፍ ዓውድ ውግእ ተኺፊትሉ ይርከብ

እዚኦም ካልኦትን ኣብ ህዝብና ዝተኸፈቱ ንዓና  ግልፂ ዘይኮኑን ዓውደ ውግኣት ብሃንደበት ዝተጀመሩን ኣብ ሓፂር ግዜ ዝተፈጠሩን ዘይኮኑ ፅላእትና ብፍላይ ብናይ ኣምሓራን ናይ ሻዕብያን ጉጅለ ብደንቢ ዝተፀነዐን ዝተተለመን ዝተዋደደን ምኻኑ ኩሉ ወዲ ትግራይ ክፍልጥ ይግባእ፡፡

ብወገን ወረርቲ ኣብ ልዕሊ ሰራዊትናን ህዝብና ዝግበር ዘሎ ናይ ሓዞ ሓዞ ናይ ምፍርራሕ ወፍሪ፤ናይ ጠቐነን ምንእኣስን ወፍሪ ኣካል እቲ ዓውደ ውግእ ኮይኑ ፡ብእንህቦ ግብረ መልሲ ድማ ኣብ ገለገሊኡ  ግዝያዊ ልዕልና ይረኽቡ ኣብ ገለገሊኡ ድማ ብኣግኡ ስለዝንቀሐሎም ይፍሽሉ ኣለዉ፡፡

ብወገን ሰራዊትና ነዞም ኩሎም ብወገን ወረርቲ ሓይሊታት ዝተኸፈቱ ዓውደ ውግኣት ንምምካት ብበሳል ኣመራርሓን ብሳይነሳዊ ኣውዳድባን ንሕድሕድኦም ብዝግባእ እናመከተ ይርከብ፡፡ምስሊን ብቕዓትን ሰራዊትና ኣብ ኹሉ ዓውደ ግንባራትን ዉግኣትን እንትምዘን ኣነ እየ ዝበለ ሙኹሕ ብቐሊሉ ዝፍርክሾ ኣይኮነን።

ዓይጋ፥ ምውሃድ ነባርን ሓዱሽ ወለዶን ከምኡ  እዉን ውህደት ፖለቲካዊ ውልቃዉ ኣረኣይያታትን?

ኣብቲ ሕሉፍ ናይ ዕጥቂ ቃልሲ እቲ ቃልሲ ክናዋሕ ካብ ዝገበርዎ ምስኣን ሰብ ልምዲ ዘለዎ መሪሕነትን ናይቲ ትኽተሎ ዓውደ ኲናት ስልትን ብልሓትን ብሓፈሻ ናይ ልምዲ /ተመክሮ/ ሕፅረት ሓደ እዩ ኢለ ዝወስድ ብባዕለይ። እዚ ሓሳብ እዉን ብዙሓት ሰባት ከምዝኽተልዎ እኣምን፡፡ ከምዚ ስለዝኾነ ድማ ንሕና/ማለት ሓደሽቲ ዋላ ሓንቲ ወታደራዊ ልምዲ ዘይነበረና / ናብ ታዕሊም ካብንኣቱ ጀሚርና ክሳብ ኣብ ውግእ ንሳተፍ ዋላሓንቲ  ዝኸበደና ነገር ኣይነበረን፡፡ ኩሉ ተሰኒዱ እዩ ፀኒሑና፡፡ካብ ኣወዳድባ ፤ ኣሰላልፋን ኣወፋፍራን ሰራዊት ፤ ዉህደት ደጀን ህዝብን ሰራዊትን ፤ባህርያት ደባይ ውግእ ፤ ኣቀማምጣ መሬት ትግራይን ወታደራዊ ረብሐኦምን ከምኡ እዉን ኣናብባ  ወታደራዉን ፖለቲካዉን  ኣሰላልፋ ፀላኢ።

እቲ ሓዱሽ ወለዶ  እዉን በቲ ዝተፈጠረ ኩነታትን ዘጋጠሞ ወራርን ሓሪኑ በረኻ እንትወፅእ ሒዝዎም ዝወፀ ፀጋታትን ዓቕምታትን ነይሮምን ኣለዉን፡፡እቲ ናይ መጀመርያ ብስልጠና ክህነፅ ዝኽእል ኣካላዊ ብቕዓት እንትኸውን ብምቕፃል ድማ  በቶም ወረርቲ ሓይልታት ኩሉ ዓይነት በደላት ኣብ ሓፂር ግዜ ዝረኣየን ብተግባር ናይዞም ፀላእቲ ድማ ኣዚዩ ዝኾረየን ስለ ዝነበረ ዳርጋ ኩሉ ናብ በረኻ ዝወፀ ተጋዳላይ ናይ ሕነ ምፍዳይ ስነ ልቦና ሒዙ እዩ ወፂኡ ። እዞም ኣካላዉን ስነ ልቦናዉን ድልውነት ከም’ት ተጠቐሰ ኮይኖም ዝበዝሕ ድማ ፊደል ዝቖፀረን ዝተፈላለየ ሞያ ዝተዓጠቐን እዩ ነይሩ። ስለዝኾነ ድማ እግሪ እግሪ ነባራት ኣመራርሓ እናሰዓበ ተወሳኺ ወታደራዊ ሞያታት፤ወታደራዊ ስልትታትን ባህርያትን ክመሃር ብዙሕ ግዜ ኣይወሰደሉን።

