ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

መተሓሳሰቢ፥ ተዓዘብቲ ኣብ ልዕሊ ኣይተ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳን ብመሪሕነት ህወሓት ዝተጣየሸ ኣድሏዊ ጊዜያዊ ምምሕዳርን ዘስምዕዎ ናይ ተቓውሞ ድምፂ መራሕቲ ህወሓት ኮኑ ካድረታቶም የጋውሕዎ ምስ ዘለዉ ፀለመታት መበገሲኡ ኾነ ዓላምኡ ሓደ ከም ዘይኮነ ክኸውን ‘ውን ከም ዘይኽእል ክሕብር እደሊ። እዚ ማለት፥ ህዝቢ ንምድንጋር ዝዓለመ ተዘይኮይኑ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ንኣይተ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ብፍሉይ ዝኸስሉ ምኽንያት የብሎምን። ኣይተ ጌታቸው ከም ጊዚያዊ ምምሕዳር ዝሰርሓን ዘሎ ትግራይ ናብ ኢትዮጵያ ናይ ምርካብ ወሰንቲ ስራሕቲ ኩላተን መርገፂ ህወሓትን መራሕቲ ህወሓትን እየን። ስልጣኖም ዝተመንዝዑ መራሕቲ ህወሓት ወግሐ ፀባሐ ጌታቸው ንምፅላም ዘስምዕወን ዘለዉ ክስታት ኩላተን ሕዚ ‘ውን ህወሓት ዝፈረመቶ ተፈፃሚ ካብ ምግባር ወፃኢ ብውልቁ ዝሰርሖ ስራሕ የለን። ኣይተ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ‘ውን ተኾነ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ ንኻልኦት መራሕቲ ህወሓት ብሕዱር ኮነ ሕዚ ብዘሎ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ተሓተቲ ዝገብረሉ ምኽንያት የብሉን።

ኣይተ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ትማሊ ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ ኔይሩ ሎሚ ‘ውን ኣባል ላዕለዋይ መሪሕነት ህወሓት ‘ዩ። ብኻሊእ ኣባህላ፥ ኣብ መንጎ ኣባል መሪሕነት ህወሓት ዝኾነ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳን ካልኦት መራሕቲ ህወሓትን ዘሎ ስልጣን ናይ ምሕላውን ምምንዛዕን ማእኸል ዝገበረ ሕድሕዶም ናይ ምጥቕቓን ወፍሪ ክልቲኦም ህዝቢ ከእምነሉን ኣብ ጎነይ ከሰለፈሉን ይኽእል ‘የ! ዝብልዎ ሽርሒ ተዘይኮይኑ መራሕቲ ህወሓት ተሓተቲ ብዝኾንዎ ሕዱር ይኹን ህልው ገበን ኩሉ ጌታቸው ማዕረ ተሓታቲ በዓል ስልጣን ‘ዩ። ጌታቸው ተሓታቲ ‘ዩ! ብዝበሃለሉ ገበን ኩሉ ‘ውን ብፈርማኣ ህዝብን ዓዲን ዘጥፈኣት ህወሓት ከም ውድብ ተሓታቲት ‘ያ። ብምዃኑ ድማ፥ ኣይተ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ካብ ሎሚ ዕለት ጀሚሩ ካብ ህወሓት ተፈልየ ኣለኹ! ክሳብ ዘይበለን ህወሓት ብተመሳሳሊ ንጌታቸው ኣወጊደዮ ኣለኹ ኢላ ብዕሊ ክሳብ ዘይገለፀት ሰዓት፥ ውድቀት ኣይተ ጌታቸውን ጊዜያዊ ምምሕዳርን ውድቀት መራሕቲ ህወሓት ‘ዩ፤ ውድቀት መራሕቲ ህወሓት ብተመሳሳሊ ውድቀት ኣይተ ጌታቸውን ጊዜያዊ ምምሕዳር ምዃኑ ክሕብር እፈቱ። ገዲም ናብ ሓተታና ንእተው።

