ሕወሓት ሎሚ ዘላትሉ ኩነታት ዕንይንይ ዝገልፆ ኣይኮነን። እቲ ዘላትሉ ሓቃዊ ባይታ ሓንቲ መኪና ኮምፓሳ ጠፊእዋ ፣ ነዳዲ ወዲኣ ፣ ሞዴላ ኣሪጉ ዓደግቲ ናብ ካልኦት ሞዴላት ምቁማት ኣብ ዝኣተዉሉ ዘበን ዘላ ፣ ሰብ ዋናኣ’ውን ገለን እታ ዘላ ንምቕፃል ገለ ካዓ ንምቕያር ኣብ ዝዋጠጡሉ እዋን ዘላ ትመስል። ብሓደ ወገን እቲ ዝፀንሐ ኣካይዳ ምቕፃሉ ዘርበሖም ኣካላት ነቲ ዝሓዝዎ ከይለቁ ወይ ድማ ታሓተቲ ከይኾኑ ፣ ብኻልእ ወገን ካዓ እቲ ዝፀንሐ ኣካይዳ ዝተፈንፈነ ምዃኑን ፣ እቲ ዘሎ ኩነታት እንተቐፂሉ’ውን እቲ ውድብ ናብ ዝገደደ ዓዘቕቲ ከም ዘእትዎም ዝፈልጡ ሓይሊታትን ዝግበር ናይ ገመድ ጉትት ይመስል። ከም’ቲ ትግራይ ዘሕለፈቶ ናይ ፅንተት ኲናት ዘተኣናገደት ዝኾነት ትኹን ዓዲ ወይ ውድብ መሪሕነታ ናብ ከምዙይ ዝበለ ኰነታት ምእታዉ ዝገርም ከይኽውን ይኽእል እዩ። ቅድሚ’ቲ ኲናት ይኹን ኣብ’ቲ እዋን ኲናት ዝተፈጠሩ ጌጋታትን ኣፈላላያትን ምስ’ቲ ዝበፅሐ ግፍዒ ታሓዊሱ ናብ ጣዕሳን ሓዱሽ ሕቶን ስለ ዘእቱ። እቲ ዝገርም ግና ናብ’ቲ ኹነታት ንምእታው እቲ ክሳዕ ሕዚ ዛሓዝኩዎ ቅዋምን ዝተኸተልኩዎ መንገዲን ምኽኒት ከይኸውን ኢሉ ንኽፍትሽ ድልየት ዘለዎ መሪሕነት ዘይ ምህላዉ እዩ። ናብ’ዚ ከመይ ኢልና መፂና? ክንዲ ጨጉሪ ርእሲ ዝኾኑ ፀላእቲ ፈጢርካ እንትተብቅዕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኢድካ ናብ መቐለ ምሽምራር ግቡእ ኔሩ ዶ? እቲ ኲናት ክነትርፎ ወይ ካዓ እቲ ዝተኸፈለ ዋጋ ክንቕንሶ ዶ ንኽእል ኔርና? እቶም ዝተራእዩ ናይ መሪሕነት ጌጋታት ንምንታይ ተፈጢሮም? ንምንታይ ብዘይ ፈታዊ በይንና ተሪፍና? ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ’ቲ ውድብ ብዘለዉ ሰባት ከይተረፈ ክልዓሉ ይግባእ። እዚኦምን ከም’ዚኦም ዝበሉን ጉዳያት ዝዝተየሉ መድረኽ እንተ ዘይተፈጢሩ ኩነታት እናኸረሩ ፣ ሓታትይ’ውን እናበዝሐ ይኸይድ። ዝተሰርሑ ጌጋታት ብዙሕ ዋጋ ዘኽፈሉና ምስ ምዃኖም ከምኡ’ውን እቲ ሓደጋ መሊኡ ስለ ዘይተፈትሐ ካዓ ንሕዝቢና ናብ ሻቕሎትን ተስፋ ምቑራፅን የእትዎ ፣ መናእሰያትናን ምሁር ሓይሊናን ናብ ስደት ይዳርግ። እምባኣር ነዊሕ ኣማታይ መሪሕነትን ብልሒን ኣዝዩ ተደላያይ ኣብ ዝኾነሉ እዋን ኣለና። ከም’ዙይ ዝበለ ዝልዓለ ዓቕሚ ዘለዎ መሪሕነት ብዘይምህላዉ እቲ ዝዓበየ ዛዕባ ንጎኒ ገዲፍካ ኣብ ጓል መንገዲ ወይ ካዓ ካልኣዋይን ሳንሳይን መስርዕ ኣብ ዝርከቡ ጉዳያት ውጥጥ ይራኣይ ኣሎ። እዙይ ካዓ ንትግራይ ኣዝዩ ዝጎድእን ኣተን ተወንዚፈን ዘለዋ ናይ ትግራይ ቀንዲ ዕማማት ከይፍፀማ ጥራሕ ዘይኮነስ ብሱር’ውን ናብ ሙሉእ ደልሃመት ዘእቱ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ሕዝቢ ትግራይ ንዕላማ ዘዕስሎ መሪሕነት እንትህልዎ ታዓዋታይ እዩ። ንዝኣምነሉ ዕላማ’ውን መስዋትነት ንምኽፋል ንድሕሪት ዘይብል ሕዝቢ እዩ። ቅወድቕን ርእሱ ከድንን ዝግብርዎ መራሕቲ ዓቕሚ እንትስእኑን ኣብ ናይ ስልጣን ውጥጥ እንትኣትዉን ጥራሕ እዩ። መሪሕነት እንትባሃል ግና ናይ’ቶም ኣብ ዝልዓለ ፀፍሒ ሓላፍነት ዘለዉ ሰባት ዓቕሚ ጥራሕ ገይሩ ዝወስድ ሰብ ብዙሕ እዩ። እቶም መራሕቲ ናይ’ቲ ስርዓት ውፂት እዮም። ናይ መሪሕነት ፀገም ኣሎ እንቴልና እቲ ነዞም መራሕቲ እዚኦም ዝፈጠረ ናይ’ቲ ውድብ ርእይን መርገፂን ፣ ታሪኽ ፣ ኣመላምላ ስልጠናን ልምዲን ሓይሊ ሰብ ፣ ናይ’ቲ ውድብ ባህሊ (organizational culture) ፣ እቲ ሲስተም/ስርዓት ፣ ምስ ካልኦት ውዳበታት ዘልዋ ረኽቢን ንካልኦት ዝሪአሉ መንፅርን ፣ ወዘተ ምፍታሽ የድሊ። ዝለዓለ ዓቕሚ ንዘለዎም ሰባት ቦታ ዘይብላን ኣብ ክንዲ ከም ሃፍቲ ከም ሓደጋ ገይራ እትርኢ እንተኾይና ፣ ተስፋ ዘለዎም መራሕቲ ዝፈርዩሉ ግልፂ ባይታ እንተ ዘይብላ ፣ ሓሳብ ብናፅነት ዘይግለፀላ እንተዳኣ ኰይና ፣ ዓቕሚ ዘለዎም ሰባት እናሃለውዋ’ውን ትግራይ ናበይ ክወስድዋ ከም ዘለዎ ዘይፈልጡ እንተድኣ ኮይኖም (ርእይ) ፣ ናብ መሪሕነት ዝመፁሉ መንገዲ ግልፅነት ዘይብሉን ጉጅለኣዊን እንተድኣ ኮይኑን ወይ ካዓ እቲ ስርዓት ከስርሕ እንተድኣ ዘይ ኪኢሉን ብሉፃት መራሕቲ ክፈርዩን ክዕምብቡን ኣይኽእሉን። ብሕልፊ ካዓ ፍልጠትን ምህዞን ዘየታባብዕ ባይታ ፣ ሓዱሽ ምልከታን ርእይን ዘለዎምን ከባቢኦም ብምንባብ እዋናዊ ለውጢ ከምፅኡ ንዝኽእሉ መራሕቲ ምችዊ ባይታ ዘይብላ ትካል ብሉፃት መራሕቲ እንተይኮኑስ ተበለፅቲ ጥራሕ ዝእምብቡላ እያ እትኸውን። ኣብ ክንዲ ሓዱሽ ታሪኽ ምስራሕ ሕሉፍ ዛንታ ዘቕድም ትካል ንድሕሪት እምበር ንቕድሚት ክሪኡ ዝኽእሉ መራሕቲ ኣየፍርን። እቲ ሎሚ ዘሎ መሪሕነት ሕወሓት በዙይ መንፅር እንተድኣ ርኢናዮ እቲ ፀገም ናይ ውልቀ ሰባት ጉዳይ እንተይኮነስ ገፊሕ ከምዝኾነ ንምርዳእ ንኽእል። ብዝበለፅ ቅልጣፈ’ውን ፍታሕ ክመፅእ የኽእል ፣ እንተ ንኣሰ ናይ ሕወሓት መፅኢ ንምስትኽኻል ፅቡቕ ድዂዒ ክኸውን ይኽእል እዩ። እዙይ እንትብል ግና ወልቀ ሰባት ብፅሒት የብሎምን ንምባል ኣይኮነን ፣ የግዳስ ምስ ናይ’ቲ ትካል ሐፈሻዊ ፀገም ሓዊስና ንርኣዩ ንምባል እዩ።

