ሰላም ሰላም ክቡራት ኣንበብቲ፡መርበብ ሓበሬታ ዓይጋ ከመይ ትዀኑ ኣሎኹም፧ ሰላምን ጥዕናን ኣኣብ ዘሎኹምዎ ድማ እምነይ።
በሉ’እምበኣር ናብ ሓፂር ፅሑፈይ ከብለኹም  እፈቱ።

እወ፡”ህይወት ወዝቢ እያ፣ንሳ ብዝመርሓትኻ ኢኻ ትተምም።” ዝብሉ ኣሎዉ።ብኣንጻሩ ድማ “መርሖ ህይወት ብቕማረ ዉጥንን መደባትን እያ ትምራሕ” ዝብሉ እውን ኣይሰኣኑን እዮም።
ኣብ ገሊኡ ድማ “ሕጊ ስሕበት” ዝብል ኣምር ኣሎ፣ ኣብ ሕድ-ሕድ ጒዕዞ ህይወት ወድ ሰብ ወሳንን ቀላስን ግደ ይገብር እዩ ዝብሉ ኸኣ ሓሽከት እዮም።

ኣነ ድማ ነዚ ሓሳባት ብኸፊሉ ይርዕሞ እየ።ንገሊኡ ድማ ሓንጎፋይ ዝብሎ ነጥጢ እዩ።ነዚ መርኣያ ዝኰነና ካብ ብዙሕ ንሓንቲ ካብ እዋናዊ ተጓንፎይ ክገልፅ እፈቱ።

ንሱ ድማ ሎሚ ምስ ስነ-ጥበበኛ ኪሮስ ሃይለስላሴ ቆጸራ ስለ ዝነበረና ተራኺብና ነይርና።ቐንዲ መራኸቢና እኳ ታሪኽ ኣመሰራርታ ሃገር ፍቅር ትያትርን ተዛመድቲ ነጥብታትን ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

ንኺሮስ ሃይለስላሴ ቕድሚ 10 ዓመት ኣቢሉ ይገብር፡ቃለ መጠይቕ ኣካይደሉ ምንባረይ እዝክር እየ።ኣብ’ዚ ቐረባ ዓመታት ግን ኣይተራኸብናን ነይርና።እቲ ምኽንያት ስልኪ ቊፅሪ ምስተን ዝጠፍኣኒ (ብቊጥምታት ዝተሰርቓ) ጠፊኡኒ ብምንባሩ እዩ።

“ኪሮስ፡ብርሃን-ዓይኑ ስኢኑ ኣሎ!” ዝብል ሓበሬታ ካብ ዝሰምዕ ንደሓር ሃንቃ ገይረ ንክረኽቦ እናሻዕ እሓስብ ነበርኩ።
ግን ሓንሳብ ገይሹ እዩ።ሓንሳብ “ካብ ገዝኡ ኣይወጽእን እዩ ዘሎ!” ይኹን ኣብ ገለ እዋን ድማ “ናብ ደገ ኣገልግሎት ሕክምና ክረኽብ ገይሹ ኣሎ” ዝብሉ መሰናኽላት ኰይኖም ጸንሑ።

ኣብ’ዚ ቐረባ ጊዜ ግን ወይዘሮ ኣልማዝ ዝተብሃለት ግድስቲ ኣደ፡”ማማ ዉህበት ኣብ ሓበሬታን ኣብ ሰብ ምርኻብን ክትሕግዘኻ ትኽእል እያ እሞ፣ተፋለጣ ኢኻ” ቢለን ኣብ ቤተን ኣፋለጣኒ።በዚ መሰረት ክልቴና ክንተሓጋገዝ ከም ዘሎና ምስ ወ/ሮ ኣልማዝ ብቅጽበት ተሰማማዕና።

ኣነ፡ንልዕሊ 20 ዓመትን ልዕሊኡን ረኺበንኦም ዘይፈልጣ ፈተውተንን መቕርበንን ኰነ ኣብ ጉዳይ በኣሉ ግርማን ፍያሜታን (ፍዮሪ) ዝነበረ ሓቀኛ ርኽባትን ክፀውየንን ከመሳኽረለን ዕዮይ ጀመርኩ።