ምውሃድ ነባርን ሓዱሽን ወለዶ ኣብ በረኻ ጥራሕ ኣይኮነን ነይሩ ፡፡ኣብ ውሽጢ  ፀላኢ ኮይኑ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን  ዝነበረ ህዝቢ እዉን እቲ ሓዱሽ ዝበሃል ወለዶ ምስ ነባራት ናይ ከተማን ገጠርን ስርዒትን ብቐሊሉ እዩ ተጎራሪሱ ይሰርሕ ነይሩ። እቲ ብጣዕሚ ዝገርምን ብታሪኻውነቱ እዉን ምናልባት ኣብ ዓለምና ናይ መጀመርያ ክኸዉን ዝኽእል ድማ ዲያስፖራ ተወለድቲ ትግራይ ኣብ ወፃኢ ዘካየድዎ ዝነበሩን ዘለዉን ዝተዋደደን ዝተናበበን ውፅኢታውን ቃልሲ እዩ ፡፡ ኣብዙይ እዉን ግደ ምውሃድ ሓዱሽ ወለዶን ነባራት ኣብ ወፃኢ ዝነብሩ ኣያታታትናን ቀሊል ኣይነበረን፡

ዓይጋ፥ ዝተረፈ ነገር ክስተኻኸል ዝግበኦ ኣበሃህላን ኣተሓሳስባታትን ኣለዉኒ፡ ብጣዕሚ ኣድለይትን ኩሉ ሰብ እዉን ብኣገጋቡ ክርድኦ ዘለዎም ጉዳያት እዮም?

1)ግብዝነት ኣብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብና ኣሎ ፡

 ኣብ ምግዳል እንተሪኢና

 ሓደ ሓደ ኣካላዊ ኩነታቶም ንምግዳል ዝበቅዑ ኣብ ትግራይ ዝነብሩ ወገናትና ኣብ ፅቡቕ ናይ ዓወት ዜናታት ኣብዝንበበሉ እዋን ሆ እናበሉ ናብ ታዕሊም ይኣትዉ ።እቲ ታዕሊም ከምነገሩ ጌሮም ድሕሪ ምውዳእ ኣብ ማዕበል ናይቲ ቃልሲ ክኣትው ከለዉ ግና እቲ ማዕበል የማንን ፀጋምን እንትፀፍዖም ኣብ ክንዲ ነቲ ማዕበል በዲሆም ተጋደልቲ ኮይኖም ምምካትን ምፅዋርን ካብ ብፆቶም ከዲዖም ልዕሊ ፀላኢ ኣብ ህዝቢ ተመሊሶም መርዚ ዝነዝሑ ኣዝዮም ዉሕዳት ግን ድማ መርዛማት ከዳዓት ኣለዉ።እዚኦም ዘዉርይዎ ወረ ሰሚዑ ኣብ ክንዲ ዘቃልዖም ወሳሲኹ ዘዉሪ ንባዕሉ ሰጊኡ ካልኦት ሰስግእ ፈሪሑ ዘፍርሕ ካልእ ኣካል ሕብረተሰብ ድማ ኣሎ ። ከምዚኦም ዝበሉ ግብዛት ምሕባእ ዘይኮነስ ብኣግኡ ክልለዩን ክእለዩን ይግባእ።

ገለ ገሊኦም ድማ ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ድሕሪ ዝኾነ ጉጅለ ዝሕብኡ ኣለዉ፡፡እታ ተጋዳላይ ዝብል ስም ጥራሕ እምበር እታ ምግዳል ዝብል ናይ ተጋዳላይ ሂወት ዘይደልይዋ ምግዳል ብኣንፃር ናይ ሐዝን ቀፃልን ረብሐኦም ደኣምበር ብኣንፃር ምግዳል ዘይሪኡ  ግብዛት ሰባት ኣለዉ፡፡እዚኦም እዉን ስምን ትርጉምን ምግዳል ዘመራስሑ ፃህያይ ኮይኖም ሞራል ሰራዊትና ዝነኽኡን ስለዝኾኑ ብኣግኡ ክቃልዑ ይግባእ፡፡

