ማዓርግ ታፈረ (Ph.D.)

ቶሮንቶ፣ ካናዳ

ሰነ 2023 ኣ/ፈ

“ሳኣን ኣያ ሳኣን ኣያ ትግራይ ዓደይ ኣማዕድየ ርኤያ” እትብል ደርፊ ካብቶም ቀዳሞት ናይ ቃልሲ ደርፍታት ሓንቲ  እያ። ቆልዓ ኮይኑ ዘይደረፋ ወይ ካዓ ክትድረፍ ዘይሰምዐ ሰብ ኣይህሉን። እቲ ዘግርም ነገር ግና ሎሚ ድሓሪ ኣስታት ሓምሳ ዓመታት’ውን ትግራይ ኣያ ዘይብላ ኮይና ትርከብ። ናይ ፖለቲካ ናይ ገመድ ጉትት ካብ’ቲ ናይ ሕዝቢ ትግራይ ፅንተትን ፣ ምፍንቓልን ፣ ዘይውዳእ ስቓይን በሊፁ ኣብ ዝርኣየሉ እዋን ኣለና። እብዙይ ግልፂ ክኸውን ዘለዎ ነገር “ኣያ” እንትንብል ሓደ ዓብላላይን ጎብለልን ናይ ፖለቲካ ሓይሊ እንተይኮነስ ናይ ሕዝቢ ሃለዋትን ድሕንነትን ዘግደሶ ፣ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት ይኹኑ ካልኦት ገዛእቲ ኢና ባሃልቲ ናይ ውልቆም ረብሓ ካብ ናይ’ቲ ሕዝቢ ዓፀቦ ከቕድሙ እንትርኢ ዓገብ ዝብል ማለት እዩ። ሎሚ ትግራይ ካብ እቶም ኣዝዮም ከበድቲ ዝባሃሉ ዘበናት ምናልባሽ ኣብ’ት ዝኸበደ ኹነት ትርከብ። ከቢድ ዝገብሮ እቲ ብወረርቲ ኣብ ትግራይ ዝበፅሐ ግፍዒ ጥራሕ እንተይኮነስ ናይ ባዕለይ እትብሎም ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት’ውን ሰነያ ዝሳኑሉ እዋን ብምዃኑ እዩ። ትግራይ ኣብ ከምዙይ ኩነታት እንትትኣቱ ግደፉ ባሃላይ “ኣያ” ንኽህሉ እንታይ ክግበር ኣለዎ? ኣብዙይ ነናይ ሕድሕድና ብፅሒት እንታይ እዩ? በዚ መንፅር ርኢና እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ንምዝታይ ዕድል ክንረክብ ኣለና።

ትግራይ ኣብ ተመሳሳሊ ናይ ፖለቲካ ዕንክሊል ምእታዋ ሎሚ ቀዳማይ ኣይኮነን። ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ቅድሚ ሎሚ’ውን ነይሩ እዩ። ኣብ ቀረባ ካብ እንዝክሮም ተመሳሰልቲ እዋናት ሓደ ድሕሪ መስዋእቲ ነጉሰ ነገስት ዮሃንስ 4ዓይ ዘጋጠመ ኣብነት ምዃኑ ብዙሓት ዝሳማምዑሉ ዛዕባ እዩ። እቲ እዋን ንሱ ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካዊ ውድቀት መንገዲ ዝኸፈተ ጥራሕ ዘይኮነስ ስዒቡ ንዝመፀን ንልዕሊ ምኢቲ ዓመት ዝቐፀለን ናይ ትግራይ መከራ መንገዲ ዝኸፈተ ምዃኑ ግልፂ እዮ። ከምዙይ ዝበለ ፀገም ኣብ ካልኦት ሕዝቢታት ሓለሓሊፉ ዝፍጠር ክስተት ክኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ሕዝቢ ደጊሙ ደጋጊሙ ኣብ ተመሳሳሊ ኩነታት እንትወድቕ ግና ንሕና ጥራሕ ከይንኸውን እስከፍ። ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ንመጻኢ ኣብ ተመሳሳሊ ጉድጓድ ከይንወድቕ እንታይ ንግበር ኣብ ዝብል ኣድሂበ ናተይ ክውከፍ ስለዝደለኹ እዛ ሓጻር ጽሕፍቲ ሰው ኣቢለ ኣለኹ። ንምንባብ ዕድል እትረኽቡ ሰባት ሓሳብ ሃቡ ፣ ንኻልኦት’ውን ኣካፍሉ’ሞ ንዛተ ፣ ፅቡቕ ኮይኑ ዝተረኸበ ሓሳብ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ብፅሒትና ንፈፅም።

