ካብ’ዚ መግለጺ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ትርድኦ ነገር ተሃልዩ።እቲ መስርሕ እማመ ሰላምን ዉዕሉን ኣብ ሰንኮፍ ከም ዝወደቐን ኣብ ሃለውሳ ከም ዝተሽመመን የረድእ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም፡ኣብ መንጎ ክልተ ኣኻላት ወይ መንግስታት ወይ ድማ ዉድባት ዝግበር ዝኰነ ይኹን ዉዓላትን ስምምዓትን እቶም ዝበዝሑ ክፍጸሙ ዳርጋ ኣይረኣዩን እዮም።

ርሑቕ ከይከድና ዉዕል ዓድዋ (ዉዕል ሔዊት/ሂወት) ምርኣይ ይከኣል እዩ።ካልእ ንምጥቓስ ተተደልዩ ድማ ኣብ መንጎ ሕወሓትን ህዝባዊ ግንባርን ዝግበሩ ዉዑላትን ስምምዓትን ኣብ ባይታ ማዕረ ክንደይ ተተግቢሮም ርዱእ እዩ።

ኣብ መንጎ ኦነግን ኢህደወግ(ወያነ) ዝተገብረ ስምምዓት ተኰነ ፋልሶ እዮም ነይሮም።ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ኤርትራን ኣብ ኣልጀሪስ ዝተፈጸመ ዉዕል ሰላም ኸኣ እቲ ዝበለጸ መርኣያን ኣብነትን ክዀውን ይክእል እዩ።

እዚ ዉዕል ፕሪቶሪያ ድማ ምስ ንድህስሶ፡ሓደው ካብ ኣውሓስቱን ኣሰማማዕቱን ኣትሒዙ ጸገማትን ስኽፍታትን ኣሎዎ።ኣብ ልዒሊኡ ኦሊንጎ ኣባሳንጆ ኣብ ጎኑ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድ ምኳኑ ርዱእ እዩ።ባዕሉ ተኰነ ገሊጽዎ እዩ።

ብተወሳኺ ድማ ኦሊንጎ ኣባሳንጆ ብመርሖ ደረጃ ንዓመጽትን ንኡሳት ሓይልን ምጭፍላቕን ምድቃቕን ዝብል መትከል ዘሎዎ ሰብ እዩ።ካብዚ እንታይ ይጽበይ፧

ብሓጺሩ፡ኣብ መንጎ ሕወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ዝተገብረ ዉዕል ወይ ስምምዕ ልባዊ ዘይምኰኑ ይርደኣኻ እዩ።

በቲ ሓደ ወገን ብድፊኢትን ብጸቕጥን ዝተገብረ ምኳኑ ትግንዘቦ እዩ።በቲ ሓደ ወገን ኸኣ ኣብ ሚዛን ሓይሊ ለውጥታት ዝተርኣየሉን ኣንፈት ኲናት ናብ ህልቒት ገጹ ዝሳገመሉ ተርእዮ ይመስል።

ከም ሳልሳይ ድማ መሪሕነት ሕወሓት ኣንፈት ፖለቲካዊ መርሓኦም ንጽረትን ተኣማንነትን ዝጎደሎ ኰይኑ ትረኽቦ ኢኻ።ህዝቢ ትግራይ ድሌቱን ሓሳቡን ምንጻልን ናጽነትን ዝጠልብን ዝብህግን ምኳኑ ተንብቦ ኢኻ።ሓቅን ወድዓውን ድዩ ካልእ ጉዳይ ኰይኑ ማለት እዩ።

ሕወሓት ድማ ድርብ መርገጽን ኣብ ላንጋላንጋ ድሕሪ ምጽናሕ፡ኣብዚ ሕጂ እዋን ተኰነ ንጹርን ግሉጹን እኳ ተዘይኰነ እቲ ብልዕልና ሕግን ሕገ መንግስትን ኢና ንኣምንን ንጠልብን ዝብል ፕሮፓጋንድኦም ርኢኻ፡ንሕቶን ድሌትን ህዝቢ ዝመዝመዙን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ከም ዘእትውን ብቐሊሉ ትዕዘቦ ኢኻ።

ካልእ ኣብቲ ስማዊ  ምኳኑ ዝርደኣኻ ዉዕልን ምቁራጽ ተጻብኦታትን፡ ዘላቕነትን ዉሕስነትን ከምጽእ እዩ ዝብል ትጽቢት ዘሎዎ ገርህን ኣፍልጦ ዝውሕዶን ጥራሕ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ።

ሓደው፡ተሳተፍቲ እዚ ደማውን ዓዕናውን ኲናት እዚ ማእለያ ዘይብሉ ገበናትን ጽንተትን ተፈጺምዎ ክነሱ ነቶም መጸምቱ ኣብ ሕግን ፍትሕን ዘየቕርብን ንርትዓውነትን ተሓታትነትን ኣብ ጥርጥር ዘእተወ ምኳኑ ይእመን እዩ።

ካልእ ተዋሳእቲ እቲ ኲናትን ሃንደስቱን ኣንበድበቱን ስሞም ተገሊጹ ዘይምርቁሑን ተሓተቲ ዘይምግባሩን ንብዙሓት ኣንቢዑን ኣሕዚኑን እዩ።

