ይብፃሕ ናብ: ኮሚቴ ጊዚያዊ ምሕደራ ትግራይ!

እንካብ: ማህተመ ፍስሃ (ዶ/ር), USA
ክቡራት ኣሕዋት!
ቅድሚ ኩሉ ኣብ ትግራይና ሰላም ንክሰፍንን ናይ መሊስካ ህንፀት ስራሕቲ ንክጅመሩን ኣብዘድሊየሉ ወሳናይ እዋን ሓላፊነት ተረኪብኩም ህዝብኹም እንካብ ጦርነት ናብ ሰላም: እንካብ ዕንወት ናብ ልምዓት ንምስግጋር ዝጀመርኩሙዎ ቃልሲ ኣሳልጦ ንክህልወኩም እናተመነይኹ ዲያስፖራ ትግራይና እውን እንካብ ጎንኹም ከምዘይፍለ ይኣምን ::
ኣብ ወርሒ መጋቢት መጀመርታ ሰሙን ብእንግሊዝኛ “Demand for Tigray Special Autonomous Status” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘመሓለፍኩዎ ፅሑፍ ኣብ ትግራይና ፍሉይ ዝኾነ ናይ ዓርሰ ምሕደራ መሰላት ምትእትታው ከምዘድልን ምስ ፈደራል መንግስቲ ኣብ ዝካየድ ፖለቲካዊ ልዝብ ከም ዋና ኣጀንዳ ተታሒዙ ኣብ ምርድዳእ ብምብፃሕ ብፖርላማ ኢትዮጵያ ተኣሚኑሉ ንክውሰን ብንጥፈት ምስራሕ ከምዘድሊ ሓቢረ ነይረ::
ሀይዚ እውን ብመቐፀልታ ዝብሎ  ኣለኒ::
ትግራይና እንካብ ወረርቲ ሓይሊታት ሙሉእ ብሙሉእ ነፃ ብምውፃእ ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ንምምላስ ቅድሚያ ተዋሂብዎ ክስርሐሉ ከምዝግባእ ኩሉ ትግራዋይ ዝኣምነሉን ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዕዮ ገዛና ምኻኑ እሙን ይመስለኒ::
ዝተመዛበለ ህዝብና ናብ መረበቱ ተመሊሱ ንቡር ናብራ ንክህልዎ ዝኽእል ዝዓነወን ዝተቓፀለን ገዛውቱ ከም ብሓዱሽ እንትህነፅን ዝተጉሓለ ንብረቱ ዝምጥን ክሕሳ እንትረክብን እዩ::
እቱ ብትግራና ስም እንካብ ዝተፈላለዩ ናይ ወፃኢ መንግስታትን ዓለም ለኻዊን ኣህጉራዊን ውዳበታትን ንክመፅእ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓገዝ ብተጋሩ ንክማሓደርን ንተጋሩ ዝውዕልን ምኻኑ ምርግጋፅ ኣድላዪ ይኸውን:: ብናይ ትግራዎት ሓገዝ ስም ዝኣትው ንብረትን ገንዘብን እቶም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ፅንተት/ጀኖሳይድ ዝፈፀሙ ኣህዛብ ተረባሕቲ ንከይኾኑ ብዘኽእል ናይ ኣሰራርሓ ሜላታት እንካብ ብሀይዚኡ ጀሚሩ ምትእትታው የድሊ::
ብዙይ መሰረት ዝስዕባ ርእሰ ጉዳያት ተኣሚኑለንን ቅድሚያ ተዋሂቡወንን ክሳለጣ ይግባኣ ብዝብል እምነት ኣቕሪበየን ኣለኹ::
1) Management:

