ክፋል 3

ሀዚ እውን ኣብ 2ይ ወይ 3ይ መዓልቱ ካብ ተምቤን ይፅሕፈለይ። ኣስመላሽ ረኺበዮ፣ ዝለኣኽካሉ 3-ሽሕ ብር እውን ሂበዮ ኣለኹ። ምንም ኣይገብሮን ኣይቅበለካን ኢሉኒ ነይሩ ግን ዋላ ንብፆትካ ኣካፍሎ ዋ ኢለ ደብርየሉ መፅየ። በዓልቲ ገዝኡ ምውላዳ እውን ነጊረዮ ብጣዕሚ እዩ ኣሕዚኑኒ፣ ስቕስቕ ኢሉ በኽዩ፣ ብጣዕሚ ሓራቕ ሓው እዩ ዘለካ ይብለኒ (ሓቁ እዩ ኣስመላሽ ርህሩህን ቶሎ ዝሓርቕን ዓይነት እዩ)። ፎቶ ወይ ድማ ቪድዮ ግን ሀዚ ንወርቃምባ ይቕፅል ኣለኹ እሞ ምስ ተመለስኩ እሺ ኢሉኒ ኣሎ እቲ ዘብዐኛ እምበር ሀዝስ ሰብ ስለ ዝበዝሐን ስልኪ ሒዝካ ምእታው ወይ ድማ እሱራት ስልኪ ክሳብ ዝፍቀዶ ቦታ ክመፁ ስለ ዘይፍቀዶም ኣይከራልኩን። ምሸት ክምለስ እየ እሞ ፎቶኡን ቪድዮን ሒዘልካ ክምለስ እየ ይብነኒ። ክሳብ ምሸት ተፀብየ ምሸት ድማ ንመቐለ ንምለስ ኣለና ግን እቲ ዘብዐኛ ተቐይሩ ፀኒሑንስ ናይ ኣስመላሽ ፎቶ ወይ ቪድዮ ከምፅእ ኣይከኣልኩን ግን በቃ ኣጆኻ ደጊም ስረሐይ ኢለ ካብዚ ውቑዕ ወዲ ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ኣፅሒፈ፣ ካብ ሴንትራል ድማ ናይ ቤተሰብ ይጎብንዩዎ ዝብል ደብዳቤ ኣፅሒፈ ኣብ ቀረባ ቤተሰብ እውን ክሪኡዎ፣ ብስሩ እውን ክፍታሕ ክገብር እየ ይብለኒ። ንዓይ እዚኣ ንመጀመርያ ጊዘ ዝነበረኒ 100% ተስፋታት ፅልግልግ ክብል ዝጀመረሉ ጊዘ ነበሩ። ብርግፅ እዚ ዝተወቕዐ ተጋዳላይ ብስልኪ ዘየራኸበኒ ምኳኑ እውን ንእሽቶን ደስታ ኣይተሰምዐንን ነይሩ። 

ብዝኾነ ስማዕ ተጋዳላይ ኣለም ሓወይ ድሕሪ ሀዚ ናይ ቤተሰብ መዓልታዊ ተፅዕኖ ዝሽከመሉ እንግድዓ የብለይን፣ ምናልባት ዝነበረኒ ተስፋ እውን ተስፋ ምቁራፅ ጀሚረ ኣለኹ። መንግስቲ ሓደ ተጋዳላይ ክንዲ ዝፈፀመ ገበን ይፈፅም ንስለ-ትግራይ፣ ንስለ-ህዝቡ ኢሉ እታ እንኮ ህይወቱ ንመስዋእቲ ዝወፀ ተጋዳላይ ብኸምዚ ብርኪ ቤተሰብ ከይረኸቡዎን ሃለዋት ውላዶም ከይስምዑን ምግባሩ ኣብ ህይወተይ ካብዚ ንላዕሊ ዘሕዘነኒ ነገር የለን። ብዝኾነ ንሀዚ ንስለ-ሰፊሕ ህዝበይ ክብልን ነቲ ዝግበር ዘሎ ጉዕዞ ሰላም ካልእ ውሽጣዊ ፀገም ንዘምፍጣር እዚ ረሳሕ ተግባር መንግስቲ ትግራይ ናብ ደገ ኣየውፅኦን። እንተ ምሳኻ ግን ደጊም ወዲአ ኣለኹ፣ ደጊመ እውን ኣይፅሕፈልካን፣ ኣስመላሽ ይኹን ሰለሙን ግን ታሪኽ ብዙሓት ተጋደልቲ ትግራይ እዮም እሞ ጉዝኡ ምስ ኣኸለ ክፅሕፎን ከጋልፆን እየ ይብሎ። 

ተጋዳላይ ኣለም ድማ ንዓይ ወረደኒ። ንምንታይ ብኸምዚ ብርኪ ክትጠራጠረኒ ጀሚርካ፣ ደጋጊመ ነጊረካ ኣነ ንስለ-ብፆተይ ክብል ላዕልን ታሕትን እንዳበልኩ እንተንኣሰ ሃለዋቶም ኣረጋጊፀልካ፣ ክንደይ ወለዲ ሃለዋት ደቆም ከይፈለጡ ከም ዝሳቐዩ ኣይትፈልጥን ዲኻ፣ ንስኻትኩም እማ  ዕድለኛታት እባ ኣጋጣሚ ኣነን ንስኻን ዘራኸበና፣ ዓዘራ ኣይትዝምረብ ፍትዊ ይብለኒ። ቀፂሉ እውን ሓደ ነገር ተሓባበረኒ ስልኪ ናይ ቤተሰብካ ሃበኒ እሞ ባዕለይ ከረጋግዖም እየ ይብለኒ። ኣነ በቃ ምስ ኣለም ንወርሕን ፈረቓን ከባቢ ዝነበረኒ ህልኽ ዘወድእ ዕላላት ዓቕመይ እንዳተፀንቀቐ ስለ ዝኸይድ ዘሎ ቤተሰብ እውን ናይ ባዕሎም ዝገበሩ ክገብሩ ናይ ዓብዪ ሓወይ፣ ናይ ኣኮይ፣ ናይ በዓልቲ ገዛ ኣስመላሽ ስልኪ ይህቦ። ንኩሎም ድሜ ይድወለሎም ዝበፅሖ ብርክን ዘለዎ ሓበሬታን ንዓይ ዝነገረኒ እውን ኩሉ ይነግሮም። ሀዚ ዝቐረኒ ነገር በቃ ጊዘ የሞቻቹ ኣለኹ እየ ሒዘኩም ክኸይድ እየ እሞ ንእሽቶን ተዓገሱኒ ይብሎም።   