ናይ መሪሕነት ዘርዝር መትከላትን መሪሕነት ዝጠልቦም ዓቕሚታትን ንምትንታን ናይ’ዛ ፅሕፍቲ እዚኣ ዕላማ ስለ ዘይኮነ ናብ ዘርዝር ኣይኣቱን። ይኹን ዳኣም’በር ኣብ እዋን ለውጢ ዝድለዩ ባሕሪያት ምጥቃስ ኣገዳሲ ክኸውን እዩ። Unleashing Change: A study of organizational renewal in government ዝብል መፅሓፍ ኣብ ሞንጎ ናይ ሕዝቢ ባህጊን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን ዝፍጠር ኣፈላላይ ለውጢ ከምዘድሊ ይሕብር ይብል’ሞ ኣብ ክልቲኦም ዘሎ ናይ ኣፈላላይ መጠን (gap) ናይ’ቲ ለውጢ ኣገዳስነት የርኢ። እቲ ኣፈላላይ ገፊሕ እንተድኣ ኮይኑ ናይ’ቲ ለውጢ ኣድላይነት’ውን ከምኡ ዓብይ ይኾን ማለት እዩ። ናይ ለውጢ ከይዲ ኣዝዩ ኣፅጋሚ ዝኸውን ካዓ ናይ ሰባት ግላዊ ባህረ ምስ’ቲ ናይ’ቲ ድርጅት ኣዋዳድባ ዝተቛራነየ እንተድኣ ኮይኑ እዩ ይብል። ነቲ ድሪጅት ንምቕያር ናይ’ቶም ሰባት ባህረ ምቕያር ስለ ዘድሊ ንሱ ድማ ቀሊል ስለ ዘይኸውን። እቲ ዝሓሸ መማረፂ ነቲ ሓዱሽ ርእይ ሒዞም ብሙሉእ ዓቕሞምን ልቦምን ከገልክግሉ ዝኽእሉ ካልኦት ሰባት ምድላይ ይኸውን።