ዳግመ ህንፀት ትግራይ ኣመልኪቱ ዝመፅእ ናይ ዓድን ወፃኢን ገንዘብን ናውትን ዝመርሕን ዘማሓድርን ትካል ብህፁፅ ኣብ መቐለ ምጥያሽ የድሊ::
2) Establishment of NBE Branch for foreign currency management purposes:
ኣብ መቐለ ናይ ኢትዮጵያ ብሄራዊ ባንኪ ጨንፈር (ENB Branch) ንክጣየሽ ብምግባር እንካብ ወፃኢ ንረዲኤትን ህንፀትን ትግራይ ዝመፅእ ናይ ገንዘብ መጠን ብቐጥታ ናብ መቐለ ክመፅእን ክማሓደርን ብምግባር እንካብ corrupted  ዝኾነ ቢርክራሲያዊ ኣሰራርሓ ምክልኻል ይግባእ::

3) Immigration Office: 
ኣብ መቐለ ናይ ኢሚግሬሽን ኣገልግሎት (Passport and Visa services) ንምሃብ ዘኽእል መስርሕ ንምትእትታው ናይ ኢትዮጵያ ኢሚግሬሽን ጨንፈር (Immigration Branch office) ብህፁፅ ንክጣየሽ ምግባር የድሊ::ንእግረ መንገዱ ኣብ ጉዳያት ትግራይ ብንጥፈት ዝዋሱኡ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ኣብ መቐለ ነናይ ኢምባሲኦም Consulateን Branch Officeን ንክኸፍቱ ትኹረት ሂብካ ምስራሕ እውን የድሊ::
4) International Air Transport:
ዓለም ለኻዊ ናይ ኣየር በረራታት እንካብን ናብን መቐለ ንምጅማር ብዘኽእል ፍሉይ ጠመተ ተዋሂብዎ ናይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ውሳነ ንክረክብን ናይ ኣቬሽን ቤት ፅሕፈት ኣብ መቐለ ንክኽፈትን ምስራሕ የድሊ:: ሕቶ ዓለም ለኻዊ በረራ ትግራይ ንዲያስፖራ ትግራይ: ንዓለም ለኻዊ ትካላት: ንቱሪዝም: ንጋዜጠኛታትን ንኢንቨስተራትን ፅቡቕ በሪ ዝኸፍትን መፃኢ ዕድላት ትግራይ ብሩህ  ዝገብርን ከይዲ እዩ ክኸውን::
5) Establishment of Human Resources commission:
ትግራይና መሊስካ ንምህናፅ ዘድሊ ናይ ሰብ ሓይሊ /ሰራሕተኛታት ዝውድብ: ዘስልጥን: ዝምድብን ዝከታተልን ናይ ሰብ ሓይሊ ምሕደራ ኮሚሽን ምጥያሽ የድሊ:: ንትግራዎት ቅድሚያ ዝህብ መስርሕ ምትእትታው እውን የድሊ::
6) Business In Tigray:
ፀላእቲ ትግራይናን ትግራዎትን ኣብ ውሽጢ ትግራይ ቢዝነስ ንከየካዪዱ ዘኽእል መስርሕ ተዳሊዩ ፍሉይ ክትትል ክግበረሉ ይግባእ::
7) Access to movement:
ህዝቢ ትግራይ ብሰላማዊ ኩነታት እንካብ ትግራይ ክወፅእን ተመሊሱ ንክኣትውን ዘኽእል መስርሕ እንካብ ብሀይዙኡ ጀሚሩ ክተኣታተው ይግባእ:: ተደጋጊሙ ጎረቤት ኣይምረፅን ከምዝበሃል: ህዝብታት ጎረባብትና ዝቕስቅስን ዘምህርን: መራሕቶምን ዕጡቓቶምን ድማ ፈሊኻ ብዘቃልዕ መልኩዑ ሚዲያታት ትግራይና ትኹረት ሂበን ብሰፊሑ ንክሰርሓሉ ዘኽእል መስርሕ ምትእትታው የድሊ::
8) Occupied Tigray territories: 
ኣብዙ እዋን’ዙይ ኣብ መብዛሕትኦም ከባቢታት ደቡባዊ ዞባ ትግራይ ነባራይ ዝኾነ ህዝብና ብናይ ኣምሓሩ ዕጡቓት ተወሪሩ ናይ  ኣምሓራይ መንነት ንክህልዎ ይግደድ: ይቕተልን ይስደድን ከምዘሎ እንካፍቱ እንሰምዖ ዘለና  ሓበሬታ እንርዶኦ ጉዳይ ኢዩ::
ዝሰልጠነ መንእሰያት ትግራይ ኣብ በረኻታት ካምፕ ኣብ ዝተዓጉሩሉን መሪሕነት ትግራይ ኣብ ናይ ስልጣን ክፍፍልን ንዓብዪ ኣሕመድ ክሰግዱን ኣብ ዘሕለፍዎም እዋናት ኣምሓሩ ኣብ ልዕሊ ህዝብናን መሬትናን ዝደለይዎ ንኽገብሩ ዕድል ከምዝሃቦም  ንዕዘብ ኣለና:: ንህዝብና ብቱ ዝኣተውናሉ ቃል እንትግብሮ ኮይንና ኣይተረኽብናን:: ታሪኽ ይስነድ ኣሎ:: እቱ እንካብ ፅንተት ይተርፍ ዘሎ ህዝብና ብእንመን ጊዜ እቱ ግፍዒ ከምተፈፀመ ይርኢን ይሰምዕን ኣሎ:: 
እንተኸማይ እቱ ንጊዚያዊ ምሕደራ ዝተጣየሸ ጉጅለ ቅድሚ ናይ ኣዲስ ኣበባ መ/ቤታት በሪ ምንኩሕኳሕ ምጅማሩ ድሕንነት ህዝቢ ዞባ ደቡብ ትግራይን ካልኦት ከባቢታትን እንካብ ፅንተት ከድሕኖምን ወረርቲ ሓይሊታት እንካብ መሬታት ትግራይ ንክወፁን ለይትን ቀትርን ክሰርሕ ይግቦኦ ባሃላይ እዬ::

