ክፋል ክልተ

ተጋዳላይ ኣለም ድሕሪ ውሑዳት መዓልትታት  ንተልእኾ ንተምቤን ይኸይድ ኣለኹ። ኣርሚ-60 ዋና መዋፈሪኣ ኣብ ተምቤን ስለ ዝኾነ ደሃይ ተጋዳላይ ኣስመላሽ ሓውካ ኣበየናይ ግምባር ተሰሊፉ ከም ዘሎ ድማ ኣፃርየ ክመፅእ እየ ይብለኒ። ብሃንቀውታ ይፅበ ኣለኹ ፅቡቕ ወረ ድማ ሒዝካልና ትመፅእ ይግበርካ ይብሎ። ነዳዲ ተራ በዚሑና፣ ክሳብ ሀዚ ተሰሊፍና እየና እንዳበለኒ ሙሉእ መዓልቲ ውዒሉ ዳርጋ ኣጋ ምሸት ሀዚ መኪናና ነዳዲ መሊእና  ንኸይድ ኣለና ምስተመለስኩ ኢና ንራኸብ ኢንተርኔት ኣብ ተምቤን ስለ ዘይሰርሕ ኢሉኒ ቻው ተበሃሂልና ተጋዳላይ ኣለም ንተምቤን ይኸይድ። 

ድሕሪ 3ተ መዓልቲ ይመስለኒ ተመሊሱ መፅዩ፣ መቐለ ተመሊስና ትብል መልእኽቲ ጥራሕ ይፅሕፈለይ። ደሃይ ኣስመላሽ እውን ባዕሉ ኣይፀሓፈለይን። እንኳዕ ደሓን ተመለስካ ደሓን ተመለስካ ኣለም፣ ወረ ኣስመላሽ እንታይ ህዝብ መፂኻ ኢለ ይሓቶ። መልሲ ከይሃበኒ ይውዕል፣ ኣነ ድማ ስራሕ በዚሑዎ ይኸውን ኢለ ሱቕ ይብል ተወሳኺ ከይሓተትኩ። መልሲ ከይሃበኒ ይሓድር። ብፅባሒቱ ኣለም ሓወይ ኣብ መጀመርያ እኮ ንስኻ እውን ተጋዳላይ ኢኻ፣ መስዋእቲ እንተጋጢሙ እውን ተሰዊኡ ኢለ ክነግረካ እየ ኢኻ ዝበልካኒ ስለዚ ዝረኸብካዮ ሓበሬታ ብትኽክል ንገረኒ፣ ዝገደደ እኮ ክጭነቕ ገይርካኒ ዝብል መልእኽቲ ይሰደሉ። ብስሩ እውን ሕማቕ ሕልሚ እየ ክርኢ ሓዲረ፣ ኣስመላሽ ሬሳኡ ክተርእየኒ ኢኻ ሓዲርካ ዝብል መልእኽቲ እውን ይሰደሉ፣ ብጣዕሚ ሕማቕ ለይቲ ነይሩ ንዓይ እቲ ለይቲ።  ዳርጋ ፍርቂ መዓልቲ ዝኸውን ሀዚ እውን ኣፀብዩኒ ድሕሪ ሰዓት “ፍትዊ ሓወይ ሒገን ዝኮነ ነገር እዩ ገጢሙና ዘሎ፣ ኣስመላሽ ብኣካል ረኺበዮ መፅየ፣ ኮይኑ ግና ምስ ብፃዩ ተባኢሱ ንብፃዩ ብጥይት ኣቑሲሉ ንሱ እውን ተኣሲሩ እዩ እንዮ፣ ” ይብለኒ። ዋእ፣ ኣለም ከመይ ገይርኻ ካብ ዝጋደል መዓልቲ ደሃዩ ዝጠፍአና ተጋዳላይ ብኣካል ረኺብካዮስ ትማሊ ናብ መቐለ ካብ ትምለስ እዚ ብስራት እዚ ከይነገርካኒ ክትሓድር ትኽእል ኢለ ይሓቶ። መልሲ አለም ድማ ኣታ ፍትዊ ሓወይ ሃለዋቱ ድኣ ካብ ዝነግረካ እኮ ፀኒሐ፣ ንዓይ ኣይትኣምነን ዘለኻ ማለት ድዩ? ኣነ ሰለሙን ተኣሲሩ ኢለ ነጊረዮስ ኣስመላሽ እውን ተኣሲሩ ኢለ ንምንጋርስ ንእሽቶን ሰኸፈት ስለ ዝሓደረኒ ድኣ እምበር ስለ ሃለዋቱስ ትጠራጠር ኢኻ ኢለ መኣዝ ሓሲበዮ ይብለኒ።