መዓልቲ መዓልቲ እንዳወለደ፣ ሰሙን ሰሙን እንዳወለደ ይኸይድ፣ ኣለም ጊዘ ክረክብ ኣይከኣለን። ኩሉ ጊዘ ስብሰባ እዩ፣ ኩሉ ጊዘ ኣብ ልእኽቶ እዩ። መዓልቲ ዮፅሮም ከዓ ይስርዞ፣ ካልእ መዓልቲ ድማ ይቆፅሮም ካልእ ልእኽቶ ድማ ይወሃቦ እሞ ናብ ካልእ ቦታ ይኸይድ ወ.ዘ.ተ…. 

ነዚ ክፃወር ዘይከኣለ ኣኮይ ሓደ መዓልቲ ናይ ግድን መፅየ ክረራበካ ይደሊ እየ እሞ መቐለ ይመፅእ ኣለኹ ኢሉ ይድውለሉ። ፅቡቕ በቃ ንራኸብ ተባሂሎም ኣኮይ ካብ ዓዲግራት ናብ መቐለ ይመፅእ። ተጋዳላይ ኣለም ክሳብ ሀዚ ንዝወዓለልና ውዕለታ ድማ ምሳሕ እውን ብደምቢ ክጋብዞ፣ ዘሎ ሓበሬታ ሃለዋት ኣስመላሽን ሰለሙንን እውን ብደምቢ ከዕልሎ ትልሚ ኣውፂኡ ይማፅእ። ብንጉሆኦ ካብ ኣውቶቡስ ተራ ወሪዱ ምስ ተጋዳላይ ኣለም ናብ ዝተቋፀሮ ቦታ ይቡፅሕ። ቅድሚ ምርኻቦም ተጋዳላይ ኣለም ስልኪ ደዊሉ “በይንኻ ግን ክትከውን ኣለካ ምስ ሰብ ከይትኸውን ሓደራ ይብሎ፣ ኣኮይ እውን በይኑ ምኳኑ ኣረጋግፁሉ ናብቲ ዝተቋፀሩዎ ቦታ ይበፅሑ። ኮይኑ ግና ኣለም ክረኽቦ ዝደለዮ ቦታ ኣብ #ባጃጅ ውሽጢ ኮይኑ ይረኽቦ እሞ ኣኮይ ንእሽቶን ይድንግፅ።  ኣለም ንዓና ዓብዪ ብዓል ስልጣን እዩ፣ ኩሉ ጊዘ ምስ ጌታቸው ኣሰፋ፣ ምስ እኒ ወዲ ወረደ፣ ምስ ደብሪፅ ወዘተ ዝውዕል ፍልፍል ናይ ስለያ ሓበሬታ ሴንትራል ኮማንድ እዩ። ምሳይ ዘውግዖ ኩሉ ስለ ባህሪ እዞም ዝጠቐስኩዎም ሰባት፣ ብፍላይ ድማ ናይ ዶር ሰለሙን ኣማውታ ምርመራ ኣካይዱ ዝሃቦም ዶክመንትን ኣብቲ ሴንትራል ኮማንድ ዝፈጠሮ ምክፍፋልን፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሞት ዶር ሰለሙን ኢዶም ዘልዎም ኣባላት ሴንትራል    ኮማንድ ክቐትሉዎ ከም ዝኽእሉን እዩ ዘዕልለና። ነዚ እውን እዩ ንቤተሰብ ኣነ ከዕልሎም ከለኹ ጊዘ ዘይረኽበልና ዘሎ ብዘለዎ ዓብዪ ናይ ስለያ ሓላፍነት ምኳኑ ከእምኖም ዲሕ ዝብል ዝነበርኩ። ብዝኾነ ኣለም ንኣኮይ ኣብ ባጃጅ ኮይኑ ክፅውዖ ከሎ ተገሪሙ ረኸቦ። ኣለም ሰላምታ ኣቕሪቡ ናብ ባጃጅ ክኣቱ ይነግሮ፣ ምስ ኣተወ ድማ ኣባል ስለያ TDF ምኳኑ ዘረጋግፅ መታወቅያኡ ኣውፂኡ የርእዮ። ኣኮይ ድማ እንታይ ድኣ ኣብዚ ንምንታይ ንዓናይ እባ ሻሂ ቁርሲ እንዳበልና ኮፍ ንበል ምእንቲ ብደምቢ እውን ክተዕልለኒ ይብሎ። ኣለም ግን ይቅርታ መምህር (ኣኮይ መ/ርን ኣብ 55-60 ዕድመ ክልል ዝርከብን እዩ) ስረሐይ ንሱ ኣይፈቕደለይን ሰዓት እውን ብስሩ የብለይን ብዙሕ ሰዓት ንምዕላል፣ እቲ ዋና ቤተሰብ እምነት ክተሕድሩ ምእንቲ ብኣካል ክትረኽበኒ እየ ቆፂረካ እሞ በጃኹም ዝግኣት ኣይእተኹም፣ ብዝኸኣልኩዎ መጠን ስብሰባታት ኣብ ዘይለይ ሓደ መዓልቲ ሒዘኩም ክኸይድ እየ ይብሎ። ልክ ሓው ንሰለሙን ዝረኸበሉ ጊዘ ንመ/ር ኣኮይ እውን 5ተ ደቂቃ እውን ዘይትኸውን ኣዋጊዑ የፋንዎ። መ/ር ኣኮይ ድማ እሞ ንትገብረልና ዘለኻ ፃዕሪ ምስጋናና ዕዙዝ እዩ፣ ኩሉ ነገር ተሳኹዑ ድማ ውዕለታ ከፈልቲ ይግበረና ዋ ቁርሲ ክጋብዘካ ዝግብአኒ 250 ብር እንካ ኢሉ፣ ኣለም እውን ከይተገዋገወ እዘን 250 ብር ተቐቢሉ ይፈናነው። መ/ር ኣኮይ ድማ እተን ቅድም ኢለ ምስ መሐከሚ ነቲ ውቑዕ ዝሰደድኩወን 10-ሽሕ ምስቲ ካሽ ዝሃበኒ ስነበራ ተቐበሎ ኢለዮ ስለ ዝነበርኩ ናብኡ ከይዱ እተን ገንዘብ ይርከበን፣ ስለ ተጋዳላይ ኣለም እውን ንእሽቶን የዕልሉ እሞ እዘን 10-ሽሕ ገንዘብ ክወስድ ከሎ እውን ብባጃጅ መፅዩ ከም ዝወሰደን ንመ/ር ኪዳነ ይነግሮ። ተጋዳላይ ኣለም ንዓና ኩሉ ጊዘ ከዕልል ከሎ ግን ብዘይ ሹፎር ዘይንቀሳቐስ፣ ናይ መንግስቲ መኪና ካብኡ ተፈልያ ከም ዘይትፈልጥ እዩ ዘዕልለና። ምስ መ/ር ኣኮይ ምርኻቦም ኣመልኪተ ድማ ንኣለም ክፅሕፈሉ ከለኹ ንምታይ ምሳሕ ዘይበልዑ ብሓደ፣ ንምንታይ ኣብ ባጃጅ ከውግዖ ደልዩ መሴጅ ይልእኸሉ። ንሱ ድማ መልሱ፣ ዋይ መ/ር መኪናይ ኣይረኣያን ድዩ፣ የሕፅባ እኮ ነይረ ኣብ ጎንና፣ ኮፍ ኢልና ከይነዕልል ድማ ትፈልጦ ኢኻ ዘለኒ ጊዘ ይብለኒ። ናብ ኣኮይ ደዊለ ከመይ ርኢኻዮ፣ ከመይ ተዓዚብካዮ ይብሎ። ኣኮይ ትዕዝብቱ ብግልፂ ክነግረኒ ኣይደለየን በቃ መታወቅያኡ ካብ ምርኣይን ኣብ ቀረባ ሒዘኩም ክኸይድ እየ ካብ ምባልን ብዙሕ ክዕዘቦ ዝኽእል ጊዘ ኣይረኸብኩን ይብለኒ። ብዝኾነ ካልእ ቆፀሮ ካልእ ትፅቢት ካልእ ጭንቂ…ይቕፅል።

