‘ጉጅለ ብልፅግና’ ልእኽቶ መንግስቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ዝዳፋእ ስራሕቲ ይዓዪ ኣሎ። ናይ ምክልኻል ሓይሊ ትግራይ ምንቅስቓሳት ሓበሬታ ዝእክባ ከምኡ እውን ካብ እቲ ብ ስሩዕ ዝግለፅ ሪፖርት ወፃኢ ክህልው ዝኽእል ኣጣራጣሪ ተርእዮታት ንምውህላል ተባሂሉ ዳርጋ ኣብ መብዛሕቲኡ ከባብታት ትግራይ ብ ነፈርቲ ዝተሓገዘ ምእካብ ሓበሬታ ይካየድ ቀንዩ። እዚ ተግባር ድማ ምስ ኣብ መሬት ዝተሰማረዩ ሰለልቲን ባንዳታትን ብምውዳድ ይስራሕ ከምዘሎ ይግለፅ። ስለ እዚ ጉዳይ ጥርዓን ዘቕረበ ምምሕዳር መቐለ ድማ ን ምንቅስቓስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝምልከት ከምዝኾነ ክሕበረሎም ፀኒሑ። እቲ ነገር እናተደጋገመን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዘየለውሉ ከባብታት ምስተርኣየ ድማ ምንቅስቓሳት ሰራዊት ጎረቤት ሃገር ንምዕጋት ዝዓለመ ስራሕቲ ንምስራሕ ዝሕግዝ እዩ ዝብል ካሊእ መልሲ ተረኺቡ ክብሉ ምንጭታትና ገሊፆም።

By aiga