    “ ገድሊ ቀሊል ኣይኮነን ጠስሚ ዝግኒ ገዓት

       መከራ ምቕባል እዩ ምእንተ ውፅዓት” 

ከምዝበሃል ዝኾነ ምእንተ እቲ ዉፅዕ ህዝብና ክጋደል እየ ዝብል ሰብ ተጋዳላይ ክኸዉን ደኣምበር ተጋዳላይ ክመስል የብሉን፡፡ምምሳል ኣብ ድራማ ጥራሕ እዩ ዝሰርሕ፡፡ ተጋዳላይነት ልዕሊ ገዳማዊ ሂወት እዩ ፡፡ሓደ ኣብ ገዳም ዝነብር ገዳማዊ ሂወት ዝመርሕ ባህታዊ ዝሓልፎም መከራታት ኩሎም ምእንተ ገነት ኣትዩ ዘለኣለማዊ ሂወት ክረክብ እዩ፡፡ሓደ ተጋዳላይ ምእንተ ድሕንነትን ሃላዋትን ህዝቡ ዝሓልፎ መከራን ዝኸፍሎ መስዋእትን ግን እቲ ተጋዳላይ ዝረኽቦ ውልቃዊ ረብሓ የብሉን፡፡ገነት ይእቶ ገሃነም ከስቡ ዘላቒ ድሕንነት ህዝቡ ጥራሕ እዩ ፡፡ ስለዚ ምምሳል ዝሙኩሩ ግብዛት ሰባት ንኽስተኻኸሉ ኩላትና ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ኣብ ምቅላዕ ክንነጥፍ ይግባእ፡፡

2)  ምህፃፅን ልዕሊ ኩነታት ምህንጣይን

እዙይ ፀገምን ሓሳረ መከራን  ህዝቢ ትግራይ ከብቅዕ ኣለዎ ፤ ክባን ዕፃዋን ክስበር ኣለዎ ዝብልን ካልኦት ሰናይ ደልየት ዝብገስን ከምኡ እዉን ኩሉ ተቓላሳይ ዝኾነ  ግንባር ፃማ ቃልሱ ተሎ ክርኢ ካብ ዘለዎ ህንጥዩነት ዝተልዓለ ከምዝኾነ ዘጥራጥር የብሉን፡፡ ግን ኩነታት ከይፈቐደ ክትተርፍ ከሎ ናይ ቃልሲ ወነ ናይ ምዝሕሓል መንፈስ ክፈጥር ስለ ዝኸእል

   _ ከነታት ማለት(ፖለቲካዊ፤ወታደራዊ፤ ቁጠባዊ )ክንበቡ፤ክፅንዑን ክትርጎሙን ስለዘለዎም ሕድ ሕድ ምንቅስቓሳት እውን ብመሰረት ውፅኢት ናይዚ ኩነታት ስለዝኸዉን ፡ ኣመራርሓና ማለት(ፖለቲካዉን ወታደራዉን)ኣብ ዝተረጋግዐ ኩነታት ኮይኖም ክውስኑ ምእታን ስኽን ኢልካ ምሕሳብ ብጣዕሚ እዩ ዘድሊ።

ኣብዚ ሓሳብ ኩሉ ተቓላሳይ ወገንና ከስተብህሎ ዘለዎ ኣብ ብጣዕሚ ኣንገብጋቢ ወቕቲ ካብ ም “ ብጣዕሚ ስልዝሃፀፅኩ በይዛኻ ቀስ በል ” ኢሎም

3) ንፕሮፖጋንዳ ፃላኢ ተሓባባሪ ምኻን ፡  ፀላእትና እንታይ ዓይነት ፀላእቲ ምኻኖም ዘይተረደኦ ትግራዋይ ይህሉ እዩ ኢለ ኣይ ኣምንን፡፡ኣብ ዓለም ከምዚኦም ዓይነት ፀላእቲ ገጢሙዎ  ዝፈልጥ ህዝቢ የለን ኢልና እንድምድመሉ ግዜ ኢና ዘለና፡፡ጫፍ ጭካነኦም ንምፍላጥ ክሳብ ብሂወትና ዝጠብሱና ክንርኢ  ምፅባይ  ኣድላይ ኣይነበረን፡፡ ፀላእትና እቲ ኣብ ዝባን ተጋሩ ዝፈፀምዎን ክፍፅምዎ ዝሓሰቡን ግፍዕታት ኩሉ ብግልፂ ኣብ መረኻቢ ብዙሓን ተዛሪቦሞ እዮም፡፡

