ፕረዚደንት ጌታቸው ረዳ ብፍሉይቲ ልኡኽ ምብራቕ ኣፍሪካ ሳኒ ሎን ሀርት/Sanne Lowen hardt/ ምስ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኔዘርላድስ ዘትዮም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ድሕሪ ኲናት ዘሎ ህሉው ኩነታት ፀጥታ፣ ምኽባር ሉኣላዊነት፣ ምምላስ ተመዛበልቲ ፣ሰብኣዊ ሓገዝን ብሓፈሻ ትግባረ እማመ ሰላም ውዕሊ ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ነቲ ጉጅለ ልኡኽ ዝርዝር መብርሂ ዝሃቡ እትኾን፣ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ብወገኑ መንግስቶም ኣብ ግዘ ኲናት ትግራይ ምስ ህዝቢ ትግራይ ከምዝነበሩ ብምግላፅ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ገፆም ናብ ትግራይ ክገብሩ ከምዝሕግዙ ቃል ኣትዮም እዮም፡፡

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ህልው ኩነታት ትግራይ ከምዝተዓዘበ ዝገለፀ እንትኾን መንግስቲ ኔዘርላንድስ ኣብ ቀይሕ መስቀል ዓለም/ICRC/ ልዑል ብፅሒት ስለዘለዎ ዘሎ ምንቅስቓስ ንምዕዛብን ብዋናነት ድማ ኣብ ትግራይ ዘሳልጦምን ኣብ ከይዲ ዝነበሩ ፕሮጀክትታት ልምዓት ሕርሻን ሆልቲ ካልቸርንን ምርኣይ መበገሲ እቲ ዑደት ከምዝኾነ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ፡፡

ፍልፍል -ቤት ፅሕፈት ፕረዚደንት

Tigray TV

By aiga