#ተስፋ_ቁ6 ብዝኾነ ግን ኣስመላሽ ንኹሉ ቤተሰብ ሰላም ኢሉ ኣሎ፣ ብምጭናቕኩም እውን የመና ሓዚኑ ኣሎ፣ ኣነ እውን ክልተ ኣሕዋትስ ከመይ ኢልኩም ትእሰሩ ኢለ ኮርየሉ፣ እቲ ዘጋጠመ ኹነታት ባእሲ ግን ንሱ ከም ዘይወዓሎ “#ስጋ_ብፆት” ኢሉ ምሒሉለይ እዩ። ስለዚ እቲ ኩነታት ቶሎ ክፃረ ገይርና ናይ ኣስመላሽ ነገር ቶሎ ክነፍትሖ ኢና፣ ናይ ሰለሙን ነገር ግን ከምቲ ዝበልኩኻ ኣብ ምጥፍፋእ ንብረት ስለ ዝተጠርጠረ ክኸብድ እዩ ቶሎ ናይ ምፍታሕ ዕድል የብሉን ይብለኒ። ናይ ኣስመላሽ ግን ዋና ስረሐይ ስለዝኾነ ቶሎ ኣፃርየ ውፅኢቱ ክነግረካ እየ ይብለኒ።  ንዓይ ንተጋዳላይ ዘይምእማን ዓርሰቕትለት ምፍፃም እዩ። እሞ ኸዓ ንተጋዳላይ ኣለም እዚ ኹሉ ንብፃዩ ክብል፣ ንዘጋደሉ ቤተሰብ ካብ ጭንቀት ከናግፍ ለይትን ቀትርን ዝፅዕር ዘሎ ቅኑዕ ተጋዳላይ፣ ብዝተሰወኡ ብፆቱ ምሒሉ ዘይፀግብ ተጋዳላይ። ብዝኾነ ንዓይ እዛ መዓልቲ #ኣስመላሽ_ሓወይ ብኣካል ዝረኸብኩዎ ኮይኑ ተሰምዐኒ፣ ንቤተሰብ እዚ ኹሉ ኣብ messenger group ንዘለና ልዕሊ 30 ንኸውን ኣባላት ኣበሰርኩ። ንበዓልቲ ገዝኡ ኣስመላሽ ድማ ብፍሉይ ደዊለ ኣበሰርኩ፣ ኣስመላሽ ምግዳል ክወፅእ ከሎ ፅንሲ ኣትሪፋ ዝተወለደ ወዲ ድማ ብጃኺ ሽም ውላድኩም #ብስራት ኢልኪ ሰይምዮ ብስራት ኣስመላሽ በልኩዋ። ቤተሰብ ኩሉ ዕልታታ ብዕልልታ ኮነ። ኣብ ማ/ሚድያ ድማ ንኸማና ዝበሉ ደሃይ ውላዶም ዝጠፍኦም ተስፋ እውን ክኸውን ብዝብል #ሓጎሰይ_ተኻፈሉ ዝብል ኣብ screenshot ትሪኡዋ ዘለኹም ኣብ ፌስቡክ ገፀይ ይልጥፍ። ተጋዳላይ ኣለም ( ፀኒሑ ዝቀየሮ ናይ ፌስቡክ ሽሙ ምቁር_ገድሊ ) ድማ ከምቲ ትሪኡዎ ዘለኹም #ንመላእ_ስድራ_ፍትዊ_እንኳዕ_ደስ_በለኩም ኢሉ ዝለጠፍኩዎ ፅሑፈይ ሼር ይገብሮ። 

ንኣለም ሕቶታተይ ይቕፅል እዩ ዘሎ ዋላ እኳ ሀዚ ሀዚ ብጣዕሚ የሸግሮ ስለ ዘለኹ ሰኸፈት ብኻፈር እንተኮነ ግን ድማ ቀፃሊ ነገር ሓደ ቤተሰብ ብፍላይ በዓልቲ ገዝኡ ብዓይኖም ክሪኡዎ ስለ ዝግባእ ካልኣይ ድማ ከምቲ ዝበሎ እቲ ዝፈፀሞ ገበን ተፃርዩ ፍትሒ/ዝፍትሐሉ ኩነታት እንተሃልዩ፣ ሳልሳይን ወሳናይን ድማ ኩነታት እቲ ዘቑሰሎ ተጋዳላይ ኣበይ ክርከብ ከም ዝኽእልን ንሕና ቤተሰብ ድማ ኣስመላሽ እቲ ገበን ይውዓሎ ኣይውዓሎ ክሳብ ዝተጠርጠረ እዋን እቲ ዝቆሰለ ተጋዳላይ ረኺብና ዓቕምና ብዝፈቐዶ ኩሉ ክነሐክሞ ከም ዝኾናን ብዝተኽኣሎ ኣፃርዩ ከምፅአለይ ኣጥቢቐ ይሓትቶ። ናይ ኣለም መልሲ እውን ከም ኩሉ ጊዘ ብቕንዕና እዩ፣ ኣስመላሽ ዝተኣሰሮ ቦታ ኣብ ተምቤን ጅጅቐ ዝበሃል ከም ዝኾነ፣ ኣብ ተምቤን ብዙሓት ቤት ማእሰርቲ ስለ ዘለው፣ ናይ ኣስመላሽ ቤት ማእሰርቲ ድማ #ናይ_ኣርሚ_ቤት_ማእሰርቲ ከም ዝብሃልን፣ እቲ ኣለሻ ዝተወቖሰለ ተጋዳላይ ድማ ስርሑ ከም ዝኾነን ዘለዎ ቦታ ምጥይያቕ ከም ዝጀመረን ይነግረኒ። ኣነ ድማ ከምቲ ካብ ምስጋና ሓሊፈ እንታይ ክገብር፣ ንዝገብረልና ምትሕብባር ገንዘብ ንእሽቶን እኳ ክሰደሉ እንተይለ ብጣዕሚ እዩ ዝኹሪ፣ ንሱ ጥራሕ ዘይኮነስ #የቐንየለይ #የመስግን #ክብረት_ይሃበለይ እንተይለ ብጣዕሚ እዩ ዝኹሪ። ኣነ ሕድሪ እቶም ሬስኦም እንዳረገፅኩ ዝመፀኹ ብፆተይ እየ ዝገብር ዘለኹ፣ ድሕሪ ሀዚ ምስጋና ዝመስል ቃል ካብኻ ከይሰምዕ ኢሉ ኣጠንቂቑኒ እዩ። የቐምየለይ እኳ ክብሎ ኣይፍቀደለይን። ብዝኾነ ግን ንቤተሰብ ልክዕ ንተጋዳላይ ሰለሙን ይብለና ከም ዝነበረ ባዕሉ ሒዙዎም ከም ዝኸይድ፣ ነዚ ዝቆሰለ ድማ ከተኣላልሾ ምኳኑ በዚ ንውድእ። 

ቀፂሉ እዚ ኹሉ ሓበሬታ ንቤተሰብ እውን ምክፋል ይቕፅል ስለ ዘለኹ ንበዓልቲ ገዛ ኣስመላሽ ካፍቶም ክልተ ተጋደልቲ ኣሕዋታ እቲ ሓደ ኣብ ወርቃምባ ስለ ዝርከብ በቃ ባዕለይ ናፍቲ ቦታ ከይደ ንኣስመላሽ ጠይቐዮ ክመፅእ እየ ኢሉ ንኣለም ከይነገርና ተጋዳላይ ዘማ ኣስመላሽ ሃፍ እንዳበለ ጅጅቐ ይኣቱ። #ጅጅቐ ካብ ተምቤን ንዓድዋ ክትከይድ ከለኻ ኣብ መንገዲ እትርከብ ናይ ገጠር ቁሸት እምበር ቤተ ማእሰርቲ ተጋደልቲ ዝብሃል ይኹን ብስሩ እውን ተጋደልቲ ዝብሃሉ ዘይብላ ቦታ ኮይና ይረኽባ። ክሳብ ተምቤን መፅዩ ድማ ኣብኡ ዘለው ኣባላት TDFን ኣመራርሓን ረኺቡ #ናይ_ኣርሚ_ቤት_ማእሰርቲ ዝብሃል፣ ኣስመላሽ ዝርከበላ ዝተብሃለት #ኣርሚ_60 እውን እንተልያ፣ ኣብ ጅጅቐ እውን ቤት ማእሰርቲ እንተሃልዩ የጠያይቕ። እዘን ኩለን ግን ንሓማቱ ኣስመላሽ ጨና ማይ ኮይነን ይረኽበን። ቤት ሜእሰርትታት ዋላ እንተሃለው እውን ግን እቲ ብተጋዳለይ ኣለም ዝተነገረና ሽማት ፍፁም ዝመስል ክርከብ ስለ ዘይከኣለ ተጋዳላይ ዘማ ኣስመላሽ ናብ መስርዑ ተጓህዩ ኣስመላሽ ከይረኸበን ንመላእ ስድራ ድማ ዝነበረና ተስፋ ዘፀልምትን ሒዙልና ይምለስ። 