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ሓደ ሓደ ደገፍትን ፈተውትን ቃልስና ጥራሕ ዘይኮኑስ ሰብ ዋና ቃልስና እዮም ኢልካ ትኣምኖም  ተጋሩ ኣብቲ ፀላእትና ዝኸፈትዎ ዛዕባ ኣትዮም ከጋዉሑን ዕንክሊል ክብሉን ዝረኣዩ ኣለዉ።

ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣጋጡሙና ዘሎ ንኽትነብረሉ ኣይኮነን ክትዛረቦ ኣዝዩ ከቢድ ዝኾነ ኩነታት ተጠቒሞም ኣብ ርእሲ ፀገምና ካልእ ናይ ምክፍፋል ፀገም ክዉሱኹ ዝሙኩሩ ወገናት ኣለዉ። ኣብ ትግራይ ኣጋጢሙ ዘሎ ቁጠባዊ ደውታ ስዒቡ ሎሚ ቅነ ክንዛሕ ዝኸነየ ህዝብና  ስደት ጀሚሩ ዝብል ወረ ከም ኣብነት እተርኢና ፤ ፀላኢ ብዕቱብ እናሰረሐሉ ዝርከብ ዋኒን ፀላኢ ምኻኑ እናፈለጡ ነዚ ተቐቢሎም ዘንበድብዱ ተጋሩ ክትርኢ ከለኻ ድማ ብጣዕሚ ይኸፍኣካ ፡፡እዚ ጉዳይ ፀላኢ ንዓና ንምክፍፋልን ፋሕፋሕ ከብለናን ዝወጠኖ  ውጥን ስለዝኾነ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዘይናትና ዛዕባ ምእታዉ ብግዘ ክእረም ዘለዎ ጉዳይ እዩ ። እዙይ ማለት ፀገም ህዝብና ንሕበኣዮ ንምባል ኣይኮነን ። እቲ ወሪዱና ዘሎ ፀገም ንዓለም ክነጋውሖ ኣለና ግን በየናይ መንገዲ ዝብል ኩሉ ትግራዋይ ክሓስበሉ ዘለዎ ጉዳይ እዩ።

3) ናይ ምፅልእላእ፤ምንእኣስን ናትካ ምንዓቕን ዉሽጣዊ ፖለቲካ(ስነ ሞጎት) : እዚ ከምዚ ዓይነት ኣብ ፖለቲካ፤ማሕበራዊን ቁጠባዉን ዝንጥፍ  ትግራዋይ ንኻልእ ኣብ ተመሳሳሊ ዓዉድ ንዝነጥፍ ትግራዋይ  ናብ ዘይረብሕን ሕሱርን ዝኾነ ውድድር እናኣተወ ነን ባዕሉ እናተናቖተ ናብ ናይ ምጥፍፋእ ስነ መጎት ዝኣቱን ዓርሱ ዘጥፍእን እናኾነ መፂኡ እዩ። ነንባዕልና ክንመናጨት ንፀላኢ በሪ እናኸፈትና ዓርስና  እናጥፋእና  ዘመናት ኣሕሊፍና ኢና ፡፡ በዚ ታሪኽ እዚ ብዝፍለጡ ዘመናን ብዙሓት እዮም፡፡ ከም ኣብነት ናይ 1970ታት ሕንፍሽፍሽ፤ናይ 1990ታት ናይ ህወሓት ምስንጣቕ ካብኡ  ቀፂሉ ደሕሪ 2008 ዓ/ም ዝመፀ ሓዱሽ ናይ ፖሎቲካ ኣሰላልፋ ግደ  ናይዚ ከምዚ ዓይነት ናትና  ናይ ተጋሩ ስነ መጎት ዓብዪ ግደ ይወስድ ዝብል ኣረዳድኣ ኣለኒ፡፡ኩሉ ሓሊፉ  ዳርጋ መለለይና እናኾነ መፂኡ ኣሎ ፡፡ ከምዙይ ዝበለ ነኒ ባዕልኻ ናይ ምትፍናን መንፈስ ብባህሪኡ ኣዕናዊ ውፅኢት ከምዘለዎ ክሳብ ሐዚ ብግብሪ ንሪኦ ኣለና ፡፡ እቲ ሓደ  ነቲ ካልእ መወዳድርቱ ንኸሸንፍ ናብ ደገፍቲ ምትእልላሽን ይኣቱ፡፡