ናብ ናይ ፍታሕ ሓሳብ ቅድሚ ምኻድና እቲ ጸገም ኣቐዲምና ምርዳእ ግድን ክብለና እዩ። ሎሚ ጥራሕ እንተይኮነስ ቅድሚ ሎሚ’ውን ዘጸገመና ነገር እንታይ እዩ? ማዓስ ኢና ንቕድሚት እንስጉም ማዓስ ኢና እንዕንቀፍ? ጠሊፉ ዘውድቐና ናይ ደገ ፀላኢ ድዩስ ናይ ባዕልና ዘይ ምዑርይ ኣካይዳን ህርፋን ስልጣንን? ወዘተ ዝብሉ ቁምነገራት ምስ እነልዕል ናይ ፀገምና ቀንዲ መበገሲ ስልጣን ኮይኑ ንረኽቦ። ትግራዋይ ብቕዓት ዘለዎ መራሒ ክመርሖ ፀገም የብሉን። ንፉዕ መራሒ ኣብ ዝረኸበሉ እዋን ኣይኸውንን ዝተባህለ እንትፍፅም ፣ ኣያሓልፎን ዝተባህለ እምባ ጨዲዱ እንትሓልፍ ፈታዊን ፅላእን ይዕዘብ። ኮታስ ዓርሰ እምነት ዘለዎ ፣ ርእይ ዝሰነቐ ፣ ንኹሉ ኣእሚኑ ዘቃልስ ኣመራርሓ እንትህሉ ሕዝቢ ትግራይ ብዘይ ሰጋእ መጋእ ኣብ ጎኑ ይስለፍ። ይኹን ድኣም’በር ኣብ ስልጣን ዝፀንሐ ሓይሊ እናደኸመ ምስዝመፅእ ፣ ወይ ካዓ እቲ ቀንዲ ቀላሲ ኣብ ዘይ እዋኑ እንቲ ፍለ’ሞ እቲ ስዒቡ ዝመፀ ኣማራርሓ ዓቕሙ ንኡስ ምስ ዝኸውን ፀገማት ምፍጣሮም ዘይተርፍ ይኸውን። ኣብ ሞንጎ’ቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ናይ ስልጣን ይግበአኒ ንሕንሕ ይፍጠር’ሞ ውሽጣዊ ሓድነቱ እናቓሃመ ግን ካዓ ኣለኹ እናበለ ክቕፅል ይፍትን። ሹዑ እቲ “መራሒ ውዳበ” ወይ ካዓ ስርዓት ሕዝቢ እናበደለ ፣ ቃሉ እናዕበረ ፣ ካብ መትከሉ’ውን እናወጸ ይኸይድ ብሕዝቢ’ውን እናተናዕቐ ይመፅእ። ስልጣን ይግበአኒ ባሃላይ ካዓ ኣብ ውሽጢ’ቲ ድርጅት ጥራሕ እንተይኮነስ ካብ ደገ’ውን እናበዝሐ ይመፅእ። እቲ ሓዱሽ ኣመራርሓ ሕዝቢ እናነፀጎን ኣብኡ ዝነበሮ እምነት እናቐነሰ እንትኸድ ኣይፍለጦን ወይ ካዓ ክኣምን ኣይደሊን። ከም’ዙይ ዝበለ ኹነት ኣብ ኩሉ ዝበፅሕ እንትኾን ፀገም ዝኸውን እቲ ኣማራርሓ ከም ቀድም መሲልዎ ጉዕዝኡ ስለዝቕፅል እዩ። ዝስዕቦ ሰብ እተዋሓድ’ውን ስኽ ኢሉ ይቕፅል። ንቑህ መራሒ እንትህሉ ነቲ ኹነታት ብእዋኑ ታዓዚቡን መዚኑን እንተስ ኣመራራሓ ክቕይር እንተስ ዕላማ ከስታኻኽል ይፍትን። ዘይምዕዳል ኮይኑ ግና ንትግራይ ክሳብ ሎሚ ዝመርሑ መራሕቲ ሕዝቢ ተስፋ ቆሪፁ ምስዓብ እንትገድፎ’ውን መራሕቲ በይንቶም “walk” እንትገብሩ ኣይስከፉን። ሳዓባይ ያሃሉ ኣያሃሉ “እቲ

