ነባርን ሙኩርን ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ተሰንዩ።

10 መስከረም 1965 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ዝተወለደ ነባርን ሙኩርን ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ኣብ ድምፂ ወያነ ሓዊሱ ኣብ ብርክት ዝበሉ ሚድያታት ብሞያ ጋዜጠኝነት ሰሪሑ እዩ ።

ንዝረኣዩን ዘጋጠምን ሰብ ስራሕ ብድሆታት ፊት ንፊት ብምግፋጥ ምስ ጥረ ሓቅታት ብግልፅነት ደው ዝብል ሙኩር ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ብዝሓደሮ ሕማም ሕክምና ክከታተል ፀኒሑ ኣብ መበል 51 ዓመቱ ሎሚ ዓሪፉ ።

ሎሚ 3 ለካቲት 2016 ዓ/ም ድሕሪ ሰዓት ብርክት ብዝበሉ ፈተውቱ ዘመድ ኣዝማድ ናይ ሙያን ስራሕን መሓዝቱን ምሰናይ ኣሰኬሬን ሰነ ሰርዓት ቀብሩ ተፈፂሙ ኣሎ።

ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ክሳብ መወዳእታ 1990 ዓ.ም. ኣብ ድምፂ ወያነ ትግራይ ኣብ ትሕቲ መምርሒ ፕሮግራም ዝተፈላለዩ መደባት ብምስንዳእን ብምቕራብን : ኣብ ቢሮ ሓበሬታ ክልል ትግራይ ኣብ ምስንዳእ ክፍሊ ጋዜጣን መፅሄትን መቓልሕ ብደረጃ መደባት ምስንዳእ : ብመንግስቲ ኣመሪካ ብ USAID ኣብ ዝተመወለ ፕሮጀክት INTERNEWS ብኹሉ ቋንቋታት ኢትዮጵያ ኣብ ምክልኻል HIV ዘድሃቡ መደባት ኣብ ዝነጥፍ ትካል ኣብ መደብ ትግርኛ ኣብ ዘምህሩ መደባት “መእሙነይ” ዝከኣሎ ኩሉ ዝገበረን ዝሰርሐን።

ኣብ ዓይጋ ፎሮም ዝተፈላለዩ ማሕበረ ቁጠባውን ፖለቲካዊ መደባት ብምስራሕ እጃሙ ዘበርከተ: ኣብ “ገዛ ተጋሩ” ዘስመየ ፓልቶክ ንትግራይን ትግራዋይነትን ኣብ ዘበርኹ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ብቐረባ ብምዃን ሞያዊ እጃሙ ዝፈፀመን ዘፈፀመን : ብቤት ፅሕፈት ምክልኻልን ምቁፅፃርን ኤችኣይቪ ትግራይ ብምትሕብባር መፅሄት ብምድላው ንህዝብን ሕብረተሰብን ዘምህሩ መፅሄት ብምስንዳእ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ዘካየደ ፤ ኣብቲ መፅሄት “ኤችኣይቪ ኤድስ ንገሊኡ ስቓይ ንገሊኡ ሽሻይ!” ዝብል ርእሲ ብምሃብ ንኤችኣይቪ ኤድስ ንምክልኻል ተባሂሉ ዝተሰልዐ በጀት ብኣበልን ድግስን መልክዕ ምብታን ኣግባብነት ከምዘይቡሉ ዝሞጎተን ዘቃልዐን ነይሩ ።

ብ ፍላይ ኣብ ዓይጋ ፎርም ኣብ ዝዝርግሖም ዝነበረ እዋናዊ ዛዕባታትን ቃለ-ምልልሳትን ብዝተትሓሓዘ ኣብ ጎንደር ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዝተኻየደ ብ መንግስታዊ መሓውር እቲ ኽልል ዝምራሕ ዝነበረ ግፍዕታት ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብን እዋን ህፁፅ ኣዋጅ ክእወጅን ፀቕጢ ክፍጠር ብምግባርን እጃሙ ብዝግባእ ዝፈፀመ በዓል እኩብ ዓቕሚ ጋዜጠኛ ነይሩ።

ኣብ ምክልኻል ኤችኣይቪ ኤድስ ንማዕከናት ሓፋሽ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ሃገራውያን ማዕከናት ዜናን ክልላት ደቡብ ኦሮምያ ድሬዳዋ እንዳተዘዋወረ ሰፊሕን ዘምህርን ኣስተምህሮ ሞይኡ ብዘፍቅዶ ብግልፅነት ዘምሃረ’ዩ : ኣብ እዋን ክባን ዕፅዋን ብጉልባብ ሰዓት እቶ እቶ ኣብ 16 ቀበሌ ቀንፂሎም ዘርጊሖሞ ንዝሓደሩ ፋሉላት ሓይልታት ብምቅልዑ ስዒቡ ክሳብ ዓፅሚ እግሩ ዝስበር ዝተቐጥቀጠን ዝተኣሰረን’ዩ ነይሩ።

ጋዜጠኛ ተኣምራት የማነ ንታ ዝደልያን ኽገብራን ዝደልያ ከይብሉኒ ከይበለ ንኹሉ ከምነብሱን ስጉኡን ፀብፂቡ ዝሓትት ንዝረኸባ ተኻፊሉን ኣካፊሉን ዝነብር ናይ ገዛእ ርእሱ ሙቑሉል ህይወት ዝነብር ጋዜጠኛ ነይሩ።

ኣብ ሓኽፈን ሚድያ ሪፓርተር ጋዜጠኛ ኣብ ትግራይ ኮይኑ ሰሪሑ : ጋዜጠኛ ታምራት የማነ ኣቦ ሓደ ቆልዓ’ዩ ። ብዝሓደሮ ሕማም ንልዕሊ ክልተ ሰሙን ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ትካላት ሕክምና ሪምናን ዓይደርን ሕክምናዊ ሓገዝ ክከታተል ድሕሪ ምፅናሕ መስከረም 10 /1965 ዓ.ም ተወሊዱ ኣብ መበል 51 ዓመቱ ለካቲት 3/2016 ዓ.ም. ዓሪፉ።

ለካቲት 3/2016 ዓ·ም ሰዓት 9:00 ድሕሪ ቐትሪ ከባቢ ዕዳጋ ብዕራይ ቀበሌ 17 ኣብ ዝርከብ ቤተ ክርስትያን እንዳ ገብርኤል ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈፂሙ ።

ዓይጋ ብ ሃንደበታዊ ሕልፈተ ህይወት ጋዜጠኛ ታኣምራት የማነ ካብ ልቢ ዝተሰመዐና ሓዘን እናገለፅና ን መላእ ቤተሰቡን መሰራሕቱን ከምኡ እውን ፈተውቲ እቲ ትኩር ስርሑን ፅንዓት ንምነ።

ሰብ ዓይጋ

አዚ ህይወት ታሪኽ ካብ ማህደር ዓይጋ ፎሮምን፣ ድምፂ ወያነ ትግራይን፣ መሳርሕቱን ፈተውቱን ዝተቐድሐ እዩ።

By aiga