4) መፃኢ ትግራይ ኣብ ሰራዊት ትግራይ ዝተሞርከሰ እዩ ።ጎና ጎኒ ክስራሕ ኣለዎ ዝበሃል

ብመሰረቱ ሓደ ክስተኻኸል ዘለዎ ኣረኣእያ እዩ ፡፡ምኽንያቱ መንግስትን ህዝብን ዘይብሉ ሰራዊት ክህሉ ኣይክእልን እንተሃለወ እዉን ዝተበተነን  ናይ ሽፍትነት ባህሪ ዘለዎን እዩ ክኸዉን። ሰራዊት ትግራይ እቲ ጫፍ ብልሒ ናይቲ ቃልሲ ምኻኑ ፍሉጥ እዩ ፡፡ እቲ ዝዓበየን መወዳድርቲ ዘይብሉ መስዋእቲ  ዝኸፈል ዘሎን ንኽኸፍል ብግብሪ ዘርኣየን ስለዝኾነ ፡፡ ዋላ ድኣ ከምዙይ ይኹን  እምበር ሰራዊትና ብጣዕሚ ጠንካራ ዝኾነ ስጡም ህዝቢን መንግስትን የድልዮ እዩ ፡፡ትግራይ ንቕድሚት ክትዉንጨፍ ድማ  ዝተወደበን ንነቐሐን ህዝቢ ከም ዓንዲ ኮይኑ ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ መንግስትን ህዝባዊ መሰረት ዘለዎ ህዝባዊ ሰራዊት የድልያ፡፡

ብዚ መሰረት ድማ ክልት ዓይነት ሰራዊት እዩ ክህነፅ ዘለዎ ፡፡

  • እቲ ዕጡቕ ህዝባዊ ሰራዊት ከም ሓድ ክንፊ እንተወሲድና /
  • እቲ ዘይተዓጠቐ ግን ድማ ተዋዲዱ ንሰራዊቱ ዝሕግዝ ደጀን ህዝብን መንግስትን  ድማ  ከም ካልኣይ ክንፊ/social army /  ኢልና ክንወስዶን ክንርድኦን ዘለና ።

እዙይ ተረዲእና ድማ ሕድ ሕድ ትግራዋይ ኣብ ሓዲኡ ተወዲብ ምእተ ብሩህ መፃኢ ትግራይ ክቃለስ ኣለዎ፡፡እቲ ሰራዊትና ኣብቲ ዕማሙ ኣሎ ፡ ህዝብና  እዉን ዘይፅወር ፀገም ተሽኪሙ ኣብ ደጀንነቱ ኣሎ ፡ እቲ መንግስቲ እዉን ከም ህዝቡን ሰራዊቱን ኣብ መስመሩን ዕማማቱን ክህሉ ምእታን ብዝተወደበን ዝተዋደደን መንገዲ ድፍኢት ምግባር ኣድላዪ፡፡ መፃኢ ትግራይ ናብ ሓደ ኣካል እትድርብዮ ጉዳይ ኣይኮነን ፡፡ኩላትና  ኣብቲ ዘኒሆ ናይ መኸተ ወፍሪ በቢ እጃምና  ብምስታፍ እዩ ድማ ብሩመፃኢ ትግራይ ዝረጋገፅ፡፡

ጎድና ጎድኒ እዚ ንካይዶ ዘለና መኸተ ክስርሑ ዝኽእሉ ስራሕቲ ግን ብጣዕሚ ብዙሓት እዮም፡፡ ብሓፈሻ እዚ ኲናት ብዙሕ ፀገማት ፈጢሩልና እንተኾነ ግን ድማ ኣብ ፈተናታት ዝፍጠሩ ዕድላት እዉን ሒዙ መፂኡ  እዩ፡፡ስለዝኾነ  ድማ ብምኽንያት እዚ ኩነታትን ፈተናታትን ትግራይ ከም ሓንቲ ሃገር ናብ ንድሕሪት ክትምለሰሉ ዘይትኽእል ብርኪ ክነደይባ ንኽእል ኢና ፡፡ እዙይ ንምግባር ዋላ እኳ ብዙሓት ዝስርሑ ስራሕቲ እንተሃለዉ ኣብቶም ክሳብ ሐዚ ኣቃልቦ ዘይረኸቡ ስራሕቲ ኣድሂበ ንምግላፅ ክሙኩር፡፡

