Category: Articles

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ኣብ መቐለ ንዝርከቡ 406 ፅጉማት ማሕበረሰብ ትግራይ 406 ሽሕ ብር ሓገዝ ገንዘብ ኣከፋፊላ

ቤት ፅሕፈት ርክብ ህዝቢ ማልት ማሕበር ልምዓትትግራይ ኣብ ከተማ ዊንድሶር ካናዳ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ተጋሩ ብር 300,000፤ ተወለድቲ ከባቢ ደቂ ኣንገረላ ዓረ ደቂ ኣምሓረ ኣኮሎግዛይ ኤርትራ ድማ ብር 106,000 ብድምር ብር…

ዘይወግሕ መሲልዎ/ዋ!

መን ተቀቲሉ መን ኽሓድር ብሰላም ዊዒሉ: ናይመን ንብረት ዓንዩ ናይመን ኽነብር ተወኒኑ መን ተዋሪዱ ዘይንሱ መሲሉ መን ኽነብር ተኸቢሩ ተኻሒሉ: ናይመን ደም ፈሲሱ አዕፅምቲ ተኽስኪሱ ናይመን ኽፀንሕ ተሓብሒቡ አብነብሱ:  መን እናኸተረ መን እናዓመፀ እናዓንደረ  ስብ እናደፈረ እናባጨወ ኽነብር: ኤርትራ  – ዋይ! ዓጎራ: ዘይወግሕ መሲልዎ እብ ቡኽራ ይወፅዕ ሠገራ: ናይመን ዘርኢ ፈሊሱ አዱ ፈሪሱ መን ኽነብር አብገዝዑ ደቂሱ: መን ዛሒዛሕ ኢሉ አልቂሱ መን ኽድቅስ ተሓጊሱ: መን  ተሓንኪሉ መን ኽኸይድ አስተዊዒሉ: ናይመን ዓዲ ተወሪሩ ናይመን ኽነብር ተኸቢሩ: መን ኽሓድር ፀሚኡ ጠምዩ መን ኽነብር በሊኡ ሰትዩ: …