ሐተታ፥ ኣብ ታሪኽ ትግራይ ኮነ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ “ቤት ምኽሪ” ዝበሃል ገዛ፥ ፖለቲካዊ መሳርሒ ናይቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ንነፍሱ ውስጠ ዲሞክራሲ ዘይብሉን ዘይፈልጥን፣ ዓማፅን ዓምፃፅን ፖለቲካዊ ውድብ ኮይኑ ውድባዊ ስራሕቲ ዘከናውን ድኣምበር ከም ትካል ትካላዊ መስርሕን ኣሰራርሓን ሃልይዎ ብሕግን ብስርዓት ዝሰርሕ መንግስታዊ ትካል ኮይኑ ኣይፈልጥን። እቲ ሓቂ እዚ ተዘይኸውን ነይሩ፥ ደብረጽዮንን ጌታቸውን ዝሓዝዎ ዘይብሎም ዘረፍ! እናበሉ ትግራይ ኣብ መዋእል ታሪኻ በዚ ብርኪ ገጢምዋ ንዘይፈልጥ ፅንተትን ዕንወትን ኣይምተዳረገትን፤ መራሕቲ ህወሓት ‘ውን ተኾኑ ዓቕሚ ረኪቡም ስልጣኖምን ረብሖኦምን ንኽሕልዉ ዝገበርዎ ንኽገብሩ ዓቕሚ ኣይምረኸቡን ኔይሮም። ትግራይ፥ ኣብ መሬት ዘየለ ናይ ሸፈጥ “ቤት ምኽሪ” ሒዛ፥ ኣዮኹም ናይና! እናበለት ክትለሀን ሸኮርተት ክትብልን ዘባኸነቶም ናይ ስራሕ ዘበናት ዝተልዓለ ግን እነሆ ሎሚ ኣብ መዓንጥኣ ኣትዩ ዝሕመሳ ዘሎ ገባሪ ኽፉእ ዝኾነ ሰይጣን ብቐሊሉ ንኸይወፅእ ገይርዎ ዝርከብ። ከመይ? ንዝብል ናይ ለባማት ሕቶ ምስ ዝለዓል፥ ሓሳባይ ከምዚ ዝስዕብ ከረድኣ።

ናይ ጌታቸው ይኹን ናይ ውድቡ ሓሳብ ከም ሓሳብ ንነፍሱ ንጌታቸው ጥራሕ ‘ዩ ከእምኖ ዝኽእል ድኣምበር፥ ንዓይ ከእምነኒ ይኹን ክረብሓኒ ኣይኽእል። ንዓይ ዝረብሓኒ ናተይ ዝበሎ ሓሳብ ‘ዩ። ኣንባቢ ሓሳብ ኣለኒ ኢሎም ዝኣምኑ ተኾይኖም፥ ብተመሳሳሊ ንዕዖም ዝረብሖም ሓሳብ ናቶም ሓሳብ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል። እዚ ማለት፥ ወዲ ሰብ ከም ቁፅርናን መልክዑን ሓሳብ ዘለዉ ፍጥረት ምዃኑ ‘ዩ ዝረደኣና። በዝሒ ህዝቢ ትግራይ፥ ሽዱሽተ ይኹን ትሽዓተ ሚልዮን ሕድሕዱ ሓሳብ ዘለዎ ‘ዩ እኳ ተዘይተብሃለ ዓሰርተታት ኣሸሓት ሓሳብ ክህልው ከም ዝኽእል ግን ኣየተሓትትን። ሕዚ ‘ውን ተኾነ ግን፥ ከም ህዝቢ ዝተማእኸለ ፍትሓዊ ዝኾነ ሓበራዊ ምሕደራ ክህልወና ዝኽእል፥ እዚ ዝበሃል ዘሎ ቁፅሪ ብተናፀል እናውልብለብካ ዘይኮነ የግዳስ መድረኽ ምስ ዝፍጠር ኣሸሓት ሓሳብ ብምምይጥን ምርድዳእን ሓደን ክለተን ተባሂሎም ክፀርዩን ክግለፁን ዝኽእሉ ብምኳኖም ብውክልናን ናይ ኩሉ ይሁንታ ሃልይዎ ብንፅሕፎን ብነፅድቖን ሕግን ስርዓትን ተገዛእቲ ብምዃን ይኸውን ከም ህዝቢ ስልጡን ምሕደራ ሃልዩና ናብራና ብሰላም ክንመርሕ እንኽእል። ትርጉም መንግስትነት እዚ ‘ዩ። ሓደ መግለፂ ሓበራዊ ምሕደራ ዝኾነ ቤት ምኽሪ ማለት ‘ውን ተኾነ ብኸምዚ መልክዑ ናብ ህልውና ዝመፅእ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝኾነ ፍትሓዊ መንግትነት ሓደ ኣካል ‘ዩ። ንምንታይ? መንግስትነት ንህዝቢ ድኣምበር ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓሳብ መሰረት ጌይሩ ትኾነኒ እኻ! ኢሉ ዝመርፆ ህዝቢ ንኽስልጥን ስለ ዘይኮነ። ብተወሳኺ፥ ተልእኾ ሓደ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ዝቕመጥ በዓል መዚ ሓላፊነቱ ሰሪሑ ንኸስርሕ ‘ዩ። እዚኣ ክገብር ተዘይክኢሉ ኸ? እታ መንበረ ስልጣን ንዝኽእሉ ኣረኪቡ ከም ሰቡ ተወዳዲሩ ኣብ ዝረኽቦ ናይ ስራሕ ቦታ ተቐሚጡ ናብርኡ ይመርሕ። እዚ መን ይገብሮ? ናይ ውድብ ሓሳብ እናኾምሰዓ ኢድካ ኣውፅእ ክበሃል ከሎ ኢዱ ዘውፅእ፣ ኣውርድ ክበሃል ከሎ ዘውርድ፣ መወዳእታ ብዘይብሉ በዝሒ ዘረባ ህዝብን ዓድን ዘድከመ፣ ነፍሱ ኽኢሉ ክሓስብ ዘይኽእል፣ ራእይን ዓላማን ዘይብሉ ዝለመሰን መዋለዲ ድኽነትን ዝኾነ ገዛ ገብራይ (ናይ ሓሶት ቤት ምኽሪ) ዘይኮነ የግዳስ ኣብ ትካላዊ መስርሕን ኣሰራርሓን ዝኣመን ሓቀኛ ዝኾነ ቤት ምክሪ ምስ ዝቋቋም ጥራሕ ይኸውን (ማዕርነት ፖለቲካዊ ውድባት ዘረጋገፀ ሓቋፋይን ኣሳታፍን ካውንስል)።