ኣብ’ቲ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብዛዕባ በኣሉ ግርማን ፍያሜታን ዝውረይን  ኣብ ማዕከናት ዜና ዝጋውሑን ካልእን ንሓቅነቱ “ካብ ዝወዓለ ይንገር፣ዝቐበረ የርድእ!” ዝበሃል ቢሂል ኣበዋት ብምርዓም ምስ ሰብ ታሪኽ ብምርኻብ-ኣሃዱ ኢለ ንቃለይ ከተግብር ፈጣሪ ሓገዘኒ።

ንሰን ድማ ስልክታት ናይ ዝደልዮም ሰባት ብዘይቶግላባነት ክህባኒ ጀመራ።በዚ ደማይ ምስ ወ/ሮ ኣልማዝ ዘሎና ዝምድናን ርክባትናን ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ ንዳራ በረኸ ወ ደረዐ።

ኣብ ጉዳይ ኣመሰራርታ ሃገር ፍቅር ትያትር ኣድሂቡ ዝተመዛብዐ ታሪኽ ከም ዘሎ እፈልጥ እየ።ወ/ሮ ኣልማዝ ድማ ከም ኣብ ታሪኽን ጥበብን ዝግደሳን ኣብ ሚኒስትሪ ባህልን ሓበሬታን ንነዊሕ ዓመታት ሰራሕተኛ ምንባረን መጠን ደሓን ኣፍልጦ ኣሎወን።

ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ኣብ እንዳ መምህርን ደራስን ብእምነት (እንዳ ማማ ዉህበት) እናተራኸብና ወግዕታትና ቀጸልና።ምትሕብባርና ተኰነ ቀጸለ።

“ኣነ፡ገለ ገለ ኤርትራውያን ከም መስረቲ ሃገር ፍቅር ትያትር ዝፈልጦም ግን ስሞም ከቶ ኣይለዓልን እዩ።ከም መስረቲ ወይ ድማ ከም ኣባላት መጠን ኣይግለጹን እዮም።ገለ ገለ ተጋሩ ድማ ክንዮ ፊተውራሪ ጥበብ ፍሬው ሃይሉ ካልኦት ክለዓሉ ኣይሰምዕን እየ” ዝብል ሓሳብ ኣምጻእኩ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ኸ ተመሲጠን ብምስማዕ “ኣነ ኣብ ሃገር ፍቅር ትያትር ሰሪሐ እንድየ ግን ምናልባሽ እስከ ኣስማቶም ፅሒፍኻ ንገረኒ ኢኻ፧” በላኒ።

ኣነ ድማ ንእለቱ “ኣተወብርሃን ሰጊድ ዝበሃሉ ብጌጋ ዓይኖም ደገፍቲ ኣንድነት ኣጥፊኦሞም ዝበሃሉ በሃር ድምጻዊ ክጥቐስ ይከኣል።እቲ  ዓይኖም እንታይ እዮም ኰይኖም ብኸመይ እቲ ታሪኽ ኣብ ኢድና ኣሎ…!” በልኩ።

ማማ ዉህበት ከም ጓል ልዕሊ 90 ዓመት ኰነ፡ከም በቡኣን ጓል ሓማሴን መጠን ይኹን ከም ታሪኽ ዝፈትዋ ኣደንን ብዙሕ ዘረኣያን መጠንን ብዛዕባ ኣተወብርሃን ሰጊድ ብዝተልዓለ፡ኣብ ለሰ ተዘኽሮታት ኣጥሒሉ ንድሕሪት መለሰን።

እንተኰነ ወ/ሮ ኣልማዝ ብዛዕባ ኣተወብርሃን ምንም ሰሚዓ ከም ዘይትፈልጥ ግን “ካባይ ይዝሕሹ እዮም ዝብሎም  ክሓትት እየ።” ብዝብል ከም ካልኦት ዛዕባታትና ከም ዕዮ-ገዛ ሓዝናዮ።

ወ/ሮ ኣልማዝ ከም ዘስተውዓልኩለን ክገብሮ እየ ንዝበላ ጉዳይ ትግህቲ እየን።ይዕጠቓሉ እየን።ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ኣቢሉ ምስ ኪሮስ ሃይለስላሴ ኣብ ቕርዓት ሃገር ፍቅር ትያትር ተራኺቦም።
ኣብ መንጎ ዕላላቶም፡ነቲ ጉዳይ ብምዝካር ናበይ ደወላ።ምስ ኪሮስ ድማ ኣራኸባኒ።