ፀገም መሪሕነት ንትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንኢትዮጵያ’ውን ኣብ’ቲ ሎሚ ዘላቶ ኩለ መዳያዊ ውድቀት ኣብፂሕዋ ኣሎ። እቲ ዘሎ መሪሕነት ሸይሙን ሸሊሙን ናብ ስልጣን ዘብፀሐ ድማ ሕወሓት/ኢህወደግ እዩ። እቶም ቀዳሞት መራሕቲ (ናይ’ት ስርዓት ሰብ ርእይ) ዝደለይዎ ክፍፅሙ ስለ ዝደልዩ ናብ’ተን ውድባት ተመልሚሎም ዝኣትዉ ሰባት ይኹኑ ስልጣን ዝዋሃቦም ናይ’ቲ ውድብ ሓሳብ ከፍፅሙ ፈቓደኛታት ምዃኖም’በር ዓቕሞም ኣገዳሲ ኣይነበረን።  ሓታትይ ወይ ካዓ ካልእ ሓሳብ ዘልዎ ሰብ ቦታ ኣይነበሮን። በዚ ምኽኒት እዙይ ሕወሓት/ኢህወደግ ሙሁር ዘይፍተዉ ጥራሕ እንተኮነስ ፣ ከም ንኡስ ከበርቴ መጠን “ወላወልቲ” ስለዝኾኑ ብጥራጣረ ዓይኒ ክረአዩ ከም ዘለዎም ገይሩ። ክግለሉ’ውን ገይሩዎም። ኣይተ መለስ ው/ሮ ገነት ዘውዴ ዓቕሚ ዘይብለን ክንሰን ናይ ትምህርቲ ሚኒስተር ኮይነን ንምታይ ተሸይመን ተባሂሎም ኣብ ፓርላማ እንትሕተቱ ዝመለስዎ መልሲ “እቲ ፖሊሲ ተፈፀሞ’ምበር ህበይ እውን ትኹን” ዓይነት እዩ ነይሩ። ናይ መንግስቲ ስራሕ ምርካብ ከቢድ እናኾነ ኣብ ዝኸደሉ እዋን’ውን ናብ ኢህወደግ ምእታው ከም ናይ ስራሕ መርከቢ መንገዲ ተገይሩ ተወሲዱ ነይሩ። ቀስ እናበለ እቲ ማእኸላይን ታሕተዋይን ብርኪ መሪሕነት ዳርጋ ብተበልፅቲ እዩ ተመሊኡ። ኣብ ትግራይ’ውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ብርኪ ዘሎ ናይ መንግስቲ ስልጣን ናይ ሕወሓት ኣባል ንዘይኮነ ኣይጫንዉዎን። ብሉፅ ዓቕሚ ዋላ ይሃልዎ። እቶም ቀዳሞት መራሕቲ ጊዜኦም እንተስ ብተፈጥሮ ወይ ካዓ ብኻልእ እንት እለዩ ተካእቲ ዝኾኑ እዞም ሰባት እዚኦም ምዃኖም ኣብ ግምት ኣይኣተወን። ተበለጽቲ ካድርታታ ናብ ላዕለዋይ መሪሕነት እንትውጥሑ ዓዲ እንታይ ትኸውን ኢልካ ዘይ ምሕሳብ ነቲ ኢትዮጵያ ትኹን ትግራይ ኣትየነኦ ዘለዋ ኩነታት ወሊዱ። ናይ’ዚ ዕሉል ጌጋ (fatal error) ተወካፊ ካዓ ናይ ሎሚ ወለዶ ኮይኑ ሰፍ ዘይብል ዕዳ ኣኽፊሉና።