እዚ ዝኾነ ነገር ድማ ሀዚ እውን ተመሊሰ ንኣለም የዕልሎ። ኣለም መልሱ ሰከንድ እውን ኣይወሰደሉን ልክዕ ከምታ ናይ ሰለሙን ዝሃበኒ ዓይነት። ፍትዊ ንምንታይ ዘይትሰምዐኒ ግን፣ ባዕለይ ክሳብ ሒዘዮም ዝኸይድ ምሽ ቤተሰብ ዝብሃል ከይትልእኽ ኢለካ ይብለኒ። ኣስመላሽ ዝተኣሰረሉ ቦታ እኮ ንባዕለይ ግርምምም እዩ ዝብለኒ ንምንታይ ኣፍቲ ቦታ ከም ዝኣሰሩዎ፣ ዝገርመካ ብመፈንቀለ-መንግስቲ ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ብዙሓት ተጋደልቲ ኣለው ኣስመላሽ እውን ምስ ዝተጠርጠሮ ገበን ምንም ዘይራኸብ ምስኣቶም እዩ ተኣሲሩ ዘሎ። እዚ ድማ ቤተሰብ ይኹን ዋላ ሓደ ተጋዳላይ ክጥይቕ ዘይፍቀድ ቤት ማእሰርቲ እዩ፣ ኣነ ንኣስመላሽ ክሪኦ ዝተፈቐደለይ ኣባል ስለያ ስለ ዝኾንኩን ዝምርምሮ ሓበሬታ ኣለኒ ብምባለይን እዩ። ስለዚ ከይትሓስቦ ቤተሰብ ከይትሰድድ ይብለኒ። ግን ከዓ ኣብ ቀረባ ነገራት ኣስተኻኺሉ ቤተሰብ ሒዙ ከም ዝኸይድ ይፅሕፈለይ፣ ብፍላይ ናይ ኣስመላሽ ቀሊል ነገር ስለ ዝኾነ ንዕኡ ከይፍታሕኹ እማ ድቃስ የለን እዩ ዝብለኒ። ኣከታቲሉ ድማ ብዝኾኑ ኣስመላሽ ዘቁሰሎ ብፃዩ ኣብ ሕክምና ምፅባሑን ናብ ቤተሰብ ከም ዝኸደን ኣረጋጊፀ ኣለኹ። ዘለዎ ቦታ ድማ ኣፅቢ ከተማ ወሰናወሰን ዘሎ ገጠር ከም ዝኾነን ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ንተወሳኺ ምፅራያትን ምርመራን ንዕኡ ክረክብ ናብ ኣፅቢ ከም ዘምርሕን ይነግረኒ። ቀፂሉ እውን ተጋዳላይ ሰለሙን ዘለዎም እሱራት ካብ ወርቃምባ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅቢ ከም ዝተቐየሩ ከም ዝተነገሮን ንእገረ-መንገዱ ንሰለሙን እውን ሪኡዎ ከም ዝመፅእን ይነግረኒ። ብሓቂ ዝገርም ፍሉይ ታሕጓስ ተሰመዐኒ፣ ምናልባት እዚ ተጋዳላይ ብድሕሪ ባእሲ ምስ ኣስመላሽ ተሰዊኡ እንተኮይኑ ኣብ ኣስመላሽ ክመፅእ ዝኽእል ተሓታትነት ድቃስ ካብ ዝኸልአኒ ውዒሉ ሓዲሩ እዩ ነይሩ። ሀዚ ግን ተሓጒሰ ብሓቂ፣ ነዚ ተጋዳላይ እውን ከሐክሞ ዝኽእለሉ ዕድል ብምፍጣሩ ብጣዕሚ ደስ ይብለኒ። 