ምስ ኪሮስ ብስልኺ ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ ተራኺብና ሰላምታ ተለዋወጥና።ብዛዕባ ንኣቶወብርሃን ሰጊድ ከም ስነ ጥበበኛ መጠን ከም ዝፈልጦም ግን ኣባል ሃገር ፍቅር ትያርት ምንባሮም ምንም ኣፍልጦን ሓበሬታን ከምዘይብሉ ገለጸለይ።

ኣነ ኸኣ “ደሓን ብኣካል ተራኺብና ከነውግዕ ኢና” ብምባል ካብ ብስልኺ ብኣካል ይሓይሽ ኢልና ቕድሚ ወርሒ ኣቢሉ ቆጸራ ሓዝና።

ኪሮስ ሃይለስላሴ “አዋቂ እና ታዋቂ ነው” (ኪሮስ ፈላጥን ተፈላጥን እዩ) ዝብልዎ  ኣበሃህላ ድሕሪ 7 ዓመት ኣቢሉ ዳግማይ ተራኺብና፡ኣብ መጋርያ ወግዒ ተራኺብና ብዘዋጋዕና ከስተብህል ጀመርኹ።

ብርሃን ዓይኑ ከም ዝተጋረደ  እውን ፈለጥኩ።እቲ ሓውዩ እዩ ዝብል ወረ ጌጋ ምኳኑ ኣረጋገጽኩ።

ስለዚ፡ብዛዕባ ኣተወብርሃን ሰጊድ ኣመልኪቱ ብዙሕ ጌጋታትን ፍላጥን ብዘይፍላጥን ዝውረይን ዝጸሓፍን ኣሎ።

ምስ ኪሮስ እቲ ሓቁ-ሓቁ  ኣልዒልና ጉጅም በልና።ዓይኖም መን እዩ ሃሪምዎም፧ ናብ ከተማ ኣስመራ መዓስ እዮም ተመሊሶም፧ ንዓድዋን ኣዂሱምን ንመጨረሽታ ጊዜ መዓስ ከይዶም፧ እታ ተጋሩየ ትብል ደርፎ መዓስን ብኸመይን ደሪፎማ፧

ሰበይቶም ማማ ዙፋን ባህታ ቕድሚ ገለ ኣዋርሕ ከም ዝሞታን ቕድሚ ዕረፍተን ሰብ ሊኢኸ ዘድልይ ሓበሬታ ከም ዝማእረርኩን ስእለን ከም ዘሎኒ ኣውጋዕና።

ኪሮስ ብዛዕባ ኣተወብርሃን ሰጊድ ኰነ ካልኦት ስሞምን ስርሓውቶምን ዝተረስዑ ተጋሩን ኤርትራውያንን ንሰዓታት ዝወስደ ወግዒ ብምክያድና፡ኣመና ደስ ከም ዝበሎ ኣውሰኣላይ።

ቃለ መጠይቕ ክገብረሉ ተቋጺርና ተፈላሊና ብምብባርና ኸኣ፡ ብመሰረት ቆጸራና፡ንመበል ሳልሳይ ጊዜ ሎሚ ዕለተ ዓርቢ ክንራኸብ ነይሩ።ተራኸብና እውን ኢና።

ስነ ጥበበኛ ኪሮስ ሃይለስላሴ ፈላጥን ወግዔኛን ብምኳኑ ብዙሕ ፈታውን ኣድናቕን ከም ዘሎዎ ክዕዘብ ከኣልኹ።
ወግዕታትና ንሰዓታት ብምውሳዱ፡መቕርቡን መሳርሕቱን ነበር
“ንዓና ድማ ሕሰበልና ኢኻ።ንበይንኻ ኣይትሓዞ ኢኻ!” ዝበሉኒ ሓደ መረዳእታ እዩ።

ሎሚ ዓርቢ ከኣ ንክልተ ሰዓት ኣቢሉ ቃለ መጠይቕን ወግዕታትን ኣካይድና።ሰዓት ሓደ (7፥15 ድ.ቐ) ተፈላለና።ቕሩብ ክዕርፍ ኢለ ናብ ደሃብ ሆቴል ኣልገስኩ።ናብ ደሃብ ሆቴል ኣትየ ድማ ዝደልዮ ኣገልግሎት ረኺበ ወጻእኹ።

