ሙሉጌታ ወልደገብርኤል

መተሓሳሰቢ፥ ምጥያሽ ኣማኻሪ ካውንስል (ኮታ ሰብ ድርሻ ኣካላት) ብዝምልከት ዝቐርብ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ ከም መማረፂ ቐሪቡ ቅቡነት ክህልዎ ዝኽእል ዓላማን ተልእኾን ናይቲ ዝጥየሽ ካውንስል ከም ዝውስኖ ምርዳእ ኣዝዩ ኣድላዪ ‘ዩ። እዚ ማለት፥ ዓላማ ናይዚ ዝጣየሽ ዘሎ ካውንስል ኣብ ዘይወዓሎ ኣደዳ ሞትን ጥፍኣትን ዝኾነ ማሕበረሰብ ትግራይ ካብ ደልሃመት ንምውፃእ ዝዓለመ፣ ንሃለዋትን ድሕንነት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ደው ዝበለን ዝጣበቐን ተኾይኑ፥ ገዲም እታ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይብላን ዝተቐንጠጠትን ህወሓት ‘ውን ከም ሓደ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ ኣብዚ ዝጣየሽ ዘሎ ኣማኸሪ ካውንስል ብዝኾነ መንገዲ ክትውከል ተኾይና ውድብ ህወሓት ከም ሰባ ፓርቲ ‘ያ! ክህልዋ ዝኽእል ድምፂ ኾነ ወንበር ‘ውን ብተመሳሳሊ ማዕረ ነተን ካልኦት ውድባት ዝወሃብ ኮታ ‘ዩ! ኢሉ ኣብ ዝኣምን ኣማራፂ ሓሳብ ክረግፅ ‘ዩ። ርግፅ፥ ትግራይ ልዕልና ህግን ስርዓት ዝኽበረላ ግዝኣት ተትኸውን ነይራ መራሕቲ ህወሓት ኣይኮነንዶ ትግራይ ሓደ ሚልዮን ህዝባ ድሕሪ ምስኣና ኣብ ዝጣየሽ ዘሎ ካውንስል ክውከሉ ይትረፍ ብህጊ ዝጥየቑ ገበነናታት ገበነኛታት ‘ዮም። ብኣንፃሩ፥ ዓላማን ተልእኾን ናይዚ ካውንስል ሕዚ ‘ውን እቲ ዝነበረ ብወውስቦን ብጥቕምን ዝተጋመደ መስፍናዊ ስርዓት መራሕቲ ህወሓት ብሰላሕታ ንምቕፃል፣ ረብሓን ስልጣንን በፃብዕቲ ዝቑፀሩ ውልቀ ሰባት ንምሕላው ተኾይኑ ከምዛ ሕዚ ንሪኣን ንሰምዓን ዘለና፥ ብሽርሕን ተንኾልን ውሑዳት ዝተኣልመ መደናገሪ ኣሰራርሓ ብሽም ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዕላዊ ክግብር ግድን ‘ዩ። መቕረቢ ናይቲ ፅሑፍ፥ “ክልተ ኣማረፂ ሓሳብት ተራእዮም ቀሪቦም ኣለዎ” ክብል ከሎ ብሓቂ መሰረታዊ ዝኾነ ኣፈላላይ ዘለዎ ኣማረፂ ሓሳብ ቀሪቡ ዘይኮነ የግዳስ ሰማዒ መማረፂ ሓሳብ ከም ዝቐረበ ጌይሩ ንኽኣም ዝቐረበ ክፉእን ኣዝዩ ዝኸፍኣን ተባሂሉ ክቕመጥ ዝኽእል መደናገሪ ሓሳብ መራሕቲ ህወሓት ምኻኑ ምፍላጥ ‘ውን ኣገዳሲ ‘ዩ።

ኣካላት ካውንስል ትግራይ

1. መሰረቶም ኣብ ትግራይ ዝገበሩ ፖለቲካዊ ውድባት

· ሳልሳይ ወያነ፣ ባይቶና፣ ውናት፣ ህወሓት፣ ዓሲምባ ወዘተ

· ንተሳተፍቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዝወሃብ በዝሒ ወንበር 61

¨ ህወሓት ከም ፓርቲ ንሳልሳይ ወያነ፣ ንባይቶና፣ ንውናት ወዘተ ተከፊሉ ዝበፅሐን ድርሻ ማዕረ ተኻፋሊት ትኸውን። እዚ ማለት ተሳተፍቲ ናይ ፖለቲካዊ ውድባት 6 ይኾና 7፤ 61 ን6 ወይ 7 ተኻፊሉ ዝረከብ ድምፂ ጥራሕ ይህልዋ። ብፅሒታ ብዝምልከት ካብ ወረዳ ተመፃያሞ ካብ ዞና ነባር ቤት ምኽሪ ትበሎ ውድብ ህወሃት ንግዚኡ ‘ውን ተኾነ ካብ ተሓታትነት ኣምሊጦም ተሳተፍቲ ንምዃን ዕድል ንዝገተሞም ንመራሕቲ ህወሓት ዝምልከት ይኸውን።

2. ሲቪል ማሕበረሰብ ትግራይ

· መናእሰያትን ደቂ ተነስትዮን፣ ማሕበር ነጋዶ፣ መራህቲ ሃይማኖት ወዘተ

· ንተሳተፍቲ ሲቪል ማሕበረሰብ ዝወሃብ በዝሒ ወንበር 10

· ተሳተፍቲ ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ዳያስፖራን ዝተዋፅኡ ክኾኑ ይኸእሉ ‘ዮም (ብስምምዕነት)

3. ምሁራትን ሰብ ሞያታትን

· ናይ ሕጊ፣ ናይ ኢኮኖሚ፣ ናይ ፖለሲን ህዝባዊ ምሕደራን ዝኣመሰሉ ሰብ ሞያታት ዝካተተ

· ንተሳተፍቲ ምሁራትን ሰብ ሞያታትን ዝወሃብ በዝሒ ወንበር 14

· ተሳተፍቲ ካብ ውሽጢ ዓድን ካብ ዳያስፖራን ዝተዋፅኡ ክኾኑ ይኸእሉ ‘ዮም (ብስምምዕነት)

4. ተወከልቲ ብሔረሰብ ኩናማን ኢሮብን

· ንተሳተፍቲ ዝወሃብ በዝሒ ወንበር 4

ጥቕላላ ወንበር ካውንስል ትግራይ ብድምር 89 ይኸውን። ሚድያ ኣካል ካውንስል ዝኾነሉ ዕድል ዕፅው ኣይኮነን ኮይኑ ግና ልሳናት መራሕቲ ህወሓት ዝኾና ወይን፣ ትግራይን ቴሌቪዥንን ድምፂ ወያነ ሒዝካ ዝሳለጥ ናይ ለውጢ ጉዕዞ ክህልው ስለ ዘይኽእል ፖለቲካዊ መድረኽ ትግራይ ንዘይሻራውያን ሚድያታት ዕድል ክሳብ ዝኸፍት ላስናት መራሕቲ ህወሓት አባላት ካውንስል ምግባር ኪሳራ ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል።

ኣብቲ ዝሃለፈ ናይ 27 ዓመታት ህወሓት መራሹ ኢህኣዴግ ዘመነ መንግስቲ “እገለ ተዝፈሓቕ እገለ ‘ዩ!” ዝብል ዝተለመደ ህወሓታዊ ኣባሃላ ከም ዝነበረ ይዝከር። ድልድል ኮታ ኣመልኪቱ ብኣባል ማዕኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝቐረበ መልዓሊ ሓሳብ፥ ምፍሓቕ ከየድለየ መንነቶም ብገሃድ ዘፍለጡን ዝፍለጡን ነባር ቤት ምኽሪን ሰራዊት ትግራይን ዘካተተ ካውንስል ናይ ምጥያሽ ሓሳብ ናይ ሽርሒ ሓሳብ ብምኳኑ ዝቐረበ መማረፂ ዘይነበሮ መማረፂ ተባሂሉ ሙቐት ህዝቢ ትግራይ ንምልካዕ ዝቐረበ መታለሊ ሓሳብ ውዱቕ ንክኽቅውን ከም መልዓሊ ሃሳብ መርትዖይ ከቕርብ።