መራሕቲ ህወሓት ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ህዝቢ ትግራይ በዓል ዋና ስልጣን ንኸይከውን፣ ንኸይቆፃፀሮምን ብስርሖም ተሓተቲ ንኽይገብሮምን፣ ተቓሊስና ዘምፀናዮ ስልጣን ‘ዩ! ዝብልዎ ፖለቲካዊ ስልጣን ንውልቃዊን ቡድናዊን ረብሓታቶም ንምውዓል ዓሊሞም ብዝግባእ ኣብ ተግባር ካብ ዘውዓልዎም ኮሚኒስታዊ ትምህርትን ምኽርን ሓደ፥ ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ ውክልና ንኸይህልዎ ክገብርዎ ብምኽኣሎም ‘ዩ። ብኸመይ? ንዝብል ሕቶ፥ ብሽምን ሽፋንን ትግራይን ሰውኣት ትግራይ መንግስትነት ብሒቶም ገበርትን ሓደግትን ኮይኖም ዝፀንሑን ዘለዉን መራሕቲ ህወሓት፥ ናይ ሓሶት ቤት ምኽሪ ኣጣይሾም ብጉልባብ ሕጊ ህዝብን ዓድን ዓሚፆም ክገዝእዎ ብምኽኣሎም

‘ዩ። እዚ ሎሚ ኣብ ዝባን ህዝቢ ትግራይ ዝወረደ ሞትን ጥፍኣት ‘ውን ተኾነ መንቀሊኡ እዚ ናይ ሓሶት ቤት ምኽሪ ኣጣይሹ ብሓሶት መንግስቲ ‘የ! እናበለ ድሕሪ ምፅንሑ፥ “መንግስትነት” ውክልና ህዝቢ ብዘይብሎም ውልቀሰባት ፌርማ ዘፍረሰ ውድብ ህወሓት ምሕሳብ ደው ምባሉ ስዒቡ ዝገጠሞ ፖለቲካዊ ውድቀትን ስብራት ውፅኢት ‘ዩ። እምበኣርከስ፥ እዛ ንዝሓፉ 30 ዓመታት ዝተሃንፀት፣ ረብሓ ህዝባ ዘይንታያ፣ በፃብዕቲ ንዝቑፀሩ መሳፍንቲ ትግራይ መሳሰይት ኮይና ዝመፀት ትግራይ፥ ብሓቂ መንግስትነት እትፈልጥ ትግራይ ኮይና ዘይኮነትስ ብተቓራኒኡ ሓደ ናይ ፖለቲካ ውዳበ ምስ ዝኸስር በዚ ብርኪ እትኸስር ትግራይን ዝኽስር ህዝቢ ትግራይን ‘ዩ ዝተፈጥረ። ናይ ሎሚ ሕቶ፥ ካብዚ ዕንክሊል ድኽነትን ሕሰምን ዘይፍለዮ፣ ንሞትን ጥፍኣትን ህዝብና ምኽንያት ዝኾነ፣ በተኽ ፖለቲካ ትግራይ ከመይ ንፋታሕ? ከም ህዝቢ እንታይ ተገበርናን በየናይ መንገዲ ተኸድናን ‘ዩ ዘዋፅኣና? እቶም ዝተረፍና ‘ውን ተኾና ክንተርፍ እንትኽእል እንታይ ተገበርና ‘ዩ? ዝብል ከም ዝኾነ ይኣምን።