ቕድሚ ሎሚ ናብ ደሃብ ሆቴል እትው ኢለ፡ንማማ ደሃብ ሰላም ምባል ልምደይ ነበረ።ግን ቕድሚ 50 መዓልቲ ኣቢሉ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ብምፍለየን፡ዝእዘዝ ኣዚዝኻ ተኣንጊድኻ ምኻድ እዩ።

ወይ ድማ ንበረኸት ወድ ሓፍተን ተረኺብካዮ ሰላምታ ተለዋዊጥኻ ዕዝር ምባል እዩ።

ካብ ደሃብ ሆቴል ወጺኣ።ኣብ ጥቓ ኣደባባይ ምኒሊክ  ብዝበፃሕኩ፡ሓደሽቲ መጽሓፍቲ ተሃለወ ኢለ ከም ኣመለይ ናብ ሪጋ መጽሓፍቲ ኣእጋረይ ወስ ኣበልኩ።ኣንፈቱ ናብ “ደሮ ማነቅያ” ዝጥምት እዩ ነይሩ።

ኣብ’ዚ ቦታ ብዙሕ ተዘኽሮታት ኣሎኒ።ምስ እኒ ስብሓት ገብረዝጋብሄር፣መምህር መኰነን፣ምስ ገጣሚ ሙሉጌታ ተስፋይ (ተስፋዬ) ወዘተ ኰነ ምስ መጽሓፍቲ ዝተኣሳሰር ከኣ ብዙሕ ዝኽርታት ኣሎኒ።

እሞ ኣብ’ቲ እንዳ ኣብየተ መጽሓፍቲ ብዝበጻሕኹ፡ሓንቲ ዓይነ ስውርቲ መንገዲ ጠፊእዋ፡ኣስተውዓልኹ።ብቕንፍጽ ዉራይ መጽሓፍቲ ምርኣይ ገዲፈ ናብኣ ገጸይ ኣበልኹ።

ከም’ታ ኣመለይ ድማ ካብ ሚኒሊክ ኣደባባይ (ጥቃ ኣራዳ ጥዕና ጣብያ) ናብ’ቲ ትደልዮ ንግዳዊ ባንኪ ኣብጻሕኽዋ።
እታ ዓይነ-ስውርቲ ኣመና ብምግራም
“ንዓይ ክትብል ኢኻ እዚ ኩሉ መንገዲ መጺእካ፧” በለትኒ።
ኣነ ድማ
“ካብ ካልኣይ ክፍሊ ኣትሒዘ ዓይነ-ስውራት ኣብ ዘጋጠመንን ዝጠዓመንን ጊዜ ይመርሕ እየ።” በልክዋ።

ንሳ “እወ፡ኣተሓሕዛኻን ኲነታትካን የፍልጥ እዩ!” በለትኒ።
ናብ ዝደለየቶ ንግዳዊ ባንኪ ኣኣትየያ ተመለስኩ።

ክምለስ ከለኹ ብመገዲ ሃገር ፍቅር ትያትር ኣቢለ ንላዕሊ ገጸይ መስመር ጽርግያ ሒዘ እምለስ ነበርኩ።በቲ ዝወረድናዮ ኣንፈት ማለት እዩ።ኣፍ-ደገ ሃገር ፍቅር ትያትር ሓሊፈ፥ሓንቲ ናይ ቀደም ሕንጻ ኣቋሚተ እናማዕደኩ።
“ኣብ’ዛ ሕንጻ ሲ ህቡብ ድምጻዊ መሓሪ ኣብርሃ ይነብር’ዶ ነይሩ ይኸውን፧” እናበልኩ ብማዕበል ሓሳብ ተውሓጥኩ።

ኣብ’ቲ ከባቢ ቤት ትምህርቲ ብምህላዉ ግን ምስ ዘሎ ሸብሮ ተምሃሮ ብዝተሓሓዝ ብርክት ዝበሉ ፖላይስ ዓሲሎም ስለ ዝነበሩ-ካሜራ ከተልዕል ወይ ክትስእል ኣየፍቕዱን እዮም።
ሃንደበት ተሲኢልካ ድማ ብዙሕ ሕቶታትን ዋጢጥን እዩ ዝስዕበልኻ።በዚ ኸኣ፡ትም ኢለ ንላዕሊ ገጸይ ሳገምኩ።