· ነባር መሪሕነት ኮነ ነባር ቤት ምኽሪ ብዝምልከት፥ ልቢ ይበሉ፥ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ዝኾነ መቕረቢ ናይዚ ፅሑፍ አባላት ናይዚ ኣማኸሪ ካውንስል ክዝርዝሩ ከለዉ ውድብ ህወሓት ዝብል ቃል ካብ ኣፉ ኣይሰተኾትን (ተቖሪፁ ኣብ ዝቐለበ ዜና ኣይተሰምዐን)። እቲ ሕቶ ኣዝዩ ቐሊል ‘ዩ፥ ዝተፈራረምኩ ኣነ ‘የ – ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ድማ ኣነ ተዘይበሓትክዎ ሞይተ ይርከብ ኣለኹ! እናበለት ጎሮሮ እቲ ካብ ሕማምን ጥሜትን ዝተረፈ ህዝቢ ትግራይ ሓኒቓ ሒዛ ምጥያሽ ጊዜያዊ ምምሕዳር ዘናወሓት፤ ደበረጽዮን ገብረሚካኤል ብዕሊ ብዝሓቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ንሽም ‘ዩ ሓቋፊ ዝበልናዮ ድኣምበር ጊዜያዊ ምምሕዳር ህወሓት ‘ዩ! እናበለ መሬት ኣይትኹንኒ እናበለት ዝኸረመት መፅነቲት ህዝብን ዓድን ዝኾነት ውድብ ህወሓት ሎሚ ኣበይ ኣተወት? እዝነይ ድዩ ወይስ …? በሃላይ ተኾይኖም ኣይተጋገዩን። ብርግፅ፥ እዝኖም ኣይኮነን የግዳስ መቕረቢ ናይዚ ፅሑፍ ኣባል ማእኸላይ ኮሚቴ ህወሓት ማለት ‘ውን መልእኽተኛ መራሕቲ ህወሓት ብምኻኑ መራሕቲ ህወሓት ብተመሳሳሊ ትግራዋይ ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ህወሓት ዝበሃል ነገር ክሰምዕ ከም ዘይደሊ ግልፂ ስለ ዝኾኖሎም ውድብ ህወሓት እቲ ትማሊ ብፌርመኦም ዘፍረስዎ “ነባር ቤት ምኽሪ” ከም ዝተሓብኣት ምርዳእ ከድሊ ‘ዩ። ዓላማን ተልእኾን ናይዚ ካውንስል ናብ ዝነበርናዮ፥ ማለት ‘ውን ትግራይ ናብዚ ሎሚ ዘላቶ ፀላም ዘጥሓለ ኩነታት ንምምላስ ዝዓለመ ተዘይ ኮይኑ እግሩ ንቕድሚት እናኸደ ኣዕይንቱ ንድሕሪት ዘመዓድው ሰብ ጥዕና ዘለዎ ዘይኮነስ ጥዕና ዝጎድሎን ሕክምና ዘድልዮን ሰብ ጥራሕ ‘ዩ ክኸውን ዝኸእል። ብመሰረቱ እዚ ነባር መሪሕነት ዝበሃል ዘሎ ካሊእ ዘይኮነስ ዝኸሰረ ኣባል ወይ ድማ ደጋፊ ውድብ ህወሓት ‘ዩ። እዚ ነባር ቤት ምኽሪ ዝበሃል ዘሎ ብተመሳሳሊ ኣካል ‘ውን ካሊእ ዘይኮነ መሳርሒ ምምሃር ደው ዘበለ ዕለት ምሕሳብ ደው ዘበለ መሪሕነት ህወሓት ኮይኑ ኣብ ሞትን ጥፍኣትን ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ናይ እጃሙ ዝተዋፀኣ ካብ ተሓታትነት ዘይምልጥ ገበነኛ ስብስብ ‘ዩ። ተኾነ፥ ነባር ቤት ምኽሪ ትግራይ፥ ሎሚ ሞትን ጥፍኣትን መናእሰያት ትግራይ ድሕሪ ምርኣይ ኣይኮነንዶ ናብ ስልጣን ክምለስ ይትረፍ ሰዓን ኣቕሙ ድራር ሓዊ ዝገበሮ ህዝቢ እናረኣየ ህዝቢ ትግራይ ምሕረት ንኽገብረሉ ክጥይቕ ምተገበኦ ነይሩ። ብተወሳኺ፥ ነባር ቤት ምኽሪ ማለት መራሕቲ ህወሓት “ውድብና ኣብ ውሽጡ ዘሎ መሰረታዊ ጉድለት ዘስዓቦ ሓደጋን ገምጊሙ ኣብ መስመራቱ ኣብ ፕሮግራማቱ ምትዕርራይ ክገብር ወሲኑ ኣሎ” ክብሉ ብዕሊ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ግዳማውያን ሓይልታት ኣብ ልዕሊ ትግራይን ህዝቢ ትግራይ ንዝፈፀምዎ ኩሉ ዓይነት ግፍዕን በደልን እዚ ዝበሃል ዘሎ ንቡር ዘይፈልጥ ነባር ቤት ምኽሪ መራሕቲ ህወሓት መስመርን ፕሮግራምን ህወሓት መስመረይን ፕሮግራመየን ‘ዩ! እናበለ ተሸኪሙ ዝመፀን ካብዚ ዝተልዓለ ‘ውን ዓድን ህዝብን ዘጥፈኣ ምኳኑ ከመይ ክስወረና ይኽእል? እዚኣ ክርኢን ርእዩ ተቓውምኡ ከስምዕ ዘይኸእል ምሁር ትግራዋይ እንታይ ዝብልዎ ምሁር ‘ዩ ክኸውን ዝኽእል? ኣይተ ጌታቸው ኣብዚ ቕንያት ኣብ ከተማ ኣኽሱም ተረኺም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ንዓይ ዘፍረሓኒ ንመፃኢ ትግራይ ኣርኣያ ዝኸውን ሰብ ንኸይትስእን ጥራሕ ‘ዩ” ምባሎም ይዝከር። እምበኣርከስ፥ ኣርኣያ ዘይብላ ትግራይ መፃኢት ትግራይ ዘይኮነስት እዛ ሎሚ ኣብ ኢድና ዘላ ትግራይ ንዘይምኳና ኣንባቢ ይሞግት።

