ሻለቃ ዳዊት ወልደግዮርግስ፡”ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ የብሉን።…” ኢሉ ኣብ ኣኼባ ምዝራቡ ንብዙሓት ኣቆጢዑ ይርከብ። ሻለቃ ዳዊት “ራዛ ናይ ኣቦኻ ሓዛ!” ግዲ ኰይንዎ ንኣሰር ወላዲኡ ኣብኡ ተኰልኺልዎ ይርከብ። ኣብ ዘመነ ሃይለስላሴ፡ከተማ መቐለ ብኣየር ከም ዝተደብደበት ታሪኽ ትማሊ እዩ።ከም ኣጋጣሚ ታሪኽ ኰይኑ ካብቲ መዓት ዝወጹ ብርክት ዝበሉ ኣቦታትን ኣዴታትን ረኺብና ኣዛሪብናዮም ንፈልጥ ኢና። ብዛዕብኡ ብዝርዝር ክጽሕፍ ኣይኰንኩን ደልየ።እንታይ ደኣ ኣብቲ ከተማ መቐለን ህዝቢ መቐለን፡ብነፈርቲ እንግሊዝ፡ ብሓዊ ዝቃጸለሉ እዋን ዝተቋወሙ ሰባት ምንባሮም ዝፍለጥ እዩ።ወላ እኳ ድምጾም ክዕፈን ተተፈተነ፡እቶም በሊሕን መስተውዓልን ብላቴን ጌታ ሎሬንዞ ታእዛዝ ሓደን ኣብነታውን ስብ እዮም ነይሮም።

Dawit Gebregiorgis

ምስ ኣቦ ሻለቃ ዳዊት ዝኰኑ ብላታ ወልደጎዮርግስ ወልደዮሃንስ ብሰሪ ደብዳብ ከተማ መቐለን ህዝባን ተባኢሶም ምንባሮም ሰብ ዕድመ ጸጋ ወለዲ መስኺሮሞ ሓሊፎም እዮም። እወ፡ብላቴን ጌታ ሎሬንዞ ታእዛዝ፡ነቶም መቐለን ህዝባን ክትድብደብ ዘጣቕዑን ድጋፎም ዝሃቡን ብላታ ወልደጊዪርግስ ብንዴትን ቊጠዐን፡መጽሓፊኦም ብርዒ ቀለም ስሒቦም፡ኣብ ደረት ኣፍልቦም ሃሪሞሞም እዮም።

እቲ ዕላማ ድማ “ከመይ ህዝብና ብኣየር ጓና መንግስቲ እናተደብደበ፡ንስኹም ትሕጎሱን ተጣቅዑን ኣሎኹም!” ብዝብል ምኳኑ ኣብ ዘመነ ጃንሆይ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚኒስትሪታት ዝሰርሑን ዘግርልገሉን ገሊጾሞ ሓሊፎም እዮም። ኣቶ ኣማኑኤል ገብረእየሱስ ዝተብሃለ ኤርትራዊ መታዓብይቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቕን ካብቶም ኣየር ዝጨወዩ ሓደ ዝኰነ ተኰነ ምዝራብ ዘይፈቱን ቁጡብ ሰብ ብምኳኑን እምበር ከም ፈላጥ ታሪኽ ነዚታት ክምስክሮ ዝኽእል እዩ።ምኽንያቱ ወላዲኡን ተኰኑ መሳርሕቶም እዮም ነይሮም።

ኣብ ጉዳይ ታሪኽ ሸዋን ኣዲስ ኣበባን ብዙሕ ኣፍልጦን ሓበሬታን ዘሎዎ ኣቶ ኣማኑኤል ገብረእየሱስ ሓደ መዓልቲ ምስክርነቱ ክህበሉ ተስፋ እገብር እየ። (ምሳይ እኳ ዕድል ገይረ ብዘይ መቕረጺ (off mic) ብዙሕ ኣዋጊዕና ንፈልጥ ኢና።) ነዚ ዘልዕሎ ዘሎኹ፡ኣቦ ሻለቃ ዳዊት ብላታ ወልደግዮርግስ ወልደዮሓንስ ጸረ ትግራዋይን ትግራይን እዮም ነይሮም (በቲ ሽዑ ቋንቋ ኣብ ሸዋ ኩሉ ትግርኛ ዝዛረብ ሰብ ትግሬ እዩ ዝበሃል ነይሩ።)

ኣብ ዋዜማ ኲናት ዓድዋ ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝተወልዱ ብላታ ወልደግዮርግስ ወልደዮሓንስ ንምርዳእ ዓርኺ መንን መን ከም ዝመልመሎምን ምርኣይ ገለ ስእሊ ክህበና ይክእል እዩ እብል። ብላታ ወልደግዮርግስ፡ምስቶም ኣብ ምቕታል ዓቢይ ምሁር ንርጋድራስ ገብረህይወት ባይከዳኝ፣በሊሕ ምሁር ነጋድራስ ገብረዝጋብሄር ደስታ (ወድ ዓድዋ)፣ዲፕሎማት ጳውሎስ መንኣመኖን ብላተ ጌታ ሎሬንዞ ታእዛዝን ወዘተን ኢድ ከምዘሎዎም (ብቐጥታን ብተዘዋዋርን) ዝውረየሎም ብላታ ጌታ ሕሩይ ወልደስላሴ ወድ መዝመሮም እዮም።