ኣብ ናይ ፒሪቶሪያ ስምምዕ ህዝባዊ ሰራዊት ትግራይ (ምሊሻ) ናይ ከከባቢኡ “ፀጥታ” ክሕልው ኣይኽእልን ዝብል ፅሑፍ ኣየንበብኩን:: ኣብ ዝሓለፉ 5-ኣዋርሕ መብዛሕቱኡ ህዝብና ብናይ ኣምሓሩ ዕጡቓት ዝኸፍአ ስቓይን በደልን እንትበፅሖ ኩላትና ተዓዘብቲ እምበር ሃለዋት ህዝብና ኣገዲሱና እንትንቃለስ ኣይንረአን ዘለና:: ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምድሓን ዘድህቡ ስራሕቲ ቅድሚያ እንተንህብ ተመራፂ ይኸውን ክብል ይፈትው::
እንካፍቱ መጠነ ሰፊሕ ፀገማት ትግራይና ቆንጢረ እዙይ እንካብ በልኩ ኩላትና ጠለባት ህዝቢ ትግራይ ንምሙላእ  ብዘይ ውዓል ሕደር በብእንኽእሎም መዳያት ክንረባረብ ይግባእ::

የቕኒየለይ!

      ትግራይ ትዕወት!!

By aiga

One thought on “ንዝምልከቶም ኣካላት ትግራይ”
  1. Brother, if you are passionate, work with others and do your part instead of instructing our leaders what to do. Put up your ideas with others and starting doing something practical instead of pestering our leaders to do one person’s opinion. There are millions of Tigreans ideas and yours is one of the million ideas. There are many brilliant Tegarus like you and you are not better than them. Many people are telling do x, y, z, , what makes your idea better than others? is it because you have PHD? in my previous comment I told you that you are idea is not good for Tigray. But you are pestering our leaders to suck up one person idea as if it is divine? You really wanted them to copy, cut and paste this ideas you are forwarding ? no ways, Tigray and Tigreans need an idea t hat much the crisis in Tigray. I call you idea as Hutkutku idea.

Comments are closed.