· ሰራዊት ትግራይ ብዝምለከት፥ ሓደ ነገር ኣፅንዖት ሂበ መልእኽተይ ከመሓላልፍ እደሊ። ንሱ ‘ውን፥ ፅቡቕ ነገር ምግባር ትኽክለኛ ነገር ምግባር ማለት ከም ዘይኮነ ክንርዳእ ይግባእ። ህዝቢ ትግራይ እዚኣ ንምግባር በቒዑ ዘሎ ሳለ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ማለት ‘ውን ሳላ ሰራዊት ትግራይ ንምኳኑ ንቕፅበት ‘ውን ተኾነ ትጠራጠር ነፍሲ የላን። እዚኣ ክንዕቅባ እንኽእል ግን ስምዒት መሰረት

ጌርካ ኣብ ዝስራሓ ስራሕ ዘይኮነ ዋላ ‘ውን እናቕሓረና ብንገብሮን ብንወስዶን ቆራፅ ውሳነ ‘ዩ። ህዝቢ ትግራይ ከም ህዝቢ፥ ትግራይ ትስዕር! ኢሉ ወፊሩ ዘመዝገቦ ዓወት ካብ ወፅዓን ዓመፅን ግዳማዊያን ሓይልታት ‘ዩ ገላጊልና/ዝገላገለና ድኣምበር ትግራይ ሎሚ ገጢምዋን ረኺባቶን ዘላ ፖለቲካዊ ስዕረት፣ ኪሳራን ደልሃመትን መበገሲኡ ድሑር እምነትን ኣተሓሳስባን መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ዘስዓቦ ‘ዩ። መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ሕማቕ ዝበሃል ሪኮርድ ዘለዎም ሰባት ንምኳኖም ኣብ ሎሚ በፂሕና ኣይንኽሕዶን ኢና። ሓድሽ ወለዶ ትግራይ፥ ትግራይ ሕዚ ኸ ናበይ?! ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ መፃኢ ህዝብን ዓድን ኣብ ዝግምግመሉ ሰዓት፥ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ‘ዮም ኔይሮም ትማሊ ህወሓት ሎሚ ህወሓት ኢና! እናበሉ ብረቶም ናብቲ ሕቶ ዘልዓለ ትግራዋይ ኣቕኒዑም ትግራይ ናብ ዘይትወፆ ዓዘቕቲ ዝጠልዋ። ማሕበረሰብ ትግራይ ከም ህዝቢ ሎሚ ንሰዝመዖ ዘሎ ሰማዒ ዝሰኣነ ኣውያት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ካላሶም ሓሊዮም ንኽነብሩ ዝተኸተልዎ ግጉይ መንገዲ ዘስዓቦ ‘ዩ። ንትግራይ ራሕሪሆም ባንክን ታንክን ኢትዮጵያ ተቖፃፅኢሮም ኣብ ዝነበርሉ ዘመን ሀብትን ንብረትን ዘፍረዩ መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ጥዕና ተዝህልዎም ኔይሩ ሎሚ ህዝቢ ትግራይ ጥዕና ኣይምሰኣነን ኔይሩ። ብዕሊ፥ እወ ኩልና ሌያቡ ኢና! ኢሎም ኣብ ዝነገሩና ሰዓት መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ኣካል ካውንስል ንክኾኑ ምፍቃድ ኣነ ብውልቀይ ስሕተት ‘ዩ ኢለ ብቐሊሉ ዝሓልፎ ዘይኮነ የግዳስ ትግራዋይ ዝበሃል ማሕበረሰብ ማናልባት ‘ውን ሰብ ዘይፈልጦ እርግማን ክህልዎ ከም ዝኽእል ንኽኣምን ክግደድ ‘የ። ንምንታይ? ለውጢ ዝደለ ግለሰብ ይኹን ማሕበረሰብ ዘልኣለም ኣብ ጌጋ ክነብር ስለ ዘይኸእል ‘የ። መራሕቲ ሰራዊት ትግራይ ምናልባት ናብ ቀልቦም ዝምለስሉ ዕድል ምስ ዝህል ‘ውን ከም ሓይልታት ፀጥታ ናይዚ ካውንስል ስልጣንን ኣንፈትን ተቐቢሎም ህግን ስርዓት ንክኽበር ብምግባር ናይ ትግራይ ሰላምን ድሕንነትን ኣብ ምርግጋፅ ናይ እጃሞም ክዋፅኡ ከም ዝኽእሉ ኣይጠራጠርን ‘የ።

· ተፈለጥቲ ውልቀ ሰባትን ነባራት ኣመራርሓን ተባሂሎም ዝተፈለዩ ‘ውን ተኾነ መኒኦም ‘ዮም ዝውከሉ? ዝብል ሕቶ ምልዓሉ ኣይተርፍን። መራሕቲ ህወሓት ኣብ ዝተኸልዎ ዳስ እናተረኸቡ ዘየለን ዘይተፅሓፈን ከንብቡን ክዛረቡን ትግራይ ናብ ሓዊ ዘእተዉ ውልቀ ሰባት ወይስ ኣይፋል እናበሉ መሪሕነት ህወሓት ክግስፁ ዝኸረሙ ነዚ ስዒቡ ድማ ካብ ደመዎዝን ናይ ስራሕ ዕቤትን ተቐፂዖም ዝተረፉ? ዝብል ሕቶ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ኣይኸውንን። ንምኻኑ መለኪዒ ተፈላጥነት ኣብ ትግራይ እንታይ ‘ዩ? ስሙርን ሚዛናውን ኣተሓሳስባ ዘለዎ ወይስ ክፍለጥ ዘይግበኦ ግን ድማ ብኾነይ መነይ መራሕቲ ህወሓት ተፈላጢ ዝገበርዎ ተፈላጢ ዝኾነ? ብስሩ ግን እዛ ትግራይ እትበሃል ዓዲ ኣይበትከላን ድዩ? ህዝብን ዓድን ብሰንኪ ድሑር ኣተሓሳስባ ነባር መሪሕነት ምጥፍኦም እናተፈለጠ ሎሚ ‘ውን ነባራት ኣመራርሓ ክበሃል? ነባር ኣመራርሓ ዝረብሕ ተዝኸውን ነይሩ መጀመሪያ ንነፍሱ ምረብሓ። ነባር ኣመራርሓ እናተብሃለ ንኽፅዋዕ ምትራፉ ‘ውን ተኾነ ደቂ 14ን 15 ዕሸላት ቀቢሩን ኣጥፊኡን ምኻኑ ክዝንጋዕ ኣይምተገበኣን። ብዝኾነ፥ ነባር ኣመራርሓ ከበሃል ከሎ መሪሕነት ህወሓት (ኣባል ወይ ደጋፊ ህወሓት) ምኻኑ ዘይፈልጥ ትግራይ ዘሎ ኣይመስለንን ብምኻኑ ድማ እዚ ብሽም ዲፕሎማትን ካልኦት ተቐፅላ ቀሚሳትን ዝሽቅጥ ምሕሳብ ደው ዘበለ ደረቕ እሾኽ (ነባራት ኣመራርሓ) ፈፂሙ ክቑረፅ ‘ዩ ዘለዎ።

· “ዳያስፖራ” ትግራይ ብዝምለከት፥ ንትግራይ ካብ ሰላምን ራህዋን ለውጥን ዕቤትን ወፃኢ ካሊእ ትምኒትን ናተይ ናይ በይነይ ዝብሎ ፖለቲካዊ ኣጀንዳን ዘይብሉን ባሕሪ ተሳጊሩ ዝነብር ብተለምዶ “ዳያስፖራ” ትግራይ ተባሂሉ ዝፍለጥ አካል ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ምጥያሽ እዚ ካውንስል ብኻሊእ መንገድታት ዝውከለሉ ዕድል ማለት ‘ውን፥ ብምሁራን ክኸውን ይኽእል ካብ ተፅዕኖ መራሕቲ ህወሓት ብመጠኑ ‘ውን ተኾነ ኣብዝሓ ነፃ ዝኾና ስቪል ማሕበራት ካብ ትግራይ ወፃኢ ብምኳነን ንምሁራትን ንሲቪል ማሕበራትን ተባሂሉ ኣብ ዝስላዕ ድምፂ ዲያስፓራ ትግራይ ቦታ ናይ ምርካብ ዕድሉ ሰፊሕ ብምኳኑ ርዕሱ ኽኢሉ ድምፂ ምሓዙ ኣድላይነቱ ኣይረኣየንን። በዚ ኣጋጣሚ ንዳያስፖራ ትግራይ ከመሓልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ግን፥ ንሲቪል ማሕበረሰብ ምሁራን ተባሂሉ ኣብ ዝተሰለዓ ድምፂ/ወንበር፥ ኣብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓን ዝርከቡ ሲቪል ማሕበረሰብ ምሁራን ድርሻ ንኽልዎም ንዝምልከቶ ኣካል ንኽሕብሩን ምርድዳእ ክፈጥሩን ፃውዒተይ የቕርብ።

ስልጣንን ሓላፍነትን ካውንስል ትግራይ

· አባላት ስራሕ አስፈፀምቲ (ካቢኔ) ጊዜያዊ ምምሕዳር ትግራይ ናይ ምቁፅፃርን ተሓታቲ ናይ ምግባርን ግልፂን ዝለዓለን ስልጣን ይህልዎ።

· ህጹጽ ጉዳያት ንምምካት፣ ፀጥታን ድሕንነትን ትግራይ ንምውሓስ፣ ከምኡ ‘ውን ትግራይ ናብ ንቡር ምሕደራ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ስራሕቲ ኣድላዪ ዝኾነ ሕጊ ወይ ፖሊሲታት የውፅእን የፅድቕን።

· ሓለዋን ፀጥታን ትግራይ ማለት ‘ውን ሓይልታት ፀጥታ ትግራይ ብዝምልከት ንዝግበርን ንዝህልውን ዝኾነ ይኹን ውሳነታት ይሳተፍ/ይውስን፤

· ተመዛበልቲ ወገናትና ናብ መረበቶም ዝምለስሉ፣ መንግስትን ሰራዊትን ኤርትራ ከምኡ ‘ውን ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ብወራር ካብ ዝሓዝዎም ግዝኣታት ትግራይ ንኽወፁ ጊዜያዊ ምምሕዳር ክሳብ ሕዚ ዝኸዶ ክያዱ ገምጊሙ ቀፀሊ ኣንፈት የቕምጥ፤

· ብስርቅን ብኽትራንን ከም ሻምባቆ በረኻ ትሕቆን ዘላ ትግራይ ሰላማ ኣብ ምሕላውን ምርጋግፅ ዓሊሙ ምስ ሓይልታትን ፀጥታን መኽበርቲ ህግን ሓቢሩ ብምስራሕ ሕግን ስርዓትን ንኽኽበር ይገብር፤

