ብ ፍትዊ መለስ

ህዝቢ ክመሃረሉን ኣነ ድማ ፍትሒ ክረኽበሉን ኩሉ ሰብ ብፍላይ ደሃይ ተጋደልቲ ደቅኹም ዘይረኸብኩም፣ ስለ ተጋዳላይ ይስምዐና እዩ እትብሉን ብፍላይ ድማ ተጋደልትን ክተንብቦ ዝግብእ ዛንታ። 300-ገፅ መፅሓፍ እተንብቡ እዛ ዛንታ ድማ  ኣብ ኣርባዕተ ከፋፊለ ከቕርባ እየ፣ ደሃይ ስድራ ምስ እትገብሩ ከጋጥመኩም ዝኽእል እናሓሰብኩም ክተንብብዋ እላቦ።

(እዚ ኹሉ ፅሑፍ ከዳሉ ከለኹ ኮምፒተረይ ናይ ትግርኛ keyboard ክሰርሐለይ ብዘይ ምኽኣሉ ብሞባይለይ ዘዳለኹዎ ፅሑፍ ብምኳኑ ናይ ፊደላት ትኽክለኛ ዘይምኳን ከጋጥም ስለ ዝኽእል ኣቐዲመ ይቅርታ ይሓትት።)

ክፋል ሓደ

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ “Alem Michael” ብዝብል እየ ዝፈልጦ። ምሳይ ወግዒ ምስ ጀመርና ድማ ኣባል ወታደራዊ ስለያ ዝኾንና ብሽምና ከይንፅሕፍ ስለ ዝተኣገድና ብምባል ናይ ፌስቡክ ሽሙ ናብ “ምቁር ገድሊ” ዝብል ቀይርዎ። ሀዚ ዝተረጋገፀ መታወቅያኡ ድማ “ኣለም ሓዱሽ”  ይብል። ንመጀመርያ ጊዘ ምሳይ ወግዒ ዝጀመርና ድሕሪ ትግራይ ኢንተርኔት ምልቃቑ ብውሽጢ መፅዩ “ዓብዪ ሰብ ከመይ ኣለኻ” ዝብል መልእኽቲ ምስዳዱ እዩ። ኣነ ድማ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብዝፅሕፎም ፅሑፋት ተጋዳላይ ምዃኑ ስለ ዝተረዳእኹ ብዓብዪ ክብርን ትሕትናን ንተጋዳላይ ኣለምን ብፆቱን ስለ ትግራይ ንዝኸፍሉዎ ዘለው መስዋእቲ ኣኽብሮት ብምሃብ ዕላልና ጀሚርና። ዕላልና ስለ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዘትኩሩ ኮይኖም ዳርጋ ኣብ መዓልቲ ከየተፀሓሓፍና ኣይንሓልፍን።

