መንግስቲ ኣመሪካ ብወኪላቱን ተሓባበርቱን ገይሩ፡ኣብ መስርሕ ሰፊሕ ምእካብ ሓበሬታን ቃለ-መጠይቓትን፡ኣብ ምክያድ ከም ዝርከብ ይፍለጥ።

ናብ ዝርዝሩ ብዙሕ ኣይኣቱን ግን ብሓፂሩ ነዙይ ዝስዕብ ይመስል።

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ንብርክት ዝበሉ ተሓባበርቶምን ጸለውቲ ሰባትን፡ብስቱር መገዲ ረኺቦሞም ኣሎዉ።

ናብ ትግራይ ድማ ዝኸዱ ኣባላት ተኰነ ኣሎዉ እዮም።ንዝደለይዎም ሰባት ከዛርብዎም መደብ ገይሮም ኣሎዉ።ዝረኸብዎም እውን ኣሎዉ።

ካብ ናይ ትግራይ ጉዕዞኦም ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ክጥቐሳ ይክእላ እየን።

#ህልው ኲነታት ፖለቲካ ፀጥታን ትግራይን ስምዒታትን ህዝቢ ንምፍላጥን ንምፅናዕን ዘድሃበ’ዩ።

#ብዛዕባ ምንቅስቓስ ሰራዊት ኤርትራ፣ኣምሓራን ደምሒትን፡ ካብ ህዝብን ካብቶም ሰራዊት ሃዲሞም ዝመጹን ስግረዶብ ዝገብሩንን ካልእ ዘካተተ’ዩ።

ብዛዕባ ሰራዊት ኤርትራ ዓጢቕዎ ዘሎ ኣጽዋራት፣ድሮን ኣሎዎም ድዩ የብሎምን፧ ዕቑር ሰራዊት ሓድሽ ዘመናዊ ኣጽዋር ክዓጥቕ ዝከኣለ ካበይ ዝተረኽበ’ዩ፧

ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣሃዱታትን ኣባላት ዕቑር ሰራዊትን ከመይ ከመይ ይመስሉ፧ እንታይ ገበናት ፈፂሞም፧ ንምንታይ ኣብ ኣስመራን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣባላት ዕቁር ሰራዊት ኣብ ኲናት ትግራይ ዘይተሳተፉ፧ ወዘተ

##ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝተፈላለዩ ኤርትራዉያን ረኺቦሞም እዮም።”ኣብ ትግራይ ዝተገብረ ግፍዕታትን ምጽናት ዘርእን ክጽናዕ ኣሎዎ” ዝብል ርእይቶታትን ሓሳባትን ተዋሂብዎም እዩ።

“ሰራዊት ትግራይ/ህወሓት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ገበናትን ዝርፍያን ኣካይዱ እዩ-ነዚ መንግስቲ ኣመሪካ ኣተኲሮ ሂቡ ከፅንዖ ይግባእ” ኢሎም ብትሪ ሓሳቦም ዝሃቡ ኤርትራውያንን ኣምሓሩን ይርከቡዎ።

“ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስን መንግስቱን ኣድላይ ዘበለ ስጉምትን ቆላሕታን መንግስቲ ኣመሪካ ብዘይምግባሩ ሓላፍነቱ ኣይተዋጽአን እዩ።ዉጺኢቱ ድማ እንሀልኩም ኣብ ትግራይ ኣትዩ ድላዩ ገይሩ።ግፍዕታትን ጽንታትን ፈጺሙ።ገና እውን ይዕጥቕን ይዕልምን ኣሎ።

ምስ ኣምሓራ ዝገብሮ ዘሎ ርኽባት፡ብዘይ ኣፍልጦ መንግስቲ ፌደራልን ብኣሽካዕላልን ዘካይዶ ዘሎ ሳዕቤኑ ኣመሪካውያን ኣይትውረዳኣኩም ኣሎ።ገና ዋጋ ንኣመሪካ ከኽፍላ እዩ።” ዝበሉዎም ተሓባበርቶም ኣሎዉ።

ኣተኲሮ ኣመሪካ፡ኣብ ትግራይ ዘሎ ስምዒት ህዝብን ኣባላት ሰራዊትን ኰነ ፖለቲካዊ ባይታን ህልዊ መድረኹን ምጽናዕን ሓበሬታ ምእካብን ዝዓለመ ምኳኑ የረድኣካ’ዩ።

ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ድማ ብሰፊሑን ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኣባላት ምርካብን ሓበሬታ ምእካብን ቀንዲ ዉራይ ዝገብርዎ ምኳኖም ካብቶም ተሓባበርቶምን መታዓይይቶምን ዝተረኽበ ሓበሬታ የገንዝብ።

ምስ ሰላምታ፡

By aiga