ርግፅ፥ ጊዚያዊ ካውንስል/ቤት ምኽሪ (ዝወሃቦ ስም ብዘየገድስ) ክበሃል ከሎ ምስቲ ብድምፂ ህዝቢ ዝጣየሽ ሕጋዊ ትካል ወይ ድማ ቤት ምኽሪ ዝዋረሶ ዓላማታትን ተልእኾታትን ከም ዘለዎ ኹሉ መሰረታዊ ዝኾነ ኣፈላላይ ከም ዘለዎ ምርዳእ ከድሊ ‘ዩ። ብመሰረቱ፥ ካውንስል/ጊዚያዊ ቤት ምኽሪ ውፅኢት ዘይተለምደ/ዘይንቡር ኩነታት ከም ዝኾነ ንስሕቶ ኢና ዝብል እምነት የብለይን። ዓላምኡን ተልእኽኡን በተመሳሳሊ፥ ህዝብን ዓድን ካብ ዘለውዎ/ኣትዮውምዎ ካብ ዝርከቡ ዘይተለመደ፣ ዘይንቡር፣ ሕውስውስ ዝበለ መሻቐሊ ኩነታት ንምውፃእ ዝዓለመ ‘ዩ። ተኾነ፥ እቲ ዝጣየሽ ካውንስል ዓብላላይነት ሓደ ውድብ ናይ ምርግጋፅ ጉዳይ ዘይኮነ የግዳስ ናይቲ ሕዚ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩለመዳያዊ ፀገም ተኻፈልቲ ዝኾና ሰብ ድርሻ አካላት ብፍላይ ኣብ ሓሳብ ማእኸል ገይረን ዝተጣየሻ ፖለቲካዊ ውድባት ማዕረ ዝኾነ ድምፂ ሃልይወየን መወፃፅኢ ንኽፍጠር ሓቢረን ንኽሰርሓን ንኽውስናን ‘ዩ። ኣድላዪነት ምጥያሽ ካውንስል/ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ኣብ ምፍታሕ (ሕግን ሥርዓት ንክኽበር፣ ሰላምን ፀጥታን ህዝቢ ምሕላው) ጎኒ ንጎኒ ፅባሕ ኩላ ከከም ዓቕማ ጎይያ ንመንግስትነት ትበቕዐሉ ጥጡሕ ባይታ ንምፍጣር ዝዓለመ ድኣምበር ኣብዚ ሕዚ ሰዓት መንግስቲ ተኪኡ ዝሰርሕ ውድብ ሃልዩ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ፥ ሎሚ ዝተሳኸዓ ካውንስል ምስ ዝጣየሽ ፅባሕ ብውፅኢቱ ህዝቢ ኣንፃራዊ ሰላም/ናብ ስሩዕ ናብርኡ ተመሊሱ ኣብ ዝህቦ ድምፂ ስዒቡ፥ 51% ድዩ 71% ዓብላልይ ድምፂ ረኺቡ መንግስትነት ዝምስርት ውድብ እገለ ይወከል እገሊት ኣይተወከለትን ኢልካ ዘረባ ኣይህሉን ‘ዩ። ስለዝኾነ ድማ፥ ዓላማን ተልእኾን እዚ ሕዚ ክጣየሽ ዝድለ ዘሎ ካውንስል ትግራይ ብንፁር ምስ እንርዳእ ከዋጥጥ ኣብ ዘይግበኦ እናተዋጠጥና ዝባኽን ጊዜ ኣይህሉን። መራሕቲ ህወሓት 50+1 እናበሉ ከም ደርሆ ዓውደ-ኣመት ዘዕገርግሮምን ዕንክሊል ዘብሎምን ዘሎ ምኽንያት ‘ውን ተኾነ ኣይንስሕቶን ኢና። ንዓዓቶም ክጥዕሞም ተባሂሉ ግን ገዲም ትግራይ ኣብ ተመሳሳሊ ደልሃመት እትኣትወሉ ምኽንያት የለን፤ ኣይክህሉን ድማ ‘ዩ።