ሓደ መዓልቲ ኣብ ኮምቦልቻ እንዳሃለው ስለ ዝፈፀሙዎ ነገር ኣብ ፌስቡክ ገፁ ለጢፉ ይርኢ እሞ ኣለም ሓወይ ኣብ ደብረብርሃን ዝበፅሐ ወዲ ሓው ኣቦይ ተጋዳላይ ነይሩንስ ድሕሪ ምምላስ ደብረብርሃን ደሃዩ ጠፊኡና። ምናልባት ብኡ መስመር ምንባርካ ስለ ዝለጠፍካ ኣጋጣሚ ክትፈልጦ ትኽእለሉ ዕድል እንተልዩ ዶ ክሓተካ ይብሎ። ተጋዳላት ኣለም ድማ ዝነበሮ ኣርሚን ክ/ጦርን ትፈልጦ ዶ ይብለኒ? ኣሽዑ ኣርምን ክፍለጦርን ብግልፂ ይንገሩ ስለ ዘይነበሩ ንሕና እውን ኣይጠየቕናዮን ንሱ እውን ኣይነገረናን ነይሩ፣ ኮይኑ ግና ኣብ ሎጂስሪክ ተመዲቡ ይሰርሕ ምንባሩ ነጊሩና ነይሩ ንብሎ። በቃ ደሓን ደሴ/ደብረብርሃን መስመር ዝነበራ ኣርሚ 35ን 31ን ጥራሕ ስለ ዝኾና፣ ዝተጋደለሉ ቦታ ኣድራሻኡን ስሙን ንገረኒ፣ ኣነ ኣብ ሴንትራል ኣባል ወታደራዊ ስለያ ኮይነ ስለ ዝሰርሕ ናብ ክልቲአን ኣርሚ ሬድዮ ርክብ ገይረ ኩነታቱ ድሕንነቱ ብቕልጡፍ ከፍልጠካ እየ ይብለኒ። ንስኻ ከማና ተጋዳላይ ስለ ዝኾንካ ድማ ተሰዊኡ እንተኮይኑ እውን ብግልፂ ተሰዊኡ ክብለካ እየ ይብለኒ። ብጣዕሚ ኣመስጊነ ኣድራሻኡን ስሙን ይልእኸሉ። ንምድላዩ ክምችወኒ ፎቶኡ እንተልኢኽካለይ ድማ ዝበለፀ ይብለኒ። ፎቶ ወዲ ሓው ኣቦይ ተጋዳላይ ሰለሙን ፀጋይ ድማ ወድያው ይልእኸሉ። ፎቶ ምስ ረአየ ድማ መልሲ ኣለም “ውይ ሰሌ አረ ብጣዕሚ ኢና ንፋለጥ ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሰ/ምዕራብ ጥቓ ሽረ ረኺበዮ ነይረ፣ ምናልባት ኣብ ውግእ ኣድያቦ እንተዘይተሰዊኡ (ውግእ ኣድያቦ ብዙሕ ሰብ በሊዑልና እዩ) ክሳብ መስከረም ግን ነይሩ እዩ፣ ይመስለኒ ናይ ሓባር ፎቶ እውን ይህልወና እዩ ክእልሽ እየ ይብለኒ። እንተንኣሰ ኣብ ማልሳይ ደብረብርሃን ከም ዘይተሰውአ ምፍላጥ ተስፋ ቁ-1። ብዝኾነ ስራሕ ይበዝሐኒ እዩ ግን ኣብ ዝመቸወኒ ናብ ክልቲአን ኣርምታት ሬድዮ ርክብ ገይረ ዝነበሮ/ዘለዎ ኣርምን ሃለዋቱን ከፍልጠካ እየ ይብለኒ።

