ስራሕቲ ነብስ-ሔር ጋዜጠኛ ታኣምራት የማነ ኣብ እቶም ኣዝዮም ፀለውቲ ዝብሃሉ ጉዳያት ዘተኮረን ኣዝዩ ዓሚውቕ ምርምር ዝሓትቱን ዓውድታት ኣድማዒ ለውጢ ዘምፅአ ትጉህ ጋዜጠኛ ነይሩ።
ከም ኣብነት እንተጠቒስና እኳስ መደብ መእሙናይ ዘይንኳሕኩሖ ምሽጢር ውሻጠ ሕድሕድ ገዛውቲ ትግራይ ኣይነበረን ምባል ይከኣል። ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ተኮር ኣቀራርብኡ ምስ እቲ ዋና ኣድማፃይን ተረባሓይን እቲ መደብ ዝኾነ ክፋል ማሕበረሰብ ከም ማይን ፀባን ተሳንዩ ዝቐርብ ዝነበረ ምቁር መደብ ኣብ ጉዳይ ብፆታዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማት ክነውግዶም ዝግባእ ድሑራት ባህልታትን ኣተሓሒዙ ኣዝዩ ኣምሃሪ ዝበሃልን ዝሐሸ ግንዛበ ክንፈጥር ዝሓገዘን መደብ ኣላይን ኣቕራብን ነይሩ።
ኣብ ጉዳይ ፖለቲካን ማሕበረዊ ረኽብን ዓውዲ ድማ ረስኒ ፖለቲካ ኢህወደግ ክበላሸው እንተሎ ኣብዝሓ ምሁርን ተበላሓትን ትግራዋይ ፖለቲካዊ ስኽፍታ ፀልይዎ ስለ ግፍዒ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ፀረ ትግራይን ትግራወትን ዝስምዑ ዝነበሩ ፅልእታትትን ነዚ ዘፋኣእሙ ዝነበሩ ውሽጣውያን ሓይልታት መዓንጥኡ ሸጥ ኣቢሉ መሰል ሰለማውያን ዜጋታት ክኽበር ህይወቱ ኣረኪሱ ዝተከራኸረ ምዑት ጋዜጠኛ ነይሩ።
ነዚ ኣመልኪትና ኣብ ዝተፈላለየ ግዝያት ምስ እቲ ናይ ሽዑ ግዘ ሰበ ስልጣናት ኢትዮጵያን ካልኦት ፀለውቲ ውልቀ ሰባትን ዝገበሮም ቃለ መሕትታትን ሰፋሕቲ ትንታነን ክቐርቡ እዮም።

ነብስ-ሔር ጋዜጠኛ ታኣምራት የማነ ብ ህያው ስራሕቱ እናተዘከረ ኽነብር እዩ።

ዓይጋ

By aiga