ሕፅረት ኣቕርቦት መድሓኒትን ምግብን ከምኡ እውን ፀገም ኣተኣላልያ ውቕዓትን ዝተትሓሓዘ ሕሉፍ መረረት ዘለዎም ኣባላት ጀጋኑ ተጋደልቲ ትግራይ ብ ዕለት 12 መጋቢት፣ 2015 ዓም ሰለማዊ ሰልፊ ወፂኦም። ሕቶኦም ክምለሰሎም ዝጠለቡ ጀጋኑ ሰራዊት ትግራይ “ድምፂ ተጋደልቲ ይሰማዕ!” ዝብልን ካልኦት ምምሕዳራዊ ጉድያትን ዘለዎም ጥቕስታት ሒዞም ተራእዮም።
ብ ወገን ፀፅታ ዘይእዱብ ዝኾነ ግብረ-መልሲ ዝፈተኑ ኣባላት ፖሊስ እቲ ሰልፊ ንምብታን ፃዕርታት እኳ እንተገበሩ እቶም ጀጋኑ ኣባላት ሰልፊ ሰራዊት ትግራይ ግን ግቡኦም ሓቲቶም ናብ መደብሮም ተመሊሶም ኣለው።
ሐዚ እውን ካብ ክብሪ ሰራዊት ትግራይ ንላዕሊ ስለዘየለ ሕቶታቶም ብ ግቡእ ክምለሰሎም ንምሕፀን።
ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ን ሰራዊት ትግራይ።

By aiga

One thought on “ኣባላት ሰራዊት ትግራይ ሰለማዊ ሰልፊ ወፂኦም!”
  1. It is sad the wounded TDF are being asked or demanded money to pay to get treated for their injuries? This is another shame on TPLF. Something is big time wrong. I do not know what TPLF wanted from the people of Tigray? Taking their sons and daughters and making them perish and now charging them money to pay to treat their injury? TDF members who have bullets inside their body denied medical care and medicine. TPLF ashame of humanity.

Comments are closed.