ኣለም ድማ ምፅራይ ጥራሕ ዘይኮነስ ከምቲ ኣስመላሽ ዝበለኒ ዘይወዓሎ እንተኮይኑን ውዒሉዎ እንተኮይኑ ድማ ኮነ ኢሉ ንኽቐትሎ ዓሊሙ እንተዘይኮይኑን ምናልባት እውን ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ፅሒፉ ናብ ወታደራዊ ቤት ፍርዲ እታ ደብዳቤ ኣእቲና ኣስመላሽ ዝፍተሐሉ ኩነታት እውን ክነመቻቹ ኢና ይብለኒ። ኣነ ድማ በል ኣለም ሓወይ በይዛኻ ናብዚ ተጋዳላይ እዚ ባዶ ኢድካ ኣይሰደካንዋ ዝተወሰነ ገንዘብ ንጊዝኡ ዘለዎ ፀገም ክውግን ገንዘብ ክሰደልካ። ብስሩ እውን እንተረኺብካዮ ዘድልዮ ሕክምና እንታይ ከም ዝኾነ፣ ኣበይ ክሕከም ከም ዝኽእል፣ ዓቕመይ ዝፈቐዶ ድማ ከሐክሞ ከም ዝኾንኩ ብደምቢ ንገሮ ኢኻ። ስልኪ እንተሰሪሑልካ ድማ ኣራኽበኒ ኢኻ ይብሎ። ኣለም እቲ ሓሳብ ቅቡል ገይሩ ባንኪ ድማ ወዮ ክንዲ ድላይካ ክወፅእ ስለ ብዘይኽእል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣእትየስ ኣብ መቐለ ካሽ ክህበኒ ዝኽእል ሰብ የተኣላልሽ። ሓደ ዝፈትዎ ዓርከይ ድማ እሺ ይብለኒ እሞ ብጠቕላላ 20-ሽሕ ብር ሰዲደ እታ 10-ሽሕ ንኣለም ሃበለይ፣ እታ 10-ሽሕ ግን ምሳኻ ትፅንሐለይ ይብሎ። ንተጋዳላይ ኣለም ድማ ከይዱ 10-ሽሕ ክቕበል ይነግሮ እሞ እታ 4-ሽሕ ነቲ ተወቒዑ እንዮ ተጋዳላይ፣ 3-ሽሕ ንባዕልኻ በይዛኻ ምሳሕ ክጋብዘካ፣ እታ 3-ሽሕ ድማ ንእሱር ተጋዴላይ ሰለሙን ሃበለይ ይብሎ (ሰለሙን ወዮ ናብ ኣፅቢ ተቐይሩ እዩ)። ኣለም እታ 10-ሽሕ ተቐቢሉ ጉዕዞ ናብ ኣፅቢ ይገብር። ሀዚ እውን ምስ ቤተሰብ እዚ ሓበሬታ ነዕልል ስለ ዘለና ቤተሰብ ድማ ዘለዎ ቦታ ካብ ተፈለጠስ ንምንታይ ንሕና እውን ምስኡ ዘይንኸይድ፣ ሽማግለ ሒዝና ዘይንኸይድ፣ በጊዕ ዋላ ገዚእና ዘይንኸይድ ወዘተ ይጭቕጭቑኒ ኣለው እዮም። ተጋዳላይ ኣለም ግን እዚ ክነግሮ ከለኹ ፍፁም ጣልቃ ኣይትእተውኒ ባዕለይ ክውድኦ እየ፣ ብስሩ እውን ስረሐይ ስለ ዝኾነ ንምርመራ እየ ዝኸይድ ዘለኹ እንዳበለ ቤተሰብ ሒዙ ንምኻድ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ኣብ ኣፅቢ ምስ እዚ ዝተወቕዐ ተጋዳላይ እየ እንየኹ ዝለኣኽካሎም ገንዘብ ደስ ኢሉዎም፣ ብስሩ ክሪኦም ከለኹ እውን ንእሽቶን ተፀጋጊሞም፣ ቆልዑ እውን እንየውዎ እሞ ካፍቲ ንዓይ ዝሰደድካለይ እውን እቲ 2-ሽሕ ወሲኸ ጠቕላላ 6-ሽሕ ሂበዮ ክመፅእ ከለኹ እውን ቡና፣ ስኮር፣ ኣትክልቲ ሒዘሉ መፅየ ደስ ኢሉዎ፣ ክተሐክሞ ከም ትደሊ እውን ነጊረዮ ደስ ኢሉዎ ብሓዊ ይብለኒ። እሞ ብስልኪ ዶ ክተራኽበኒ ኣለም ሓወይ ባዕለይ እውን ዝበለፀ ከዕልሎ ይብሎ እሞ ሀዚ ንበይኑ ካብ ገዛ ኣውፂአ ነታ ናይ ይቅርታ ደብዳቤ ክፅሕፈለይ ይሓቶ ነይረስ እሞ ምስ በዓልቲ ገዛይ ተመኻኺረ ክምለስ ኢሉንስ ይፅቡ ኣለኹ ምስ ተመለሰ ከታኽበካ ይብለኒ። ድሕሪኡ ኣለም offline ኮይኑ ክረኽቦ ኣይከኣልኩን ውዒለ። ምስ መሸየ ድማ ሀዚ ናብ ተምቤን ድማ ንካልእ ትልእኾ ይኸይድ ኣለኹ፣ ዓንተዎ ምስዚ ውቑዕ ከራኽበካ ኣይከኣልኩን ኢንተርኔት ኣብዩኒ፣ ብዝኾነ እቲ ወቑዕ እታ ናይ ይቅርታ ደብዳቤስ ምስ ቤተሰብ ኣስመላሽ ምስተራኸብና ክፅሕፋ ኢሉኒ፣ እንተ ኩነታት ኣወቓቕዓኡ ድማ ሰለስተ ኮይኖም እንዳሰተዩ እንዳሃለው ኣጋጣሚ ባእሲ ተፈጢሩ ካብ ክልቲኦም መን ከም ዝወቕዐኒ ግን ኣይፈልጥን ምስተወቓዕኹ ወድያው ውነይ ስለ ዝሰሓትኩ ኢሉኒ ይብለኒ። ምስ ኣስመላሽ ግን ቅድሚኡ ምንም ዓይነት ባእሲ ከም ዘይነበሮም እውን ነጊሩኒ ይብለኒ። ንሰለሙን ግን ብጣዕሚ ይቅርታ ጊዘ ስለ ዝሰአንኩን ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ንምኻድ ምሳይ ዝነበሩ ኣጋይሽ ክፈልጡ ስለ ዘይደለኹን ሎምዓልቲ ከይረኸብኩዎ ተመሊሰ በቃ ካልእ መዓልቲ ምስ ሓው ከይድና ክንሪኦ ኢና ይብል። ሀዚ ግን ንካልእ ኣእኽቶ ናብ ተምቤን ሀዚ ሕለፍ ስለ ዝተብሃልኩ ብኡ ገይረ ድማ ንኣስመላሽ ሪአዮ ክመፅእ እየ ይብለኒ። ፅቡቕ ዝሓወይ በቃ ይቕናዕኻ ንኣስመላሽ ክትረኽቦ ከለኻ ግን ሓደ እታ ንሰለሙን ዝለኣኽኩልካ 3-ሽሕ ንዕኡ ሃቦ ኢኻ፣ ካልኣይ ምፅናሳ እኳ ዘይፈልጥ በዓልቲ ገዝኡ ወዲ ከም ዝወለደት ኣበስሮ ኢኻ፣ ሳልሳይ ፎቶ ግራፍ ወይ ድማ ናይ ቪድዮ ሪከርድ ከይሓዝካ ከይትምለስ ሓደራ፣ ቤተሰብ ልዕሊ እዚ ጊዘ ክፃወሩ ኣይከኣሉን፣ እቲ ሃለዋቱ ከይተፈለጠ ዝነበረ ጊዘ ይሐሾም ነይሩ ብጣዕሞ እዮም ተሻቒሎም ይብሎ (ንምንታይ ዘይትኣምነኒ ከይብለኒ እሞ እቲ ኣለሻ ደሃይ ኣሕዋትና ከይተኣጓጎል ኢለ እምበር እቲ መረረት መብዛሕትኡ ናይ ባዕለይ እዩ ብቤተሰብ ዘሳብብ ዘለኹ፣ ኣነ ዝሳቐዮ ዘለኹ ስቓይ ንፀላኢኹም፣ ኣለም ካብ ዝነግረኒ ዕለት ጀሚሩ እኳ 6ተ ጊዘ ሕማቕ ሕልምታት እየ ዝሓልም)። ኣለም ኩሉ ተስማዕሚዑ ደሓር ሕደር ተባሂልና ንውድእ። 

ክፋል 3 ይቕፅል …

By aiga