ሓደ ውድብ ወይ ካዓ ትካል ይውለድ ፣ ይዓቢ ፣ ይጉብዝን ፣ ኣብ መወዳእታ ካዓ ይኣርግ። ነዊሕ ክጓዓዝ ዝደሊ ትካል ናይ ሳዓብቱን ፈተውቱን ድልየትን ባህጊን ከንፅር ከምኡ’ውን ወድዓዊ ኩነታትን ኣብ ባይታ ዘሎ ሓቂን እና መርመረ በብእዋኑ ምስትኽኻል ክገብር እንተ ዘይ ኪኢሉ ምእራግ ጥራሕ እንተይኮነስ ክመውት’ውን ይኽእል እዩ። ሓደ ውዳበ ወይ ትካል ዝኣርግ እቶም መራሕቲ ብዕድመ ስለ ዝኣረጉ ኣይኮነን። ውዳበ ዝፍጠር ኣብ ክሊ ሓሳብ እዩ። ሓሳብ ካዓ ኣብ ከይዲ ዝትከኦ ሓሳብ ስለ ዝመፅእ ይኣርግ። ሕወሓት ክሳዕ ሎሚ ሒዝዎ ዝፀንሐ ሓሳብ ስለ ዝኣረገ (ምስ ናይ ትግራይ ሓዱሽ ወለዶ ባህጊን ድልየት ስለዘይኸይድ ፣ ምስ ናይ’ቲ ኸባቢ ጂኦፖለቲዊ ባይታ ስለ ዘይቃዶ) ናይ ምጥፋእን ታሓዲሱ ናይ ምትራፍን ኣማራፂ ቀሪቡሉ ኣሎ። ሕዝቢ ትግራይ መስተውዓላይ ስለዝኾነ ሕማቕ ናትካ ንመን ትህቦ ኢሉ ብተደጋጋሚ ዕድል እንተ ሓቦም’ኳ እቲ ዝተዋህቦም ዕድል ክጥቀሙሉ ዘይካኣሉ መራሕቲ ኮይኖም ንረኽቦም። ሓደ እዋን ታዓዊተ እየ ዝብል ውድብ በታ ቀደም ዝታዓወተላ መንገዲ ክኸይድ ዝኽእል ንዝተወሰነ እዋን ጥራሕ ኮይኑ እናሃለወ ፣ እዙይ ክርድኡ ዘይኽእሉ መራሕቲ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝተወጡሑሉ እዋን ግና መሬት ጠሊምዎም እናሃለወ’ውን ካብ’ታ ዝሓዝዋ መንገዲ ካልእ ኣይትራኣዮምን። ኣብ ክንዲ ካልእ ስራሕ ሰሪሖም ካልእ ዓወት ዘመዝግቡ ፣ ናይ ቀደም ዓወት እናዘንተው እታ ዝሓዝዋ ሒዞም ይነቕፁ ፣ ነቲ ሕዝቢ’ውን ሒዘሞ ይፀድፉ። ናይ ሕወሓት መራሕቲ ኣብ ከምዙይ ዝበለ ኩነት ዘለዉ ይመስለኒ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዛዕባ ሕወሓት ዝተፈላለዩ ርኢቶታት ክዋሃቡ ፀኒሖም ፣ ገሊኦም ሕወሓት ጥንኩር መሪሕነት ስኢኑ ዕንይንይ ካብ ዝጅምር ነዊሕ ጊዜ ገይሩ ኣሎ ፣ ዘለዎ ኣማራፂ ስልጣን ምልቃቕ ጥራሕ እዩ ዝብሉ ኣለዉ። ምኽኒቶም እንትገልፁ ድማ እቶም ሎሚ ፈጢጦም ዝርኣዩ ድኽመታት የልዕሉ። ዕላማኣን መርገፂኣን ሕወሓት ሕዝቢ ትግራይ ማእኸል ዝገበረ እንተይኮነስ ኣብ ርእዮተ ዓለም (ideology) ዝተመስረተ ስለ ዝኾነ ፣ ብኣውሩኡ ካዓ ሕዝቢ ትግራይ ንብሔራዊ መሰሉ ዝተቓለሶ ቃልሲ ኣብ ከይዲ ብናይ ብሄረሰባት ማዕርነት ተቐይሩ ይብሉ። ብሄራዊነት ናይ ቃልሲ ሜላ እምበር ዕላማ ከምዘይነበረ ብዘይ ሕፍረት ዝተዛሪብዎ ስለዝዀነ። እቶም ዝላዓሉ ድኽመታት መብዛሕትኦም ተቐባልነት ዘለዎም ዋላ’ኳ እንተኾኑ ሕወሓት መሊሱ ክዳኸም ወይ ካዓ ገለ ሰባትን ወድባትን ከምዝብልዎ ክጠፍእ ኣለዎ ኢለ ግን ኣይኣምንን። ዋላ ሕማቕ ይኹን ሕማቕ ናትካ ፣ ናትካ ስለዝኾነ ክእረምን ክስታኻኸለን ዳኣ ትምነ እምበር ከም’ቶም ፅላእቲ ዝብልዎ ትግራዋይ ውድብ ክጠፍእ ምምናይ ጥዕና ኣለዎ ኢለ ኣይኣምንን።