  • ፖለቲካዊ ፀገማት ንምፍታሕ፡እዚ ሕማቅ እዋን ካብዘምሀረና ዓብዪ ትምህርቲ ፖለቲካዊ ዓቕሚ ህዝብና ህዝቢ ትግራይ እዩ።ህዝብና ንዝኣመነሉ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ዋላ እናፀገሞ ብኡ ይመሓደር ንዘይኣመነሉ ድማ እንተኾይንሉ ብሰላማዊ እንተዘይኮይኑ ድማ ብሓይሊ ንመሰሉን ዓርሰ ውሳንኡ ዘኽብርን ምኳኑ ዓብዪ ዕድል እዩ ። ብግብሪ ኩሉ ርኢናዮ፡ ብሓንቲ ናይ ቴሌቭዝን ጣብያ ን7 ወርሒ ክመሓደር ብተግባር ርኢና ። ከምዙይ ምኻኑ እዉን ፈተውትን ፀላእትን ቃልስና ሪኦሞ ፡፡ እዙይ ዝገርም ፖሎቲካዊ ዓቕሚ ህዝብና ናብ ፀጋን ዕድልን ህዝብና ተቐይሩ ናይ ዉሽጥን ደገን ፖለቲካዊ ፀገማትና ኣብ ክንዲ ክፈትሕ ዕንክሊል ክብል ትሪኦ፡፡ ጎድና ጎድኒ እዚ ህዝባዊ ኲናት ፖለቲካዊ ዓቕምታትና ፀንቂቕና  እንጥቀመሉን ናይ ቀፃሊ ፖለቲካዊ ቅርፂ ትግራይ እንሃንፀሉ ግዜ ሐዚ እዩ ።
    • ኣባላት ዝኾነ  ፖለቲካዊ ውድብ ንኻልኦት ኣባላት ካልእ ውድብ ካብ ምንእኣስን ዝወረድ ፀርፍን ወፂኦም ናብቲ ንህዝብና ዝምጥን ፖለቲካዊ ዓቕሚ ዝምፅሉ እዋን ሐዚ እዩ።
    • ኣብ ሃለዋትን ድሕንነትን ህዝብና ዘይዋገ ፖለቲካዊ ዉድብ ከም ዓብዩ ሃፍቲ ጌርካ ምዉሳድ
    • ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ምድያ እውን  ብዝተወደብን ዝተናበብን ፖለቲካዊ ረብሓ ትግራይን ህዝባን ማእኸል ዝገበረ ኣጠቓቕማ ምምዕባል ግዚኡ ሐዚ እዩ ፡፡ማሕበራዊ ናይ መራኸብቲ ኣዉታራት ሃነፅትን መፍረስትን ስልዝኾኑ ኣብ ጉዳይና ብሃናፃይ መዳዩ ጥራሕ ክንጥቀመሉ ኣብ ፀላእትና ድማ ብመፍረሳይ መልክዑ ክንጥቀመሉ ክንክእል ኣለና ፡፡
    •  
  • ማሕበራዊ ፀገማት ንምፍታሕ ፡  እዚ ኲናት ብዙሓት ማሕበራዊ ፀገማት እዩ ፈጢሩ ዘሎ ፡፡ ገሊኦም ድማ ዘለቕቲ ማለት ድሕሪ ኲናት እውን ዝቕፅሉ ማሕበራዊ ፀገማት  እዮም፡፡ ስለዚ ኣብ ማሕበራዊ ጉዳያት/ social afairs/ ዕሙቕ ዝበለ ተሞኩሮ ዘለዎም ሰባት ናይ መፍትሒ ንድፈ ሓሳብ ብሐዚኡ ክቐርፁን ስራሕ  ክጅምሩን ይግባእ። ንኣብነት ኣብዚ ኲናት ብዙሓት ስድራ ዘመሓድሩ ዝነበሩ ነባራትን ሓደሽትን መናእሰይ ናይ መስዋእትን ኣካላዊ ስንክልና ዘጋጥሞም ተጋደልቲ ኣለዉ፡፡ ንስድራ ስውእ ዝኸዉን ንኣካላዊ ስንክልና ዘጋጠሞ ተጋዳላይን ስድርኡን ዝኸዉን ማሕበራዊ ፀገማት ክፈትሑ ዝኸእሉ ሓሳባት ብሐዚኦም ተቐሪፆም ናብ ተግባር ክኣትዉ ይግባእ፡፡ብተውሳኺ እዉን ብምኽንያት እዚ ኲናት ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ ዝነበሩ ሃፍቶም ሙሉእን ሙሉእ ዝዓነወ፤ብዙሓት ካብ ቦታ ናብ ካልእቦታ ተፈናቒሎም ኣብ መዓስከራት ዘለዉ ወገናትና ኣለዉ ፡፡እዙይ ኩላትና  ንፈልጥ ኢና ፡፡ኮይኑ ግና ናይ እዞም ወገናት እዚኦም እንተርፊ ረዲኤት ምልማን ዝነበሮም ሃፍትን ንብረትን ናይ ምፍራይ ስነ ልቦና  ከይድፈንን መንፈስ ተፀባይነት ከይዋረሰምን ዝተሰርሑ ስራሕቲ የለዉን።