ግመል ጉዕዝኡ ይቕጽል” ምስ መን? ዋላ በይኑ። እቲ ካልእ ፀገም ካዓ ኣብ ጥቓ እቲ መራሒ (ወይ ካዓ መራሒ ዝኾነ ዝመሰሎ) ዘለው ሰባት ዓርሰ እምነት ዘይብሎም እንተኾይኖም እሞ እቲ መራሒኦም እንተ ታኣልዩ ኣብ ሽግር ዝወድቁ ምስ ዝመስሎም ዋላ እቲ መራሒ ያኣኽለኒ ዝብል እምነት እንተሃለዎ ዳሓን ኣለኻ እናበሉ ኣብ ዘይግበኦ ቦታ ክፀንሕ ይገብሩዎ። በዚ ምኽኒት ኣብ ሞንጎ’ቶም ለውጢ እንተ መፅዩ ክንጥቀም ኢና ዝብሉን ለውጢ ዝፅልመቶምን ከቢድ ንሕንሕ ይፍጠር’ሞ ኣብ ሞንጎ ሕዝቢ ትግራይ ከፋሊ ዕዳ ዝኾነሉ ናይ ዕንክሊል ዘበን ይመፅእ። እዙይ ኣብ ታሪኽ ነንብቦ ፣ ሎሚ ኻዓ ብዓይንና ንሪኦ ኣለና።

ቅድሚ ናብ ካልእ ምሕላፍና ሓደ ብዙሓት ዝሓትዎ ግና መልሲ ክዋሃበሉ ዘይንሰምዖ ጉዳይ ኣሎ። መብዛሕትና ሕዝቢ ትግራይ ንናይ ባዕዳዊ ይኹን ንኻልኦት ገዛእቲ ሓይሊታት ብግፍዒ ኣይግዛእን ብሃላይን ዘድሊ መስዋእትነት ከፋላይን ኮይኑ እንተብቅዕ ንምንታይ ንናይ ባዕሉ ሕማቓት ተገዛኣይ ይኸውን? ንምንታይ ያኣኽለኒ ምባል ኣብዩዎ? ኢልና ንሓትት። እዙይ ብኽልተ መልክዕ ክንሪኦ ንኽእል ኢና። እቲ ሓደ ፣ ሕዝቢ ትግራይ ልቢ ኣዕቢዩ ደቅና ስለዝኾኑ ናብ ሕማቕ ኣይውዱቑናን ፣ ካባና ንላዕሊ ፖለቲካ ዝፈልጡ ስለዝኾኑ ከመይ ከምዝፈትሕዎ ይፈልጡ እዮም ፣ ”ውድብ” ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብ ከምዙይ ዝበለ ኩነታት ኣትያ ትፈልጥ’ያ ፈንጢሓ’ውን ወፅያ እያ ዝብሉን ካልኦትን መርገፂታት ስለዝሕዝ እዩ ክባሃል ይካኣል። ብኻልእ ወገን ካዓ ብሕልፊ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተታ ዓመታት ሕዝቢ ትግራይ ዘሕለፎም ስነ ምሕደራዊ ኩነታት ኣብ ግምት ምእታው ኣገዳሲ ይኸውን። እማን እዩ ሕዝቢ ትግራይ ብግፍዒን ብሓይሊን ዝግዛእ ኣይኮነን። እዙይ ፀላእን ፈታዊን ዝፈልጦ ሓቂ እዩ። ሎሚ ዘለዎ ኩነንታት ግና ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝነበሮ ክውንነት ይፍለ። ኣብ ዝሓለፉ ዓሰረተታት ዓመታት ሕዝቢ ትግራይ ብናይ ባዕሉ ኣማሓደርቲ ናይ “ስነ ልቦና መቕተልቲ” በፂሑዎ እዩ። ብናፅነት ከይሓስብ ፣ ዝርኣዮ ግፍዒ ከይተሰከፈ ከይገልፅ ናይ ገዛ ገዝኡ እሱር ኮይኑ ክነብር ተገይሩ እዩ።