ሕዚ ‘ውን ተኾነ ግን፥ ኣድላይነትን ዓላማን ምጥያሽ ናይዚ ካውንስል፥ ወይዘሮ ኣሚናን ወዘይሮ መድህንን፣ ቐሺ ተኽላይን ሓጂ ዓብዱን ወጣሕ ኢሎም ዝረኣይሉ መድረኽ ንምፍጣር ዝዓለመ ኣይኮነን። ሕርያ ተሳተፍቲ ሰብ ድርሻ አካላት ኾይኖም ተመጽዮም ፅቡቕ! ተዘየለ ግን፥ እዚ ካውንስል ህልው ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ውሽጢ ዘየእተወ ሕትኹትኽ ተዘይፅመድ ይምከር። ረቋሒና፥ ከም ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኣለና ከመይ ጌርና ካብ ዘለናዮ ሕማቕ ኩነነታት ንወፅእ፤ እዚ ክገብር ዝኸእል ሓሳብ ዘለዎ ትግራዋይስ መን ‘ዩ? ኣበይ ንረኽቦ? ብኸመይስ ተሳታፋይ ይኸውን? ዝድለ ውፅኢት ንኽርከብ (ሰሪሑ ዘስርሕ ባይታ ንምፍጣር) እንታይ ንግበር? ዝብል ‘ዩ ከኸውን ዘለዎ። ቁፅሪ ተወከልቲ ደቂ ተነስትዮ፣ ሓረስታይ፣ ነጋዳይ ወዘተ ‘ውን ተኾነ ከም ወሳኒ ረቋሒ ተገይሩ ኣብ ካሊእ ዕንክሊል ተዘይንእተው። ዓላማ ናይዚ ካውንስል ብቐፃሊ ናይ ፆታ ማዕርነት ሓዊሱ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝኾነ ፍትሓዊ መንግትነት ዝሰልጠነላ ምዕርይቲ ትግራይ ምፍጣር ዝዓለመ ‘ዩ።

