ስራሕቲ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ቐልጢፉ ብዘይምጅማሩ ኣብ መነባብሮና ከቢድ ፅልዋ ኣሕዲሩልና -ነበርቲ ከተማ ኣኽሱም

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ብወገኑ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ፅገና መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ፬ይ ኣኽሱም ዘካይድ ትካል ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ዕላዊ ክግበር እዩ ኢሉ።

ኣይተ ኣረጋዊ ጥላሁንን ወይዘሮ ኣለምፀሃይ ተኽሉን
ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ስራሕቲ ባህላዊ ኢደ ጥበባት ዝተዋፈሩ ነበርቲ እታ ከተማ እዬም ካብቲ ዝተዋፈርሉ ዓውደ ስራሕ ብዝረኽብዎ ኣታዊ መነባብርኦም ክመርሑ ዝፀንሑ ዋላ እኳ እንተኾኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ግን ኣብ ከቢድ ፀገም ከምዝርከቡ እዩ ዝዛረቡ።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ቀንዲ ፍልፍል ኣታዊኦም ዝነበረ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ካብ ግልጋሎት ወፃኢ ካብ ዝኸውን ልዕሊ ሰለስተ ዓመታት ምቑፃሩ ሲዒቡ እዩ ምዃኑ ይሕብሩ።

ቅድሚ ሐዚ ብመዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ገይሮም ናብ ከተማ ኣኽሱም ዝኣትው ዝነበሩ በፃሕቲ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ዝተፈላለዩ ውፅኢት ኢደ ጥበብ ይዕድግዎም ምንባሮም ዘዘኻኸሩ እቶም ወገናት እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ድሕሪ ዝበፅሖ ከቢድ ዕንወት ግን ካብ ስርሖም ዝረኽብዎ ዝነበረ ኣታዊ ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም ብምግላፅ ሓፈሻዊ ስራሕቲ ፅገና እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ቐልጢፉ ክጅመር ሓቲቶም።

መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣኽሱም ዓንዲ ሑቖ ፍልፍል ኣታዊ ቱሪዝም ከተማ ኣኽሱምን ብፍላይ ከም ትግራይ ድማ ብሓፈሻ ምንባሩ ዝገልፅ ድማ ቤት ፅሕፈት ባህልን ቱሪዝምን እታ ከተማ እዩ።

ብስንኪ እቲ ዝበፅሐ ዕንወት ቅድሚ ሐዚ ከተማ ኣኽሱም ካብ ቱሪዝም ትረኽቦ ዝነበረት ኣታዊ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከም ዘየለ ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ገ/መድህን ፍፁምብርሃን ገሊፆም።

ቴሌቪዥን ትግራይ ኣብ ጉዳይ መዕርፎ ነፈርቲ ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ ኣመልኪቱ መስከረም 23/2016 ዓ/ም ኣብ ዘቃልሖ ዜና ንዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ዘፈር ንግዲ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣይተ ለማየ ያደቻ ብስልኪ ኣብ ዝሓተተሉ ግዘ ብዝካየድ ጨረታ ፅገና ዘካይድ ትካል መስከረም 28/2016 ዓ/ም ዕላዊ ከም ዝግበር ምግላፆም ዝዝከር እዩ።

ብመሰረት እዚ ከይዲ እቲ ስራሕ ሓበሬታ ንምርካብ ቴሌቪዥን ትግራይ ናብ ዋና ኣፈፂሚ ስራሕ ዘፈር ንግዲ እቲ መንገዲ ኣየር ኣይተ ለማየ ያደቻ ደጊሙ ስልኪ ደዊሉ ኣብ ዝረኸቦ ምላሽ ተዓዋቲ እቲ ጨረታ ብዝግባእ ንምፍላይ ስራሕቲ ምፅፋፍ ክካየድ ምፅንሑ ገሊፆም።

ብምዃኑ ድማ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ስራሕቲ ፅገና ዘካይድ ትካል ዕላዊ ብምግባር ናብ ስራሕ ከም ዝእቶን ሓፈሻዊ ስራሕቲ ፅገና እቲ መዕርፎ ነፈርቲ ድማ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ንምውዳእ ትልሚ ከምዝተትሓዘን ገሊፆም።

ብክብሮም ተስፋይ

Tigray TV

By aiga