ን2ተ መዓልትታ ጥፍእ ብምባል ተመሊሱ ” ፍትዊ ሓወይ እንኳዕ ደስ በለካ፣ ሰለሙን ሓውካ ብህይወት ምህላው ኣረጋጊፀ፣ ዝርከቦ ኣርሚ ድማ ኣርሚ 35, ኮርር 352 ኣብ logistic ተመዲቡ ይሰርሓ ኣሎ ይብለኒ። ናይ ስዉኣት ስም ዝርዝር ብኣርሚ ደረጃ ስለ ዝስነድ እታ ኣርሚ ኣብ ዝርዝር ስዉኣት ሰለሙን ከምዘየለ ኣረጋጊፀ ኣለኹ፣ እንኳዕ ድስ በለና ፍትዊ ሓወይ ይብለኒ። ተስፋ ቁ-2፣ ታሕጓሰይ ወሰን ኣይነበሮን። ኣርሚ 35 ድማ ሀዚ ኣብ ወርቃምባ እያ ዘላ ኣብ ቀረባ እዋን ንስራሕ ናብኡ ከባቢ ምንቅስቓሰይ ስለ ዘይተርፍ እንተኮይኑ ብኣካል ክረኽቦ ይኸውን፣ እንተዘይኮይኑ ግን ዘለዎ ቦታ ብትኽክል ጠይቐ ክነግረካ እየ ይብለኒ። ዝገርም ተስፋ። ኣነ ድማ ካልኦት ደሃዮም ዝጠፍኡና ኣሕዋተይ እውን ንምፍላጥ ተወሳኺ ባህጊ ሓዲሩኒ፣ ዋእ ኣታ ተጋዳላይ ኣለም ሓወይ እንድሕር ኣርምታት ምጥያቕ ክንድዚ ዝቐለካ እንተኮይኑስ በጃኻ ምንኣስ ሓወይ እውን እንዶ እማ እንዮ ካብ ዝተጋደለላ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሀዚ ደሃዩ ሰሚዕናዮ ዘይንፈልጥ እሞ ንዕኡ እውን እንዶ እማ ደሃዩ ኣጠያይቐልናን ዝሓወይ ይብሎ። ተጋዳላይ ኣለም ቅንዕናኡ ግርም እዩ ዝብለኒ። ሽም ብፆቱ ኣልዒሉ ኣይፀግብን። ስጋ-ብፆት፣ ስጋ ስውኣት መውፅኢ ኣፉ እየን። እዘን ቃላት እዚአን ብነባር ተጋዳላይ ኣኮይ ስለ ዝፈልጠን፣ ካብ ኣንደበት ተጋዳላይ እዘን ቃላት እንተወፅየን በቃ ንዓይ ፈጣሪ እውን ካብኡ ንላዕሊ ሓቂ ዝዛረብ ኣይመስለንን። እዚ ተጋዳላይ ኣኮይ ነዘን ቃላት ፍሉይ ክብሪ ክህበን ገይሩኒ እዩ፣ ስነ-ልቦናይ ብዝገርም ፀልዩዎ እዩ። ስጋ ብፆት/ስጋ ስውኣት ሓቂ እያ፣ ሓቂ ድማ ስጋ ብፆት/ስጋ ስውኣት። ተጋዳላይ ኣለም ንሕቶይ መልሱ ኣታ ፍትዊ ሓወይ ደሃይ ሓደ ብፃየይ ምፍላጥ እኮ ብስሩ ንዓኻ ምትሕብባር እውን ኣይኮነን፣ ንዓይ ሃለዋት ብፃየይ ምእላሽ ነቶም እንዳቐበርኩዎም ዝመፃኹ ብፆተይ ክብሪ ምሃብ እዩ፣ እንተተሰዊኡ ንዕኡ ክብሪ ምሃብ ብህይወት እንተሃልዩ ድማ ነቶም ዝቐበርኩዎም ክብሪ ምሃብ እዩ፣ ስለዚ ምንም ተሸገረለይ ኣይትበለኒ ግዴታይ እዩ ጥራሕ ሽሙ፣ ዝተጋደለሉ ጊዘ፣ ዝሰልጠነሉ ቦታ፣ ዝተመረቐሉ ጊዘን ዝተመደበሉ ኣርሚ-ክፍለጦር—ወዘተ ሓበሬታ ልኣኸለይ ይብለኒ።  ኣነ ድማ እዚ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤተሰብ ደዊለ ዝተመደቦ ኣርሚ-ክፍለጦር ኣይፍለጥን ኢሎምኒ ካልእ ሓበሬታ ግን ሽሙ “ኣስመላሽ መለስ ሓጎስ” ኢለ ኩሉ ይሰደሉ። ዝስልጥኖ ዝነበረ መካናይዝድ ከም ዝነበረ እውን ቤተሰብ ሓቢሮምኒ ይነግሮ።  ኣለም እዚ ሒዙ ብቑልጡፍ ከም ዝምለሰኒ ቃል ይኣትወለይ።

ንበዓል ልደት 3-4 መዓልትታት ክተርፎ ከሎ ናብ ወርቃምባ ይኸይድ ከም ዘሎን ንሰለሙን ጠይቑ ከም ዝመፅእን፣ ደሃይ ኣስመላሽ እውን ኣፃርዩ ከም ዝመፅእን ይፅሕፈለይ። ኣነ ድማ ብጣዕሚ ኣመስጊነ ግን እዚ ኹሉ እንዳሸገርኩዎስ ከም ዘሰከፈኒ ገሊፀ በጃኻ ንትራንስፖርት 5-ሽሕ ብር ክልእኸልካስ ኣብ መቐለ ካሽ ክህበካ ዝኽእል ሰብ ድለ ኣዲስ ኣበባ ዘእትወሉ ሰብ ይብሎ (ባንኪ ወይ ኣይጀመረን ወይ ድማ ውሑድ ቅርሺ ምውፃእ እዩ ዝፍቀድ ነይሩ)። ኣለም ብፍፁም ኣይውዕሎን እዚ ይብለኒ። ገንዘብ እንተደልየ ኣትሌት ገ/ሄር ገ/ማርያም ብጣዕሚ ዓርከይ እዩ ንዕኡ ሀዚ ገንዘብ ልኣኽ ክብሎ ይኽእል እንዳኾንኩን ይብለኒ። ኣነ ድማ አረ በይዛኻ ንባዕለይ ደስ ክብለኒ እየ ዋ ክልእኸልካ ይብሎ እሞ በል ደሓን ልኣኮ ብጣዕሚ ዝተሸገሩ መዓት ብፆት ተጋድልቲ እንየው እሞ ንሓደ ስፍራ ዘለዎ ብፃይ ንመውዓሊ ልደትካ ኢለ ክህቦ እየ ይብለኒ። ኣነ ድማ ኩሉኹም ማዕረ ኢኹም ንዓይ ይኹን ዋላ ኢለዮ ኣካውንት ዘእትወሉ ናይ ሰብ ሂቡኒ 5-ሽሕ የእትወሉ፣ ተጋዳለይ ኣለም ንወርቃምባ ይገይሽ።