ኣብ መንጎ ቕሩብ ድይብ ብዝበልኩ።ንሕልናይ ዝጽውዕ ደርፊ ኬነዲ መንገሻ ሰማዕኩ።ነፍሰይ ምግባር ኣበየኒ።

ግን ደው ኢለ ከይሰምዕ፡ኣቶም ፖላይስ ንኹሉ ኢዮም ብዓይኒ ጥርጣረ ዝርእይዎን ዝሓቱኻን።ሎሚ ሕግን ፍትሕን ከምቲ ዓረብያ ንፈረስ ዝጎቶ ዝሓለገቱ እዩ ዘሎ፡ምስ ተኣሰርኻ እዩ ዝጻረይን ዝምርመርን፡ስለዚ ገለ ክሓስብ ነበረኒ።

ኣብታ ጥቃ ሙዚቓ ዝተኸፍተት ሓንቲ እንዳ ቀምቃማይ ብዝረኣኹ፡ንነፍሰይ ምኽንያት ገይረ “ጭሕመይ ከልግስ’የ!” ቢለ ኣተኹ።ቀንዲ ድሌተይ እታ ደርፊ ምስማዕ እዩ።እቲ ምኽንያት ኣብ ካልኣይ ክፍሊ ተምሮ እንከለና፡ኬነዲ መንገሻ ኣብ ኣስመራ ንዓይን ንደመላሽን ብጥርሑ ናብ ምርኢት ዘእተወና እዩ።
እወ፡ኣብ እስታድየም ንግስተ ሳባ ኣቲና ሙዚቓዊ ምርኢት ክርእይ በሪ ዘርሓወልና-ኬነዲ መንገሻ እዩ ነይሩ።

ኬነዲ ካብ ሓንቲ ጓል ሽረ ምውላዱ እፈልጥ ብምንባረይ፡ታሪኽ ኬነዲ መንገሻ ኣብ ዝማእረሉ እዋን ፅቡቕ ገይረ እፈልጥ እየ።እታ ኬነዲ ዝለማመደላ ዝነበረ ክራር ድሕሪ 40 ዓመታት ኣቢሉ ቕድሚ ገለ ዓመታት ከርእይ ዕድል ገይረ እየ።

ነታ ጓል ሽረ ካብ ኬነዲ ዝወለደት ደቃ “ባር ሽረኒ” ዝብል ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሃያ-ሁለት ከም ዘሎወን ቕድሚ ገለ ዓመታት ብምስመዓይ ክኸደን ወሰንኹ።
ሓደ ክልተ መዓልቲ ከይደ እውን ንደቃ ረኺበያን ነይረ እየ።እዝን ተዘኽሮ እኒ ጀነራል ሰዓረ መኰነንን ካልእ ጊዜ ክሓናጥጦ እየ።

እንተኰነ ከም ኣድናቒ ኬነዲ መንገሻን ታሪኹ ንምጽናዕ ብዙሕ ዝደከምኹን ሰብ መጠን ይኹን ምስ ሙዚቃ ፍሉይ ፍቕሪ ዘሎኒ ወከፍ ከኣ ተወሲኽዎ፡ ብደርፊ ኬነዲ ተሳሒበ ናብቲ እንዳ ቀምቓማይ ድርግም በልኩ።

ሓንቲ ጓል ነይራ ትሰርሕ ግን ንሳ ከተገልግለኒ ኣይደልኩን።ኣብ ኣፍ-ደገ እናሃለወት ናብ’ቶም ዓቢይ ሰባኣይ ኰፍ ኢሎም ኣብ ሰልሚ ሓሳብ ተዋሒጦም ዝነበሩ ቕርብ ኢለ

“ሰላም ኣቦ ደሓን ዲኹም፧ ጭሕመይ ከልግሶ ደልየ፡ትሰርሑ ዶ ትዀኑ፧” በልክዎም።

ንሶም ከኣ ኣብ ሓሳብ ተሸሚሞም ብምጽንሖም።ብርድግ ኢሎም “እወ፥እሰርሕ እየ ኰፍ በል!” በሉኒ።እሽታይ ገሊጸ ኰፍ በልኩ።

By aiga