ኣብዚ ሐዚ እዋን

  • ብሂወት ዝነበረን ሂወት ብዙሓት ዘመሓድር ዝነበረን ብምኽንያት እዚ ኲናት ብሂወት ዘየለ ሰብ ኣሎ ።እቶም ዘመሓድሮም ዝነበረ ሰብ ግና ኣለዉ።
    • ቅድሚ ሐዚ ምኻድ ዝኽእል ዝነበረን ዓርሱ ዘመሓድር  ዝነበረ ትማሊ ብዙሕ ናይ ቀፃሊ ትልምታትን ዓላማን ዝነበሮ ሰብ ሐዚ ምኻድ ዘይኽእልን ድጋፍ ዝደልን ኮይኑ ኣሎ ፡፡ እዙይ እዉን ንባዕሉን ስድርኡን ዘመሓድር ዝነበር ባዕሉ ኣሎ ስድርኡ እዉን ኣለዉ፡፡
    • ቅድሚ ሐዚ ፅጉማት ዝረድእ ዝነበረ ሐዚ ረዲኤት ዝሰኣነ ሰብ ኣሎ ።
    • ንዞም ኩሉም ማሕበራዊ ፀገማት ሐዚ መፍትሒ ክነናዲ ይግባእ፡፡ሙሁራን እዚ ዓዉዲ ክዓጥቑሉ ይግባእ።
  • ቁጠባዊ ፀገማት ንምፍታሕ ፡ ቁጠባዊ ዓቕምታት ትግራይ ብምክንያት እዚ ኲናት ባይታ ዘቢጡ ኣሎ ፡፡ባይታ ዘቢጡ እልና እንህርሰሉን ሙሉእ ንሙሉእ ናብ ተፀባይነት መንፈስ እንኣትወሉን መንገዲ ክህሉ ኣይግባእን ነይሩ። ትግራይ መሃንዲሳት ኲናት ጥራሕ ኣይኮነትን ወሊዳ ብዙሓት ምሁራት ስነ ቁጠባን ካልኦት ዓዉድታትን ዝወነነት እያ፡፡ ኮይኑ ግን ክትጥቀመሎም ኣይከኣለትን፡፡ብዙሕ ምኽንያታት ክለዓል ይኽእል ይኸዉን ፡፡ ንኣብነት መንግስቲ ነዚ ዝጥዕም ኣካይዳ የብሉን ዝብል ሚዛን ክወስድ ይኽእል እዩ ። ኮይኑ ግና ሰብ ሞያ ስነ ቁጠባ ኣብዚ ተኸፊትልና ዘሎ ቁጠባዊ ኲናት ሙሉእ ንሙሉእ ኣትዮም ቁጠባዊ ውግእ ከካይዱ ይግባእ ጥራሕ ዘይኮነስ ንቐፃሊ እዉን ካብዚ ኩነታት ተወሳኺ ትምህርቲ ወሲዶም ቁጠባዊ ዓቕምታት ትግራይ ኣይኮነን ኣብ ሰላም ግዜ ኣብ ከምዚ ዓይነት ዕፅዋን ክባን ብኸመይ ከይተናግዐ ክቕፅል ይኽእል ዝብል መፍትሒ ሓሳብ ዘቕሩብሉን ብተግባር ድማ ዝፍትንሉን እዋን ሐዚ ጥራሕ እዩ ።
    • ኣብ ትግራይ ብዙሕ ተፈጥሮኣዊ ሃፍትታት ግን ድማ ኣብ ቁጠባ  ትግራይ ግደ ዘይብሎም ኣለዉ
    • ኣብ ትግራይ ብዙሓት ምሁራት ስነ ቁጠባን ተዛማዲ ሞያተኛታት ኣለዉ ከም ሃገሮም ክባን ዕፀዋን እናበሉ ዝዉዕሉ
  • ምስ መሰረተ ልምዓትን ቴክኖሎጅን ዝተትሓዙ ፀገማት ንምፍታሕ፡ ክሳብ እዚ እዋን ኣብ ትግራይ ተሃኒፆም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓትን ትግራይ ወኒናቶም ዝነበረት ውፅኢት ቴክኖሎጅን ብዘይ ናይ መንገዲ/ፅርግያ/ ካልኦቶም ዳርጋ ሙሉእ ንሙሉእ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ናይ ኢ/ያ  መንግስቲ እዮም ነይሮም ፡፡ምሁራት ናይዚ ዓዉዲ ድማ ብጣዕሚ ብዝገርም ኣጋጣሚ ብምኽንያት ምብዝሖም ፀገም ዝፍጥሩ መሲሉ እዩ ዝስመዐካ ፡፡ምኽንያቱ ከምቲ ትግራይ ዘምሃረቶምን ዘፍረየቶምን እናገልገሉን የለዉን።ብዝኾነ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብታ ዘይማዕበለት ትግራይን ህዝባን ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገምን ፈተናን ከምኡ  ኣብታ ብጣዕሚ ምዕብልቲ ብቴክኖሎጅን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ቅድሚት ዝነበረት ዩኩሬንን ህዝባን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ዕንወት ኣጋጣሚ ብሳይነሳዊ መንገዲ እነፅነዐሉን  ናይ ትግራይ ቀፃሊ ናይ ቴክኖሎጅን መሰረተ ልምዓትን ህንፀት ሰረት እንስርተሉን ግዜ ሐዚ እዩ።
    • ኣብ ትግራይ ድሕሪ ሐዚ ዝህነፅ መሰረተ ልምዓት ማለት ናይ ቴሌ ኮም ፤ሓይሊ መብራህቲ ፤ማይ፤ሕርሻ ፤ትምህርቲ፤ ጥዕና ፤ መጓዓዝያን ካልኦት ተዛመድቲ ቴክኖሎጅን ፋብሪካታትን ብሓንቲ ናይ ኣየር ወይ ድማ መድፍዕ ደብዳብ ዝዓኑ ወይ ድማ ብሓንቲ ክርቢት ዝቃፀል እንተኾይኑ ዋጋ የብሉን፡፡ ንዓመታት ዝሃነፅካዮ ኣብ ሰዓታት ዝፈርስ እንተኾይኑ እንታይ ዋጋ ኣለዎ ፡፡ነዚ ዝኾን ኣማራፂ ምስ ነምፅእ እና ብሩህ መፃኢ ትግራይ ክረጋገፅ ዝኽእል፡፡
    • ኣብ ዙርያ  እዙይ ዘሎ በዓል ሞያ እዉን ብዘይዝኾነ ምኽንያት ስራሕቱ ሐዚ ክዉግን ኣለዎ ፡፡
    • ትግራይ ነዳዲ  እንድሕር ዘይብላ ንምንታይ ምንጪ ኩሎም ኢነርጂ ኣብ ፀሓይ፤ማይን ንፋስን ዘይንሙርከስ ፤ መዓዝ ከእዩ ተፀኒዑ ናብ ተግባር ክእቶ ዝብል ክምለስ ዘለዎን ጎናጎኒ ክስራሕ ዘለዎን ንፅባሕ ዘይበሃል ጉዳይ እዩ ።