ብድሕሪኡ ኣብ ሰሙን እንተንኣሰ ክልተ ጊዘ ቆፀሮ ይሕዘሎም…ግን ካልእ ተልእኾ ይመፅእ፣ ስልኩ ን2-3 መዓልቲ ይዓፁ፣ ኣብ ተልእኾ ገጠር ነይረ ይብል…

ሓደ መዓልቲ ድሕሪ ውሑዳት መዓልትታት ምጥፋእ እቲ ዝተወቕዐ ተጋዳለይ ናብ መቐለ ናብ ኣዋሽ ንሕክምና መፅዩ ተደዋዊልና ረኺበዮ፣ ምሳይ ድማ ኣሕዲረዮ ብዙሕ ምፅራይ ገይረ። ብዝኾነ ወቓዒኡ ኣመላሽ እዩ ኢሉ ከም ዘይኣምንን ናይ ይቅርታ ደብዳቤ እውን ክፅሕፍ ፍቃደኛ ብምኳኑ ናብ ጠብቃ ከይዶም ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ኣፅሒፎም ከም ዝወደኡን መልእኽቲ ይልእኸለይ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ይቅርታ ዳብዳቤ ሒዙ እውን ካብ ሴንትራል ኣስመላሽ ንኽፍታሕ ደብዳቤ ከም ዘፅሓፈን ይሕብረኒ። ካልእ ዓብዪ ዕረፍትን ተስፋን፣ ንቤተሰብ እውን እዚ ነጊረ ንኩልና ከም ብሓዱሽ ካልእ ዓብዪ ተስፋ። ኣነ ድማ ተጋዳላይ ኣለም ሓወይ እንደገና ተስፋ ዘሪእኻልና እኮ ንሕናስ ፈጣሪ ንዓኻ ኣራኺቡና። ብዝኾነ ግን ቤተሰብ እውን ምእንቲ ደስ ክብሎምን ዝበልካኒ ምእንቲ ክኣምኑንን በጃኻ እባ እዛ ደብዳቤ ፎቶ ኣልዒልካ ስደደለይ ይብሎ። ናይ መልሱ ፍጥነት ካብ ጨረር ፀሓይ ይፈጥን። እሽኒ፣ ሀዚ ኣብ ማይጨው ምስ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣናት (ብልፅግና መከላከያ ሓዊሱ) ኢና እንየና እሞ (ንዕኡ እውን እየ ጠፊአካ ዝቐነኹ) ንሻሂ ዕረፍቲ ክንወፅእ ከለና እታ ደብዳቤ ኣብ መኪናይ ውሽጢ እያ ዘላ ፎቶ ኣልዒለ ክልእኸልካ እየ ይብለኒ። ደስ ይብለኒ ብሓቂ፣ ኣማን ብኣማን ኣረጋጊፀ። ሰዓት 9ተ ናይ ቀትሪ ኸባቢ ስለ ዝነበረ ወግዕና ሰዓት 10-11 ኣብ ዘሎ ዕረፍቲ እንዳተፀበኹ፣ ኣለም ግን ንተኸታታሊ 4ተ መዓልትታት ህልም ይብል፣ ፎቶ የለ ግዛዕ የለ። ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልቲ ንመ/ር ኣኮይ መሴጅ ይልእኽ፣ ንፍትዊ ኢንተርኔት ጠፊኡ ቀንዩ እዩ ዘይልኣኽኩልካ በልዎ፣ እንተ ንስኻትኩም ግን ድሕሪ 3ተ መዓልቲ ተዳለው ሒዘኩም ክኸይድ እየ ዝብል መልእኽቲ ይሰደሉ። ኣኮይ እውን እዚ መሴጅ ይሰደደለይ። ምስ ኣለም ምስ ኣውጋዕና ኣብ 1-2 ሰዓት ውሽጢ ኢንተርኔት ምጥፍኡን ንኣርባዕተ መዓልቲ ተኸታታሊ ኢንተርኔት ምጥፍኡን ካልእ ኣግራሞት ፈጠረለይ። ንምሸቱ ድማ ኣለም ባዕሉ ንመ/ር እኮ መልእኽቲ ልኢኸሉ እየ ይቅርታ ኢንተርኔት ጠፊኡ ቀንዩዋ ብዝኾነ እታ ደብዳቤ እዚኣ እያ (ኣብዚ ኣተሓሒዘያ እንየኹ ረአዩዋ) ኣነ ድማ ስብሰባ ማይጨው ወዲአተመሊሰ እንየኹ እሞ በቃ ድሕሪ 3ተ መዓልቲ ሒዘዮም ይኸይድ ኣለኹ፣ ደጊም ጭንቅና እነራግፈሉ መዓልቲ በፂሒ ፍትዊ ሓወይ ይብለኒ። ክልተ-ወርሒ ሙሉእ ንጉሆ ንእሽቶን ክትጠራጠሮ ዝገብረካ ነገር እንተረኺብካሎ ድሕሪ ሰዓት 200% ክትኣምኖ ዝገብረካ ሒዙ እዩ ዝመፅእ። ብስሩ እውን ሕማቓት ኮይንና እምበር ንተጋዳላይ ዶ ኸ ትጠራጠር ኢኻ ዋ? ብዝኾነ እታ ደብዳቤ ካብ ዝተፀበናዮን ንሱ ዝበለናን ንታሕቲ ኮይና ንረኽባ። ንሕና ዝተፀበናዮ ካብ ሴንትራል ዝተፅሓፈ ማህተም ዘለዎ ደብዳቤ ንሱ ዝሰደደልና እዛ ትሪኡዋ ዘለኹም ደብዳቤ፣ ኣራምባ እና ቆቦ ከም ዝብሉዎ ኣምሓሩ። ኣነ ድማ ኣለም ሓወይ ንስኻ ዝበልካኒ እኮ እዛ ናይ ሴንትራል ዘፅሓፍካያ ደብዳቤ እያ ንምንታይ ድኣ እዛ ደብዳቤስ ካብ ዝበልካኒ ወፃኢ ኮይና ይብሎ። ንሱ ድማ፣ ዋይ ፍትዊ ሓወይ ኣይተረዳእኻንን ኮንካ እምበር ኣነ ዝበልኩኻ እዚ ቆልዓ ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ፅሒፉለይ ኣሎ፣ ምስ ቤተሰብካ ክንከይድ ከለና ድማ ካብ ሴንትራል ማህተም ዘለዎ ቤተሰብ እውን ይርኣዩዎ፣ ይቅርታ ደብዳቤ እውን ስለ ዝኣተወ ሕጉ ተኸቲሉ ንኽፍታሕ እውን ክመቻቾ ኣለው ዝብል ኣፅሒፈ ክኸይድ እየ ዝበልኩኻ ይብለኒ (ኣለም ኣብዚ ብደምቢ ገይሩ ክሒዱ እምበር ከምቲ ቅድም ኢለ ዝገለፅኩዎ እዩ ኢሉኒ ነይሩ። 