ግፍዐኛታት እንትብድሉ ግደፉ ክብል ኣይኽእልን ፣ መግዛእትኹም ከቢዱና ኢሉ ከይትንፍስ ኣፉ ተለጒሙ እዩ። ከመይ ንዝብል ፣ እንተተዛሪቡ ብሃላዋቱ ስለ ዝሓዝዎ እዩ መልሰይ። እቶም መራሕቲ ኣብ መሬት ዘቐመጡዎም ካድረታት ነቲ ሕዝቢ ከም ዘይዛረብ ገይሮም ስለዝቐየድዎ። እንተተዛሪቡ መንግስታዊ ግልጋሎት ዝኽላእ እንተኾይኑ ፣ መሬት ዘለዎ መሬቱ ከም ዝሕደግ ኣፋራራሕ እንተበፂሑዎ ፣ ርድኤት ተቐባላይ ድኻ እንተኾይኑ’ውን ብሕም እንቴልካ ወይሎኻ ኣብ ቀፃሊ ሓንቲ ፍረ እኽሊ ኣይትቕበልን እንተተባኢሉ በያናይ ዓቕሙ ነቶም ናቱ ሕማቓት ይእለዮም? ፍትሒ ዘሎ መሲልዎ ንተወሰ እዋን ኣቤት እንተበለ መልሲ ኣይረኸበን። ብምርጫ ዘይደልዮም ሰባት ከየወግድ’ውን ብ”ውድብ” ዝቐርቡ ተመርፅቲ ንሳቶም እዮም። ናብ ላዕለዋይ ኣካል ከይዱ ኣቤት ከይብል ፣ እቶም ካድረታት ሰራውሮም ንላዕሊን ንታሕቲን ዘርክብ ኮነ። ናይ ሕጊ ትካላት ሓለዋ ከይገብረሉ’ውን ዝትሃነፀ ዘይሻራዊ ትካል የለን ፣ ኣለዉ ዝባሃሉ’ውን ኣብ ኢድ እቶም በደልቲ እዮም። ንየማን እንተበልካ ንፀጋም ፀልማት!! ነዚ ሕዝቢ እዙይ ዝኾነ እንትኾን ሱኽ ብምባሉ ከመይ ጌርና ንወቕሶ? እምባኣር ፍታሕ ክመፅእ እንተኾይኑ ናይ ካልኦትና ድምፂ ኣድላይ እዩ።

እቲ ዋና ዛዕባ ናይ’ዛ ሓፃር ፅሕፍቲ’ዚኣ ከምዙይ እንትኾን እንታይ ንገብር ዝብል እዩ? ሕዝቢ ትግራይ ብደገን በውሽጢን ዝበፅሖ በደል ከይንኣሶ እዞም ተናሓናሕቲ ሓይሊታት እንትራገፁ ሱኽ ኢሉ ዶ ይርአስ ካብ ከምዙይ ዝበለ ዕንክሊል ንምውፃእ ዝምህዞ ሜላ ኣለዎ? እቲ ሓደ መማረፂ እቶም ፖለቲከኛታት ከምዝገበሩ ገይሮም ይፍትሑዎ ኢልካ ምግዳፍ እሞ ከም’ቲ ኣብ ታሪኽና እናረአናዮ ዝመፃና ኣብ ሕዝብና ሰፍ ዘይብል ሓደጋ ኣንፃላልዩ እናሃለወ ዓይንኻ ምዕማት ፣ ወይ ካዓ ቅድሚ ሎሚ ከምዙይ ኮይኑ ኣብ ሓደጋ ስለዘውደቐና ካልእ መንገዲ ንድለየሉ ኢልካ ምልዓል እዩ። ኣንባባይ ከምዝግምቶ ቅድሚ ዝሃገረ ዝሰልጠነ ሕዝቢ ከም ዓሻ ደጊሙ ደጋጊሙ ኣብ ተመሳሳሊ ጌጋ ክርከብ ኣይግበኦን። ካብ ሕሉፍ ተማሂሩ መፃኢኡ ከይባላሾ እኹል ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ። ስለ’ዚ ፍታሕ ካብ ምእላሽ ወፃኢ ካልእ ኣማራፂ የብልናን። እቲ እነምፀኦ ፍታሕ’ውን መትከላዊን ትካላዊን ክኸውን ይግበኦ። ኣብ’ዚ ጉዳይ’ዙይ ክሕሰቡ ዝግበኦም ፍታሓት