ሕራይ ዓይጋ፥ እዚ ፅሑፍ ክምልስ ምኽንያት ምድንጓየይ ይርደአኩም እዩ ኢለ ይሓስብ። ፃዕቒ ስራሕ፣ ምቁርራፅ ሓይሊ መብራህትን ከምኡ እውን ካልኦት ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ኣብ እንገብሮ ስራሕቲ ምትእጉጓል ከምዘብፅሐ ግሁድ ሓቂ እዩ። እዚ ክባ ንምፍንፃሕ ኣብ ፅዕፁዕ ልእኽቶ ኣብ ዘለናሉ ኩነታት ብፍላይ ድማ ን ፍሉይ ልእኽቶ ካብ ምዕራብ ግንባር ናብ ‘ቤት ፅሕፈት ሰንተራል ኮማንድ መቐለ’ ኣብ ዝመፃእኹሉ ግዘ እየ ከብራህርህ ፈቲነ ዘለኹ። እተን ዝተረፋ ሕቶታት ኣብ ቀፃሊ ግዘ ካብ ግንባር ክልእኽ ክፍትን እየ።

ትግራይ ትስዕር!

By aiga

2 thoughts on “ደሃይ ገድሊ ካብ ግንባር!”
  1. The world is silent on purpose, but not for the sake of finding sufficient proof, invoking a decisive measure toward bringing  culprits to justice-ICC. Children are left to die  from treatable diseases and man-made starvation  only because their land have no cultural, linguistic, and social ties with  past colonial masterswho observed no chance to  become a target of their economic interest-zero petrol or uranium to expand  their nuclear plant.  Unwilling  to respond to such kind of horrendous  act against humanity, a guilty/troubled conscience  seem to get a grip on the international community.

    Stop genocide and mass starvation in Tigray and Oromia and elsewhere in Ethiopia against any unarmed civilian.

Comments are closed.