መንግስቲ ትግራይ ን ልኡም መፈፀምታ ስምምዕ እማመ ሰላም ንምትግባር ኣብ ዘለሉ ግዘ ነዚ ዘፍርስ ኣካይዳ ዘስተርሁ ካብ ቤት ፅሕፈት ኮሚንከሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ብ ዕለት 8 ታሕሳስ 2015 ዓም “የ መቐለ ህዝብ ድህንነት ሊጠበቅ ይገባል!” ብ ዝብል ርእሲ ኣውፂኡ ኣሎ።

እዚ መግለፂ ኣብ ውሽጡ ምስ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ዘይቃዶ ኣብ ትሕቲ ወራሪ ሰራዊት ኤርትራን ዕጡቓት ምልሻታትን ፋኖን ኣምሓራ ክልልን ዘለውሉ ደልሃመት ንክሓብእ ኮነይ ተብሂሉ ዝወፅአ ከምዝኮነ ብ ግልፂ ዘርእይ እዩ።

ህዝብና መዓልትን ለይትን ህይወቱን ንብረቱን እናተዘረፈ ኩሉ ክኢሉ ሰላም ኣብ ዝትስፈወሉ ግዘ ካሊእ ናብ ዘይውፃእ ዓዘቕቲ ዝመልስ ኣካይዳ ብክልቲኡ ወገን ክመፅእ ኣይጠልብን። እዚ ፈታዊ ሰላም ህዝብና ንዝምነዮ ርህው ኩነታት ዘማእኽል ኣካይዳ ንምስዓብ ካብ ኩሉ ማሕበረሰብ ዓለም ጥቡቕ ክትትል ክግበረሉ ንፅውዕ።

By aiga