ተጋዳላይ ኣለም ድሮ በዓል ልደት ብውሽጢ ይፅሕፈለይ። ወርቃምባ በፂሐ መፅየ፣ ኩነታት ኣስመላሽ ሓወካ እውን ኣፃርየ ተመሊሰ። እንኳዕ ኩሉ ሓደ ኣይኹን ንስኻትኩም ዕድለኛታት ቤተሰብ ኢኹም፣ ኣስመላሽ ሓውካ ኣብ ኣርሚ-60 ምህላው ኣረጋጊፀ፣ ብሓቂ ደስ ዝብል ድማ ንሱ እውን ኣብ ዝርዝር ስውኣት ኣርሚ 60 የለን። ሓውካ ብርግፀኛነት ብህይወት ኣሎ፣ እንኳዕ ደስ በለኩም፣ እንኳዕ ደስ በለና ዝብል ፅሑፍ ይልእኸለይ። ተስፋ-ቁ3፣ ስግኣትን ተስፋን ዝተሓዋወሶ ሕውስውስ ዝበለ ስምዒት። ተጋዳላይ ሰለሙን ወዲ ሓው ኣቦኻ ድማ ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እዩ ዘሎ፣ ብምጥፍፋእ logistics ተጠርጢሩ ኣብ ወርቃምባ ተኣሲሩ ይርከብ፣ ግን ጊዘ ስለ ዘይነበረኒ ግን ካብ ኣርሚ ጥራሕ ኣረጋጊፀ ብኣካል ክረኽቦ ኣይከኣልኩን፣ እቲ ዋና ግን ብህይወት ምህላው ምርግጋፁ ዓብዪ ደስታ እዩ ይብለኒ። ተስፋ-ቁ4፣ ዝተረጋገፀ ሃለዋት፣ ዓብዪ ደስታ ዓብዪ ሓጎስ። ተጋዳላይ ኣስመላሽ ሓውካ ግና ኣርሚ-60 መካናይዝድ ስለ ዝኾነትን ምስ ኩለን ኣርምታት ስለ እትስለፍን ኣበይ ቦታ ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ከም ዝኾነን ኣብ ቀረባ ናብ ተምቤን (ዋና ቤዝ ኣርሚ-60) ከይዱ ኣፃርዩለይ ከም ዝምለስን ሀዚ እውን ቃል ይኣትወለይ። ሰብ ዶ ንሰብ ክንድዚ ምትሕብባር ይገብር? ተጋዳላይ ኣለም ፍሉይ እዩ ብሓቂ።

ኣብ ዝርዝር ስውኣት ዘይምህላዎም ተጋዳላይ ኣለም ክገልፆ ከሎ ዳርጋ ብኣካል ዝረኽብካዮም እዩ ዝመስለካ፣ ብዝኾኑ እዚ #ተስፋ ንበይነይ ካብ ዝገብሮ ኢለ ንቤተሰብ ኩሉ እዚ ብስራት ደዊለ ይናግር፣ እታ ዝተነገረትኒ ከም ዘላ። ተስፋ እምበር ገና ብኣካል ከም ዘይረኸብናዮም፣ ብኣካል ንምርካብ ድማ ፃዕሪ ከም እንገብር። ቤተሰብና ናይ messenger group ኣለና፣ ኣብኡ እዚ ሓበሬታ ሰዲደ እዚ ግሩፕ ዕልልልልልታ ብዕልልልልታ ይኸውን፣በዓል ልደት ዝገርም ብስራት ዝተሰምዖ ዝገርም በዓል ኮይኑ ይሓልፍ። ውሽጣዊ ስግኣት ከከም ውልቃዊ ባህሪና ዝፈላለ ኮይኑ። 