ብዝኾነ ድሕሪ ወዓል ሕደር ሀዚ እውን ንመበል ክንደይ ጊዘኡ ንምቁፃሩ ዘፀግም ንሰኑይ/ሰሉስ ቤተሰብ ክዳለው እሞ ናብ ኣስመላሽ ንክኸዱ ይቖፅሮም። ሰኑይ ምስ በፅሐ ንመ/ር ኣኮይ ይቅርታ እንደገና ብድንገት ንሽረ ልእኽቶ ተዋሂቡኒ ሽረ ከይደ ኣለኹ እሞ ምስ ተመለስኩ ክንከይድ ይብሎ። ድሕሪ ሀዚ ቆፀሮ ተጋዳላይ ኣለም ምእማን ዳርጋ ገዲፍናዮ ኢና፣ እቲ ቀንዲ ዘፀገመልና ግን ድሌት ተጋዳላይ ኣለም እዩ። የጭበርብረና ግዲ እዩ ዘሎ ከይንብል እዚ ወዲ ሓንቲ መዓልቲ እኳ ትኹን ብዘይካ ብልቓሕ ዝምልሳ ሞባይል ኣብ መቐለ ስለ ዝኸበረኒ ኢሉ ዝሓተታ ሞባይል ካልእ ገንዘብ እኳ ንምልክት ሓቲቱና ኣይፈልጥን። ዝነግረና ነገር ኩሉ ተጋዳላይ ምኳኑ ጥራሕ ዘይኮነስ ሕሶት ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ኢልካ ንኽትጥርጥሮም መልኣኽ ኮይንካ ክትርከብ ኣለካ ማለት እዩ። ኩሉ ጊዘ ዘግርመልናን ንምእማኑ ዘፀግመልናን ዘሎ ግን ወዲ ሰብ ኮይኑ ክሳብ ክንድዚ ክተሓባበረና ዝኸኣለ ከመይ ኢሉ እዩ ዝብል ጥራሕ እዩ። ነዚ ኣግርሞትና ውድቂ ዝገብሮ ድማ ተጋዳላይነቱ፣ ብፃይነት፣ ሽም ብፆቱ ኣልዒሉ ዘይሞኑ፣ ስውኣት ብፆቱ ከየልዓለ ዘይውዕል ምኳኑ፣ ወዘተ ክርኢ ከለኹን ንሱ ድማ ዝገብሮ ኩሉ መሰረቱ እዚ ምኳኑ ኩሉ ጊዘ ስለ ዝናገርን እዩ። ዓርቢ ድማ ንመ/ር ኣኮይ መልእኽቲ ይልእኸሉ። ዘለኒ ናይ ስራሕ ፃዕቒ ናታትኩም ጉዳይ ብቐሊሉ ክፈትሖ ብዘይምኽኣለይ በቃ ንሓደ ሰሙን ዕረፍቲ የውፅእ ኣለኹ እሞ ቀፃሊ ሰሙን ሒዘኩም ክኸይድ እየ ይብሎ። ኣኮይ ፅቡቕ በቃ ኣብ ዝተዳለኻ ጊዘ ንገረና ይብሎ። ኣለም ንዓይ እውን ዕረፍቲ ምውፅኡ ይነግረኒ። ቀፂሉ ዘሎ ሰሉስ ንኽዳለው ይነግሮም፣ እሺ ተባሂሉ ንሰሉስ ድልዊ ይኮኑ ንምኻድ ቤተሰብ። ሰሉስ ኣኺሉ ተጋዳላይ ኣለም ሓዱሽ መልእኽቲ ናብ መ/ር ኣኮይ ይልእኽ። ትማሊ ምሸት ካብ ተምቤን መልእኽቲ መፅዩኒ፣ በዓል ኣስመላሽ ዝርከቡዎ ቤት ማእሰርቲ እሱራት ቦታ ንኽቅይሩ ተወሲኑ መኻይን መፅየን ጠጠው ኢለን እንየዋ፣ ለይቲ ክጓዓዛ እየን ኢሎምኒ፣ ስለዚ በዓል ኣስመላሽ እውን ክቕየሩ ድዮም? ናበይ ከ ክቕየሩ ይኾኑ ዝብል ስለ ዘይተፈለጠ ናይ ፅባሕ ጉዕዞና ሰሪዝናዮ ኣለና። መዕለቢኦም ምስ ተፈለጠ ናብ ዘለውዎ ሒዘኩም ክኸይድ እየ ይብሎም፣ ንዓይ እውን ከምኡ። ሰሉስ ሙሉእ መዓልቲ ምንም ሓዱሽ መልእኽቲ ከይነገረና ይውዕል።