ምዕርይቲ ትግራይ ንምፍጣር ኣድላዪነቱ ተኣሚንሉ ንኽጣየሽ ዝድሎ ዘሎ ካውንስል/ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ተፈጥሮአዊ ባህሪኡ ከምቲ ኣብዝሓና ሕዝብና ካብ ቅንዕና ዝተዓለ ዘንፀባርቖ ዘሎ ሓሳብ ዘይኮነ የግዳስ ብፍሉይ ናይ ፖለቲካ፣ ናይ ሕጊ፣ ናይ ቁጠባ፣ ናይ ፖሊሲ፣ ስነ ህዝብን ምሕደራን ወዘተ ትምህርቲ፣ ስልጠና፣ ተመክሮን ናይ ስራ ልምድን ዘለዎም ፖለቲከኛታት፣ ምሁራትን ሰብ ሞያታትን ዘተኣኻኸበ ‘ዩ። ብኸምዚ መልክዑ ዝጣየሽ ካውንስል ሓቋፋይን ኣሳታፋይን ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ሰብ ድርሻ አካላት ዓላምኡ ድምፆም ክስማዕ ስለ ዘለዎም ‘ዩ። ብኣመዛኒኡ እቲ ስራሕ ግን ናይ ፖለቲከኛታት፣ ናይ ሙሁራትን ሰብ ሞያታትን ‘ዩ። ብምኻኑ ድማ፥ ሎሚ ሕቶ ኾይኑ ክቐርብን ክለዓልን ዘለዎ ናይ ፆታ ሕቶ ዘይኮነ ብቐንዱ ግን፥ ገመድን መሳልልን ኮይኑ ካብዚ ከም ህዝቢ ኣቲናዮ ዘለና ጓድጓድ ከውፀኣናን ክገላግለናን ዝኽእል ሓሳብ ዘለዎ ትግራዋይ፥ ካበይ፣ ኣበይ፣ ብኸመይ ንርከቦ? እዚ ዕድል እዚ ከመይ ንጠቐመሉ? ‘ዩ እቲ ቐንዲ መበገሲና ክኸውን ዘለዎ።

ካሊእ፥ እዚ ሕዚ ክጣየሽ ዝድለ ዘሎ ካውንስል ህልው ኩነታት ትግራይ ብሓባራዊ ውሳነ ንምልዋጥን ናብ ንቡር ንምምላስን ድኣምበር፥ ጌታቸው ካሕሳይ ረዳ ብጉልባብ ካውንስል ኣብ ስልጣን ንኽኸርም ተባሂሉ ትግራይ ኣብ ደልሃመት ጥሒላ ንኽተርፍ ‘ውን ኣይኮነን። ምናልባት ‘ውን፥ ምጥያሽ ናይዚ ካውንስል ዓሊሙ “ደንጒና ‘ውን ተኾነ ህዝቢ እናትሓተቶ ዝመፀ ‘ዩ” ዝብል መደናገሪ ፕሮፓጋንዳ (ስልጣንካ ንምንዋሕ ተሓሲቡ ዝተምሃዘ ተኾይኑ ‘ውን) ከምዚ ዝበለ ድሑር ሽርሒ ንምፍሻል (ከም ህዝቢ መሊኡ ከየቃበፀናን ከየጥፈኣና ተተደልዩ) ዕድመ እዚ ዝጣየሽ ዘሎ ካውንስል ኮነ ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገዲም ካብ ሽዱሽተ ወርሒ ንላዕሊ ንኸይፀንሕ ብምግባር ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ ነፃን ፍትሓውን ዝኾነ ምርጫ ኣብ ትግራይ ንኽካየድ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምልዛብ ትግራይ ብህዝቢ ዝተመርፀ መንግስቲ ንኽህልዋ ምግባር ‘ዩ። እዚኣ ንምግባር ግን ኩሉ ትግራዋይ ኣብ ዘሃለወ ይሃልው ዕማም ምጥያሽ ናይዚ ካውንስል ከም ዝምልከቶ ፈሊጡን ተረዲኡን ይውክሉኒ ‘ዮም! ኢሉ ብሕርይኡ ዝልእኾም ውልቀሰባት በዞም ዝስዕቡ መመዘኒ ረቋታት ንኽምዝኖም ይምከር፥

· ቅድም ቀዳድም ዓርሰ እምነት ዘለዎን ርእሱ ኽኢሉ ክሓስብ ዝኽእል፣

· ዝወሃቦ ህዝባዊን ሀገራዊን ሓላፊነትን ሓደራን ብጥቕምን ብኻልእን ከይሸርሸረን ከየዕበረን ስርሑ ዝሰርሕ፤

· ገደብ ስልጣኑ ፈሊጡን ተረዲኡን ህዝብን ዓድን ንምድሓን ኣብ ዝግበሩ ውሳነታት ዝወሃቡ ስልጣን ሙሉ ብሙሉ ካብ ምጥቃም ዘየማትእ፤