· እቲ ቅድሚ ሕዚ ብገምጋም መልክዕ ዝቐረበ ናይ እኽሊ፣ ናይ ነዳዲ፣ ናይ ሓፂን መፂን ስርቆት ዘካየዱን ዝተሳተፉን ኣካላት፣ ቅድሚ ሕዚ ገምጋም ዘይተገብረሉ ግን ድማ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምልማስ ዓቢይ ግደ ዝተፃወተ ሀብትን ህዝብን ኣብ ምዝራፍ ኢዶም ዝሓወሱ ናይ ርሑቕን ናይ ቀረባን ግቡእ መፅናዕቲ ኣካይዱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀረቦም ተሓተቲ ንኾኑ ይገብር፤

· ኣብዚ ሕዚ ሰዓት ካብቶም ብዓብይኡ ፈተናታት ጊዜያዊ ምምሓዳር ኮይኖም ዝርከቡ ሓደ ዝኾነ ብኽነት መንግስታዊ ሀብትን ንብረትን፣ ትካላዊ ብልሽውናን ሕማቕ ኣተሓሕዛን ንምክልኻል ዓሊሙ ገንዘብን ሃብትን ትግራይ ብግቡእ የመሓድር። እዚ ማለት፥ ኣባላት ጊዜያዊ ምምሕዳር (ካቢኔ) ገንዘብን ሃብትን ትግራይ ብዝምልከት ዝስራሕ ዝራሕ ግልፅነት ንኽህልዎን ይገብር፥ ግድፈትን ጥፍኣትን ምስ ዝርከብ ድማ ብሕጊ ተሓተቲ ንኽኾኑ ይገብር፤

· ትግራይ ዲፕሎማሲያዊ ይኹን ሰብኣዊ ሓገዛት ንምርካብ ምስ ናይ ዓለም ማሕበረሰብ ኣብ እትገብሮም ርክባት ንጡፍ ተሳትፎ ይገብርን ይህልዎን፤

· ብመዳይ ጥዕና፣ ትምህርትን ካልኦት ኣገደስቲ ህዝባዊ ኣገልግሎታትን ትሕቲ ቕርፅን ናብ ልመና ዝተመለሰት ትግራይ ተንሳእርረሉ ኣንፈት ይሕብር ውሳነታት ‘ውን ይውስን፤

· ሓድነት ማሕበረሰብ ትግራይ ኣብ ምጥንኻር ዓሊሙ ምስ ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ርክባት ብቐፃልነት ዓቂቡ ንጥፈታቱ (ዝሰርሖም ስራሕቲ) ኣብ እዋኑ የፍልጥ፣ ከምኡ ‘ውን ማሕበረሰብ ትግራይ ናብ ንቡር ኣብ ምምላስ ኣብ ዝግበር ምርብራብ ካብ ህዝቢ ኣድላዪ ሓበሬታ የተኣኻኽብ፤

· ጉዳይ ተሓታትነትን ግዝኣትናን ከም ዘሎ ኾይኑ ከም ህዝቢ ትግራይ ምስ ኣምሓራ ኾነ ምስ ኤርትራ ሰላም ናይ ምውራድ ዘለዋ ባህግን ደሌትን ተጠናኺሩ ንኽቕፅል ኣድሚዑ ይሰርሕ፤

· ኣብ ፃኒሕቱ ኣብ ቁጠባዊ ሕውየትን ኩለ መዳያዊ ዳግመ ህንፀት ትግራይን መደብ (plan) የውፅእ ብንጥፈት ‘ውን ይሳተፍ፤

· ምስ ፖለቲካዊ ውድባትን ከምኡ ‘ውን ብቐፃሊ ኣብ ትግራይ ንዝግበር ምርጫ ነፃን ፍትሓውን ኮይኑ ቅቡልነት ንኽህልዎ ይሰርሕ። እዚ ማለት፥ ምዝገባ መረፅቲ፣ ምፅራይ ሕፁያት፣ ረፈረንደም ናይ ምግባር ዕድል ተረኺብና ‘ውን እዚ ኣብ ምግባር የተሓባብርን ይቆፃፀርን። ነዚ ስዒቡ ጊዜያዊ ምምሕዳር ስልጣኑ ህዝቢ ትግራይ ዝመረፆ መንግስቲ ትግራይ ብሰላም ምስ ዘረክብ ህልውና ናይዚ ካውንስል ሓቢሩ ኣብዚ የኽትም።

By aiga