ምሸት እንታይ እንዮ ሓዱሽ ነገር ንብሎ እሞ እዘን መካይን ከይተንቀሳቐሳ ውዒለን፣ ስለዚ ሎሚ ለይቲ እዮም ክወስድዎም ተባሂሉ እሞ ፅባሕ ብርግፅ ክንፈልጥ ኢና ይብለና። ፅቡቕ ኢልና ሰሉስ እውን መሽዩ ወግሐ። ረቡዕ ኮይኑ መ/ር ኣኮይ ሓዱሽ ነገር እንታይ ኣሎ ኢሉ ይሓቶ። ኣለም ድማ በቃ ኣረጋጊፅና በዓል ኣስመላሽ ናብ #ከተማ_ኣፅቢ ተቐይሮም ኣለው። ስለዚ ቀዳም ወይ ሰንበት ተዳለው ክንከይድ ይብሎም። ግርም፣ እምብኣር ንዳሎ ኣለና ኢሎም ኩሉ ነገር ፀቢቑ፣ ሰለሙን ዘለዎ እስርቤት እውን ኣፅቢ፣ እቲ ኣስመላሽ ዘቁሰሎ ተጋዳላይ እውን ኣፅቢ፣ ኣስመላሽ እውን ኣፅቢ ኮይኖም ንቤተሰብ ፅቡቕ ኣጋጣሚ ፈጠረ። ጥሕንስ ይኹን፣ ገዛ ዘፍረዮ ኩሉ ድማ ንቤተሰብ እቲ ውቑዕ ተጋዳላይ ይኹን፣ ንእሱራት ተጋደልቲ ዝኸውን ተዳለወ። ረቡዕ መሽዩ ወጊሑ ሓሙስ ይኸውን እሞ ተጋዳላይ ኣለም መልእኽቲ ይሰደለይ፣ ፍትዊ ናብቲ ዝተወቕዐ ተጋዳላይ ደዊለ ነይረ፣ ናብ ኣሃዱኡ ከም ዝተመለሰ ነጊሩኒ ዘለዎ ቦታ ድማ ተምቤን ከም ዝኾነ ነጊሩኒ እሞ ምእንቲ ናብ ኣፅቢ ክመፀናስ ናይ ትራንስፖርት ገንዘብ ልኣኸሉ ይብለኒ። ኣነ ድማ ፀገም የለን ኣለም ገንዘብ ምስ ቤተሰብ ስለ ዘሎ ሀዚ ኣእትውሉ ክብሎም እየ፣ ስለዚ ኣካውንትኻ ስደደለይ ይብሎ። ኣነ እማ ኣካውንት ዘይብለይ ይብለኒ (ኣለም ናይ ጅግጅጋ ዩኒቨርስቲ መ/ር ከም ዝነበረ እዩ ዝነግረኒ፣ ስለዚ ኣካውንት የብለይን ክብል ከሎ ኣግራሞት ፈጢሩለይ ኣሎ ግን ነገራት ዕንቅፋት ከይገጥሞም ብዝብል እሞ ብምንታይ ድኣ ክነእትወልካ ይብሎ? ብኸመይ ከ ኢኻ ክትልእኸሉ ንዕኡ እውን ይብሎ። ደሓን በዚ ኣካውንት ኣእትወለይ እሞ ናብ ተምቤን ዝኸዱ ስታፍ ስለ ዘለውና ብስታፍ ገይረ ክልእኸሉ እየ ይብለኒ። እሺ ተባሂልና ናብ መ/ር ኣኮይ ደዊለ ምናልባት እውን ባህ ዘይበለና ነገር ስለ ዘሎ ገንዘብ እውን ከየብዛሕና ንዕኡ ዕንቅፋት እውን ከይኮንና ንትራንስፖርት ዝኸውን ገንዘብ ነእትወሉ ይብሎ። ኣኮይ ድማ ምስ ዓብዪ ሓወይ እውን ይዝንተዩ እሞ ኣይ ፍትዊ ንምንታይ ገንዘብ ካብ ንሰደሉ ባዕልና ናብ ዘለዎ ቦታ ከይድና ዘይነምፅኦ ዝብል ሓሳብ ይለዓል። ኣነ ድማ ብፍፁም  ኣይኸውንን ምናልባት ኣለም እዚ ምኽንያት ገይሩ ንእሽቶን ገንዘብ ዶ ካብኡ ንምትራፍ ደልዩ ይኸውን እሞ ግዲ የብልኩምን ገንዘብ ከይትወስደልና ጠርጢርናካ ኢና ዝብል መልእኽቲ ካብ ዘሕልፍ ተግባር ተቆጢብና ደሓን ዋ 1,500 ብር ይለኣኸሉ ይብል። ቤተሰብ ድማ ክወስደኩም እየ ዝብል ቆፀሮ ንልዕሊ ወርሒ ብሎሚ ፅባሕ ስለ ዘሳቐዮም ንኣለም ብፅቡቕ ዓይኒ ምርኣይ ገዲፎምዎ እዮም፣ ዳርጋ ደስተኛታት ኣይኮኑን ብናተይ ውሳነ እሞ እሺ ኢሎምኒ ግን ዕለት ዓርቢ እቲ ገንዘብ ከይእተውሉ ይውዕሉ። ምሸት ኣለም መልእኽቲ ይልእኸለይ፣ እቲ ናይ ትራንስፖርት እኮ የእተዉለይን ሎሚ ኣእትዮምለይ እንተዝኾኑ ነይሮም ግን እቲ ውቑዕ ተጋዳላይ ክመፅእ ገይርና ፅባሕ ቀዳም ናብ ኣፅቢ ምኸድና ነይርና ይብለኒ። ኣነ ድማ እሺ ኣለም ሓወይ ስለ ዘይተመቸዎም እዩ እሞ ፅባሕ ንጉሆ ከእትውልካ እዮም ይብለሎ፣ ምስ ኣኮይ ተደዋዊለ ድማ ቀዳም ንጉሆ ገንዘብ 1,500 ብር ናብ ባንኪ ይኣትወሉ።

ኣለም ረፋድ ከባቢ ናብ ተምቤን ይኸይድ ኣለኹ ነዚ ውቑዕ ንምምፃእ፣ ካብ ሓለፍቱ እውን ከፍቅደሉ ስለ ዝግብአኒ ባዕለይ ይኸይድ ኣለኹ ኢሉ ይፅሕፈለይ። እሞ ንስኻ ክትከድ ምኳንካ እንተትነግረና ድኣ ንምንታይ ናይ ትራንስፖርት ምወሰኽናልካ እንዶ ነይርናን ዘይነገርካኒ ትማሊ ይብሎ። ዋይ ፍትዊ ሓወይ ልዕሊ እኹል እንዳኾነን ሰዲዱለይ መ/ር፣ 1,500 ብር እዩ ሰዲዱለይ  ንክልተና ድማ 800 እዩ ዝኣኽለና ብጣዕሚ እኹል እዩ ንስኹም ተሸጊርኩም እምበር ይብለኒ። ተጋዳላይ ኣለም ጉዕዞ ናብ ተምቤን ይቕፅል። ሙሉእ መዓልቲ ድማ እንዳውገዐኒ ይውዕል፣ ዝበፅሖ ቦታ፣ ንሓለፍቱ እቲ ተጋዳላይ የፍቅድ ከም ዘሎ፣ ፍቓድ ክህቡዎ ጊዘ ከም ዝወሰደሎም፣ ናፍቲ ተጋዳላይ ዘለዎ ቦታ (ጅጅቐ) ብእግሩ ይጎዓዝ ከም ዘሎ (ዕረፍቲ ስለ ዝኾነ ሀዚ ናይ ቢሮ መኪና ምስኡ የላን)፣ ተራኺቦም ናብ ተምቤን ብእርግሮም ይምለሱ ከምዘለው…..ወዘተ እንዳበለ ምሸት ብጣዕሞ መሽዩ መቐለ መፅዮም ይሓድሩ፣ እዚ ውቑዕ ተጋዳላይ ድማ ምስ ቤተሰብ ክሓድር ኢሉ ናብ ቤተሰብ ከም ዝኸደ የዕልለኒ። ሰምበት ኮይኑ ኣለም ናብ ቤተሰብ ይድውል፣ ሎምዓልቲ ሰንበት ስለ ዝኾነ ዘይክፈቕዱልና ስለ ዝኽእሉ ንምርኣይ ፅባሕ ሰኑይ ኣብ ከተማ ውቕሮ ንራኸብ ይብሎም።