· ኣንፈት ንፋስ እናረኣየ ብውሳኔታቱ ዘወላውል ዘይኮነ ብነገራት ዝበሰለን ሙሉእ መረዳእታ ዘለዎን፤

· ሕቶን ጠለብን ህዝቢ ተረዲኡ ኣብ ሕግን ስርዓት መሰረት ዝገበረ ማሕበረሰባዊ ፍትሕን ለውጥን ክገብርን ከምፅእን ዝኽእል፣

· ነዚ ሕዚ ዘሎ ሓድሽ ወለዶ ትግራይ ዝምጥን ኣተሓሰስባ ዝወነነ፣

· ይበሃል ኣሎ! ብዝብል ዘይኮነስ ኩነታት ዓለም ብጭቡጥ ተረዲኡ ኣንፈትን መሰረትን ትግራይ ኣብ ምምዕርራይ ኣበርክቶ ዝገብር ዝኽእል፤

· ጭቡጥ ኩነታት ትግራይ ብአግባቡ ዝተረደኣ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ መፍትሒ ናይ ምምፃእ ዓቕሚ ዘለዎ፣

· ትግራይ ሎሚ ‘ውን ከም ቁሸት ዘይኮነትስ ኣካል ማሕበሰረብ ዓለም ገይሩ ናይ ምርኣይ ዓቕምን ተኽእሎን ዘለዎ፤

· ህዝብን ዓድን ዘድከመ ሕትኹትኽ ፖለቲካ ትግራይ ዝፅየፍ፤

· ምስ ካልኦት ሓቢሩ ተሳኒዩ ክሰርሕ ዝኽእል፤

· ኣነ ጥራሕ ዝበልክዎ ካብ ዝብልዎ ሕማማ ዝተገላገለ፤

· ብልጫ ኣብ ዘለዎ ሓሳብ ዝኣምን፤

· ብሓሳብ ምስ ዝሰዓር ስዕረቱ ኣሜን ኢሉ ዝቕበል፤

· ብሓሳብ ምስ ዝሰዓር ሰዓራይ ሓሳብ ደጊፉ ደው ናይ ምባል ፀገም ዘይብሉ፤

· ሃይማኖቱ ይኹን ፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ ብዘየገድስ ንዓይ ዘገድሰኒ ሃለዋትን ደሕንነትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ‘ዩ! ኢሉ ዝኣምን፤

· ዘይንቡር ኩነታት ትግራይ ኣብ ግምት ዘእተወ ዘርፊ ብቑዕ ትምህርቲ፣ ሞያ፣ ክህሎትን ስልጣንን ዘለዎ፤

· ስልጣን ናይ ስራሕ ቦታ ድኣምበር ርስቲ ጌይሩ ዘይውስድ፤

· ብሕጊ ንዝቕመጥ ገደብ ስልጣን ኣኽቢሩ ንኻሊእ ሰራሕተኛ ናይ ምርካብ ደሌት ዘለዎ ትግራዋይ ክኸውን ይግባእ ይብል። ንምንታይ? ወይዘሮ መድህን ይወከላ ወይዘሮ ፈትሕያ፣ ሓጆ ዓውዱ ይወከሉ ቐሺ ካሕሳይ፣ ካብ ዲያስፖራ ይምፃእ ካብ ስንቃጣ፣ ሳይንትስት ይኹን ዓዃይ፥ ኢድ ከውፅእ ይኽእልዶ ኣይኸእልን? ዘይኮነ እቲ ነገር የግዳስ፥ ሽርሕን ተንኮልን መራሕቲ ህወሓት ብትኽክል ተረድኢዎ ሕቶ ክሓትት ይኽእልዶ ኣይኽእልን? ዝተፀንዓ ክፍኣቶም ተረድኢዎ ሽንጡ ገቲሩ ብፍልጠት ጥርሖም ከትርፎም ይኽእልዶ አይኽእል? ሓሳብ አለዎዶ የብሉ? ሁልው ኩነታት ትግራይ ብቕጥዑ ተረዲኡ ናይ ሎሚ ዘይኮነ መፃኢ ወለዶ ትግራይ ርእዩ ናይ መፍትሒ ሓሳብ ከምፅእ ይኽእልዶ ኣይኽእልን? ዝብል ሕቶ ጥራሕ ‘ዩ ሕዚ ዘገድስ። ንኹልና ከገድሰና ዝግባእ ‘ውን እዚ ‘ዩ።