ናይ’ዛ ሓፃር ፅሕፍቲ ዕላማ ናይ ሕወሓት ድኽመት ንምዝርዛር ኣይኮነን። ሕወሓት ባዕላ ጊዜ ወሲዳ መፅናዕቲ ኣካይዳ ጌጋታታ ክትንፅርን መፃኢ ኣካያድኣ ክተስተኻኽል ይግባእ። የግዳስ ናይ ሕወሓት ናይ መሪሕነት ጉድለት (vacuum) ንምንታይ ተፈጢሩ ፣ ንምንታይ ከ ቀፂሉ? መራሕቲ ሕወሓት ዓቐን ዘይብሉ ኣኼባን ገምጋምን እናገበሩ ፣ ካልእ ሰብ ይኹን ወድብ ክገልፆ ካብ ዝኽእል ንላዕሊ ድኽመቶም ክትንትኑ እናኻኣሉ ንምታይ መስመሮም ከስተኻኽሉን ኣመራርሐኦም ከጠናኽሩን ኣይካሉን ዝብል ዛዕባ ኣልዒልካ መማያየጢ ሓሳብ ንምጥቋም ዝዓለመት ዳኣ’ምበር። ናይ መሪሕነት ፀገም ከምዘጋጠማ ባዕላ ሕወሓት’ውን እትገልፆ ጉዳይ ስለዝኾነ ኣገብእ ዘብል የብሉን። ካብ ደገ ንዝዕዘብ ሰብ’ውን ግልፂ ዝኾነ ናይ መርሕነት ቅልውላው ከምዘሎ ርኡይ እዩ። እቶም ቅድሚ’ቲ ኲናት ክውገኑ ዝነበሮም ዓበይቲ ናይ መሪሕነት ዕማማት ብግቡእ ዘምፍፃሞምን ኣብ እዋን ዂናት’ውን ናይ መሪሕነት ክፍተት ብግልፂ ዝተርእየሉ ኣብነት ምጥቃስ ስለ ዝካኣል። ኣብ ሓደ ከም ትግራይ ዝበለ ልዕሊ ሽድሽተ ሚልዮን ሕዝቢ ዘለዎ ዓዲ ይትረፍ’ሞ ንእሽተይ ድርጅት’ውን ኣብ እዋን ሓደጋ መማረፂ መንገዲታት ዝንፅር ትልሚ ምውፃእ (scenario planning) ልሙድ እዩ። ዓቕሚናን ዓቕሚ ፀላኢን ውሕሉል ብዝኾነ መንገዲ ምንፃር’ሞ ንዑኡ ዝምጥን ምድላዋት ምግባር ፣ ናብ ኲናት እንተ ኣቲና’ውን ክንስዕር ኢና ጥራሕ እንተይኮነስ እንተ ተደፊእና እንታይ ንገብር? ፣ መን በበይ ይወፅእ? ፣ መንግታዊ ሚስጢርን ሰነድን ኣበይ ይቕመጥ? ፣ ወዘተ ዝብሉ ጉዳያት ኣብ ግምት ዘእተወ ትልሚ ክግበር ይግበኦ ነይሩ። ብወታሃደራዊ ምድላዋት እውን ግዱሳት ተጋሩ መኮንናት እኹል ሓይሊ ንኸሰልጥኑ እንተሓተቱ ካብ’ቲ መሪሕነት ፍቓድ ከምዘይተዋሃቦም ብዙሓት ሎሚ ይዛረቡ ኣለዉ። እዙይን ክንዲ’ዙይን ከይገበርካ ምፍካር ዋጋ ከም ዘኽፍል ዘይምፍላጥ’ውን ባዕሉ ኣርሒቕካ ዘይምሕሳብን ናይ ፀላእቲ ዓቕሚን ሽርሒን ዘይ ምርዳእን እዩ።

ዝሓለፈ ሓሊፉ እንድዩ ፣ ሎሚ ኸ እቲ መሪሕነት ንምታይ ክእረም ድልውነት ስኢኑ ፣ ነቲ ኣብ ሰፍ ዘይብል ፀገምን ክባን ዘሎ ሕዝቢ ትግራይ ኣብ ምኽሓስ ኣድሂቡ ስለምታይ ዘይዓምም? መራሕቲ ንምንታይ ለውጢ ፈሪሖም? እዚኦምን ካልኦትን ንምምላስ መፅናዕቲ ዘድሊ እኳ እንተኾነ ንሓያሎ ዓመታት እናታኣከበ ናይ ዝመፀ ፀገምን ብልሽዊ ኣሳራራሓን ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ኲናት ክሳራን ታሓተቲ ክንከውን ኢና ዝብል ሕሱም ፍርሒን ሓደ ፀገም ክኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ታሓታትነት ጉዳይ ናይ ባዕሉ ኣጀንዳ ዘድልዮን ብሕዝቢ ትግራይን ሊሂቃንን ሜላ ክማሃዘሉ ዘለዎን ዛዕባ እዩ ኢለ እኣምን።

ዝኾነ ኾይኑ ሕወሓት ኣብ’ዛ መድረኽ እዚኣ ክልተ መማረፅቲ ኣለወኣ። ብዘለዋ ምቕፃል’ሞ ናይ ሕዝቢ ኣንፀርፅሮት በዚሑ ፣ ማሕበራዊ ቀውሲ ዓብዩን ብዓመፅ ምልቃቕ (ካብ ኣዲስ ኣበባ ብዝወፁሉ መንገዲ) ወይ ካዓ እቲ ፀገም ብውነ ተመርሚሩ ቆራፅን ግልፅን ስጉምቲ ምውሳድ። ከም እዙይ ዝበለ ስጉምቲ ምውሳድ ጥቕሙ ንትግራይ ጥራሕ እንተይኮነስ ንሕወሓት ንባዕላ’ውን መተካእታ ዘብሉ ፈውሲ እዩ። ርግፅ ከም’ዙይ ዝበለ ከቢድ ስራሕ ንምስራሕ’ውን ካብ ናይ ውልቀ ረብሓ ወፅዩ ንሕዝቢ ዝሓስብ ጥንቁር መሪሕነት ከድሊ እዩ። ካልእ መማረፂ የለን እሞ ከም ከማይ እዘን ዝስዕባ መንገዲታት ይጠቕማ ኢለ እኣምን።

  1. ነቲ ዘለናሉ ዘበን ዝምጥን ናይ ርእይን ስትራተጂን ለውጢ ንምግባር ምውሳን

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ንሕወሓት ዝመርሑ መራሕቲ ናይ’ቲ ውድብ ድኽመታት ኣልዒሎም ብዙሕ ክዛረቡ ንሰምዕ ፣ ንድኽመቶም’ውን ካብ ፀላኢን ፈታዊን ንላዕሊ ሹማ ሹም ይህብዎ (ወዲቕና ፣ በስቢስና ፣ ወዘተ)። ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ ቃላት ንሰምዕ ኣለና። እቲ መሰረታዊ ፀገሞም ንዑኡ ዝምጥን ስጉምቲ ምውሳድ ዘይምኻኣል ኮይኑ ንረኽቦ። ናይ ሕዝቢ ትግራይ ባህጊን ድልየትን ከምኡ’ውን ናይ’ቲ ኸባቢና ጂኦፖለቲካዊ ኩነታት ብቕልጡፍ እናተቐየረ ከይዱ እዩ ፣ ናይ ሓያላት ሃገራት ድልየትን ኣሳላልፋን እውን ከምኡ። ንዕኡ ዝምጥን ለውጢ ግና ኣይተገብረን። እዙይ ብውነ ታሓሲቡሉን ውጥን ወፅዩሉን ክስረሐሉ ኣለዎ።

ብሱሩ ኸ እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ሕወሓት ዘሎ ኣፈላላይ እንታይ እዩ? ኣብ መንጎ ለውጢ ዝደልዩን ዘይደልዩን ፣ ኣብ መትከልን ርእይን? ወይ ካዓ ኣብ ስልጣን ዝተደረኸ? ናይ መርገፂን ርእይን ጉዳይን ናይ ስልጣን ህረፍ ዝፈጠሮ ኣፈላላይን ብሓደ ዓይነት መንገዲ ክፍታሕ ኣይኽእልን። ካብ’ቲ ዘሎ ኹነታት ከም እንዕዘቦ ናይ’ቶም መራሕቲ ኣፋላላይ ኣብ መርገፂን ርእይን ከም ዘይኮነ ንርዳእ። ናይ ሕወሓት መርገፂን ርእይን (እንተ ኣሊኡዎም) ዝተቐየረ ነገር ከምዘሎ ዝሕብር ዋላ ሓደ ሓበሬታ የለን። ቁፅሮም ብዘየግድስ ለውጢ የድሊ እዩ ኢሎም ዝኣምኑ ናይ’ቲ ውድብ ኣባላት የለውን ምባል ዋላ እንተ ዘይተኻእለ እዙይ ናይ ባእሶም ፍልፍል ንምዃኑ ግና መረጋገፂ የለን። ኽኸውን ዝኽእል ጥንኩር መሪሕነት ስለዘየለን ንነዊሕ እዋን እናተንካራረወ ዝመፅ ዕቑር ፀገም ናብ ምንዓዓቕ ደረጃ ኣብፂሑዎም ኩሎም ነናይ ባዕሎም ቲፎዞ ሒዞም ኣብ ናይ ውልቀ ረብሓ ይጓተቱ ከምዘለዉ ይግመት። ንኹሉ ጠሚሩ ናብ’ቲ ዝድለ ዕማም ዘሰልፍ ጣንካራ መራሒ እንትሳኣን ኩሉ ሓለቓ ይኸውን ፣ በብዝጠቕመካ እና ተጎጃጀልካ ምፍሕፋሕ መርኣያ ናይ ከም’ዙይ ዝበለ መሪሕነት ይኸውን። ንነዊሕ እዋን ጥንኩር ገምጋም ዘይተገብረ እንተድኣ ኮይኑ እቲ ዘይተፈትሐ ፀገም ኣብ ክንዲ ምፍታሕ ነን ርእስኻ ምውንጅጃል ክመፅእ ግድን እዩ። እዙይ ፀቢብ ኣፋኣላይ ዘይኮነስ መሰረታዊ ለውጢ ብምምፃእ ጥራሕ ዝፍታሕ ዓብይ ዋኒን እዩ። ይኹን ዳኣ’ምበር ቅድሚ ኹሉ ሕወሓተኛታት ዝሓዝዎ መርገፂ ንኽቕይሩ እቲ ሒዘሞ ዝመፁ ኣካይዳ ኣየዋፅእን ኢሎም ክኣምኑ ኣለዎም። ከም ቀደም ምቕፃል ሎሚ’ውን ይካኣል እዩ ኢሎም ዝኣምኑ እንተድኣ ኮይኖም ለውጢ ንምምፃእ ክሽገሩ እዮም። ብቐሊሉ ክግበር እዩ ዝብል እምነት ዋላ’ኳ እንተዘይሃለወኒ ካልእ መማረፂ ኣለዎም ኢለ ግና ኣይኣምንን።

ስለ’ዚ ውድብ ሕህወሓት መጀመርታ ሕሉፍ ፀገማቱ ዝግምግመሉ መድረኽ ፈጢሩ ብዕቱብ ክግምግም ፣ ብድሕሪኡ ድማ ናይ ለውጢ መንገዲ ክጅምር ኣለዎ። ዝተወሰኑ ኣባላት መሪሕነት ኣብ’ቲ ናይ ግዜኣዊ መንግስቲ እተሃለው’ውን ዝበዝሑ ኣባላት ሕወሓት ኣብ ናይ መንግስታዊ ስራሕ ስለ ዘይህልዉ ናይ ለውጢ ከይዲ ንምምራሕ ምችዊ ጊዜ ኣለዎም። እቲ መርሕነት እዚኣ ክገብር እንተ ዘይክኢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝበፅሐቶም ኣብ ትግራይ’ውን ክትድገም በሪ ምኽፋት ይኸውን።

  • ናይ’ቲ ለውጢ ኣንፈት ዝሕብሩ መፅናዕቲታት ንኽቐርቡ ዕላዊ መፀዋዕታ ምግባር

ለውጢ የድልየና ዝብል ውሳነ ምውሳን ጥራሕ ግና ብዙሕ ረብሓ ክሕልዎ ኣይኽእልን። እናተባህለ ዝፀንሐ ስለዝኾነ። ህፁፅን መሰረታዊን ስጉምቲ ምውሳድ እዩ ዘድሊ። ናይ’ቲ መሪሕነት ፍሕፍሕን ውጥጥን ኣብ ግምት ኣእቲኻ እቲ ናይ ለውጢ ከይዲ ብጥንቃቐ ክምራሕ እውን ኣለዎ። እቲ ድርጅት “ኣሪጉ” ኣብ ዕንይንይ ዝኣተወሉ ዋና ምኽኒት እቶም ክሳብ ሎሚ ንኣባላት ዘዕሰሉን መስዋእትነት ንኽኸፋሉ ቅሩባት ዝገበሩውምን መሰረት ሓሳባት ስለዝጎተሙ ፣ እቶ መራሕት’ውን ንፁር ርእይ ስለ ዘይብሎምን እዩ። ርእይን ሕልሚን ዘለዎ መራሒ ጊዜኡ ኣብ ጓል መንገዲ ኣየጥፍእን ፣ድቃስ ዝኸልኦ ሕልሚ ስለ ዝህልዎ። ናይ ሰብ ሕልሚ ዘፈፅም መራሒ ግና ተቖፃሪ መራሒ እዩ ፣ ተቖፃሪ ካዓ ንዓስቡ ጥራሕ ይግደስ። ኣብ’ዙይ ናይ ስነ ኣመራራሓ ፈላጣት ዝብልዎ ነገር ምጥቃስ የድሊ። “ሓደ መራሒ ብሩህ ሕልሚን ርእይን ሃልይዎ ፣ ሕልሙን ርእዩን ነቲ ሕዝቢ ኣጨቢጡ ፣ እቲ ተመራሓይ ሕዝቢ ክስዕቦ እንተድኣ ዘይገይሩ በይኑ ዝጓዓዝ መንደደኛ እዩ ይብሉ (if a leader couldn’t make sure that the people are following him, he is simply taking a walk” እቲ ተመራሓይ ሕዝቢ ናበይን ብኸመይን ክስዕቦ? ኣሸንኳይ ዶ እቲ ሕዝቢስ እቲ መራሒ ባዕሉ’ኳ ናብ ዘይፍልጦ? ንሕዝቢ ብሓዱሽ መልክዕ ዘዕስል ሓሳብን ዕላማን ምፍጣር መማረፂ የብሉን።

እቲ ናይ መጀርያ ዕማም ነቲ ድርጅት ከገልግሉ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ሓሳባት ፣ ኣንፈታት/መርገፂታትን ስትራተጂን ኣቕሪብካ ፣ ጥቕሞምን ጉድኣቶምን ኣነፂርካ ዝሓሸ መማረፂታት ምሓዝን ፣ ነቲ ሓዱሽ ኣንፈት ዝምጥን ኣሳራርሓን መሪሕነትን ምፍጣርን ይኸውን። እዙይ ንምምፃእ ዝግበር ከይዲ ካዓ ዘይሻራዊን ጊዜኣዊን ብዝኾነ ኮሚቴ ክምራሕ ምግባር የድሊ። ካብ ምሁራትን ካልኦት ኣካላትን ዝተዋፅአ ጊዜኣዊ ጉጅለ ፈጢርካ ነቲ ከይዲ ክመርሖ ምግባር’ሞ ነቲ ደርጅት ኣማራፂ መትከልን ዕላማን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ሓሳባት ዘለዎም እንተስ ካብ’ቲ ድርጅት ውሽጢ እንተስ ካብ ካልኦት ግዱሳት ሰባት ክቐርቡ ጌርካ ግልፂ ምይይጥ ምክያድ የድሊ። ኣብ’ቲ ምይይጥ ናይ’ቲ ውድብ ልዑል ዓቕሚ ኣለዎም ዝባሃሉን ክሕግዙ ዝኽእሉ ካልኦትን ኩሎም ክካፈሉ ምግባር’ሞ እቲ ኸይዲ ፍፁም ናፃን ግልፂን ክኸውን ምፅዓር። ኣብ ከምዙይ ዝበሉ መድረኻት ዝተፈላለዩ ነገራት ክርኣዩ እዮም። ሓደሽቲ ሓሳባት ፣ ነዘን ዝቐርባ ሓሳባት ሰብ ዋና (owners of the alternative visions & strategies) ፣ ብሉፅ ርእይን ሓሳብን ዘለዎም ሰባት ፣ ነቲ ዝድግፍዎ ሓሳብ ዘለዎም ፅንዓት (passion) ፣ ወዘተ ክንዕዘብ ኢና። ስለ’ዚ ናይቲ ውድብ ሓዱሽ ዕላማን ርእይን ጥራሕ እንተይኮነስ ሓደሽቲ መራሕቲ’ውን ናብ መድረኽ ክመፁ ዕድል ይፈጥር። እዙይ ኣብ ናይ ሕወሓት ዕሸል ዕድመታት ዝነበረ ክርክርን ምይይጥን ነቶም ቀዳሞት መራሕቲ ስሒሉ ከምዝፈጠረ ማለት’ዩ። እቲ ኣገዳሲ ጉዳይ ግና ኣብ ከምዙይ ዝበለ መድረኽ ገለ ክስብ ሎሚ ከም ድልየቶም ክግብሉ ባይታ ዝተፈጠረሎም ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ሓደሽቲ ሓሳባት ከየምክኑን ተስፋ ዘለዎም ሓደሽቲ መራሕቲ ከይድህሉን ጥንቃቐ ምግባር ይግባእ።