ሰንበት ወጊሑ ሰኑይ ቤተሰብ (ኣኮይ መ/ር፣ ናይ ገዛና ቦኽሪ ሓውና፣ ንሰለሙን ሓው ኮይኖም) ዝቋፀር ቋፂሮም ብንጉሆኡ ከተማ ውቕሮ ይመፁ። ተጋዳላይ ኣለም ድማ ንእሽቶን ደንጉይዎም ኣብ ዝኾነ ሆቴል ክፅበዩዎ ድሕሪ ምንጋር ከባቢ ሰዓት 4:00 ናብ ዝቆፀሮም ቦታ በይኑ ይመፆም። ድሕሪ ሰላምታን ንእሽቶን ዕላልን፣ እቲ ዝተወቕዐ ተጋድላይ ከ ዳኣ ኢሎም ይሓቱዎ እሞ ንሱ እማ ትማሊ ሰንበት ምስ ቤተሰበይ ክፀንሐኩም ኢሉስ ቀዲሙና ከይዱ እዩ ይብሎም። በሉ መናሃርያ ንኺድ ተባሂሎም ጉዕዞ ናብ ኣፅቢ ክግበር ውቕሮ መናሃርያ ይበፅሑ። ኮይኑ ግና ቅድሚ ጉዕዞ ምሳሕ ክንጋብዘካ ይግባእ ኢሎም ኣብ መናሃርያ ከባቢ ዘሎ ቤት ብልዒ ምሳሕ ትበልዑ። ድሕሪ ምሳሕ መኪና ተሳፊሮም ኣርባዕቲኦም ናብ ከተማ ኣፅቢ ጉዕዞ ይጅመር፣ ከተማ ኣፅቢ ድማ ይበፅሑ። ኣብ ከተማ ኣፅቢ ምስ በፅሑ ኣብ ሓደ ቦታ ክዓርፉ ምስ ገበሮም ተጋዳላይ ኣለም ሒዙዎም ንዝኸዱ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኣስመላሽን  ሰለሙን ንኸርእዮም ላዕልን ታሕትን ይብል፣ ስልኪ ካብኣቶም ርሕቕ እንዳበለ ብዙሕ የዕልል፣ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ እውን ኣይወሰዶምን፣ ዝግበር ዘሎ ክፈልጡ ኣይከኣሉን፣ ፍርቂ መዓልቲ ዝኸዱ ዳርጋ ናብ ዓዶም ንምምላስ ትራንስፖርት ዘይረኽቡሉ ጊዘ በፂሑ ይመሺ ኣሎ። ኣለም ሀዚ እውን ስልኪ ከቋርፅ ኣይከኣለን ሕልፍ ሕልፍ እንዳበለ እንዳመፀ ምንም እኮ በቃ እዚ ንምፍቃድ መከራ ኮይኑ፣ ምንም ክፈቕዱለይ ኣይከኣሉን ንኽትሪኡዎም ይብሎም። ሰዓታት ይነጉዱ ኣለው። ኣብ መወዳእታ ተጋዳላይ ኣለም በቃ ሎምዓልቲ ሓላፊ የለን፣ ደብዳቤ ሒዝካ ኣይመፃኻን እንዳበሉ ክፈቕዱለይ ኣይከኣሉን እሞ እቲ ዝፈቅድ ሓላፊ ፅባሕ እዩ ዝመፅእ ኢሎምኒ ኣለው ስለዚ #ዓራት_ሒዝና ኢና ክንሓድር ኢና ኩላትና ይብሎም። እዞም ቤተሰብ ኣማራፂ የብሎምን ድሕሪ ዳርጋ ስለስተ ወርሒ ሙሉእ ትፅቢት ዝተረኸበ ዕድል ኣይኮነን ሓንቲ ለይትስ ሓደ ሰሙን እውን ዓራት ሒዞም ምቕናይ እምቢ ኣይምበሉን። ኩሎም ድማ ዓራት ይሕዙ፣ ተጋዳላይ ኣለም ድማ ክንድዚ ብሰንከይ ኣሸጊረኩምስ ፍፁም ኣየኽፍለኩምን ኢሉ ናይ ዓራት ንኹሎም ባዕሉ ይኸፍለሎም። አረ ብፍፁም ኣይኸውንን እንተበሉዎ በቃ ኣብዩ ባዕሉ ይኸፍሎ። እሺ ይብሉዎ እሞ ሀዚ እምብኣር ምሕዳርና ዘይተረፈስ እዚ ኣስመላሽ ዘቑሰሎ ተጋዳላይን ቤተሰቡን ርኢና ክንሓድር ውሰደና ይብሉዎ። ኣለም ድማ ኖ ኖ መጀመርያ ካብ ኣስመላሽ ኢኹም ኩነታት ክትርድኡ ዘለኩም፣ ብስሩ እውን ዋና ዕላማና ሃለዋት ውላድኩም ምፍላጥ ስለ ዝኾነ ንሱ ኢና ክነቐድም፣ ንኣስመላሽን ሰለሙንን ምስ ረአና ኢና ናብዚ ውቑዕ ተጋዳላይ ንኸይድ ይብሎም፣ ንሳቶም ግን ዘለዎም ጊዘ እውን ንምጥቃም ክብሉ ፀገም የለን ደሓን ዋ ውሰደና ድኣ እንተበሉዎ ተጋዳላይ ኣለም ብፍፁም ክሰምዖም ኣይከኣለን። በቃ ኣቕቢፁ ድራሮም በሎዖም ናብ ዓራቶም ይኣትዉ።