ብዙሓት ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣብ ግምት ኣእትየ ኣነ ብዝመሰለኒ ሓደ ሓሳብ ክድርቢ።

እምባኣርከስ ካብ ከምዙይ ዝበለ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታታ (ናይ ስልጣን ተናሓናሕቲ) ኣሳላልፋ ወፃኢ ዝኾነ ካልእ ስሩዕ ማሕበራዊ ትካል የድልየና ባሃላይ እየ። ካብ ናይ ትግራይ ዓበይቲ ዓዲን ሃይማኖታዊ ትካላትን ከምኡ’ውን ናይ ሚድያ

ወነንትን ፣ ካብ ስንጥበኛታትን ዝምዘዙ ፣ ብናይ ትግራይ ሕዝቢ ዝድገፉ ፣ ሕዝቢ ዝመርፆም ፣ ብመሰርት ናይ መሕረይን መምረፂን ረቑሓ ዝምዘዙ ፣ ሓላፍነቶምን ናይ ኣገልግሎት ዘበኖምን ብሕዝቢ ዝተወሰነሎም ናይ ኣያታት ጉባኤ ምፍጣር። ሓላፍነቶም ምስ ዝኾነ ይኹን መንግስታዊ ትካል ዘይፃባእ ፣ የግዳስ ትግራይ ኣብ ናይ ፖለቲክ ዕንክሊል (political standoff) እንትትኣቱ ጥራሓ ናብ ተግባር ዝኣትዉ ፣ ኣብ ካልእ እዋን ግና ዓመታዊ ዋዕላ እናገበሩ ናይ ትግራይ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕጊን ኩነታት (state of the nation) ኣመልኪቶም ዝዝትዩ’ሞ ነቲ ፓርላማ ናይ ባዕሎም ገምጋምን ሓሳብን ዘቕርቡ ይኾኑ። እዞም “ኣያታት” ካብ ኩሉ ማሕበረስብ ዝተዋፅኡ ኮይኖም ዝላዓለ ናይ ሕዝቢ ተቐባልነት ዘለዎም ይኾኑ። ክንዲ ዝተኻእለ ናይ ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ውዳበ ኣባላት ዘይኮኑን ናይ ሕዝቢ ድምፂ ንምዃን ዘይፈርሑን (እንተተኻኢሉ ናይ ባዕሎም ዱልዱል መነባብሮ ዘለዎም – ወገንተኝነትን ብላዕን ከየታልሎም) እንተኾኑ ይምረፅ። ናይ ስረሖም መበገሲ ኣብዛሓ ኣካል ማሕበረስብ ኣብ ሕማቕ ኩነታት እንትኣቱን ፖለቲከኛታታ ትግራይ ንናይ ሕዝቢ ኣንፀርፅሮት መልሲ ማሃብ እንትሳኣኖም ይኸውን። ማዕድኦምን ስረሖምን’ውን ንኹሎም ኣብ’ቲ ጉዳይ ዝምልከቶም ወገናት ብዘይ ዝኾነ ይኹን ወገናዊነት ዘቕርቡ ይኾኑ። ዝኾነ ይኹን ናይ ፖለቲካ ሓይሊ ይኹን ምሕደራ ግቡኡ ምፍፃም እንትኣብዮ ብኹለን ሚድያታት ገምጋሞም ንሕዝቢ ከቕርቡ ዘኽእል መሰል ብሕዝቢ

