ሓደ ኣለና ኢሎም
“ቴድሮስ! ቴድሮስ!” ክብሉ
“ኢድ ዘይህብ ጅግና”
ኢሎም ክዕልሉ፣
ትግራይ ዕጽፊ ጌርና፣
ድማይ ሠሊስናሉ።
ቴድሮስዶ ኣምሓራይ?
እንኡ ቅማንቲ ቋረይቲኮ እያ።
በደል ደጃት ውበ
ንምኽሓስ ብሞያ፣
ረገጾም ነምሓራ
ንጐንደር ብሓዊ ኣውዓያ!
ጀጋኑና ነልዕል
ንወድሶ ስሞም፣
ሠለስተ መራሕቲ፣
“ኢድና ኣይንሃብ!” ኢሎም
ርእሶም ዝረሸኑ፣
ትግራዎትና እዮም!
እስቲ ቑጸረለይ
መን-መን ክብል እየ?
ኣባ-ነብሶ – ኣስመላሽ፣
ምስ ኣባይ ፀሓየ፣
ድማ ስዩም መስፍን፣
ጀጋኑና ሃየ!
ብቑጽሪ፣ ብብዝሒ
ጸላኢ ኸቢቡ፣
ክዋጋእ ሓደረ፣
ጋንታታት ጸብጺቡ።
መውጽኢ ኸሊኡ
በለ፤ ‘ኢድኩም ሃቡ!’
ህድእ እሞ በለ
‘ቱ ተኹሲ ወጋሕታ
“ኣቲና ንሓዞም
ግንከ ብሰላሕታ!”
ኢሎም ሃሰስ፣ ደርገፍ፣
ብዓይኒ ቖላሕታ፣
ለካስ ጀጋኑና
ኢዶም ንኸይህቡ
ብምትእምማን፣
ቃል ከይትዛረቡ፣
ኣምሊጦም ጸንሕዎም፣
ሬስኦም ረኸቡ።
ጽዋእ ሞት ብኽብሪ፣
ቀርያ ዘይትቐሪ!
ድምብርጽ ከይበሉ
ከም ዳስ፣ መርዓ ጥሪ!
ሞት-ንሞታ ሓንቲ፣
ጭልጥ! ብዘይ ጻዕሪ።
ገ/ኢ. ጐርፉ።