ምሸት ሰዓት ኣርባዕተ ይኸውን ተጋዳላይ ኣለም ሓዱሽ ሓሳብ ሒዙ ይመፅእ፣ ፅባሕ ካብ መቐለ ደብዳቤ ኣፅሑፉ እንተዘይመፅዩ ቤተሰብ እዞም እሱራት ከም ዘየርእዩዎምን ብንጉሆ ገስጊሱ ናብ መቐለ ከይዱ ደብዳቤ ኣፅሒፉ ከም ዝምለሶምን ንሳቶም ግን ኣብ ኣፅቢ ክፅበዩዎ ከም ዘለዎምን ይነግሮም (እቲ ደብዳቤስ ወዮ ቅድም ኢሉ እቲ ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ካፍቲ ዝቆሰለ ተጋዳላይ ምስ ረኸበ ካብ ሴንትራል ከም ዘፅሕፍ ቃል ኣትዩልና ነይሩ እዩ)። ቤተሰብ ድማ ዋእ እንታይ ድኣ ጉዱ ወደይ እዚ ሓዱሽ ሓሳብ፣ በል እንድሕር ከምኡ ኮይኑ ንሕና ደጊም ብፍፁም ካባኻ ኣይንፍለን፣ መጀመርያ ንጉሆ ነዚ ዝቖሰለ ተጋዳላይ ክተርእየና ኣለካ፣ ካብኡ ንሕና ድማ ምሳኻ መቐለ ከይድና እታ ደብዳቤ ብሓደ ኣፅሒፍና ብሓደ ንምለስ፣ እንተዘይኮይኑ ንሕና ብፍፁም ካባኻ ኣይንፍለን ይብሎም። ድሕሪ ብዙሕ ስሓቦ ጉተቶን ቤተሰብ ንእሽቶን ብጥርጣረ መንፈስ እውን ጥንክር ስለ ዝበሉዎን ኣለም ዝበሉዎ ተስማዕሚዑ ይሓድር።
ሰኑይ ንባዕላ ክትብል ትወግሕ እሞ ሰሉስ ንጉሆ ተላዒሎም ቁርሲ ብሓደ ይበልዑ። ድሕሪ ቁርሲ ጉዕዞኦም ናብ ተጋዳላይ ኣስመላሽ ናብ ዘቑሰሎ ተጋዳላይ ገዛ ንምካድ እሞ እምብኣር ንኺድ ይብሉ ቤተሰብ። ኣለም ናብዚ ተጋዳለይ ገዛ ንዘይምኻድ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት ይድርድር፣ ንምእማኑ ዘፀግም ምኽንያታት፣ ቤተሰብ ድማ ከም እምኒ ተንቅፀና እምበር ናብኡ ከይከድና ወስ ቀስ የላን ውሰደና ድኣ ይብሉ፣ መልሲ ተጋዳላይ ኣለም እውን ከም እምኒ ተንቅፀኒ እምበር ናብኡ ኣይወስደኩምን ይብል። ነገራት ይቀያየሩ። ኣብ ታሪኽ ክኾን እዩ ኢለ ሓሲበዮ ዘይፈልጥ እዚ ኣኮይ መ/ር ኣብ መቐለ ካብ ዝረኽቦ መዓልቲ ጀሚሩ ንዓና  ተስፋ ከይንቆርፅ ለካ ንማንም ከይነገረ ኣለም ዝህበና ሓበሬታታት ኩለን ብእርይ ቁፅር እንዳሓዘ ምስ ኣለም ዝፀርሐን ኣርምታት ኩለን ርክብ እንዳገበረን ምስ ናይ ዞባ ዝምልከቶም ናይ ፀጥታ ሓለፍትን መሓውራትን እንዳተራኸበን ብልዑል ጥንቃቐ ክከታተሎ እዩ ፀኒሑ። መወዳእታኡ ቆፀሮ በፂሑ ተጋዳላይ ኣለም ውቕሮ ክቖፅሮም ከሎ ፀጥታ ከተማ ውቕሮ ክከታተሎ ሓላፍነት ተዋሂቡዎ፣ ምስ ኣለም ተራኺቦም ጉዕዞ ካብ ውቕሮ ናብ ከተማ ኣፅቢ ክግበር ከሎ ድማ ፀጥታ ከተማ ኣፅቢ ተቐቢሉ ግቡእ ክትትል ክግበሮ ሓበሬታ ቀዲሙ ተዘርጊሑ እዩ። ከተማ ኣፅቢ ካብ ዝኣተውላ ሰዓት ጀሚሮም ድማ ፖሊስ ከተማ ኣፅቢ ምስ ኣኮይ መ/ር ርክብ ብምግባርን ዘለውዎ ቦታ ምብሕባርን ሲቪል ክዳን ተኸዲኖም ምስኦም ኣብ ጎኖም የማሽዩ ኣለው። ኣለም ንመቐለ ክምለስ እየ ክብል ከሎ እውን ናይ ቤተሰብ መትከል ዝተወሰደ ምስ ፖሊስ ኣፅቢ ብምምኽኻር ነይሩ።

ክፋል 4 ይቕፅል!

By aiga

2 thoughts on “ኣለሻ ሃለዋት ተጋደልቲ (ኣብ ልዕለይ ዝበፅሐ ዘሕዝን ተጓንፎ – ፫) ”
  1. እዋይ ከምዚ ውን ዶ አሎ እዩ አዮኻ ናይ አሰመላሽ ሓውካን ናይ ሰለሞን አኮኻን ፈጣሪ ድምፆም የስምዕኻ

Comments are closed.