ኣለም ኩሉ ጊዘ ምሸት ምሸት እዩ ዝፅሕፈለይ። ምኽንያቱ ክነግረኒ ከሎ ድማ ኣባላት ስለያ ሴንትራል መዓልታዊ ሓበሬታ ንሴንትራል ኮማንድ ሪፖርት ስለ ዘቕርቡ ቀትርን ለይትን ኣብኣቶም ኣይፍለጥን፣ ቀትሪ ሓበሬታ ኣብ ምእካብ ይውዕሉ፣ ለይቲ ድማ ኣብ ቢሮ ኮፍ ኢሎም ሪፖርት እንዳፀሓፉ ይሓድሩ፣ ድቃስ ዝብሃል ኣይፈልጡን። ስለዚ ምሸት ምሸት ናይ ቢሮ ኢንተርኔት እንዳተጠቐመ እዩ ዝፅሕፈለይ፣ ብዙሕ ጊዘ ድማ ቻው ቻው…ስብሰባ ንኣቱ ኣለና እዩ ዝብለኒ። ብዙሕ ጊዘ። ሰብሳቢኦም እውን ጌታቸው ኣሰፋ እዩ መብዛሕትኡ ጊዘ። ጌታቸው ኣሰፋ ኣለም ክገልፆ ከሎ ናይ ዓለም ፈራሕ ገይሩ እዩ ዝገልፆ፣ ብጣዕሚ ፈራሕ። 

ብዝኾነ ሓደ መዓልቲ ስልኩ ኣብ ምግዳል ተሰባቢራቶስ ንፀጋናይ ሂቡዋ ቀንዩ ምንም ክትዕረ ዘይምዃና ስለ ዝነገሮ “ፍትዊ ሓወይ ኣብ መቐለ ሓደ ጥዑያት ስልኪ የለዋን፣ ካልኣይ ብጣዕሚ ክባር እዩ እንዮ እሞ ብልቓሕ እባ ስልኪ ገዚእኻ ስደደለይ፣ ግን ስጋ-ስውኣት መሊሰ ዝኸፍለካ ገንዘብ እዩ” ይብለኒ። ብጣዕሚ ደስ ኢሉኒ፣ ውዕለታይ ዝኸፍለሉ ኣጋጣሚ ተረኺቡ ኢለ ወዓል ሕደር ከይበልኩ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ዘማይ ኣዚዘ ቴክኖ ስልኪ ብ6,600 ብር ይገዝአሉ፣ ሰብ ግበረለይ ሒዙልካ ዝመፅእ ይብሎ እሞ ሰብ ሂቡኒ እዛ ስልኪ ንልእኸሉ። ብጣዕሚ ኣመስጊኑ ስልከይ እውን ከም ዝተቐበለ የረጋግፀለይ። 

በዓል ልደት ሰንበት ዝሓለፈ ንተጋዳላይ ሰለሙን ሓው ሃፍ እንዳበለ ካብ ከተማ ፍረወይኒ ተላዒሉ ወርቃምባ ይኣቱ ንሰለሙን ንምጥያቕ። ኣርሚ 35 ሓለፍቲ ይኹኑ ዝምልከቶም ኣካላት ይራኸብ፣ ደሃይ ሓው ይጥይቕ፣ ኣብ ውርቃምባ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምህላው እው ሓበሬታ ረኺቡ ከም ዝመፀ ይዛረብ። ደሃይ ሰለሙን ከም ብተስፋ ተሃብጢውዎ ዝመፀ ክረኽቦ ኣይከኣለን። ዝረኸቦም ተጋደልቲ ይኹኑ ሓለፍቲ ኣብ ኣርሚ 35 ኣይኮነን ኣብ ቤት ማእሰርትስ ሰለሙን ፀጋይ ዝብሃል ኣባል ከም ዘየለ ሓቢሮም ተስፋኡ የፀልምትዎ። ክንዲ ዝከኣሎም ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ኩሉ ሓበሬታ እውን ይተሓባበሩዎ፣ ተጋዳላይ ሰለሙን ኣብ ወርቃምባ ይኹን ኣብ ኣርሚ 35 የለን። እዚ ተስፋ ዘፀልመተ ዜና ሒዙ ሓው ሰለሙን ናብ ቤተሰብ ይምለስ፣ ንዓይ እውን ይድወለለይ፣ ከመይ ከምዚ ክኸውን ክኢሉ ብዙሕ ሕቶታት ኣብ ርእስና ክመላለስ ጀሚሩ።   