እዚ ስማዊ ስምምዕ ሰላም፡ንተራ ፕሮፓጋንዳውን ህዝባዊ ርኽባትን ዝዓለመ ዘምስሎ ነገራት ይረኣዩ እዮም።እዚ ድማ ነቲ ኹሉ ንከንቱ ከም ደመ ከልቢ ዝፈሰሰ ደም፡እልፊ-ኣእላፍ ኣዕጽምቱ ዝተኸስከሰን ኰነ እልቢ ኣልቦ ሃፍተ-ገነት ዘዕነወን ዘብረሰን ኲናት ፍርድን ፍትሕን ዝነጸገ ዉዕል እዩ።

እዚ ርትዕን ፍትሕን ብዘይህብ መልክዕ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ኣብ ዉሻጠ ሕዛእቲ ተዋሰእቱ ብስም “ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ናብ ንቡር ብምምላስ ክንዳነይ ኢና!” ዝብል ኣሽካዕላል ዝሕመረቱ ዉዕል ምኳኑ ትግንዘቦ ኢኻ።

እቲ ዝገርም፡እቲ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም፡ንእንተ ኣምርን ትርጉምን ሰላም ብዙሓት ብጎስጓስን ብድሌት ሰላምን ተተቐበልዎ፡ንጽባሕ ግን ከቢድ ዕዳን ኣብ ዕንኺልልን ሸንኰለልን ዘንብር ምኳኑ ርጉጽ እዩ።ኣብ ልዕሊኡ እቶም ወረርትን ኣስፋሕፋሕትን ኣብ መሬትካ ተኾዲጮም ኮፍ ኢሎም ኸለዉ ንበይንኻ ከበሮ ሰላም ተደሰቕካ ንውሕስነትን ዘላቕነትን ሰላም ተውሕሶን ኣብ ምዕራፉ ተብጽሖ ኢኻ ማለት እዩ።

ሕወሓት፡ንሰላምን ንኣፈጻጽማ ስላምን ብከመይ ኢያ ትርእዮን ትመዝኖን ሓንሳብ ሓንሳብ ይገርመኻን ይእርምመኻን እዩ።ምስ መን ተላዚባ ኢያ ሰላም ከተምጽእን ከተውሕስን ትሓስብን ትምነይን ዘላ፧ 

ወድዓውን ህልውን ኲነታት ፖለቲካውን ጸጥታውን ቕርዓታን ኢትዮጵያን ኣብ ግምት ኣእትያ ዲያ? ንጎረባብታን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቓን ዘሎዎ ህልው ኲነታትን ምስልን ብግቡእ ኣንቢባቶ ዶ ትኸውን፧

ንጸላእታን ባህርያቶምን መዚናን ለኪዓን ድያ፧ ወይስ ብደጋውን ዉሽጣውን ጸቕጥታን ድፊእታትን ሰዲዓ እያ ኣብዚ ሃለውሳ ተሸሚማ ዘላ የብለኻ እዩ።

ስለዚ፡ዉዕል ሰላም ገይርኻ ማለት ሰላም ኣስፊንኻ ወይ ኣረጋጊጽኻ ኣሎኻ ማለት ኣይኰነን።ማዕረ ንሰላም ትህቦ ድልውነትን ሃንቃን ንጸላእትኻን ዕላማታቶን ኣብ ግምት ኣእቲኻ ማዕረ ማዕሪኡ ድልውነትን ተወፋይነትን ክህልወኻን ክትውንን ይግበኣኻ እዩ።

ሕወሓት ግን ነዚታት ዝተገንዘበት ኣይትመስልን እያ።ነዚ ኣብነት ዝኰነና -ዕጥቒ ብምፍታሕ ጉያ-ጉያ ምባሉ ክጥቐስ ይከኣል እዩ።ወላ እኳ ኣይፈታሕናን ዝብል ሳሕቲ ይዝረብ ተኰነ ሰራዊታ ንእለቱ ኣብ ሓደ ቦታ ክኽርደን ወይ ክዕቆብ ምግባራ ድማ ካልእ ኣበሳ ታህዋኻ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ።

ልዕሊ ኹሉ ሞራል ሰራዊት ኣብ ምሕላውን ኣብ ክብርታቱ ምሕላውን፡ሓርነት ፖለቲካን ምሕላው መሰሉን ክብርታቱን ዝተሓሰበሉ ኣይመስልን እዩ።ምስ ሰራዊትና ተዛቲናን ተመያይጥናን ኢና ይበሃል እዩ።ግን ሓቕነቱን ተኣማንነቱን የጠራጥረኻ እዩ።(ንፈልጦን ንሰምዖን ነገር ሰለ ዘሎ እዩ)

“ሰላም ምቕርቲ እያ።ሰላም መሰረት ኹሉ ነገር እያ።ሰላም መገዲ ሓርነትን ፍትሕን እያ።” ዝብሉ ኣበሃህላታት ወለድና ንኸንቱ ኣይበልዎን እዮም።ግን ድማ ዉዕላት ሰላምን ስምምዓትን ብዙሕ ዕንቕፋትን ማሕለኻታትን እኳ ተሃልዎም፡እዚ ኲናት ትግራይ መሪር ትምህርትን ተመኽሮን ዝሃበ ኽንዲ ምኳኑ ዉዕል ሰላም ክረጋገጽን ክትግበርን ዘሎዎ ኣብ ሓቀኛ ድሌትን ፍትሕን ኰነ ተወፋይነትን ዕቱብነትን ዝዓሰለ ምኳኑ ክሰሓት የብሉን እዩ እብል።

እሞ ብዉዕል ሰላምን ብስምምዕ ሰላምን ማንም ከይዘናጋዕን ከይሕመልን ግቡእ ጥንቃቐን ዕቱብ ቆላሕታን ክግበረሉ ዘሎዎ ይመስል።

ሓደ ግዱስ ተዓዛቢ 

By aiga