ብላታ ወልደግዮርግስ ወልደዮሓንስ

ብመንፈዓትን ብብልሕን ተኰነ ዝቕድምዎም ሰባት ነይሮም እዮም።እንተኰነ ኣምሓራይን ብመገዲ ብላቴን ጌታ ሑርይ ወልደስላሴ ዝተመልመሉ፡ሕሩየ-ሕሩያን ዝሕላገቶም ሰብ ብምኳኖም፡ ነቶም ኣብቲ ሽዑ እዋን ብተመኽሮን ትምህርትን ዝበልጽዎም ዝነበሩ ከም እኒ ኣቦ ምኲር ጋዜጠኛ ገዳሙ ኣብራሃ (ሰራየን ዓድዋን ዝውለድ)፣ወዘተ ጥሒሶም ስልጣን ተውሃቦም…ከይሰፍሓና ናብ ቁውም-ነገር ክምለስ እፈቱ።

 ብላቴን ጌታ ሑሩይ ጸረ ትግሬ (ተጋሩን ኤርትራውያንን) ብምንባሮም ይኹን ስሱዕን ገባትን ሰብ ብምንባሮም ነቶም ዝበልጽዎም ሰባት ኣደዳ ግፍዕን ሞትን ገበርዎም። ነዚ ድማ ኣማውታ ሎሬንዞ ታእዛዝ፣ነጋድራስ ገብረዝጋብሄር ደስታ፣ጳውሎስ መንኣመኖን እቲ ዓቢይ ምሁር ነጋድርስ ገብረህይወት ባይከዳኝን ወዘተን ምርኣይን ምምርማርን እኹል መረጼን እዩ እብል።

ብዝኰነ ናብ ኣርእስተ ጉዳየይ ክምለስ፡ሻለቃ ዳዊት “ናይ ኣቦ ንመን ንህቦ!፧” ግዲ ኰይንዎ፡”ኣብ ልዑላውነት ኤርትራ ይኣምን እየ።ኤርትራውያን ነጻነቶምን ልዑላውነቶምን ዋጋ ኸፊሎም ዘምጽእዎ እዩ።ኣነ ብዉልቐይ ንናጽነቶምን ልዑላውነቶምን ይኣምነሉ እየ!” ኢሉ ደጋጊሙ ይዛረብ ምንባሩ ተዘኽሮ ትማሊ እዩ።

ሎሚ ደኣ እቲ ኣብ ሕመረት ልዑላውነትን ነጻነትን ምእማን ሲ ብሕብሪ ዓይኒ ድዩ ገይርዎ-ሲ ወይስ ሸውራር መነጸር ፖለቲካን ሕግን ኣሎዎ ኰይኑ እዩ፧ ባዕሉ ዝመልሶ እኳ ተኰነ ናጽነትን ልዑላውነትን ህዝቢ ትግራይ ኸ ዘይኣምነሉ ኰይኑ ድዩ ወይስ ድርብ መለክዕን ድርብ ዕያግን ሃልዩዎ ኰይኑ እዩ። ኣባል ስለያ ሲኣይኤ ምኳኑ ከም ዝእመነሉ ሻለቃ ዳዊት፡ንመሪሕነት ህግደፍን ኢሳያይስ ኣፈወርቅን ሓንቲ መዓልቲ ተቢዑ ዘይነቐፈን ዘየወገዘን ሰብ እናሃለወ፡በየናይ ሞራልን ስነ ሞጎትን እዩ “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክጸንሕ ኣሎዎ!” ዝብል ዘሎ፧ ምጾታት እዩ።

“ሊህቃን ኣምሓራ ዘይሮም ዘይሮም ናብ ሓመዶም እዮም!” ዝብል ሓሳባት ብዙሓት ክትርዕሞ ዝገብር’ዩ። ንኣተሓሳስብኦም ድማ ኣብ ጫፍ ብልሒ ኰይንኻ ብዕምቆት ክትምርምሮን ክርተጽንዖን ዝቕስብ ሓያል መድረኽ ፖለቲካ እዩ ዝኰነኻ።  ዘረባ ሻለቃ ዳዊት ወልደጊዮርግስ፡ከም ሓደ ተራ ዘረባ ጎሲኻዮ ዝሕለፍ ኣይኰነን’ዩ።ኣነ ወዝቢ ቕድሚ ገለ ደቃይቕ ኣብ መደበር ተለቪዥን ኣሰና ነቲ ኣብ ቕድሚ ህዝቢ ዝተዛረቦ ሃንደበት ብምስምዐይ ሽዑ-ንሽዑ ዝፈጠረለይ ድፊት ተመርዂሰ እምበር ተዳልየ ዝጸሓፍኽዎ ጽሑፍ ዘይምኳኑ ክሕብር እፈቱ።

እቶም ልዕለይ ትፈልጡን ትከታተሉን ዝበለጸ ክትጽሕፍሉን ክትምጉትዎን ከም ትክእሉ ይኣምን እየ።ብፍላይ ኣብ ጊዜ ደርጊ ዝነበሮ ኣቋምን ኣካይዳን ኰነ ብድሕሪኡ ዝትርጉዓዞ ጉዕዞ ፖለቲካን መዚንኩምን ምርሚኩምን ገለ ክትብሉና በዓል ምሉእ ተስፋ እየ። ንመደበር ተለቪዥን ኣሰና ድማ ነዚ ወሳንን ኣተኲሮ ዘድልዮ ህዝባዊ መደረን ናብ ህዝቢ ኣብ እዋኑ ክቓላሕ ምግባርኩም፡ብልቢ ክመስግነኩም እፈቱ።ህዝቢ ክነቕሕን እቲ ሓቂ ክፈልጥን ዕማም ሓደ ማዕከን ዜና ብምኳኑ እዩ።

ሓደ ግዱስ ተዓዛቢ

By aiga