ፍትዊ ድማ ናብ ኣለም እዚ ኩነታት ንምርዳእ ይድውል:: ናይ ኣለም መልሲ ሓፂርን ግልፅን እዩ ነይሩ፣ ፍትዊ  ሓወይ ንምንታይ ንዓይ ከይነገርካኒ ቤተሰብ ትልእኽ፣ ሰለሙን ተኣሲሩሉ ዘሎ ቦታ እኮ ፈፂሙ ቤተሰብ ንኽሪኡዎ ዝፍቀድ ቤት ማእሰርቲ ኣይኮነን። ብመፈንቅለ-መንግስትን ብምጥፍፋእ ስንቅን ሎጂስቲክን ተጠርጢሮም ዝተኣሰሩ ተጋደልቲ ብዓብዪ ምሽጥር ስለ ዝትሓዝ ማንም ቤተሰብ ክጥይቖም ኣይኽእልን። ስለዚ ኣብዚ የለን ዝበሉዎ ኮነ ኢሎም እዮም፣ ድሕሪ ሀዚ ቤተሰብ ከይትሰድድ ሓደራኻ። ጊዘ ኣሞቻችየ ግን ባዕለይ ሒዘዮ ክኸይድ እየ እሞ ኣባል ስለያ ስለ ዝኾንኩ ንዓይ ስለ ዝፈቕዱለይ ኣራኺበዮ ክመፅእ እየ፣ ንሀዚ ግን ሓው ንሰለሙን ባዕለይ ብደምቢ ምእንቲ ከረድኦ ስልኩ ልኣኸለይ ይብለኒ። ስልኩ ይልእኸሉ፣ ደዊሉ እውን ይረኽቦ፣ ተመሳሳሊ ገይሩ ድማ የረድኦ። ንሱ ጥራሕ እውን ዘይኮነ፣ መቐለ ንዓ እሞ ምእንቲ እውን ክትኣምን ብኣካል ረኺበ ከዕልለካ ይብሎ። ምትሕብባር ኣለም ኩሉ ጊዘ ምስ ኣግረመለይ እዩ ንዓይ፣ እዚ ክብሎ ከለኹ ድማ ሽም ብፆቱን ሽም ስውኣትን እዩ ዘልዕል፣ ንስኻ ንዓኹም ዝሕግዝ ዘለኹ ይመስለካ፣ ኣነ ግን ካልእ እየ፣ ንዓይ ብፃየይ እየ ዝእልሽ ዘለኹ፣ ንብፃየይ እየ ዝተሓባበር ዘለኹ፣ እቲ ቃልሲ ንሱ ኢና ተማሂርናሉ፣ እቶም ብዙሓት ዝተሰውኡ ንሱ እዮም ሓደራ ሂቦምና ተሰዊኦም እዩ ዝብለኒ። ኣለም ንሓው ሰለሙን ናብ መቐለ ፀዊዑ ብኣካል ይረኽቦ፣ ንሓፂር ጊዘ እዩ ኣዕሊሉዎ ጊዘ የብሉን ኣለም። እታ ብስልኪ ዝነገሮ እዩ ነጊሩዎ፣ መታወቅያኡ እውን ኣርእዩዎ፣ ብትኽክል እውን ተጋዳላይ ኣለም ኣባል ስለያ TDF እዩ። ምስኡ ብሓደ ከለው እውን ብውሽጢ መልእኽቲ ይልእኸለይ፣ በይዛኻ እዚ ሓው ሰለሙንስ ዝተሸገረ እዩ ዝመስል ምእሽቶን ገንዘብ ዶ ክህቦ ይብለኒ። ናተይ መልሲ ድማ፣ ኖ ኖ ኣለም ሓወይ ግዲ የብልካን ንባዕልኻ ካበይ ኣምፂእኻ ክትህቦ ብስሩ ዋ፣ ንቤተሰብ ከዓ ኣብ ቀረባ እውን ልኢኸ ስለ ዝነበርኩ ግዲ የብልካን ኣይትሃቦ። ሽግር ድኣ መላእ ትግራይ፣ ኩሉ ትግራዋይ እንድዩ ተሸጊሩ ዘሎ ይብሎ እሞ ብኡኡ ተረዳዲእና ንሓው ሰለሙን ካብ ከተማ መቐለ የፋኑዎ።

ድሕሪ ደጊም ንቤተሰብ ባዕለይ እየ ሒዘዮም ዝኸይድ እምበር ቤተሰብ ባዕሎም ክጥይቑ ከይትልእኾም ኢሉና ድሕሪ እዙይ ተጋዳላይ ኣለም ጊዘ ረኺቡ ክሳብ ዝነግረና ምፅባይ እዩ። 

ክፋል ክልተ ይቕፅል ….

By aiga

One thought on “ኣለሻ ሃለዋት ተጋደልቲ (ኣብ ልዕለይ ዝበፅሐ ዘሕዝን ተጓንፎ – ፩) ”
  1. I read it and its a very sad tragedy, totally unacceptable, especially from ‘Tegadalay’.

Comments are closed.