ብዝተረፈ፥ ትግራይ ካብቲ ሕዚ ኣትያቶ ዘላ ጓድጓድ ክትወጽእ ተኾይና እዞም ትማሊ ነዚ ጓድጓድ ዝፈሓሩ ሓሳብ ኣልቦ ሰባት (እኒ ደብረፅዮንን ጌታቸውን) ሒዛ ዘይኮነት የግዳስ ጌታቸውን ደብረፅዮንን ከም ሰቦም ተሓተተ ዝገብር ኣብ ሕግን ስርዓት መሰረት ዝገበረ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኣብ ሓፂር እዋን ክንተክል ተተኻኢሉ ጥራሕ ይኸውን። ትግራይ ከምዚኣ መፃወቲ ሸራፋትን ጓህማማትን ንኽትከውን ዝገበረ ድሑር ጉሕሊ ፖለቲካዊ መሪሕነት ትግራይ ብስርሑ ተሓታቲ ንክኸውን ተገይሩ ካብ ሕጊ ንታሕቲ ኾይኑ ዝነብረላ ትግራይ ምፍጣር ተዘይተኻኢሉ ድማ እዚ ኹሉ ውፃእ ውረድ ድኻም ጥራሕ ኮይኑ ዝተርፍ። ጎበዝ፥ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ፈፂሙ ከም ዘይተወልደን ከም ዘየነበረን ደሙ ከም ደም ከልቢ ኣፍሲስካን ኣጥፊእኻ ደርሆ ከም ዘይጠፍኣካ ኾይንካ ሎሚ ‘ውን፥ መን ከማና! ዝብልዎ ነገር ዘይኮነ ንዓይ ዝገርመኒ የግዳስ፥ እዚ ኸምዚ ዝበለ አረመኔያዊ እምነትን ኣተሓሳስባን ማሕበረሰብ ትግራይ ንቡር ጌይሩ ንኽቕበሎ ዝስርሓ ዘሎ ስራሕ ንዓይ ካብ ኣእምሮ ንላዕሊ ‘ዩ። ዘጥፍኡናን ንጥፍኣትና ምኽንያት ዝኾኑን ሰበ ስልጣናት ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ጎንደርን መቐለን ኣብ ኢዶም ናይ ብረት ሰንሰለት ኣትይዎም ብዘርኢ ምጥፋእ ተኸሲሶም ኣብ ቅድሚ ሕጊ ደው ኢሎም ህዝቢ ስለ ዘይረኣዮም ጥራሕ ህዝቢ ትግራይ፥ ዝሞተን ዝጠፍኣን የለን! ኢሉ ንኽኣምን ምድላይ መራሕቲ ህወሓት ንስልጣን ዘለዎም ደሌትን ባህግን ክሳብ ከንደየናይ ዓሚቕ ምዃኑ ጥራሕ ዘይኮነ ሎሚ ኾነ ፅባሕ ዕድል ተረኺቦም በተመሳሳሊ ካሊእ ገበን ካብ ምፍፃም ንድሕሪት ዘይብሉም ምኻኖም ‘ዩ ዘርእይ። እቲ ሓቂ፥ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ዓድን ገበን ዝፈፀመ በዓል ስልጣን ሕዚ ስልጣኑን ጉልበቱን ተጠቒሙ ዘምለጠ ክመስሎ ይኽእል ‘ዩ። ሓንቲ መዓልቲ ግን፥ ዋላ ‘ውን ዓዲ ውዒል ኮይኑ (ኣብ ቃሬዛ ተፀይሩ ‘ውን ተኾነ) ብዝሰርሖ ገበን ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቡ ተሓታቲ ካብ ምዃን ኣይተርፍን። ጠፊኡ ዘሎ ህዝቢ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ‘ዩ። እዚኣ ከም ዘይተፈጠረት ጌይሩ ንነፍሱ ኣእሚኑ ህዝቢ ኣብ ምእማን ፀሚዱ ዝርከብ ሕሱር ፖለቲካዊን ወታደራዊን መሪሕነት ትግራይ ብሕጊ ተሓተቲ ንክኾኑ ዝሓቶ፥ ናይ ህዝቢ ብህዝቢ ንህዝቢ ዝኾነ ፍትሓዊ መንግትነት ዝሰልጠነላ ትግራይ ምፍጣር ‘ዩ።

By aiga