  • ነቲ ኣብ መወዳእታ ዓብላላይ ኮይኑ ዝወፀ ሓሳብ ዘፈፅሙ ኣሰራራሓታትን መራሕቲን ምምራፅ

ሓዱሽ ርእይን ኣሳራራሓን ናይ ግድን ሓደሽቲ መራሕቲ ይጠልብ። እንተ ዘይኮይኑ “No one puts a new wine in an old wine skin” – ሓዱሽ ወይኒ ኣብ ዝኣረገ ናይ ወይኒ ሎቖታ ኣይቕመጥን” ከምዝባሃል። እታ መድረኽ ጥንኩር ምቅልላስ እተድልያ እያ። እቲ ዝነበረ መሪሕነት ክቕፅል ከም ዝደሊ ኣይጠራጠርን። ለውጢ ዝደልዩ’ውን ክህልዉ እዩም። መሰረቱ ናይ ትግራይ ረብሓ እንተዘይኮይኑ እቲ መድረኽ ካልእ ኲናት ዘልዕል ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለ’ዚ ናፃ ብዝኾነ ናይ መድረኽ መሪሕነትን ግልፂ ዝኾነ ረቑሓ ወፅዩ ነዞም ርቑሓታት ዘማልኡ ሕፁያት ቀሪቦም ግልፂ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክምረፁ ምግባርን ብሉፅ ኣካይዳ እዩ። ዝጓነ ዝኾነ ይኹን ኣካል ከይህሉ ፃዕሪ ምግባ ነቲ ናይ ለውጢ ከይዲ ከሳልጦ ይኽእል እዩ። ኣብ ፀግዒ ኮፍ ኢሎም “ኣይበልናን ዶ” ዝብሉ ከይህልዉ ኩሉ በብዛዓቕሙ ዝዋሰአሉ ባይታ ክህሉ ምግባር ኣገዳሲ ይኸውን። ምስ’ቲ ሓዱሽ ርእይ ፣ ስትራተጂን ፣ መሪሕነትን ዝኸይድ ሓዱሽን ስልጥሩንን ኣሳራርሓ ምትእትታው’ውን ኣካል’ቲ ከይዲ ይኸውን። ሓዱሽ ሓሳብ ኣምፂኻ በ’ቲ ናይ ቀደም መንገዲ ክተኽይዶ ኣይካኣልን። ኣሳራርሓ ብኸመይ ክፍጠርን ክህነፅን ከምዘለዎ’ውን ምይይጥ ይገበረሉ።

ብዝኾነ ይኹን መንገዲ ክውገድ ዘለዎ ቀንዲ ዛዕባ ክሳብ ሎሚ ብዝመፃናሉ መንገዲ ንምቕፃል ምፍታን (business as usual) እዩ። ንትግራይ ዘይጠቅም ጥራሕ ዘይኮነስ ንዓመጽን ዕግርግርን ባይታ ዝህብ’ውን ይኸውን። ብዝተወደበን ብትልሚን ዘይምራሕ ለውጢ ካዓ ንተበልፅቲ ዕድል ይህብ። መንግስቲ ኣራት ኪሎ የርበሐኒ እዩ ናብ ዝብሎ ስጉምቲ ክኸይድ ፣ ሕዝቢ ትግራይ ኣብ ቀንዲ ውራያት ከያዓስል ፣ ወይ ካዓ ክሳዕ ሎሚ ከምድልየቶም ክዕንድሩ ባይታ ዝተፈጠረሎም ውልቀሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ስልጣን ዝጥቕልሉ ኩነታት (power grab) ክፍጠር ዝኽእለለኡ ኩነታት’ውን ዕፁው ኣይኸውንን። ለውጢ ብውነ ክምራሕን ናይ ሕዝቢ ትግራይ ረብሓ ማእኸል ዝገበረ ክኸውንን ናይ ሕወሓት መራሕቲ ዝላዓለ ሓላፍነት ኣለዎም። ነቲ ለውጢ ተቐቢሎም ንኻልኦት ኣብነት ክኾኑ ኣብ ታሪኽ ትግራይ’ውን ብሰላም መሪሕነት ዘረከቡ ንኽኾኑን ትፅቢት ንገብር። ኣብ’ዛ እዋን እዚኣ ናይ ውልቀ ረብሐኦም ገቢጦም ንሕዝቢ ትግራይ ናብ ካልኣይ መከራ ንኻኣቱ በሪ ዝኸፍቱ ሓይሊታት ሕዝቢ ትግራይ ይኹን ካልኦት ኣካላት ሱኽ ኢሎም ክሪኡዎም ኣይግባእን እብል። እታ ፈፃሚት እንተ ዘይደለይት’ውን እቲ ማእኸላይ ኮሚቴ ወይ ካዓ ካልኦት ኣካላት እቲ ውድብ ይኹኑ እቲ ውድብ ኣንፈቱ ኣቃኒዑ ክቕፅል ዝደልዩ ግዱሳት ተጋሩ ናይ ባዕሎም እጃም ክዋፅኡ ኣለዎም። ዝተወሰኑ ውልቀ ሰባት ንትግራይ ጅሆ ክሕዝዋ ምፍቃድ ውዒሉ ሓዲሩ ካብ ናይ ታሪኽ ታሓታይነት ኣየድሕንን።

ማዓርግ ኣድሓኖም (Ph.D.)

ቶሮንቶ ፣ ካናዳ።

November 2023

By aiga