ዝተዋህቦም ይኾኑ። ከምዙይ ዝበለ ሓበራዊ “ኣያ” ስርሑ ሎሚ ክጅምር እንተዝኽእል ተመራፃይ ነይሩ። ከምዙይ ዝበለ ጣልቃ ኣታውነት ኣብ ዘድልየሉ ዘበን ስለ እንርከብ።

ኣብ’ዚ እዋን’ዙይ እቲ ልዕል ኢልና ዝጠቐስናዮ ትካላዊ “ኣያ” ተፈጢሩስ ናብ ስራሕ ኣትዩ ለውጢ ክምፅአ ኣይኽእልን እንተበልና እኳ እንተንኣሰ እቶም ዘለዉ ዓበይቲ ዓዲን ፣ መራሕቲ ሓይማኖታዊ ትካላትን ፣ ወነንቲ ሚዲኣን ፣ ካልኦት ተፈለጥቲ ተጋሩን መበገሲ ስራሕ ክጅምሩ ዝኽእሉሉ ኩነንት ኣሎ ኢለ እኣምን። ብሓደ ወገን ኣብ ውሽጢ ሕወሓት ዘሎ ናይ ስልጣን ፍሕፍሕ ፣ ብኻልእ ወገን ካዓ ኣብ ሞንጎ ሕወሓትን ካልኦት ተናሓናሕቲ ናይ ፖለቲካ ውዳበታት ዘሎ ኣፈላላይን ፀቢቡ ፣ ኣብ መሰረታዊ ናይ ትግራይ ባህጊን ድልየትን ክሳማምዑ ንምግባር ፃዕሪ ክገብሩ ይግባእ። ኣብ   ከይዲ ፖለቲካ ጣልቃ ኣታዊ ኣይድልን ዝብል ስነ ሞገት ከይነምፅእ ካልእ ይትረፍ ጊዜኣዊ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ዝተገብረ ውጥጥ ናይ ሕዝብና ዓፀቦ ክንደያናይ ንጎኒ ተገዲፉ ከምዝፅንሐ እንፈልጦ ሓቂ እዩ። የግዳስ እቲ “ቦለቲካን ኮረንቲን ብርሑቑ” ኢሉ ኣብ ፀግዒ ኮይኑ ዝዕዘብ ዘሎ ምሁሩን ካልእ ናይ ትግራይ ማሕበረስብን እውን ድምፁ ከስምዕ ኣለዎ። ክሳብ ሎሚ ትግራይ ኣብ ኲናት ስለዝነበረት ኣብ ጎኒ’ቲ መኸተ ምዕሳል ጥራሕ እኹል እዩ ኢሎም ዝነብበሩ’ውን ዓዶም ኣብ ቅድሚ ዓይኖም ናብ ዘይኸውን መንገዲ እናኸደት ፣ እሞ ናይ’ቲ ዂናት ክፋእ ብዘርድኡን ምናልባት’ውን ውሑዳት ብዝባሃሉ ሰባትን ሕዝቢ ትግራይ ጆሆ እናተታሕዘ ስኽ ምባል ኣካል’ቲ ፀገም ምዃን ተገይሩ ዝውሰድ እዩ። ኩልና ሓንቲ ትግራይ እያ ዘላትና ፣ ካልእ የብልናን። እዛ ኣሽሓት ዝተኸፈለላ ትግራይ እዚኣ ንኹልና ማዕረ ትብፀሐና። ብፍሉይ ክንጥቀም ባሃልቲ ሒዞማ እንትወድቁ ስኽ ኢልና እንተርኢና እቶም ስውኣት “ደመ ከልብ” ከምዝገበርናዮም ክስምዐና ይግባእ። ሎሚ ናይ ሎሚ ንግበር ፣ ንፅባሕ’ውን ንዳሎ።

By aiga